‹‹መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ታሪኽ ካብ ምዕቓብ ሓሊፉ ኣብ ቱሪዝም ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ››  – መምህር ግርማይ ገብረፃድቕ

መምህር ግርማይ ገብረፃድቕ ኣብ ትግራይ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓዲግራት ተወሊዶም ዝዓበዩ ‘ዮም፡፡ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ‘ውን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ወዲኦም፡፡ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ሃይለ ስላሴ ንፉዕ ተምሃራይ ብምንባሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ተገይሩ ብዲፕሎማ ተመሪቖም፡፡ ዲፕሎማ ኣብቲ እዋን ኣዝዮም ብሉፃት (ቶፕ) ተምህሮ ‘ዮም ዝኣትውዎ ነይሮም፡፡

ምስ ተመረቑ ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣብ ወረዳ ሳሕርቲ ሳምረ ሓደ ዓመት ምስ ሰርሑ ካብኡ ተቐይሮም ናብ እንትጮ ከይዶም ሰለስተ ዓመት ኣብ እንትጮ ድሕሪ ምስርሖም እንደጋና ናብ ዓዲግራት ተመሊሶም ኣብቲ ዝተምሃርሉ ቦታ ክልተ ዓመት ሰሪሖም፡፡

ካብኡ ቐፂሉ ኣብ ባህርዳር ብዩኤንዲፒ ዝማሕደር ኮሎጅ ነይሩ ናብዚ ኮሎጅ እዚ ካብ ትግራይ ምስ ካልኣዮም ተመሪፆም ከይዶም ብፔዳጎጂካል ሳይንስ ተመሪቖም ወፂኦም። ካብኡ ምስ ወፁ ‘ውን ኣብ ወለጋ ነቐምቲ ሓደ ዓመት ኣብናይ መምህራን መሰልጠኒ ኮሎጅ ዘምሀሩ እንትኾኑ ካብኡ ብምቕፃል ናብ ሽዑ ኤርትራ ክፍለ ሃገር ናይ ሕዚ ሃገረ ኤርትራ ተዛዊሮም ናብ ከባቢ ክልተ ዓመት ብመምህርነት ምስ ኣምሀሩ ብዝነበሮም ብቕዓትን ክእለትን መሰረት ብናይ መንግስቲ ድሌት ኣብ ኤርትራ ክፍለ ሃገር ኣብ ሚኒስቴር ማስታወቂያ ኣብ ሚድያ ‹‹ኢትዮጵያ›› ዝብል ብኣምሓርኛ ዝፀሓፍ ዝነበ ጋዜጣን ‹‹ሕብረት›› ዝብል ብትግርኛ ዝፀሓፍ ዝነበረ ጋዜጣን ሰሪሖም ‘ዮም፡፡

ከምኡ ‘ውን ኣብ ናይ ኢህወዴግ ዘመን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣብ ናይ ስፖርት ኮሙሽን ላዕለዋይ ኤክስፐርት ኮይኖም 14 ዓመት ሰሪሖም፡፡ ድሕሪ እዚ ገና ንሃገሮም ብዙሕ ክሰርሑ እናኸኣሉ እናሃለዉ ብመንግስቲ ብዝመፀ መምርሒ መሰረት ብጥሮታ መልክዕ ተገዲዶም ክወፁ ተገይሩ። ካብዚ ምስ ወፁ ግና ኮፍ ኣይበሉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኮሎጅ ባዮ ሜዲካል ሳይንስ ሕክምና 12 ዓመት ኣምሂሮም ‘ዮም፡፡

ብሓፂሩ መምህር ግርማይ ብፍልጠት ዕድመ ፀገብ ኮይኖም ክሳብ ጥሮታ ዝወፁ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ኣብ ታሪኽን ማሕበራዊ ጉዳያትን ብቕንዕናን ህርኩትነትን ዘገልገሉን ፈታዊ ሃገሮምን ‘ዮም፡፡ ኣዝዮም ተፈተውቲ ዝኾኑ ናይ ደገ ፊልምታትን መፃሕፍትን ‘ውን ብናይ ውሽጢ ቋንቋ ናብ ታሪኽ እናቐየሩን እናተርጎሙን ወለዶ እናተዛናገዐ ቑምነገር ክጭብጥ ገይሮም ‘ዮም፡፡

ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ መፃሕፍቲ ብምፅሓፍ ንንባብ ኣብቒዖም ‘ዮም፡፡ ብዛዕባ ታሪኽ መምህር ግርማይ ብሓፂሩ ከምዚ ካብ በልና ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋዜጣ ወጋሕታ ብዛዕባ ዓወት ኩናት ዓድዋ ምስ ታሪኽ ጅግንነት ኢትዮጵያውያን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ኣዳሊና ንዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ዓወት ኩናት ኣድዋ እንታይ ይመስል ነይሩ? ኣብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ጅግንነት ኢትዮጵያውያን ከ እንታይ ከመይ ነይሩ?

መምህር ግርማይ፡– እሺ፣ ቐጥታ ቕድሚ ናብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ምኻድና፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ ተተሓሓዝቲ ነገራት ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ፡፡ እቲ ኩናት መሰረቱ ናይ ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ሓይሊ ‘ዩ ነይሩ፡፡ በርሊን ኮንፈረስ ዝበሃል ንኣፍሪካ ንምቕርማት እቶም ባዕዳውያን ኣብ ጀርመን ዋዕላ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ብሓይልታት ባዕዳውያን ተታሒዘን ነይረን፡፡ እቲ ዋዕላ ካልኦት ዝቀረያ ሃገራት ነንርእሶም እንተይተጋጨዉ ንምሓዝ ‘ዩ ነይሩ እቲ ሓደ ኣጀንዳ፡፡ ኣብቲ እዋን ጣልያን ዘይተተሓዘት ሃገር ንኢትዮጵያ ረኺቡ፣ ካብኡ ንምሓዝ ድማ ወሲኑ መፂኡ፡፡ ኮይኑ ግና ጣልያን ቕድሚ ኩናት ዓድዋ ብኢትዮጵያዊያን ተጋሩ ተደጋጋሚ ስዕረታት የጓንፎ ነይሩ ‘ዩ፡፡

ጣልያን ቕድሚ ኩናት ዓድዋ ኣብ እኒ ደጉዓሊ ብራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ተሳዒሩ ‘ዩ፡፡ ደጉዓሊ ኣብ ከባቢ ቐይሕ ባሕሪ ስለ ዝኾነ ኣብ ማእኸል ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተሳተፈሉ ብዙሕ ኣይፈልጦን ነይሩ፡፡ ራእሲ መንገሻ ‘ውን ኣብ ሰንዓፈን ኳዕቲትን ምስ ጣልያን ዓብዪ ኩናት ገይሮም ኣሸኒፎም ‘ዮም። ጣልያን ኣብዘን ቦታታት ምስተሰዓረ ናብ ከባቢ ዓዲግራት ‹‹ደብረ ሓይለ›› ትበሃል ቦታ ተንቐሳቂሱ ዳግማይ ገጢሙ እንደጋና ክሰዓር ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ቐፂሉ ‘ውን ጣልያን ኣብ እምባኣላጀ ገጢሙ ተሳዒሩ ‘ዩ፡፡

ብምቕፃል ካብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ሓርበኛታት ብናይ ሚኒሊክ ኣዋጅ ናብ እምባኣላጀ ወፊሮም። እታ ጎቦ ቐዲሙ ጣልያን ሒዝዋ ነይሩ፡፡ ናይ እኒ ራእሲ መንገሻ ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ እግሪ ጎቦ ኣላጃ ነይሩ፡፡ ናይ ንጉስ ሚኒሊክ ‘ውን ብተመሳሳሊ፡፡ ኣብዚ ኢተጌ ጣይቱ ብዙሕ ግደ ተፃዊተን ‘የን፡፡ ማለት ናይ ትግራይ ሓርበኛታት ንጉስ ሽዋ ሚኒሊክ ናይ ኣቦና ንጉስ ሃፀይ ዮሃንስ ስልጣን ስለ ዝወሰዱልና ኣይንዋጋእን ብምባል ክኣብዩ ኢሎም ነይሮም፡፡

ኮይኑ ግና ኢቴጌ ጣይቱ ‹‹ንስኹም ጀጋኑ እናሃለኹም ምስ ንጉስ ሚኒሊክ ተሃላሊኽኩም ዓድኹም ብጣልያን ክተውርሩዋ የብልኩምን፤ ንስኹም እኮ ጀጋኑ ኢኹም፤ ንሱኹም እናሃለኹም ሓንቲ ቅንጣብ መሬት ጣልያን ከይሕዝ፤ ኣዕፅምቲ ወለድኹም እሾኽ ኮይነን ክወግኣኹም ‘የን›› ዝብል ደብዳቤ ናብ እኒ ራእሲ መንገሻን ኣሉላን ምስ ለኣኻሎም ካብኡ እሺ ኢሎም ብሓባር ገጢሞም ስዒሮም ‘ዮም፡፡ ኣብዚ ኣብ ኣላጀ ብወገን ጣልያን ዋና ኣዛዚ ዝነበረ ‹‹ማጆርቶ ዞሊ›› ይበሃል ነይሩ፡፡

ማጆርቶ ዞሊ ፍሉጥ ተዋጋኢ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ኣላጀ ስትራተጂ ዝኾነ ቦታ ቀዲሙ ሒዙ ድማ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ክሰዓር ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ናይ መጀመርያ ብርቱዕ ኩናት ዝተኻየደሉ ኣብ እምባ ኣላጀ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ እኒ በዓል ራእሲ መኮነን ‘ውን ከም እኒ ራእሲ ኣሉላ ልዑል ግደ ተፃዊቶም ‘ዮም፡፡

ካብዚ ብምቕፃል ጣልያን እንደጋና ናብ መቐለ ከይዱ ኣብ እንዳየሱስ ሰፊሩ፤ ጣልያን ንኹናት ክምችዎ ጎቦ ‘ዩ ይመርፅ ነይሩ፤ እታ እንዳየሱስ ዝመረፀላ ምኽንያት ‘ውን በራኽ ቦታ ስለ ዝኾነት ‘ያ። ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ግና ኣብ ትሕቲ እንዳየሱስ ኣብቲ ሜዳ ‘ዩ ነይሩ፡፡ እዚ ንኢትዮጵያውያን ተዋጋእቲ ኣይምቹን ነይሩ፡፡ ጣልያን ኣብቲ ቦታ ነታ በራኽ ቦታ ሒዙ ሰለስተ ወርሒ ተቐሚጡ ‘ዩ፡፡

ድሕረ እቴጌ ጣይቱ መፂአን ንምንታይ ክሳብ ሕዚ ስኽ ኢልኩም ትርኢዎ? ዘይተባርርዎ ኢለን ተናዲደን ተዛሪበን ነይረን፡፡ ኣብዚ ምስ ጣልያን ራእሲ ስብሓት ዝበሃሉ መስፍን ነይሮም፡፡ ኮይኑ ግና ምስ ጣልያን ከምዘለዉ ኣምሲሎም ንኢትዮጵያ ‘ዮም ብምስጢር ዝሕግዙ ነይሮም፡፡ ራእሲ ስብሓት ሓጎስ ጠቋሬ ዝበሃል እሙን ሓሽከር ነይርዎም፤ ኣብቲ እዋን ‹‹ሳእኒ እንደርታ›› ዝበሃል ካብ ቆርበት ዝስራሕ ጫማ ነይሩ፡፡

እቲ ጫማ ተደሪቡ ስለ ዝስፈ ራእሲ ስብሓት ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተሰፈየ ጫማ ወረቐት ፅሒፎም ብምእታው ንሓጎስ ጠቋሬ ብምሽጥር ናብ እቶም ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት መራሕቲ ከትበፅሕ ገይሮም፡፡ እቲ መልእኽቲ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ንጣልያን ክስዕሮ ኣይኽእልን፤ ምኽንያቱ ጣልያን ሒዝዎ ዘሎ ቦታ በሪኽ ስለ ዝኾነ ብመዳራጉሕ ‘ውን ከይቀረየ ክውደአኩም ይኽእል ‘ዩ፡፡

ስለዚ እታ መፍትሒ ኣብታ ጥቕኣ ማይ ስለ ዘላ ነዛ ማይ ከም ገለ ገይርኩም እንተሒዝኩማ ሰራዊት ጣልያን ብማይ ፅምኢ በዓሉ ክሰዓር ‘ዩ ዝብል መልእኽቲ ምስ ለኣኹሎም፡፡ ካብኡ እቴጌ ጣይቱ ነታ ማይ ዝሕዙ ጎበዛት ተዋጋእቲ ገይረን ከትተሓዝ ገይረንኣ፡፡ ካብኡ ሰራዊት ጣልያን ክሰዓር ክኢሉ፡፡ ካብኡ ለጊሱ እንደጋና ናብ ከባቢ ዓዲግራት ከይዱ፡፡ ኣብቲ እዋን ቤት ፅሕፈቱ (ሄድኳርተሩ) ዓዲ ግራት ‘ዩ ነይሩ፡፡

ካብኡ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ከባቢ ገቦ ረኺቡ እንደጋና ኣብቲ ጎቦ ዓሪዱ፤ ሕዚ ‘ውን ራእሲ ስብሓት ምስ ጣልያን ኮይኖም ‘ዮም ንጣልያን ዝስልልዎ ዘለዉ፤ ቐፂሉ ንመራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዚ በልዎም፣ እዛ ጎባ እዚኣ ንምውጋእ ኣፀጋሚት ከትኾነኩም ‘ያ፡፡

ሰራዊት ጣልያን ኣፅዋራት ኣፃዊዱላ ‘ዩ ዝኒሀ፤ ንስኻትኩም ስኽ ኢልኩም ድሕር ኢልኩም ናብ ዓድዋን ዓዲዃላን ገፅ ትኸዱ መሲልኩም ናብ ዓድዋ ገፅ ኣምርሑ እሞ ጣልያን ነዛ ቦታ ገዲፉ ክኸይድ ክገብር ‘የ ኢሎሞም፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ራእሲ ስብሓት ምስ ንጉስ ሚኒሊክ ተስማዕሚዖም ‘ዮም ዝስልሉ ዘለዉ፡፡

ካብኡ ጣልያን ናብ ዓድዋ ገፅ ኣብ ከባቢ እንትጮ ኣብ እምባ ሰወርያ ትባሃል ጎቦ ሰፈረ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ድማ ጎኒ ንጎኒ እናስተውዐሎ ‘ዩ ይኸይድ ነይሩ። ካብኡ ንጉስ ሚኒሊክ ንራእሲ ስብሓት ካሊእ ሰራዊት ጣልያን ካብ እኒ ሰንዓፈን ዓዲቐይሕን ብዓዲግራት ገይሩ ከይመፅእ ኣብ ከባቢ ዓዲ ግራት ኮይንኩም በዚ ዝመፅእ ዕጥቕን ስንቕን ተቖፃፀሩዎ፤ ሓልዉ ኢሎሞም።

ኣብዚ እዋን ራእሲ ስብሓት ካብ ስለያ ወፂኦም ብግልፂ ምስ ጣልያን ኣብ ናብ ዓድዋ መውፅኢ ኣብዘሎ ጎቦ ሰለስተ ግዜ ውግእ ገይሮም ስዒሮሞ ‘ዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ራእሲ ስብሓት ንሚኒሊክ 360 ሰራዊት ጣልያን ምስ ሓለፍቶም ቐቲለልኩም እኒሀኹ ኢሎሞም ነገርዎም፡፡ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ እንተይቐረየ ‘ውን ብዙሕ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተሓባቢሩ ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ዓወት ኩናት ዓድዋ መሰረቱ ካብ ኣላጀ፣ መቐለ፣ ዓዲ ግራት እናበለ መፂኡ ኣሎ። እቲ ኣብ ዓድዋ ዝነበረ ዓወት ከ ከመይ ነይሩ? ኣብዚ ኸ ግደ ኢትዮጵያውን እንታይ ይመስል ነይሩ?

መምህር ግርማይ፡– ብዙሕ ሰብ ንኩናት ዓወት ኣድዋ ነፂሉ ‘ዩ ዝሪኦ፡፡ ኮይኑ ግና ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ምስናይ እኒ ማይጨውን መቐለን ዝተተሓሓዘ ‘ዩ፡፡ እዚ ፍልይ ዘብሎ ዝተወደአሉ ስለ ዝኾነ ‘ዩ፡፡ ኩናት ዓድዋ ነፂልካ ንበይኑ ዝረአ ኣይኮነን።

ካብ እምባ ኣላጀ ጀሚሩ ‘ዩ እናተንከባለለ ናብ ዓድዋ ተጓዒዙ፤ ቐጥታ ኣይኮነን ኣብ ዓድዋ ተጀሚሩ፡፡ ንዓወት ኩናት ዓድዋ ቕድሚኡ ዝተገብሩ ብዙሓት ውግኣት ኣስተዋፅኦ ነይርዎም ‘ዩ፡፡ እቲ ኩናት ቕድሚ ኣብ ዓድዋ ምክያዱ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ወዲእዎ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ብጣዕሚ ኣዳኺምዎ ነይሩ ‘ዩ፡፡

ኮይኑ ግና ኢትዮጵያውያን ካብ ወለጋ ከይተረፈ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት መፂኦም ኣብ ዓድዋ ብርትዕ ዝበለ ኩናት ክካየድ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብናይ ብሉፅ ሰላሊ ባሻይ ኣውዓሎም ሓበሬታ ስለያ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዳርጋ ኣብ ፍርቒ መዓልቲ ንጣልያን ክስዕሮ ክኢሉ ‘ዩ፡፡

መብዛሕትኡ ከምዝፈልጦ ባሻይ ኣውዓሎም ንጣልያን ዝስልል ዘሎ ኣምሲሉ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሓበሬታ ይምግብ ነይሩ፡፡ ቑልፊ ስራሕ ዝሰርሐ ጅግና ትግራዋይ ‘ዩ ነይሩ። ባሻይ ኣውዓሎም ገዝኦም ኣብ እንትጮ ‘ዩ፡፡ ወዲ እቲ ኸባቢ ብምዃኖም ነቲ ቦታ ብዝግባእ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ ሰራዊት ጣልያን ብኸመይን በበይን ከምዝሰዓር ብዝግባእ ይፈልጥዎ ነይሮም ፤ግቡእ ሓበሬታ ድማ ንብወገን ኢትዮጵያ ዝተሰለፈ ሓይሊ ይህቡ ነይሮም፡፡

ባሻይ ኣውዓሎም ንጣልያን እንተማኽሮም እንተሎ፣ ፅባሕ ሰንበት ‘ያ፤ ክልተ በዓል ‘ውን ‘ዩ፤ ሰንበትን 23 ጊዮርጊስን ‘ዩ፤ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ስንቒ ወዲኦም ክሳብ ኣክሱምን ሽረን ከይዶም ተበቲኖም ‘ዮም። ዝተጠርነፈ ሰራዊት ኣብ ዓድዋ የለን፤ ሃፀይ ሚኒሊክ ‘ውን ሃይማኖተኛ ስለዝኾኑ ሰንበት ንጉሆ ኣብ ቤተክርስትያን ‘ዮም ዘርፍዱ፡፡

ንስኻትኩም ድማ ንጉሆ ተሲእኹም ሰራዊትኩም ሒዝኩም ናብ ዓድዋ እተዉ ዝዋገአኩም ኣይትረኽቡን ኢሎሞም፡፡ ንሃፀይ ምኒሊክ ‘ውን ኣብ ዓድዋ እንዳ ጊዮርጊስ እናቐደሱ እናሀለዉ ከትሕዝዎም ኢኹም ብምባል ከጋግይዎም እንተለዉ ናብ እኒ ኣሉላ መፂኦም ድማ ሰራዊት ጣልያን ብኸመይን በበይን ከምዝመፅእ ስትራቴጂክ ቦታ ክሕዙ ሓበሬታ ሂቦሞም፡፡

ንጉስ ሚኒሊክ ግና ምስ ጣልያን ዝነበረ ኣይንኣምን ኢሎም ኣብዮም ነይሮም፡፡ ኮይኑ ግና ድሕሪ ምዝርራብ ምስ ራእሲ ኣሉላ፣ እቴጌ ጣይቱን ሃፀይ ሚኒሊክን እሺ ኢሎም፡፡ ማለት ኢቴጌ ጣይቱ ምእንቲ ሃፀይ ሚኒሊክ ከይኹርዩ ንባሻይ ኣውዓሎም ስማዕ ባሻይ ኣውዓሎም በል ንዓድኻን ንንጉስካን ከምዘይትጠልም ሓቐኛ ምዃንካ እንካ እዛ እንጀራ እዚኣ ከም ስጋ ወደሙ ሓሲብካ ሚሕልካ ብልዓያ ኢለን ክምሕሉ ገይረንኦም፡፡

ንሃፀይ ሚኒሊክ ‘ውን አእሚነንኦም ካብኡ ራእሲ ኣሉላ ቐዲሙ ናብቲ ቦታ ኣትዩ፡፡ ካልኦት ‘ውን በቦተኦም ክሕዙ ተገይሩ። ካብኡ ባሻይ ኣውዓሎም ተመሊሶም ናብ ሰራዊት ጣልያን በቲ ንውግእ ዘይምችዎ ቦታ ሒዞሞ መፂኦም። ካብኡ ባሻይ ኣውዓሎም ነቶም ሰራዊት ጣልያን ኣብቲ ወሳኒ ቦታ ምስ ኣብፅሕዎም ቐስ ኢሎም ናብ እኒ ኣሉላ ገዲፎሞም ተፀሚሮም፡፡

ካብኡ እቲ ውግእ ተጀሚሩ፤ ብምቕፃል እቶም ሰራዊት ጣልያን፣ ባሻይ ኣውዓሎም ምስ ኣሉላ ኮይኑ ሓመድ ክገብሮም ምስረኣዩ፣ ካብኡ ‹‹ኣውዓሎም ኣውዓሎምዬ ሎሚዓንቲ ንስኻ ትውዕሎ ኣይንውዓሎ›› በሉ። ብኸምዚ ‘ዩ ሰራዊት ጣልያን ክሰዓር ክኢሉ፡፡ ምኽንያቱ ሓበሬታ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ።

ኣብዚ ብፍላይ እኒ በዓል ኣሉላ ኣባነጋ ዝፈፀምዎ ጅግንነት ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ ነይሩ፡፡ ከምኡ ‘ውን ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዞም ዝመፁ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ልዑል ተራ ተፃዊቶም ‘ዮም። ካብኡ ኢትዮጵያ ናፃ ሃገር ምዃና ተኣሚኑላ። ኣብቲ  ግንባር ዝነበሩ እኒ ራእሲ ተክለሃይማኖት ካልኦትን ልዑል ተራ ተፃዊቶም ‘ዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድማ ምግቢ ካብ ምቕራብ፣ መንገዲ ካብ ምሕባር፣ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ውግእ ኩሉ ዝኸኣሎ ነገር ፈፂሙ ‘ዩ። ኣብዚ ፍልይ ዘብሎ ኩሉ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ብሓደ ኮይኑ ዝተዋገአሉ ምዃኑ ‘ዩ ‘ምበር ቅድሚኡ ኣብተፈላላዩ ቦታታት እኒ ራእሲ ኣሉላ ብተደጋጋሚ ንጣልያን ስዒሮሞ ‘ዮም፡፡ ኮይኑ ግና ነዚ ናይ ማእኸል ዓዲ ህዚ ኣይፈልጥን ነይሩ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ኩናት ኣድዋ ሙዚየም ተሰሪሑ ኣሎ፤ እዚ ሙዚየም ነቲ ታሪኽ ብምዕቓብ ናይ ሓባር ታሪኽ ኣብ ምዝኽኻር ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር ግርማይ፡- ሙዚየም ንበዓል ዓወት ዓድዋ ዘዛኻኽር ኣብዛ ማእኸል ርእሰ ከተማ ናይዛ ሃገር ምስርሑ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ፡፡ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣፍሪካ ርእሰ ከተማ ስለ ዝኾነት ኣብዚ ምስርሑ ትኽክል ‘ዩ፡፡ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ ክብል እንተለኹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዓወት ኩናት ዓድዋ ዘዛኻኽር ሙዚየም ምስርሑ ታሪኽ ካብ ምዕቓብ ሓሊፉ ኣብ ቱሪዝም ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ፡፡

ናብ ትግራይ ክኸድ ዘይከኣለ ኣብዚ ብቐረባ ንምረኣይ የኽእሎ፡፡ ታሪኽ ዓወት ኹናት ዓድዋ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ታሪኽ ብምዃኑ እሞ ድማ ነዚ ዘዛኻኽር ኣብ ማእኸል ዓዲ ምስርሑ እቲ ታሪኽ ብቐረባ እናራኣየ ጅግንነት ኣቦታቱ ንምዝካር ይጠቕም። ከምኡ ‘ውን ከይርሳዕ ንምዝካርን ንምምሃርን ይጠቅም፡፡

ናይ ደገ ዜጋታት ብቀረባ ንምርኣይ፤ ማለት እቲ ታሪኽ ዓድዋ ብቐንዱ ዋላ ታሪኽ ኢትዮጵያውያን ይኹን ‘ምበር ናይ ኩሉ ፀሊም ህዝቢ ዓለም ወይ ኣፍሪካ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ብምርኣይ ታሪኽ ንምፍላጥን ንምዝንታውን ይጠቕም፡፡ ታሪኽ ዓወት ኹናት ዓድዋ እናደብዘዘ ከይኸይድ ዘለዎ ግደ ‘ውን ቐሊል ኣይኮነን። ብኸምዚ ምቕማጡ እዚ ወለዶ እዚ ሓድነት፣ ጅግንነት፣ ቐዳሞት ወለዱ ብምፍላጥ እሞ ድማ ካብዚ ብምርኣይ ሓድነቱ ንምጥንኻር ጠቓሚ ‘ዩ፡፡

ታሪኽ ዓወት ኹናት ዓድዋ ነዚ ወለዶ እናዛናገዐ፣ እናምሃረን ብቀሊሉ ንምርዳእ ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡ ብቐሊሉ ንዓድዋ እንተይከደ ኣብዚ ኮይኑ ነቲ ሙዝየም ብምርኣይ ንምርዳእ ይጠቅም። ነቲ ከተማ ‘ውን ብናይ ቱሪዝም እቶት ዝጠቅም ‘ዩ። ንናይ ሕዚ ወለዶ ታሪኽ ኣቦታቱ የምህር፤ ንናይ ቐዳሞት ወለዶ ታረኽ ንምርዳእ ይሕግዝ፡፡ ዓወት ኣድዋ ንናይ ሕዚ ወለዶ ከም ቀዳሞት ወለዱ ሓደ ንምግባር ‘ውን ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡

ንናይ ታረኽ ዓድዋ ብዝምጥን መልክዑ ምስርሑ ዘሕጉስን ዘድንቕን ‘ውን ‘ዩ፡፡ ሙዝየም ዓድዋ ታሪኽ ወለድና ንፀለምቲ ህዝቢታት ክብሪን ናፃነትን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ፣ እዚ ወለዶ ይኹን ካልኦት ፀለምቲ ኣፍሪካውያን እንተይቐረየ ነቲ ታሪኽ ብቐሊሉ ንምርዳእን ካብ ምዃን ሓሊፉ ዓብዪ ሃፍቲ ሃገርን ዘኹርዕን ‘ውን ‘ዩ፡፡ እዚ ታሪኽ እዚ ንኢትዮጵያውያን ካሊእ ታሪኽ ከምናይ ወለዱ ንክሰርሕ ዝሕግዝ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ብሓፈሻ ሙዝየም መዘከርታ ዓወት ኹናት ዓድዋ ታሪኽ ካብ ምዕቓብ ሓሊፉ ኣብ ቱሪዝም ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- እዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ ካብ ታሪኽ ዓወት ኩናት ዓድዋ እንታይ ክመሃር ኣለዎ ኢሎም ይሓስቡ? ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ በዚ ሓዱሽ ወለዶ ዝተሃነፀ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኸ ከመይ ይመሳሰል?

መመህር ግርማይ፡– መጀመርታ እዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ ካብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ሓድነት፣ ፍቕሪ ሃገርን ጅግንነትን ክመሃር ይግባእ፡፡ ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም ሓድነትን ፍቕርን ፅኑዕ ብምንባሩ ንናይ ጣልያን ዝኣክል ዘመናዊ ኣፅዋር ዝተዓጠቐ ሰራዊት ክስዕሩ ክኢሎም ‘ዮም፡፡

እዚ ዓወት እዚ ዝተረኽበ ድማ ወለድና ፍቕሪ ሃገር ሓዲርዎም ብሓደ ስለ ዝወፈሩ ‘ዮም፡፡ ኩናት ዓድዋ እንትለዓል ሓድነትን ጅግንነትን ኢትዮጵያውያን ‘ዩ ዘዛኻኽረካ፡፡ ምኽንያቱ እዚ ዓብዪ ታሪኽ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዓድዋ ዝተረኽበ ዓወት ምልክት ሓድነት፣ ፍቅሪ ሃገር፣ ወነ፣ ፅንዓትን ጅግንነትን ‘ዩ፡፡ እዚ ተዓቒቡ ክቕፅል ኣለዎ፡፡

ወለድና ኣብ ዓድዋ ዝፈፀምዎ ጅግንነት ብዙሕ እናተመሃርናሉ ብምምፃእና ድሕሪ ዓወት ኩናት ዓድዋ ‘ውን እዚ ሓዱሽ ወለዶ ብዙሓት ዓወታት እናመዝገበ መፂኡ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ምክፍፋል ምልክታት ይረአዩ ስለ ዘለዉ እዚኦም ብምእራም እዚ ወለዶ እዚ ብሓድነት ንቅድሚት ክስጉም ይግባእ፡፡ እቲ ዓወት ንናይ ሕዚ ወለዶ ሓቦ ዘስንቕ ‘ዩ፡፡

እዚ ከንወርሶ ኣለና፡፡ ከም ሃገር ብምሕሳብ ኣብ ልምዓት ‘ውን በርቲዕና ከንሰርሕ ኣለና፡፡ ከም ሃገር ክንሓስብ እንተዘይክኢልና ንወራሪ ፀላኢ ይኹን ንድኽነት ክንስዕር ኣይንኽእልን፡፡ኣብ ኩናት ዓድዋ ምክፍፋል ተዝህሉ ነይሩ እቲ ዓወት ኣይምተረኽበን ነይሩ፡፡ ኢትዮጵያውያን ኢሉ ‘ውን ኣፍሪካውያን ዝግበኦም ክብሪ ኣይምረኸቡን ነይሮም፡፡

ናይ ሕዚ ወለዶ ድማ ካብዚ ዓወት እዚ ተማሂሩ ሓድነቱ ብምሕያል ንኽብሪ ሃገር ቐዳምነት ክህብ ይግባእ፡፡ ዓወት ኩናት ዓድዋ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንናፃነቱ ብሓባር ተሰሊፉ ተዋጊኡ ዓብዪ ዓወት ኣመዝጊቡ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይ ቴክኖሎጂ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተኣኻኺቡ ክስዕር ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት ፍቕሪ ሃገር ሒዙ ብሓደ ስለ ዝተላዕለ ‘ዩ፡፡

ኢትዮጵያውያን ኣብቲ እዋን ከም ሃገር ሓድነቶም ኣሐይሎም ብምውፋሮም ‘ምበር ብዘርኢ ተዝኸፋፈሉ ነይሮም ዓወት ኣይምሓፈሱን፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ንቕድሚት ንምቕፃል እዚ ወለዶ እዚ ካብ ኣቦታቱ ሓድነት ተማሂሩ፣ ካብ ምክፍፋል ወፂኡ ምዕብልቲ ሃገር ንናይ መፃኢ ወለዶ ንምርካብ ሓላፍነቱ ብዝግባእ ክዋፃእ ይግበኦ፡፡

ዓወት ኩናት ዓድዋ ብዛዕባ ምስ ግድብ ህዳሰ ዘማሳስሎ ከንርኢ እንተለና ብዙሕ ዘማሳስሎ ኣለዎ። ሓድነትን ፍቅሪ ሃገርን ምጥቓስ ይከኣል’ዩ፡፡ ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከጅምሮ እንተሎ፣ እዚ ግድብ እዚ ብኹሉ መዳይ ብናይ በዓልና ዓቕሚ ክንሃንፆ ኢና ኢሉ ‘ዩ ጀሚርዎ፡፡

እዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ እንተሓቢሩ ከም ናይ ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ክሰርሕ ከምዝኽእል ‘ዩ፡፡ ድማ ሳላ ሕብረት ክስራሕ ተኻኢሉ፡፡ ስለዚ እዚ ግድብ እዚ ‘ውን ካብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ዘይንእስ ዓብዪ ታሪኽ ‘ዩ፡፡ እዚ ግድብ እዚ ናይዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ እናተዘከረ ዝነብር ታሪኻዊ ዓወት ‘ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ሓደ ኮይኑ ዘሸነፈ ሕዚ ‘ውን ሳላ ሓደ ኮይኑ ዝተረባረበ ‘ዩ ነዚ ዓብዪ ግድብ እዚ ክሰርሕ ክኢሉ ዘሎ፡፡ ስለዚ ኩሉ ግዜ ሓድነት እንተልዩ ብዙሕ ታሪኽ ክስራሕ ዝከኣል ምዃኑ የሪአካ፡፡ ብፍላይ ኣብዚ ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ዓብዪ ታሪኽ ሰሪሑ ሓሊፉ ‘ዩ፡፡

ሓድነት ብምህላዉ ካብ ሊስትሮ እንተይቀረየ ኩሉ ገንዘብ ኣዋፂኡ ‘ዩ፡፡ እዚ ናይ ሐዚ መንግስቲ ‘ውን ብዝግባእ ክቕፅል ብምግባር ኣብዚ ናይ ጫፍ ብርኪ ከብፅሖ ክኢሉ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን እንተሓቢርና ዘይንገብሮ ነገር የለን፡፡ እዚ ግድብ እዚ ካብ ዓድዋ ቐፂሉ ሓደ ዝገበረና ድልድል ‘ዩ፡፡ እዚ ንኢትዮጵያውያን ዝለዓለ ክብሪ ‘ውን ዘለዎ ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ከም ዓድዋ ካልኣይ ምልክት ውፅኢት ሓድነት ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና፡፡

መምህር ግርማይ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *