ኢትዮጵያ ንኦሎምፒክ ነዊሕ ርሕቐት ጠንካራ ጉጅለ ሒዛ ትቐርብ እያ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ሃገራት ዓለም ኣብ ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ዘሳትፍዎም ኣትሌታት ዝምረፅሉ፣ ሰዓት መመልኢ ውድድር ዘካይድሉ ግዘ ከምዝተዛዘመ ፌደሬሽን ኣትሌትክስ ዓለም ኣብ ድሕረ ገፁ ገሊፁ እዩ:: እዚ ተኸቲሉ ሃገራት ውሕዳት ሰሙን ጥራሕ ዝቐረዮ ኦሎምፒክ ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍላጥ ክጅምሩ እዮም:: ኣብ ኣትሌቲክ ስፖርት ብፍላይ ድማ ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ብውፅኢታውነት እትፍለጥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኦሎምፒክ ብኣትሌቲክስ ዝካፈሉ ኣትሌት ተፈሊጦም እዮም::

ኢትዮጵያ ብኦሊምፒክ ካብ ኣትሌቲክስ ስፖርት ብተወሳኺ ብስክሌት ፣ወርልድ ቴኳንዶን ስፖርት ማይ እትሳተፍ እንተኾነት’ውን ቅድሚ ኸዚ ብዓወት እትፅወዐሉ ጉያ ዝተፈለየ ውፅኢት ከምተምፅእ ትፅቢት ይግበር:: ምኽንያቱ ድማ ቅድሚ ኸዚ ብዘይተለምደ መልክዑ ኣትሌታት ንሸሞንተ ኣዋርሕ ምድላው እናካየዱ ምፅንሖም እዩ:: በዚ መሰረት ድማ ብኽልቲኡ ፆታ ብ 800፣1ሽሕ 500፤5ሽሕ፤10ሽሕ ሜትር፤ብማራቶን ከምኡ’ውን 3ሽሕ ሜትር መሰናኽል ተኻፈልቲ ዝኾኑ ፤ተጠባበቕቲ ኣሰልጠንትን ፍሉይ ሓላፍነት ዘለዎም ኣባለት ጉጅለ ዝርዝር ኣብ ብፌደሬሽን ኣኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንኮምቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ቀሪቡ እዩ::

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ካብ ዘመዝገበቶም ሜደልያታት ዝበለፀ ዝበዝሕ ነዊሕ ርሕቀት ወይም 5ሽሕን 10ሽሕን ሜትር እዮም:: ኣብዚ ኦሎምፒክ ከም ቅድሚ ኸዚ ባንዴራ ሃገርና ብዓወት ከውለብልቡ ኮኾባት ዓለምና ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያ ዝውክሉ እዮም:: ብኽልቲኡ ርሕቀት ካብ ኽልቲኦም ፆታታት ሰለስተ ሰለስተ ኣትሌታት ዝተመረፁ እንትኾን ሓደ ሓደ ተጠባባቕቲ ኣለዉ:: ኣብቲ ርሕቀት ኣትሌታት እናመርሑ ኣብቲ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣሰልጠንቲ ሱፐር ኢንቴንዳንት ሁሴን ሸቦ፣ኣሰልጣኝ ሃይሌ እያሱ፣ኣሰልጣኒ ቶሌራ ዲንቃን ኣሰልጣኒ ንጋቱ ወርቁን ከምዝኾነ ተረጋጋፁ እዩ::

ብ5ሽሕ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ማእኸላይ ርሕቀት እትፍለጥ መንእሰይ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብቐዳምነት ዝተመረጸት ኣትሌት ኾይና ኣላ:: ብዓለም መናእሰይ ቻምፒዮና ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ገዛ ንሕንሓት ዓብይ ተስፋ ዘርኣየት ናይ 24 ዓመት ኣትሌት ብዓለም ቻምፒዮና ከምኡ’ውን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሪዮ ኣሊምፒክ ሃገራ ምውካል ክኢላ እያ:: በዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2019 ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮና 1ሽሕ500 ሜትር ብዓልቲ ዋና ነሓስ ከምዝኾነት ዝዝከር እዩ:: እታ ኣትሌት ኣብ ሚልኬሳ መናገሻ ብሱሩዕ ዝተመረፁ ኣትሌታት እንትኾኑ መናእሰይን ዓብይ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ኣብ ተጠባባቒ ዝርዝር ኣትዩ እዩ:: ናይ መጀመሪኡ ኦሎምፒክ ተሳትፍኡ ዝገብር መንእሰይ ኣትሌት ጌትነት ካብ ዝፍለጠሉ 3ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ናብ 5ሽሕ ሜትሮ ተሰጋጊሩ ዝወዳደር እንትኾን ካብ ምውድዳር ሓሊፉ ሜዳልያ ንምርካብ ዓብይ ተስፋ ተዋሂብዎ እዩ:: ዝተረፉ ኣትሌታት ድማ ብተመሳሳሊ ኣብቲ ኦሊምፒክ ብቅዓቶም ከምዘሪኡ እምነት ተዋሂብዎም እዩ::

ኢትዮጵያ ብኦሊምፒክን ካልኦት ቻምፒዮና ብኽብሪ ንክትረአ ዝገበረ ርሕቀት 10ሽሕ ሜትር ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ:: በዚ ርሕቀት ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ለተሰንበት ግደይ፣ ፅጌ ገብረሰላማን ፃሃይ ገምቹ እንትምረፃ ጉዳፍ ፀጋዬ ድማ ብተጠባባቅነት ተዳሒዛ እያ:: ኣብ ቀረባ እዋን ሪከርድ ዓለም ብምስባር እናተፈለጠት ዘላ ናይ 23 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት በዚ ኦሎምፒክ ተዓወቲ ካብ ዝበሃላ እታ ሓንቲ እያ::

ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2016 ሪዮ ኦሎምፒክ ናይቲ ርሕቀት ክብረ ወሰን ብኣልማዝ ኣያና እንተነበረ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሄንግሎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብካልእ ኣትሌት ተመሓይሹ ነይሩ:: ኾይኑ ግና ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ እቲ ክብረ ውሰን ብምምሕያሽ ታሪኽ ክትሰርሕ ከምዝኻኣለት ዝዝከር እዩ:: ኣብ ቶኪዮ እዚ ብቅዓት ብምጥቃም ሃገራ ከምተፀውዕ እምነት ተዋሂብዎ እዩ:: በዚ ርሕቀት ዓብይ ንሕንሕ ዝረአ እንትኸውን ፅጌ ገብረሰላማን ፀሃይ ገምቹን ክስዕራ ይኽእላ እየን ተባሂሉ ይግመት:: ደቂ ተባዕትዮ 10ሽሕ ድማ ሰለሞን ባረጋ ናይ ሰዓርነት ግምት ተዋሂብዎ እዩ::ዳይመንድ ሊግ ክብረ ወሰን ዓለም ዝሰበረ ዮሚፍ ቀጄልቻ ኣብዚ ወድድር ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኾን፤በሪሁ ኣረጋዊን ዓብይ ግምት ዝተውሃቦ እዩ::ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወትን ድማ ተጠባባቒ ኮይኑ ኣሎ::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You