ዓወት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት

ኢትዮጵያውያን ቅድሚ 128 ዓመታት ኣብ ዓድዋ ዓብይ ዓወት ኣመዝጊቦም’ዮም። እዚ ዓወት ካብ ሃገርና ሓሊፉ መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ንናፅነቶም ኣንፃር ባዕዳዊያን ንክቃለሱ ሓበን ዝኾነ ፍፃመ’ዩ። ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ዝለዓለ መስዋእትነት ዝኸፈሉን ወነንቲ ናፅነትን ዝኾኑ ህዝብታት ‘ዮም። በዚ ድማ ብዓለም ደረጃ ዘሕብን ታሪኽ ዘለዎም’ዮም።

እዚ ታሪኽ ኣብ ኣፍሪካን ካሪብያንን ዝርከቡ ፀለምቲ ህዝብታት መንፈስ ኣይግዛይእ በሃላይነት ንክህልዎምን ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ክዕምፁን ክቃለሱን ዓብይ ፍልፍል ሓይሊን ወነን ኮይኑዎም ‘ዩ።ነዚ ሎሚ ዘስተማቕርዎ ንዘለዉ ናፅነት ኢትዮጵያዊያን ዘመዝገብዎ ዓወት ዓድዋ መበገሲ ከምዝኾኖም ፍሉጥ’ዩ። ቅድሚ 128 ዓመታት ዝተመዝገበ ዓወት ዓድዋ ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብተኻየዱ ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቓልስታት እቲ ዝዓበየን በቲ እዋን በዓለም ደረጃ ሰፊሕ መዘራረቢ ዝኾነ ወለድና ዝፈፀምዎ ዓብይ ፍፃመ ‘ዩ።

ኣብ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝብታት’ውን ንሓርነት ዓይኒ ዝኸፍት ፍፃመ፤ ኣብ ከቢድ ኣርዑት ባርነት ዝነበሩ ፀለምቲ ህዝብታት ንሓርነቶም ንክቃለሱ ምንቅስቓስ ዝፈጠረ፤ኩሉ ሰብ ማዕረ ምዃኑ ዘረጋገፀን ንሰብ-ነት ሓድሽ ብያኔ ንክውሃብ ዝገበረ፣ኣብ ዲፕሎማሲ ሃገርና ዓብይ ዝላ ዝፈጠረ፣ብሓፈሻ ኣብ ሃገርናን ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣፍሪካዊያንን ፀለምቲ ህዝብታትን ከም መኽፈቲ ሓድሽ ምዕራፍ ዝቑፀር ድሙቕ ዓወት’ዩ።

ኢትዮጵያውያን ንሃገሮም ብዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ፣ሓድነት፤ጅግንነትን ፅንዓትን ብዘይ ምንም ኣፈላላይ ዓሌት ይኹን ሃይማኖት ብዘየገድስ ከም ቆፎኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ብሓባር ወፊሮም ንሃገሮም ከቢድ መስዋእቲ ከፊሎም።ዓወት ዓቲሮም፤ንዓናን ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት ዓለም ፍልፍል ፍናንን ኩርዓትን ኾይኖም።

ኣቦ ሓጎታትና ዓሚቕ ስምዒት ሃገራውነትን ዝነበሮም፣ ምእንቲ ሃገሮም ክብሪ መስዋእቲ ዝኸፈሉን እንትኾኑ ኣብ ኹናት ዓድዋ እቲ ወራሪ ሓይሊ ዝሓሰቦ ዘይኮነስ ድሙቕ ዓወት ብምምዝጋብ ዓለምለኻዊ ውራይ ብምግባር ዓለም ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ህዝብታት ዝነበሮ ግጉይ ኣረኣእያ ዳግማይ ክሓስበሉ ዘገድድ ኩነታት ክፈጥር ኣኽኢሉ’ዩ።እዚ ዝተረኸበ ብሓድነት፣በጅግንነትን ፅንዓትን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ’ዩ።

ልዕሊ ኩሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝኾነ ኩነታት ይሃልዉ፣ ዝኾነ ወራሪ ክሳብ ክንደይ ሓያል ይኹን፣ ንናፅነት ዘለዎም ህርፋን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ናፅነቶም ካብ ኢዶም ምውፃእ ቀሊል ከምዘይኮነ ብዝለዓለ መኸተ ብሓድነት፣ ብጀግንነትን ፅንዓትን መስዋእቲ ኸፊሎም ኣርእዮም።በዚ ድማ ኣብ ዓድዋ ቅድሚ 128 ዓመታት ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቦም።ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት’ውን ኩርዓትን ሓበንን ኮይኖም።

ኢትዮጵያውያን ንሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ፃውዒት ንድሕሪት ኣይብሉን። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ወለዶ ኢትዮጵያውያን’ውን ምእንቲ ሃገሮም ምስዋእ ዓብይ ኽብሪ ምዃኑ ኣረጋጊፆም። ኣብዚ ጉዳይ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ነቲ ጅግንነታዊ ፍፃመ ብዓይኑ ክዕዘቦ ዕድል ፈጢሩሉ ኣሎ።

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንናፅነቱ ኣብ ኲናት ዓድዋ ተሳቲፉ፤ እቲ ኲናት ዝተመርሐሉ ስትራተጂ’ውን ኢትዮጵያውያን ዋላ ዘበናዊ ኣፅዋርን መራኸብን ኣይሃልዎም ኲናት ናይ ምምራሕን ብዓወት ናይ ምውዳእን ዓቕሚ ከም ዘለዎም ብግልፂ ንዓለም ክርእዩ ኣኽኢልዎም። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምንብርካኽ ድሌት ዘለዎን ዝፍትንን ዝኾነ ባዕዳዊ ሓይሊ ኢትዮጵያዊያን ከቢድ ኺሳራ ከምዘጎልብብዎ ክፈልጥን ክልተ ግዜ ክሓስብን ዝገበር ፍፃመ ኣብ ዓድዋ ብጀጋኑ ወለድና ተፈፂሙ ኣሎ። እቲ ፍፃመ ካባና ሓሊፉ ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት ኩርዓት ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሓድነት ህዝብና ዝተርኣየሉ፣ ሓድነት መሰረት ዓወት ምዃኑ ብጭቡጥ ዝተረጋገፀሉ ኩናትን ዓወትን ዓድዋ ሐዚ ድማ ድኽነት ሰጊርና ብልፅግቲ ሃገር ንክትህልወና ከም በዓል ዓብይ ግድብ ህዳሴ ዓይነት ፕሮጀክትታትን ካልኦት ሜጋ ፕሮጀክትታት እናሰራሕና ንእንገብሮ ፀረ ድኽነት ቓልስና ዓብይ ተሞክሮ ስለዝኾነ ሎሚ’ውን ካብዚ ዓወት ብዙሕ ክንመሃር ከም እንኽእል ይእመን።

ኣቦታትና ብብዙሕ መስዋእቲ ዘረከቡና ናፅነት ምሉእ ንምግባር ልክዕ ከምቲ ኣቦታትና ኣብ ዓድዋ ዝገበርዎ ካብ ድኽነት ንምውፃእን ብልፅግና ሃገርና ጋህዲ ንምግባር መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቓልሲ ፀረ ድኽነት ብሓድነት፤ጅግንነትን ፅንዓትን ጠጠው ኢልና ብዓወት ብምዝዛም ንመፃኢ ወለዶ ምዕብልቲ ሃገር ንምርካብ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ይግባእ።እዚ እንትኸውን ናፅነትና ዝተማልአ ይኸውን። ንካልኦት ፀለምቲ ህዝብታት ድማ ሓዚ’ውን መርኣያን ሓበንን ክንኾን ንኽእል ኢና።

ወጋሕታ 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *