“ግድብ ህዳሰ ንብዙሓት ፀገማትና መፍትሒ ዝኸውን ዓቢዪ ዓቕሚ ‘ዩ” – ፕሮፌሰር ኣድማሱ ገበየሁ

ኣብ ናይ ሎሚ ዓምዲ ጋሻ ሕታምና መሃንድስ ማይ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ኣድማሱ ገበየሁ ምስ ኣዲስ ዘመን ብዛዕባ ኣብ መፃኢ ወርሒ መስከረም ዝምረቕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት ብምትርጓም ዝተወሰደ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምህንድስና ማይ ኣማኻሪ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣፍሪካን ዓለም ለኸን ን28 ዓመታት ኣገልጊሎም ‘ዮም።

ኣባል ቴክኒካዊ ኮሚቴ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኮይኖም ‘ውን ዘገልገሉ እንትኾኑ፤ “የመግባባት ዲሞክራሲ” ብዝብል ኣርእስቲ መፅሓፍ ኣሕቲሞም ‘ዮም:: ሓደ ካብ ኣባላት ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ‘ውን ‘ዮም።

ሕቶ፡- ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ተሳትፎ ብኸመይ ይገልፅዎ?

ፕሮፌሰር ኣድማሱ፡– እዚ ግድብ ብሓፈሻ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግድብ ‘ዩ። ከምዚ ዓይነት ግድብ ኣብ ናይ ሃይድሮፖለቲክስን ዲፕሎማሲን ጉዳይ ዕንቅፋት ወይ ዓወት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ግብፅን ሱዳንን እቲ ግድብ ክህነፅ ኣይደለዩን ነይሮም። ብወገንና ተወፋይነት ነይሩ።

እዚ ተወፋይነት ካብ መንግስቲ ሓሊፉ እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ ህዝቢ ስለዝነበረ ህዝቢ ብዓቕሙ ተሳቲፉ ‘ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዋላ ኣብተን ሃብታማት ዝበሃላ ዓበይቲ ግድባት ብልቓሕ ‘የን ዝሰርሓ። ምኽንያቱ ንዓብዪ ግድብ ዘስርሕ ገንዘብ ዘለዎ መንግስቲ ስለዘየለ። እቲ ግድብ ክሳብ ክልተ ሚኢቲ ዓመት ክፀንሕ ዝኽእል ቁጠባዊ ዋጋ ኣለዎ። ንብዙሓት ወለዶታት ከገልግል ‘ዩ።

ንውሑዳት ዓመታት መረፃ ዝነብር መንግስቲ ንወለዶታት ዘገልግል ግድብ ሰሪሑ ኣይውድእን ‘ዩ። ስለዚ ብሽም ሃገር ተለቒሖም ዝሃንፁ ሃገራት ኣብ ነዊሕ ግዜ ‘ዮም ዝኽፍልዎ። ከምዚ ዝበለ ናይ ልቓሕ ኣገልግሎት ክንረክብ ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ በጃኹም ኣይተለቅሑዎም ክጎድኣና ‘ዩ እናበሉ ብዝርብሹ ግብፃውያን ልቓሕ ምርካብ ኣይተኻኣለን:: እዚ ኩሉ እናሃለወ ‘ዩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ተሓጋጊዙ ክሰርሖ ክኢሉ ዘሎ:: ኣነ ብሓቂ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዝየ ሕቡን ‘የ።

ሕቶ፡- ከም ምሁር ምህንድስና ማይ መጠን ኣብ መስርሕ ህንፀት እቲ ግድብ እንታይ ዓይነት ተሞኩሮ ተረኺቡ?

ፕሮፌሰር ኣድማሱ፡- እቲ ግድብ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ዝዓበዩ ፕሮጀክትታት ሓደ ‘ዩ። ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ተመሳሰልቲ ሃገራት ብደረጃ ግድብ ህዳሰ ዝተሃንፀ ፕሮጀክት የለን። ብኹሉ ተሳቲፉ ናብዚ ዘብፀሓና ህዝቢ ምስጋና ይግበኦ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንፃዕሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ኣደንቕ::

እቲ ግድብ ብቴክኒካዊ መዳይ ዝተሓላለኸ ፕሮጀክት ‘ዩ። ኣብ መስርሕ ህንፀት ዓለም ለኸ ልምዲ ዘለዎም ኣማኸርትን ኮንትራክተራትን ተሳቲፎም ‘ዮም። ኣብ ከይዲ እቲ ህንፀት ካብ ዝተረኽቡ ዓበይቲ ረብሓታት ንሕና ኢትዮጵያውያን ተመሳሳሊ ግድባት ብገዛእ ርእስና ክንሰርሕ ንኽእለሉ ፍልጠትን ክእለት ስግግር ቴክኖሎጅን ዘጠቓለለ ተመኩሮ ምርካብና ‘ዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ከይዲ ካልእ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ንምፅናዕ፣ ንምህናፅን ከማሓድርን ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ተሞክሮ እዚ ዝያዳ ግድባት ንምህናፅ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ግድብ ብግቡእ ክሕሎን ኣገልግሎቱ ከምቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ክኸውንን ሓጊዙ ‘ዩ። እዚኦም ኩሎም ኣዝዮም ኣገደስቲ ውፅኢታት ‘ዮም።

ሕቶ፡- ምዝዛም ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማለት ኩሉ ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝብና መብራህቲ ክረክብ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን እንትበሃል ይስማዕ ‘ዩ። እዙይ እንታይ ማለት ‘ዩ?

ፕሮፌሰር ኣድማሱ፡– እቲ ግድብ ምስ ተዛዘመ ኩሉ ከባቢታት ብሓደ ግዜ ዘድልዮ መጠን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረክብ ኣይክእልን። ካብቲ ግድብ ዝወፅእ ሓይሊ ክከፋፈልን ናብ ተጠቃሚ ክበፅሕን ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታ መስመራት መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጣብያታትን ክህልዉ ኣለዎም።

ኣብዚ መዳይ ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ክሳብ ሕዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይረኸቡ ከባቢታት ክረኽቡ ምግባርን ይግባእ። እቲ ቀንዲ ነገር ግና እቲ ግድብ ክውን ብምዃኑ ‘ዩ ቀረብ ሓይሊ ብዘተኣማምን መንገዲ ክረጋገፅ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈታት ሃገርና፣ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፣ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ፣ ኣብ ዘድልየሉ ቦታ ንምብፃሕ ፃዕርታት ክቕፅል ኣለዎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዘሎ ኮይኑ ንጐረባብቲ ሃገራት ከም ሶማልያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ክቐርብ ዝኽእል ኮይኑ፤ እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ብሓባር ክሰርሓን ብሓባር ዝሓሸ ውፅኢት ክፈጥራን ዘኽእለን ‘ዩ። ብሓፈሻ እቲ ግድብ ንብዙሓት ፀገማትና ክፈትሕ ዝኽእል ዓብዪ ሃፍቲ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ከም ሃገር ኣብ ዲፕሎማሲ ማይ ዘለና ተሞኩሮና እንታይ ‘ዩ?

ፕሮፌሰር ኣድማሱ፡- ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ምስ ማይ ዝተተሓሓዘ ሓያል ዲፕሎማሲ ኣለዋ ዝብል እምነት የብለይን። ይኹን ‘ምበር እዚ ስርሐይ ኢልካ ብምሓዝ ክምዕብል ይኽእል ‘ዩ። ብዛዕባ ሃፍቲ ማይ ዝምልከት ዲፕሎማሲ ስክፍታ ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ጥራይ ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ዜጋ ጉዳይ ስለዝኾነ ኩሉ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክሳተፍ ይግባእ። ህዝባዊ መልክዕ ክሕዝ ይግባእ።

ዲፕሎማሲ ድኹም ‘ዩ ክብል ከለኹ ብሓደ ቤት ዕዮ መንግስቲ ዝግበር ፃዕሪ ማለተይ ኣይኮነን:: እቲ ኣቓልቦ ዝህቦን ድኽመታት ኣለና ዝብሎ ዘለኹን ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ‘ዩ። እዚ ማለት ግና ስኽ ኢልካ ጫውጫው ምባል ኣይኮነን። ሰባት ኣብ ዓውዲ ማይ ጭቡጥ ሓበሬታ ሒዞም ኣብ ጉዳይ ማይ ዘዋፅኡ መከራኸርቲ፣ መዛተዪን መእመንን ጉዳያት ኩሉ ብምፍላይ ዘሎ ርክባት ብምጥቓም ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ መንገዲ ፅልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ሰባት ናይ ሃገሮም ሓቒን ክውንነትን ከረድኡ ክንቐሳቀሱ ይግባእ።

ኸምዚ ዝበለ ፃዕሪ ብዝግባእ ኣብ ዘይብሉ ‘ዩ እቲ ግድብ ኣብ ጫፍ ክበፅሕ ክኢሉ ‘ዩ:: ዓለምለኻዊ ሩባታት ብዝምልከት ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለና ዝምድና ኣብዚ ዝውዳእ ኣይኮነን። ሕዚ ’ውን ኣብ ካልኦት ተፋሰሳትን ኣብ ሩባ ኣባይን ባዕሉ ክንገብሮም ዘለና ነገራት ኣለዉ። እዚ ኩሉ ክኸውን እቲ ኣገዳሲ ነገር ብስርዓት ጭቡጥ ሓቅታት ዝሓዘ መልእኽቲ ብምልውዋጥ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ምዝርጋሕ ‘ዩ።

ከም ግብፃውያን ስኽ ኢሉ ዘይተጨበጠ ወይ ዘይግቡእ ኣገባብ ክንመርፅ የብልናን። ንኣብነት ግብፃውያን ካብ ዝኽተልዎ ዘይግቡእ መንገዲ እቲ ብ1959 ዓ.ም.ፈ ብሱዳንን ግብፅን ዝተኸተመ ዘይፍትሓዊ ስምምዕነት እሞ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ እዋን ዘይተሳተፈትሉ ቀንዲ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዝኾነት ሃገር ኢትዮጵያ ንምፅዓን ምፍታን ‘ዩ።

ግብፅን ሱዳንን ብተደጋጋሚ ነዚ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘመን ስምምዕነት ይጠቅሱ፣ ኢትዮጵያ እንተደኺማ ተጠቐምቲ ንኸውን፤ እንተ ሓይላ ድማ ሞኪርና ኣለና ንምባል ‘ምበር እቲ ነገር የዋፀአና ‘ዩ ኢሎም ማለት ኣይኮነን::

ሕቶ፡- ግብፂ ጉዳይ ግድብ ናብ ባይቶ ፀጥታ ወሲዳቶ ነይራ። ኣብዚ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይግለፅ?

ፕሮፌሰር ኣድማሱ፡- ዝኾነት ሃገር ዋላ ዘይቅኑዕ ሓበሬታን መርትዖን ብምቕራብ ንረብሓኣ ትቃለስ ‘ያ። ገሊኡ ኣብ ሓቅታት እተመርኰሰ ኪኸውን ከሎ፣ ገሊኡ ድማ ፈጠራታት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ገለ ሃገራት ‘ውን ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታተን ብዝደለይኦ መንገዲ ንምድፋእ ግዳማዊ ፀላእቲ ክፈጥራ ኣለወን። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ መፂኡካ ብምባል ንዝንቕጥቐጥ መንበር ስልጣን ንምውሓስ ዝቃለሱ ኣለው።

እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ‘ውን ይግበር ‘ዩ። ውሽጣዊ ጎንፂ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ፀላእቲ ምፍጣር ልሙድ ‘ዩ። ግብፃውያን ከምዚ ምግባሮም ክግበር ዘይነበሮ ‘ዩ ክብል ኣይኽእልን::ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተፈላለየ ምኽንያት ዝግበር ‘ዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ከይደን ኹናት ዝጅምራ ሓያላት ሃገራት ‘ውን ኣለዋ።

ናብ ሓያላት ሃገራትን ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን ከይዶም ጥርዓን ዘቕረቡ ‘ኳ እንተኾኑ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ግን ነቲ ጉዳይ ብቆራፅነት ስለዝሓዞ ምንም ክገብሩ ኣይከኣሉን:: እቲ ማይ ተታሒዙ፤ እቲ ግድብ ተዛዚሙ ኣሎ። ናብዚ ክንበፅሕ ዝኸኣልና ብሓይሊ ወይ ካልእ ኣይትንክእዎም ዝብል ወገን ረኺብና ኣይኮናን:: ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ሓድነት ስለዝፈጠረ ‘ዩ:: ብሓባር ደው ዝበለ ህዝቢ ይፍራሕን ይኽበርን።

ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ብሞያዊ ኣረኣእያ ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ዝጎድእ ዝሰርሓቶ ዝኾነ ነገር የለን። ክንሓቶ ዝግበኣና ሕቶ እንታይ ንገብር ኣለና? ከም ናቶም ዕግርግር ፈጢርና ንኻልኦት ሃገራት ኣደናጊርና ግዜ ክንዕድግ የብልናን። ሓቂ ኣለና። ዝጭበጥ ነገር ኣለና።

ነዚ ፅቡቕ መሳርሒ ብኹሉ ብጭውነት ከንጥቐመሉ ይግባእ። ኢድና እግርናን ዓጣሚርና ኮፍ ከንብል የብልናን:: ግዜናን ጉልበትናን ናይ ምሕሳብ ዓቕምናን በቲ ኣሉታዊ ንጥፈታቶም ክስረቕ የብሉን። ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ፃዕርና ኣብቲ ክግበር ዘለዎ ነተኩር።

ሕቶ፡- ምዝዛም ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ፣ ነቲ ሩባ ብፍትሓዊ መንገዲ ንምጥቃም ዝኣበያ ሃገራት ፀቕጢ ክፈጥር ይኽእል ዶ?

ፕሮፌሰር ኣድማሱ፡ ኣብ ባህልና ‹‹ወዲ ሩባይ›› ዝበሃል ሓደ ዓብዪ ኣባሃህላ ኣሎ። ሓጋዝዬ፣ መሓዛይ፣ ዓርከይ ማለት ‘ዩ። ነታ ሓረግ ብዙሕ ግዜ ‘የ ዝጥቀመላ። ብሓቂ ንምዝራብ ንዲፕሎማስያዊ ኣቀራርባ ኣዝዩ ጠቓሚ ብሂል ‘ዩ። ፈቲና ፀሊእና ናይ ሓደ ተፋሰስ ሩባ ሃገራት ነቲ ተፋሰስ ሩባ ዝፈጠረ ሩባ ክጥቀማሉ ባህርያዊ መሰል ‘ዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ሩባ ኣባይ ብሓፈሻ ሃብቲ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ‘ዩ። እዚ ሃፍቲ እዚ ብምስሕሓብ ዘይኮነስ ተቐራሪብካ ሓቢርና ብምስራሕ ‘ዩ ምጥቓም ዝግባእ::ብምርድዳእ ኩላትና ክንጠቅም ንኽእል ኢና። ኩለን እተን ኣብ ተፋሰስ ሩባ ዘለዋ ሃገራት ወነንቲ ናይቲ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ስለዝኾና ኣይምልከተክንን ምባል ኣይከኣልን። ናተይ ጥራይ ‘ዩ ምባል ዘሕፍር ‘ዩ። ዝከኣል ኣይኮነን።

ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ እተን ኣብ ወሰን ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት፣ ኣብ ሓቂ ተመርኲሰን፣ ኣበርቲዐን ምስ ህዝበን ሓቢረን ክሰርሓ ከም ዘለወን ካብ ኢትዮጵያ ክመሃራ ይኽእላ ‘የን። ኢትዮጵያ ነዚ ትምህርቲ እዚ ናብ ካልኦት ማለት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዘለዋ ሃገራት ኣመሓላሊፋ ‘ያ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዝሰፍር ጉዳይ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ዘሓለፈኦ ነዊሕ መስርሕ ድርድር እንታይ ገምጋም ኣለዎም?

ፕሮፌሰር ኣድማሱ፡– እቲ ድርድር ብግቡእ ንምዝዛም ብዙሕ ቃልሲ ተኻይዱ ‘ዩ። ብዙሕ ኣኼባታት ተኻይዱ ‘ዩ። ንብዙሓት ብቐረባ ተኸታቲለዮም ‘የ። ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ተዘራሪበን ‘የን። ኣብ ብዙሕ ቴክኒካዊ ጉዳያት ‘ውን ይሰማምዑ ‘ዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።

ቴክኒካዊ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዝነበሩ መሃንድሳት ሰለስቲአን ሃገራት ብሓባር ኮፍ እንተዝብሉ ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ማለት ንሰለስቲአን ሃገራት ዝጠቅም መፍትሒ ንምምፃእ ኣይምተፀገሙን። ግብፂ ትኹን ሱዳን ድሕንነት እቲ ግድብ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ጌጋ ‘ዩ ክእረም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣየቕረባን።

ካብ መጀመርያ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ጉዳያት ኣለው። እዚኦም ኩሎም ጥዑያትን ግቡኣትን ‘ዮም። ብሞያዊ ዓይኒ እንተርኢናዮ ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ክህልወና ኣይንኽእልን።

እቲ ዘይምርድዳእ ብዓይኒ ሞያ ዝነበረ ኣይመስለንን፤ ምኽንያቱ ኣነ ‘ውን ተሳቲፈ ‘የ። ኣባል ኮሚቴ ቴክኒክ ኢትዮጵያ ‘የ ነይረ። ቴክኒካዊ ኮሚቴ ማለት ናይ ምህንድስና ኣረኣእያ ዘለዎ ‘ዩ። ብኢንጂነር ጊዴዎን ኣስፋው እትእከብ ዝነበረት ኮሚቴ ቴክኒክ ኢትዮጵያ ኣብ ሞያዊ ጉዳያት ትመክር ነይራ ‘ያ።

እትመኽሮም ዝበረት ጉዳያት ብወገን ኢንጅነር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር) ናብ መንግስቲ ይቐርብ ነይሩ ‘ዩ:: ብሕግን ዲፕሎማሲን ‘ውን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴታት ነይረን ‘የን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You