‹‹ዘይምርግጋዕ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ቱሪዝም ፅዕንቶ ይፈጥር ኣሎ›› – ኣይተ ኣሚር ሳሊሕ

በቢዓመቱ ኣብ ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ በዓል ዓሹራ ከምዝኽበር ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ መሰረት ዝገበረ ዝሓለፈ ሰሙን ንመበል 1447 ዓመተ ሒጅራ በዓል ዓሹራ ምኽባር ምኽንያት ብምግባር ናይ ሎሚ ጋሻ እዚ ዓምድና ገይረና ዘቅረብናዮ ስራሕ መካየዲ ቱር ኦፕሬተር ቤተ ነጋሽን ከምኡ ‘ውን ስራሕ መካየዲ ቢላል ኣይድን ዝኾነን ብተወሳኺ ኣብ ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ መሰረት ገይራ ዝተዳለወት ሰነዳዊት ፊልሚ ምድረ ሓቂ (ኣርዱል ስዲቕ) ደራሲ ምስ ዝኾነን ኣይተ ኣሚር ሳሊሕ (ኣሚር ዛኪ) ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ካብ ዝኾኑ እስላማዊ ቅርስታት ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘለው ቅርስታትን እንታይ ከምዝለስሉ? እዞም ሓድግታት ብግቡእ ንምልላይን ንምዕቃብን እንታይ ይስራሕ ኣሎን ክስራሕ ኣለዎን? ኣብ ዝብልን ከምኡ ‘ውን ትሕዝቶ ኣብዚ ሎሚ ቅነ ዝተመረቀት ሰነዳዊት ፊልሚ ምድሪ ሓቂ (ኣርዱል ስድቕ) እንታይ ከምዝመስልን ስለ እንታይነት በዓል ዓሹራን ዘለዎ ረብሓታትን ዘይምርግጋዕ ፖለቲካ ትግራይ ድባብ ኲናት ኣብ ቱሪዝም ፅዕንቶ ይፈጥር ከምዘሎ ኣብ ዝኣምሰሉ ጉዳያት ዘልዐልዎም ሓሳባት ከምዚ ዝሰዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና ፡-

ወጋሕታ፡- መስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ እስላማዊ ቅርስታት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ እንታይ ይመስሉ ?

ኣይተ ኣሚር፡- ከምዝፍለጥ ትግራይ ናይ ኩሎም ዓበይቲ ሃይማኖታት ሃገርና መእተዊት ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ብፍላይ ዓበይቲ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት እምነት ክርስትናን እስልምናን ዘለውዋ ‘ያ። ናብ እስላማዊ ቅርስታት ክንመፅእ ከለና ድማ፤ ብዋናነት ዝፍለጥ ደሪሕ መቃብር ሱሓባትን መስጊድ ነጋሽን ‘ዩ። ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ልዕሊ ዒስራ ሰላሳ ዝኾኑ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን እስላማዊ ቅርስታት ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ትግራይ ይረከቡ ‘ዮም።

ንኣብነት ካብ ዝድህሰሱ እስላማዊ ቅርስታት ጥንታዊ መስጊድ ህጅራ ብጣልያን ዝተሰርሐ፣ መቃብር ናይ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሱሓባታት፣ ዓበይቲ ቅርስታተ ኣብ ከባቢ ኲሓ፣ ታሪኻዊ መሰጊድን መካነ መቃብርን እንዳባ ሳሊሕ ኣብ ዞባ ማእኸል ዓዲ ርጉዲ ከምኡ ‘ውን ኣብ ወርዒ፣ ኣብ ኣጉላዕ ተመሳሳሊ ዓበይቲ ቅርስታት ይርከብዎም። ናብ ዘይድህሰሱ እስላማዊ ቅርስታት ክንመፅእ ከለና ድማ፤ ናይ መጀመርያ ኣብ እስልምና ሃይማኖት ናይ ውርሲ ሕጊ ዝተገበረ፣ ናይ መጀመርያ ኣብ እስልምና ሃይማኖት ስነ ስርዓት መርዓ፣ ገዝሚ ዝተገበረሉን ካልኦትን ካብ ብዙሓት ብውሑድ ዝጥቀሱ ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- እዞም ዘለው እስላማዊ ቅርስታት ብግቡእ ንምዕቃብን ንምልላይን ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስል ? ንቐፃሊከ እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ?

ኣይተ ኣሚር፡- ክሳብ ሐዚ ምስ እስላማዊ ቅርስታት ተተሓሒዙ እዚ ዝብሃል ዓብይ ስራሕ ዝተሰርሐ የለን። ይኹን ‘ምበር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድሕሪ ምምፃእ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፅብሃ ገብርእግዚኣብሄር (ዶ/ር) ፅቡቃት ዝተባባዑ ምንቅስቃሳት ጀሚሮም ኣለው። ኣንሕና ‘ውን ኣብቶም ክስርሑ ዘጀመሩ ስራሕቲ ከም ወለንታውያን ኮይንና ነዞም ቅርስታት ቅድሚ ናብ ዓለም ምልላይና ባዕላና ብምፍላጥን ብምርዳእን ካብኡ ንዓለም ንምፍላጥ ዓለም ትኹረት ገይርሎም መፂኡ ንክጉብንዮም ሰራሕቲ እናሰራሕናን እናተንቀሳቀስናን ንርከብ ኣለና።

ወጋሕታ፡- ዓለምለኸ ኣስላማዊ ቅርሲ ዝኾነ ኣብ ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ መሰረት ገይራ ዘዳለውካያ ሰነዳዊት ፊልሚ ምድረ ሓቂ (ኣርዱል ስድቕ) ትሕዝትኣ እንታይ ይመስል? ዘለዋ ተቀበቀልነት ከ እንታይ ትመስል?

ኣይተ ኣሚር፡- ሰነዳዊት ፊልሚ ምድረ ሓቂ (ኣርዱል ስድቕ) ናይ 34 ደቒቓ ንውሓት ዘለዋ እንትኾን፤ ቅድሚ 1400 ዓመታት ሰዓብቲ ነብዩ መሓመድ ሱሓባታት ብቁሬሽ ዝብሃሉ ኣብቲ እዋን ፀረ ሰዓብቲ መሓመድ ብዝነበሮም ጎንፂ ምኽንያት ናብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ ፈላማይ ፈታናይን ኣፀጋምን ጉዕዞ ሂጅራ ናብ ኣኽሱም ከምይ ኢሎም ከምዝመፅኡ፣ ኣብቲ እዋን ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ከመይ ከምዝመስል፣ ሐዚ ኣብ ኣብ መስጊድ ነጃሽ ዝርከብ መቃብሮም እንታይ ከምዝመስል፣ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝበፅሖ እንታይ ከምዝመሰልን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዩኒስኮ ከመይ ተመዝገቡ ካብ መላእ ዓለም ዑደተኛታት ንክስሕብን ካብ ቱሪዝም ዝርከቡ ረብሓታት ክረክብ ይኽእል። ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ኢኮኖሚን ዝህልዎ ግደን ዝትድህስስ ‘ያ።

ሰነዳዊት ፊልሚ ምድረ ሓቂ ክንሰርሓ ከለና መጀመርያ ብዙሕ ሰብ ኣይተረደኣን ነይሩ፤ ናብ ምርቃታ እናተቃረብና ምስ መፃእና ግና ኣብ ትግራይ ንመጀመርያ እዋን ብውለቀ ሰብ ዝተሰርሐት ደረጅኣ ዝሓለወት ሰነዳዊ ፍልም ‘ያ። መበገሲኣ ብሰብ ሞያ ዝተፀንዐን ዝተዳለወን ብምንባሩ ምስቲ ሙስሊም ማሕበረሰብ ኣብ እዋን ምምሕዳር ኣይተ ገብሩ ኣስራት ዝነበረ ተመሳሳሊ መድረኽ ቀፂሉ እዚ ንኻልኣይ ግዘ ‘ዩ እዚ ዝካየድ ዘሎ። ንመጀመርያ ግዜ ዝተዳለወ ኣብ 1987 ኣብ እዋን ምምሕዳር ኣይተ ገብሩ ኣስራት ዓብይ ሲንፖዜም ተኻይዱ ነይሩ። ቀፂሉ ዝተዳለወ እዚ ‘ዩ። ስለዚ በዚ ስራሕ ድማ ማሕበረሰብ ሞስሊም ተሓጒሱ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ንክትርአይ ሕቶታት እናቀረበ ‘ዩ ዝርከብ።

ወጋሕታ፡- ናይዛ ሰነዳዊት ፊልሚ ምድረ ሓቂ ዓላማታትን ዋና ዋና ረብሓታትን እንታይ ይመስል?

ኣይተ ኣሚር፡– ዋና ዓላማ ናይዛ ሰነዳዊት ፊልሚ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዓበይቲ እስላማዊ ቅርስታት ቅድሚ ናብ ዓለም ምልላይና ንባዕልና ክንፈልጦም ብምግባር፤ ካብኡ ቀፂሉ ድማ ዓለም ንክፈልጦ ንምግባር ‘ዩ። ስለዚ ናይዛ ሰነዳዊት ፊልሚ ዋና ጭብጢ ኣብ ትግራይ ተቀቢሮም ዘለው ዘይፍለጡ ዓበይቲ ቅርስታት ዓለም ንክፈልጦም ምንቅስቃስ ምግባር ‘ዩ።

እታ ሰነዳዊት ፊልሚ፤ ብቋንቋ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኢንግሊዝኛን ዓረብኛን ዝተዳለወት ኣብ መቐለ ንክትርኣይ ገይርናያ ኣለና። ኣብ ዝቕፅል ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከነርእያ ኢና። ካብኡ እንተተሳኺዕልና ‘ውን ካብ ሃገር ወፃኢ ኣብ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ጅዳ፣ ኣብ ኳታር ዶሓ፣ ኣብ ኢማሬት ዱባይ ከነርእያ ትልሚ ኣለና። ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ትግራይ ንምስናድ ዝተጀመረ ስራሕ ‘ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ዝሓለፈ ሰሙን በዓል ዓሹራ ብዝተፈላላዩ ምድላዋት ምኽባሩ ይፈለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ በዓል ዓሹራ እንታይ ‘ዩ። መዓዝን ብኸመይን ከ ይኽበር? ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ዘለዎ ግደስ እንታይ ይምስል?

ኣይተ ኣሚር፡- በዓል ዓሹራ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝኽበር ክብረ በዓል እንትኾን፤ እዚ በዓል ሃይማኖታዊ በዓል ኣይኮነን። ይኹን ‘ምበር ኣቦታትና ዑላማታት ትግራይ ናብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ናብ መካ በፂሖም ካብ ሓጂ እንትምለሱ ናብ ነጃሺ መፂኦም ዝጉብንይሉ። ኣብዚ ዓሹራ ብምብዓል ምስ ዓበይቲ ዓድን ሃይማኖትን ብምርኻብ ብምዝታይ ነናብ ከባቢኦም ይምለሱ ነይሮም። እዚ ድማ ካብ እዋን ናብ እዋን እናጠናኸረ መፂኡ ኣብዚ ሰዓት ድማ ብድምቀት እናተኸበረ ዝርከበሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ሎሚ ‘ውን መስጊድ ኣልነጋሽ ካብ ፈሪስዎ ዝነበረ ሙሉእ ፀገና ተገይሩሉ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣተወሉ ሓጂ ሓጂጆም ብዝተመለሱን ዘይሓጀጁን ተረኺቡም ብፅቡቅ ተኸቢሩ ‘ዩ።

በዚ መሰረት ናይ ሎሚ ኣከባብራ በዓል ዓሹራ ካብ ካሊእ እዋን ፍልይ ዘብሎ ዝተፈላላዩ ፕሮግራማት ተዳልዮም። ልዕሊ ኣርባዕተ ዝኾኑ ኣብ ከተማ ውቅሮ ኣብ መቐለን ኣብ ፕላኔት ሆቴልን ሲንፖዝየማት ተኻይዱ ‘ዩ። መፅናዕታዊ ፅሑፋት ሰነዳዊ ፊልም ቀሪቦም፣ ኣብቲ ዕለት ድማ ካብ መላእ ዓለም ዝመፅኡ ኣጋይሽ ዘተረኸብሉ ዓብይ ፕሮግራም ተዳሊዉ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ሰፊሕ ሽፋን ሚድያ ረኺቡ ዝሓለፈ ‘ዩ ነይሩ።

ወጋሕታ፡- ሃይማኖታዊ ቅርስታት ኣብ ምዕቃብን ኣብ ምልላይን ግደ መዳርግቲ ኣካላት እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ኣይተ ኣሚር፡- ምስቲ ኣንሕና እንሰርሖ ዘለና ዋና መዳርግቲ ኣካላትና ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ቤት ምኽሪ እልምና ጉዳያት ክልል ትግራይ ሓቢርና እነሰርሕ ኮይና ካብዚ ወፃኢ ካብ ሞስሊም ማሕበረሰብ ወፃኢ ዝኾኑ ውልቀ ትካላት ተጋሩ ‘ውን ኣብ ምልላይ ሓቢሮምና ዝሰርሑ ኣለው ‘ዮም። ሰለዚ ኣብ ቅርስታት ብሓፈሻ ቱሪዝም ኣብ ምጥንኻር ሓቢርካ ምስራሕ ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ። ከም መስጊድ ነጋሽ ዝበሉ ቅርስታት ኣብ ዓለም ብግቡእ እንተፋሊጥናዮም ወዲቁ ዘሎ ኢኮኖሚና ንክልዓል ኣብ ምሕጋዝ ዓብይ ዘኾነ ግደ ክህልዎ ‘ዩ። ነዚ ድማ ኩሉ ሰብ ተረዲኡ ክረባረብ ኣለዎ። ኣብዚ እንተተሳኺዑልና ደማ ዓብይ ፍሰት ብምስሓብ ኣብ ኢኮኖሚና ልዑል ግደ ክፃወት ‘ዩ

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዓውዲ እናሰራሕኻ ከምዘለኻ መጠን ሐዚ መሰጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ? ክስራሕ ዝተበሃለ ፕሮጀክት ግራንድ ኣል-ነጃሺ 00 ቪላጅ ኣብ ምንታይ ከምዝበፅሐ ዝተፈልጦ እንተሃለዩካ?

ኣይተ ኣሚር፡– ቅድሚ ሐዚ ዓበይቲ ጥንታዊ መፃሕፍቲ ነይሮም ‘ዮም። ነቲ ኲናት ስዒቡ ግና ብዙሕ ተጎዲኦምን በሪሶምን ‘ዮም። እቲ ኣካላዊ ኣብ መሰጊድ በፂሑ ዝነበረ ጉድኣት ግና ብምትሕብባር መንግስቲ ቱርክን ምምሕዳር እቲ ክልልን ተፀጊኑ ዘሎ እንተኾነውን ውሽጣዊ እቲ መሰጊድ ዘድለዩ ሓደ ሓደ ኣብ ምምላእ ገና ዝተርፎ ኣለዎ ‘ዩ።

ፕሮጀክት ግራንድ ኣል-ነጃሺ 00 ቪላጅ ብዝምልከት ክሳብ ሐዚ ካብ ፌዴራል እናመፅኡ መፅናታት ከምዝገብሩ ይፈልጥ ‘ዩ። ብትኽክል ዘለዎ ብርኪ ግና ዝፍልጦ የብለይን።

ወጋሕታ፡- ከም ስራሕ መካየዲ ቱር ኦፕሬተር ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምንቅስቃሳት ቱሪዝም ኣብ ትግራይ ከምይ ትሪኦም እንታይ ይመስሉ? ምስዚ ተተሓሒዙ ሰላም ኣብ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ዘለዎ ፅዕንቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ኣሚር፡- ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ቱሪዝም ዓብይ ምልዕዓላት ነይሩ ‘ዩ። ከም መሰጊድ ነጃሽ ዝበሉ ዝዓነዉ ቅርስታት ከተረፉ ንምርኣይ ጎብነይቲ ይምፅኡ ነይሮም ‘ዮም። እቲ መስጊድ ፅገና ምስተገበረሉ ‘ውን ፅቡቅ ፍሰት ቱሪዝም ነይሩ ‘ዩ ።

ሐዚ ግና ምስቲ ዘይምርግጋዕ ፖለቲካን ዘሎ ድባብ ኲናትን ኣብቲ ምንቅቃሕ ጀሚሩ ዝነበረ ምንቕስቃስ ቱሪዝም ዓብይ ጉድኣት ኣብፂሑሉን እናብፀሐሉ ይርከብ ኣሎ። ሎሚ ከምቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ዝነበረ ፍሰት ቱሪስት የለን። ብጣዕሚ ውሑድ በፃሒ ‘ዩ ዝመፅእ ዘሎ። ስለዚ ሰላም ንቱሪዝም ወሳኒ ‘ዩ። ብፍላይ ከቢድ ዝብሃል ኲናት ዘተኣናገደት ክልል ይትረፍ ምንም ዓይነት ንዘይረአየት ሃገር እንተኾነ ‘ውን ሰላም ዝመስል የለን። ኲናት መዕነዊ በላዒ ሂወት ሃፍቲ ‘ዩ።

ብፍላይ ከቢድ ዝበሃል ኲናት ንዘሕለፈ ህዝቢ ትግራይ ናብዚ ስግኣት መሊስካ ንክኣትው ምግባር ኣብይ ናይ ገበን ገበን ‘ዩ። ሰለዚ ብኹሉ ወገን ዘለው ፖለቲከኛታት ንካልኣይ ግዘ ኲናት ገይሮም ካብ ዝጨባበጡ ቅድሚ ናብ ኲናት ምእታዎም ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ዘለዎም ፀገማት ክፍትሑ በዚ ኣጋጣሚ ፃዉዒተይ የቅርብ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ትግራይ ዝኾነ ይኹን ኲናት ዝትሽከመሉ ዓቅሚ የብላን።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ዝተረፈ ሓሳብ መልእኽቲ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህበካ?

ኣይተ ኣሚር፡– በዚ ኣገጣሚ እዚ ትግራይ ሃፍታም ዓዲ ‘ያ። ናይ ሰለስቲኦም ዓበይቲ እምነታት መእተዊት በሪ ‘ያ ነይራ። ኣብ ውሽጣ ብግቡእ ዘይተፈለጡ ዕሙቅ ዝበሉ ቅርስታት ዘለዋ ዓዲ ‘ያ። ሰለዚ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ረብሓ ዓዱ ንቅድሚት ገይሩ ሃፍትታታ ብምልላይ ካብ ዓበይቲ ፋብሪካታት እትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊ ከይተረፈ ክትትክኦ ትኽእል ‘ያ። ሰለዚ ኣብዚ ልዑል ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ‘የ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ ዘቅርብ።

ብምቅፃል ድማ መራሕቲ ክልል ትግራይ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይ ከይረፈደ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ተዘራሪቦም ፀገሞም ክፈትሑ ኣለዎም። ምኽንያቱ ድሕሪ ኲናት ‘ውን ናብ ጠረጴዛ ምኻድ ስለዘይተርፍ እቲ ዝርርብ ጠረጴዛ ቅድሚ ኲናት ክኸውን ኣለዎ።

ወጋሕታ፡– ንዝሃብካኒ ሓበሬታ የቀንየለይ።

ኣይተ ኣሚር፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You