ምልክት ሓባራዊ ዓወትን መንፈስ ተኽእሎን

ብ24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ዝተጀመረ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛም ኣብ ጫፍ በፂሑ ኣሎ። ናብዚ ብርኪ እዚ ንምብፃሕ ብርክት ዝበሉ ፀገማትን ውዲታትን ሰጊሩ ‘ዩ። መበል 13 ዓመት ምምስራት እዚ ግድብ “ብሕብረት ክኢልና ኢና!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኸበረሉ ምኽንያት ህዝቢ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ እናገበሮ ዘሎ ቐፃሊ ድጋፍ ንምምስጋን ‘ውን ‘ዩ፡፡

ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ንምህናፅ መደብ ሒዛ ከትጅምር እንተላ ዝነበረ ጫውጫውን ፀቕትን ቐሊል ኣይነበረን። ሕልምን ተስፋን ኢትዮጵያውያን ንምፍሻል ሓደ ሓደ ሃገራት ዕንቕፋት ይፈጥራ ነይረን ‘የን፡፡ ብደረጃ ዓለም ንምንፃል ኣብ ልዕሌና ሰፊሕ ወፍሪ ተኻይዱና ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያ ዘይፈረመትሎም ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ውዕል ብምግዳድ እቲ ህንፀት ካብ መጀመርትኡ ክመክን ፈቲኖም ‘ዮም፡፡

ገሊኦም ክጅምርዎ ይኽእሉ ‘ዮም ኮይኑ ግና ክውድእዎ ኣይኽእሉን እናበሉ ልቓሕ ከይንረክብ እናገበሩ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ባዕላ ሩባ፣ ብናይ ገዛእ ርእሳ ዓቕሚ፣ ኣብ ናይ ባዕላ ሃገር ተሓዳሲ ፀዓት ከይተመንጩ ብዙሓት ተራባሪቦምላ ‘ዮም። ቤት ምኽሪ ባይቶ ፀጥታ ብዛዕባ እዚ ክመክር ተገይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ሕልማ ከይትበፅሕ ክዓግቱዋ ኣይከኣሉን። ምክንያቱ ህዝቢ ብሓባር ደው ስለዝበለ፡፡

ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እዚ ብምህናፃ ዝጉዳእ ኣካል የለን፤ ኣይክህሉን’ውን። ኢትዮጵያ ኣብ ናይ በዓላ ሩባ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ከይትለምዕ፣ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ዝመፁ ልቓሕ ንምኽልካል ‘ዩ፡፡ ልቓሕ ንኸይትረክብ ዝተፈላላዩ ዕንቅፋታት ንምፍጣር ደኺሞም ‘ዮም፡፡

ይኹን ‘ምበር ኢትዮጵያውያን መርበባት ተንኮል ብሓባርን ፅንዓትን ብምብታኽ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ካብታ ዘለቶ ንእሽተይ ትኹን ዓባይ መዓልታዊ እቶት ብምቕናስ ነዚ ግድብ ኣብ ናይ ምዝዛም ምዕራፍ ወይ ጫፍ ኣብፂሕዎ ይርከብ፡፡ ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እትግድቦ ዘላ ንማንም ንምጉዳእ ኣይኮነን፤ እቲ ዕላማ ህዝቢ ካብ ፀልማት ህይወት ንምውፃእ ጥራይ ‘ዩ። ቀረብ ፀዓት ዓለምለኻዊ ፀገም ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ምፍራይ ተሓዳሲ ፀዓት ዓለምለኻዊ ደገፍ ዘርክብ ንጥፈት ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዓወት ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጀሚራ ናይ ምውዳእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ርኢና ኣለና። ናብ ምዝዛም ገፁ ዘሎ ግድብና እቲ ዝቐረየ ኣብ ሓፂር ግዘ ክዛዘም ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ 18.5 ቢልዮን ብር ብምውፃእ ናብ ምዝዛም ምዕራፍ ዘብፅሐ ህዝቢ ንዝተረፈ ናይ ማንም ደገፍ ኣይፅበይን።

እዚ ፕሮጀክት እዚ ዕዉት ዝኾነሉ ምኽንያት ብናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓባራዊ ዓቕሚን ፃዕሪን ‘ዩ። ዓብዪ ግድብ ህዳሴና ምልክት ሓባራዊ ዓወትን መንፈስ ተኽእሎን መላእ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ሎሚ ዓመት መንግስቲ መበል 13 ዓመት ምጅማር ህንፀት እቲ ግድብ እንተኽብር ከምናይ ቕድሚ ሕዚ ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ዜጋታት እናሓተተ ጥራሕ እንተይኮነስ ብናይ ሓባር ተሳትፎ ኣብዚ ብርኪ እዚ ዘብፀሖ ህዝቢ ንምምስጋን ‘ውን ‘ዩ፡፡

ብሓፈሻ ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘበርከቶ ኣበርክቶ ገንዘብ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ጉልበቱ፣ ፍልጠቱን ግዚኡን ኣብዚ ግድብ እዚ ኣውዒልዎ ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ግድብ እዚ ልክዕ ከም ዓወት ዓድዋ መላእ ኢትዮጵያውያን ዝተሓባበርሉ ህዝባዊ ዓወት ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ተሓቢሩ ዓበይቲ ስራሕቲ ጀሚሩ ንምውዳእ ከምዘይኣብዮ ‘ውን ዘርኢ ‘ዩ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝሓለፉ 13ተ ዓመታት ህዝቢ ብሓድነት ብምቅስቓስ መንፈስ ሰዓራይነትን ከኣላይነትን ዘረጋገፀ እንትኾን፤ኢትዮጵያን ህዝባት ብናይ ባዕሎም ውሽጣዊ ዓቕሚ ዓወት ምምዝጋብ ከምዝኽእሉ ዘመስከረ’ዩ፡፡ስለዚ እተን ዝተረፈ ስራሕ ንምዝዛም ሓባራዊ ርብርብ ምግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You