‹‹ጁንታ ህወሓት በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል ዘይተቐበሎ ብዘይ ጎንፂን ቅርሕንትን ምንባር ስለዘይኽእል እዩ›› ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዋና መተሓባበሪ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ጁንታ ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል ዘይተቐበለሉ መሰረታዊ ባህሪይ ካብ ጎንፂ፣ፀገምን ቅርሕንትን ወፃኢ ምንባር ስለዘይኽእል እዩ ክብሉ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም፡፡ ኣብ ከባቢ ራያ ትንኮሳ ምክያዱ’ውን ጠቒሶም፡፡

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዋና መተሓባበሪ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ሰላማዊ ኩነታት ንጁንታ ብህይወት ምንባር፣ ምውዳብ ምስፍሕፋሕ ምቹው ኣይኮንን ኢሎም፡፡ናይቲ ውድብ ባህሪ ኩል ግዜ ጎንፂ እዩ፣ ንዕኡ ዝመቸዎን መሕብኢኡ ስለዝኾነ በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባል ኣይተቐበሎን ኢሎም፡፡

መንግስቲ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ዘበለ፣ኣብ ትግራይ ህዝቡ ንክሓርስ እዩ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ባጫ፣ ተዘይሓሪሱ ኣብ ቐፃሊ ጥሜትን ቸነፈር ክምፅእ እዩ ብዝብል ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡፡

ጁንታ ንዚ ዘይተቐበሎ መቐለ ኮፍ እንትብል ሽማግለታት ከይሞቱ መናእሰይ ኣብ ኲናት ስለዘኣጎዶም ካብ ህዝቢ ሕቶ ከይቐርብ ፤ህዝቢ ብሰላማዊ መገዲ ዝበልዖን ዝሰትዮን ስለዝደሊሕቶ ከየቕርብ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል ክቕበል ባህርኡ ከምዘይፈቕደሉ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል ዝወሰነ ጁንታ ንክቕበል ዘይኮነስ ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኲሲ ጠጠው ንከብል ይውትውት’ውን ስለዝነበረ እዩ ኢሎም፡፡

ሰራዊት ካብ መቐለ እንትወፅእ እቲ ሰራዊት ኣበይ ኮይኑ ክውደብ ኣለዎ፣.ትንኮሳ እንተጋጢሙ ዓፀፊታ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ዝኽእለሉ ቦታ ብዝብል እዩ ምንቅስቃስ ዝተተመጀረ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ባጫ፣ኣብ ወታደራዊ ምንቅስቃስ ሓለዋ ይግባር እዩ፣ንቲ ዋና ምንቅስቃስ ዝህውክ ነገር እንተሃሊዩ በቲ ሓለዋ ንምክልኻል እዩ ኢሎም፡፡

 ኣባላት ሰራዊት መን ኣበይ ክኾን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኩነታት እንዳሃለና ናይ በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባል ውሳነ እቲ ጁንታን ናይቲ ጁንታ ደጋዊ ሓይሊ(ገዛእቶም ካልኦት እዮም፤ እሶም ተለኣአኽቲ እዮም) ንዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም በዝተፈላላየ መገዲ ትንኮሳታት ብምክያድ ንሕና ንሓለዋ ንሳተላይትን ኣብ ዘቐመጥናዮም ኣሃዱታትን ናይ ክልል ናይ ፀጥታ ሓይልታት ምጥቃዕ ከም ሓደ ምችው አጋጣሚ ተጠቒሞም እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡

በዚ መሰረት ኣብ ራያ ኣበይ ቦታ ክንኸውን ተባሂሉ ውሳነ ተዋሂቡ (ኮረምን ኣላማጣን ቀደም ሰራዊት ኣይነረናን) ነዚ ንክጥዕም ኣነእሽተይ ሓይልታትን ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ፀጥታ ኣብ ዝምችው ቦታ እንዳቐመጥና እንዳሃለና ጁንታን ንዚ ኣጋጠሚ በምጥቃም ንሕና ከይተጣየሽና ንክነጥቕዕ ኢና ብዝብል ንዚ ሓይልና ኣጥቒዑ ንምድምሳስ ፈተና ገይሩ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ፈተነ ካብ ማእኸላይ ትግራይ ዝተፈላለየ ቑፅሪ ዘለዎም ሲቪላት ኣንቀሳቒሶም ኣለዓዒሎም ብረት ትረኽቡ ኢኹም፣ ንብረትን ገንዘብን ትረኽቡ ኢኹም ብዝብል ኣብዚ ቦታ ኣዋፊሮም እዮም ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ጁንታ ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ንዅናት እናመልመለን እናዋፈረን ይርከብ ፣ እዚኦም እዮም ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምስቲ ከባቢ ሓይልታት ፀጥታን ንክዋግኡ ዘዝዘመትዎም፤በድሕሪቶም ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀረ ካብ ማእኸላይ ትግራይ ህዝቢ ኣብ ተምቤን ዝተፈፀመ ዓይነት ንምፍፃም ተኸቲሎም መፂኦም እዮም ክብሉ ገሊፆም፤እቲ ሰራዊት ኣበይ ኮይኑ ክጥቕዕን ክከላኸልን ከምዝኽእል እናሰራሕና ንርከብ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ባጫ ፣ንሕና ንዋጋእ ዘለና ንዶብን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ናይ ጁንታ ግዝያዊ ፈኸራ ከይሰማዕና ኣብ ደስ ዝበለና ንወያነ ግብኣተ መሬቱ ክነእትዎ ንኽእል ኢና ኢሎም፡፡ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጎኒ ሰራዊትና ጠጠው ክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

 ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You