ንድርቂ ብሓባር ንመክት  

ኣብ ሃገርና ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ኣምሓራን ዓፋርን ብድርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ኣለው፡፡ መንግስቲ’ውን ንቲ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው እናሰርሐ ይርከብ፡፡ንዜጋታት ምግብን ምግቢ ተንከፍ ብምቕራብ’ውን ህይወት ዜጋታት ንምድሓን እናሰርሐ እንትኾን እዚ ስራሕ ግና ናይ ኩሉ ማሕበረሰብን ፣ገብርቲ ሰናይ ትካላትን ሓገዝን ሕብረትን የድልዩ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ንዘጋጠመ ድርቂ ብናይ በዓሉ ዓቕሚ ብዓይነትን ገንዘብን ንዘቕረቦ ሰብኣዊ ሓገዝ 11 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ወፃኢ ገይሩ ‘ዩ ፡፡ካልኦት ገበርቲ ሰናያት ኣካላት ብምትሕብባር ‘ውን 4 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ብሓፈሻ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራሕ ናብ 15 ቢልዮን ብር ዝፅጋዕ ንሰብኣዊ ሓገዝ ወፃኢ ተገይሩ ‘ዩ ፡፡እዚ ዘመልክት መንግስቲ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እንትኾን ብዘላቒነት ንቲ ድርቂ ንምምካት ግና ሕብረት የድሊ፡፡ኩሉ ብፂሒቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ድርቂ ድማ ሰፊሕን ግዜ ዘይህብን እንትኾን ኩሎም ኣካላት ካብቲ ፀገም ንምስጋር ንዝግበር ፃዕሪ ብዝተወደበን ዝተዋደደን መገዲ ክሰርሑ ኣለዎም፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ገይሩ ኣሎ፡፡ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ እዋናዊ ህልው ኩነታት ምልከታ ገይሩ ንቲ ፀገም’ውን ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ድርቂ ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝለዓለ ጉድኣት ስለዘስዐበ ንቲ ድርቂ ንምምካት ኩሉ ብሓባርን ብዝተዋደደ መገዲ ክሰርሕ ይግባእ ክብል’ውን ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ ኮምሽን ኣመራሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፉ ሸዱሽተ ኣዋርሕ 430 ሺሕን 303 ኩንታል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከምተልኣኸ ገሊፁ ኣሎ፡፡

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዓይነትን ገንዘብን ናብ 4 ነጥቢ 4 ቢልዮን ብር ዝፅጋዕ ወፃኢ ዝተገበረ እንትኾን፣ እቲ 3 ነጥቢ 1 ቢልየን ብር ካብ ለገስቲ ኣካላት ዝተረኽበ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ድማ 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ዝግመት ገንዘብ ወፃኢ ገይሩ ‘ዩ፡፡ ብሓፈሻ ን2 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተዓዲሉ ‘ዩ፡፡

እቲ ብመንግስቲ ዝቀረበ ሰብኣዊ ሓገዝ ለገስቲ ትካላት ስርሖም ኣቋሪፆም ካብ ዝወፅኡሉ ጀሚሩ እንትኾን፣ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ራብዓይ ዙር ሓገዝ ኣይሓውስን፤ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዙር ዝተገብረ ሓገዝ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ልዕሊ ሰብ፣ እንስሳትን እፅዋትን ዝበፅሐ ጉድኣት ዝለዓለ ብምዃኑ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ብገንኡ ንምውጋድ ኩሎም ኣካላት ክረባረቡ ይግባእ።እቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝያዳ ክውስኽ ግድን ይኸውን፡፡ንዚ ድማ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረሰብ ተሳታፊ ክኸውን ይግባእ፡፡

ክልል ትግራይ ኮቪድ፣ ወራር ዕስለ ኣምበጣ፣ ክልተ ዓመት ድማ ብኵናት ዘሕለፈ ብምዃኑ እቲ ፀገም ከቢድ ይገብሮ፡፡ ክሕረስ ካብ ዝግብኦ መሬት ትግራይ ዝተሓረሰ 49 ሚኢታዊ ጥራሕ ‘ዩ፤ እንትሕረስ ‘ውን ሕፅረት ምግቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ‘ዩ፡፡

ብምዃኑ ‘ውን ናብ ቅልውላው ውሽጢ ንዝኣተወ ሕብረተሰብ ንምጥያሽ ዘላቕን ተኸታታላይነት ዘለዎን ስራሕ ክስራሕ ግድን ይኸውን፡፡ንዚ ድማ መንግስቲ ፌደራልን እቲ ክልል ካብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብተወሳኺ ዳያስፖራ፣መላእ ህዝቢ፣ገብርቲ ሰናይ ትካላት፣ትካላት ሃይማኖትን ካልኦትን ክፋል ሕብረተሰብ ብሓባር ክሰርሑን ድርቂ ዘስዐቦ ፀገም ክምክቱን ይግባእ፡፡

ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ምግቢ ኣብ ምቕራብ መንግስቲ ሓላፍነቱ እናተዋፀአ መፂኡ ኣሎ፡፡በዚ’ውን ኣብቲ ክልል ቐዳማይ፣ ካልኣይ፣ ሳልሳይ ዙር እናበለ እናሓገዘ ዝመፅአ እንትኾን ሕዚ ‘ውን ንራብዓይ ግዜ ሓገዝ እናቕረበ’ዩ፡፡እዚ ፃዕሪ ቀፃልነት ክህልዎ ይግባእ፡፡

ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ንምምፃእ ግና ኩሉ ብሓባር ንቲ ድርቂ ዘስዐቦ ፀገም ንምምካት ዘኽእል ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ኣብ ዓሰር ሙርከሳ መሰረት ብምግባር ስራሕቲ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ’ውን ክሰርሑ ይግባእ፡፡በዚ’ውን ድርቂ ምምካት ይከኣል፤ሕብረት’ውን የድሊ::

ወጋሕታ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *