‹‹ንህዝቢ ትግራይ ዘለና ሓሳብ ፣ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለና ቦታን ንመወዳእታ ግዜ ኣርኢና ኢና ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ንህዝቢ ትግራይ ዘለና ሓሳብ፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለና ቦታን ንመወዳታ ግዜ ኣርኢና ኢና ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

 ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ጎንፂ ንዘይምግዳድ ፣ነቲ ህዝቢ ንእዋን ሕርሻኡ ግዜ ንምሃብ ከምኡ’ውን ኣቕርቦት ረድኤት ብዘይ ሰበብ ንክስራሕ ኣብ ሰብኣዊነት ዝተመስረተ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ከምዘበሉ ኣዘኻኺሮም። ሰላም ዝተወሰነ ዋጋ ከምዘኽፍለና እንተፈለጥና’ውን እዚ ግና ናይ መወዳእታ ሰላማዊ ዕድል እዩ ኢሎም።

ከም ገለፃ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ‹‹ድሙ ሞልኪሳ ኣመላ ኣይትርስዕን›› ከምዝባሃል እቲ ጁንታ መገዲ ሰላም ክዋሓጠሉ ኣይካኣልን።ኸዚ ኣብ ዘለዎ ቅዋም ብዘይ ጎንፂ ውዒሉ ክሓድር ኣይኽእልን።ህፃናትን መናእሰይን ብኣደንዛዚ እፅ እናደንዘዘ ናብ ኹናት እናእተወ ይርከብ። ሰራዊት ምክልኻል ድማ ንዞም ህፃናት ወታደራት ምድሓን ሞራላዊ ግቡእ ኾይንዎ ኣሎ ኢሎም።

‹‹ንህዝብና ክንብል ዝኸፈልናዮ ዋጋ ብዘይተረደኦም ደካማታት ምኽንያት ውፅኢት ኣየምፀአን ፤ጁንታ ህልውና ኢትዮጵያ ዋና ፀላኢ ከምዝኾነ’ውን እናማስከረ እዩ ። እዚ ድማ መላእ ህዝብታትና ኣተሓባቢርና ክነፍሽሎ ኢና። ብሓደ ወገን ሰብኣዊ ሓገዝ ብቅልጡፍ ንክበፅሕ እናሰራሕና ብኻልእ ወገን ድማ ናይ ውሽጥን ወፃእን ፀላእትና ተናቢቦም ዝኸፈቱልና መጥቃዕቲ መኪትና ንክነፍሽሎ ኢና›› ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ጁንታ ኣብ በዓቲ ኣትዩ ህዝቢ ብጥምየት ክውዳእ እዩ እናበለ እናጠርዐ ነይሩ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ ንህዝቢ ክባሃል ሰብኣዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምስተገበረ ድማ ኣጀንዳ ጥምየት ነጋሪት ምጉሳም ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ሓገዝን ጥምየትን እናተዛረበ ምፅንሑ ረሲዑ፣እቲ ጁንታ ህፃናት እንተሰልፍን እኳ ስቕታ መሪፁ ኣሎ ኢሎም። ኮሪደራት መእተዊ ረድኤት ናይ ጎንፂ ቦታታት እንትገብሮም ትካላት ረድኤት ኸዚ’ውን መንግስቲ ንምውቃስ ከምዝደልዩ ጠቒሶም፣ እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኣድላይ ዝኾነ ኹሉ ብዝግባእ መገዲ ክገብር እዩ ክብሉ ኣመልኺቶም።

ህዝብና ካብ ሓሰተኛ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳ ፀላኢ ኸዚ’ውን ባዕሉ ንክሕሉ ክነተሓሳስብ ንፎቱ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ ፤ጁንታን መዳርግቱን ዘለዎም ዓቕሚ ሓሶት ምፍጣር ጥራሕ ስለዝኾነ ናይ ወፃእን ውሽጥን ፀላኢ ፕሮፖጋንዳ ኣዋዲዶም ህዝቢ ንምክፍፋል እናሰርሑ እዮም ኢሎም።ንዚ ድማ ህዝብና ከም ቅድሚ ኸዚ ህዝቢ ከም ሓደ ሰራዊት ኾይኑ ንህልውና ሃገር ጠጠው በምባል፣ንሰራዊት ምክልኻል ብኹሉ ነገር ብምድጋፍ ናይ ወፃኢ ፅዕንቶን ናይ ውሽጥን ትንኮሳ ንክምክትን ንከፍሽልን

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You