ንድሙቕ ታሪኽ ግቡእ መዘከርታ

ልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ታሪኽ ኣለዎ። ብዙሓት ምእንቲ ናፅነት ክቡር ህይወቶም ኣወፍዮም። በዚ ድማ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ዝመፅአ ሓይሊ መኪቶም፣ስዒሮም-ኢትዮጵያውያን ቅድሚ 128 ዓመታት ኣብ ኹናት ዓድዋ።

ኢትዮጵያዊያን ከም መርበብ ሓቢሮም ሓድነቶም ኣጠናኺሮም ኣፍሪካውያንን ፀለምቲ ህዝብታት ዓለምን ዝኾርዕሉ ብድሙቕ ሕብሪ ዝተፅሓፈ ዓወት ዓድዋ ኣመዝጊቦም፡፡ እዚ ዓወት ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ኣፍሪካውያንን ድሙቕ ዓወት’ዩ። ዓወት ኹናት ዓድዋ ኩሎም ህዝብታት ዓለም ማዕረ ምዃኖም ዘረጋገፀ፣ንሓርነት ዝገብርዎ ቃልሲ ዘለዓዓለን ሰረት ፓን ኣፍሪካኒዝም ዝኾነ ዓወት’ዩ፡፡

ዓድዋ ኢትዮጵያውያን እንትንሓብር ካብ ገዛእ ርእስና ሓሊፍና ንፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ስራሕ ክንሰርሕ ከም እንኽእል ዝተራአየሉ ፣ህዝቢ ኢትዮጵያ ንናፅነቱ ቀናእ ምዃኑ ዘመስከረ እንትኾን ብትዕቢትን ንዕቐትን ንመግዛእቲ ዝመፅአ ባዕዳዊ ጣልያን ብምስዓር ህዝባዊ ዓወት ዝተሓፈሰሉ ዓወት ስለዝኾነ ዘለኣለም እናተኸበረን ደሚቑን ክነብር’ዩ፡፡

ኢትዮጵያውያን ውሽጣዊ ፀገማት ዋላ ይሃልዎም፣ ብኣረኣእያን ብፖለቲካን ኣፈላላይን ክፍተት ዋላ ይሃልዎም ንሃገሮም ግና ዘይንቕነቕ ሓድነት ስለዘለዎም ንኽብሪ ንሃገሮም ዝስዋኡን ኣብ ሓደ ዕላማ ረቢቦም ንናፅነት ክቡር ዝኾነ ህይዎቶም ዝህቡ ምዃኖምን ሓባራዊ ታሪኾም ብደሞም ኣብ መድረኽ ዓለም ዝፀሓፉ ህዝብታት ምዃኖም ዓወት ኹናት ዓድዋ ምስክር’ዩ፡፡

እቲ ዓወት ታሪኽ ሓባራዊ መስዋእቲ መላእ ህዝብና ጥራሕ ኣይኮነን። ቀንዲ መሰረት ናይ ሓባራዊ ናይ ጀግንነት ተግባሮም ‘ዩ።ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ወሎዶ ብልፅግቲ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ናይ ይከኣል መንፈስን ዓብይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓቕሚ ከም ዝኸውን’ውን ይእመን።

ዓወት ዓድዋ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጭቆናን በደልን ዝነበረ ህዝቢ ዓለም ኣዒንቲ ከፊቱ። ንናፅነትን ፍትሕን ንዝቃለሱ ህዝብታት ሓድሽ ተስፋ ኣሰኒቑ’ዩ። ንዝተዓፈኑ ሕቶታት መንነትን ህላውነትን ድርኺት ክፈጥር ዝኸኣለ፣ ንሓድሽ ሓርነታዊ ቃልስታት ድማ ትንሳኤ ዝፈጠረ ዓቢ ዓለማዊ ፍፃመ ‘ዩ።

ንኣህጉራዊ ፓን ኣፍሪካኒዝም ምንቅስቓሳት፣ናፅነትን ፍትሕን ኢትዮጵያውነትን ፓን ኣፍሪካውነትን መሰረት ዘንበረ ዓወት ‘ዩ።ነቲ ኣብ ልቢ ብዙሓት ወለዶታት ብዓለም ለኸ ይኹን ኣብ ሃገር ዓብዪ ቦታ ዝነበሮ ዓወት ዓድዋን ንምዝካር፤ህንፀት መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምህናፁ ነቲ ዓወት ብዝሓሸ መገዲ ንምዝካር ዓብይ ዓቕሚ ምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ ይእመን፡፡

እቲ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ንህሉውን መፃእን ወለዶ ብዛዕባ እቲ ዓወት ንምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ብድሕሪ ዓወት ዘሎ ዛንታን እቲ ዓወት ዝፈጠሮ ሓባራዊ ሃገራዊ ትረኻን ብግቡእ ንምርዳእ ከምኡ’ውን ነቲ ዝሰርሕ ናይ ታሪኽ መንፈስ ውዕለታ ንምክፋል ዝሓሸ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ።

መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እቶም ታሪኽ ጭቆናን ንከይህልወና ዝተዋደቑ፣ ተስፋ ናፅነትን ፍትሓዊነትን ክዕምብብ ዝገበሩ፣ንዝጠፍአ መንነቱን ዓርሰ ምርኮሳን ዝተንስአ ህዝቢ ዓለም ‘ውን መዘከርታ’ዩ፤ኣካል ታሪኾም’ዩ። ብዘይካ’ዚ ንኣድማሳዊ ሓርነቶም ዝጀመርዎ ቃልሲ ንምዕዋት ምንጪ ናይ ተኽእሎ መንፈስ ብምዃን ዘይንቕነቕ ስግረ-ወለዶታት ፅንዓት ዕላማ ንምፍጣር የኽእል።

እቲ መዘከርታ ዓወት ምስቲ ዓብይ ታሪኽ ብዝሰማማዕ መንገዲ ዝተሃንፀ ‘ዩ፡፡በዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ታሪኽን ሓድነት ህዝቢ ልዑል ኣኽብሮት ከርኢ ኣኽኢሉ ‘ዩ። ነቲ ወለዶ ናብቲ ታሪኽ ንቐርብ ብምግባር ንዝሓሸ ፅባሕ ምእንቲ ክሰርሑ ዘኽእል ምዃኑ ይእመን፡፡ ከም ሃገር ኣብ ህልው ነጥቢ መቐይሮ ታሪኽ ኢና ዘለና። ብፍላይ ድማ ካብቲ ከፋፋሊ ትረኻታት ወፂእና ናይ ሓባር ትረኻታትና ብምስፋሕ ከም ወለዶ ዝጀመርናዮ ብልፅግቲ ሃገር ናይ ምፍጣርን ለውጢ ምንቅስቓስ ከም ዓብይ ዓቕሚ ክውዕል ይኽእል።

ከም ሃገርን ህዝብን ብዙሕ ታሪኻዊ ምዝባዕ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን መንግስቲ ምስቲ ክውንነት ብዝሰማማዕ መገዲ ነቲ ታሪኽ ንምዝካር ዝግበሮ ፃዕሪ ዝተባብዕን ልዑል ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝግብኦን ‘ዩ።እቲ መዘከርታ’ውን ንድሙቕ ታሪኽ ዝምጥን መዘከርታ’ዩ፡፡

ወጋሕታ 7 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *