‹‹ራዕዳዊ ህወሓት ንሰብኣውነትን ንኽብሪ ሃገርን ከይተገደሰ ሎሚ’ውን ታሪኻዊ ጌጋ ይፍፅም ኣሎ›› ዶክተር ደቻሳ ኣበበ

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ንሰብኣውነትን ንኽብሪ ሃገርን ቦታ ከይሃበ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ጥምየት ዋና ስልቲ መቃለሲኡ ምግባሩ ታሪኻዊ ጌጋ ከም ዝኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ታሪኽን ተመራማርን ዶክተር ደቻሳ ኣበበ ኣፍሊጦም፡፡

ዶክተር ደቻሳ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ ኣብ 1970ታት ኣብዛ ሃገር ተኸሲቱ ብዝነበረ ድርቂ ህዝቢ ንዝኸፍአ ጥምየት ተጋሊፁ እዩ፡ ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝነበረ ነዊሕ ኲናት ህዝቢ ተንቀሳቒሱ ህይወቱ ክመርሕ ብዘይምኽኣሉ እቲ ፀገም ዕጽፊ ንክኸውን ገይርዎ ነይሩ፡፡

ጥምየት ዋላኳ ተፈጥራዊ እንተኾነ፤ ኣፍቲ እዋን ግና ራዕዳዊ ህወሓት ዓርሱ ነፃ ብምግባር እቲ ፀገም ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ደርጊ ብምጥዋይ ብዝገበሮ ሰፊሕ ወፍሪ ጎስጓስ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብርክት ዝበለ ረድኤት ክረክብ ከምዝኸኣለ ኣዘኻኺሮም፡፡

ይኹን ‘ምበር ህዝቢ ብጥምየት እናተጠፍሐ፤ እዚ ከይገደሾ ረድኤት ብሙሉኡ መዐደጊ ኣፅዋር ኲናት፣ቀለብ ወታደርን ናውትን ከምዘውዐሎ፤ኣፍቲ እዋን ብቐረባ ዝፈልጡ ተሳተፍቲ እቲ ግብሪ ዝነበሩ ሓደ ሓደ ተጋደልቲ ኣብ ዝፀሓፍዎ መፅሕፍቲ እቲ ጌጋ ብንስሃን ፀፀትን ከምዝገልፅዎ እቶም ተመራማሪ ኣመልኪቶም፡፡

ብፍላይ ኣብ ፈለማ እቲ ጉጅለ መገዲ እናዓፀወ ረድኤት ናብ ዝተጎድኡ ወገናት ንኸይበፅሕ ብዝሰርሖ ተንኮል፤ መናእሰይ ናይቲ ኸባቢ ብጥምየት ኣብ ገዛይ ካብ ዝመውት መዓልታዊ ንጎሮሮይ እናረኸብኩ ምሟት ይሕሸኒ ብምባል ብበዝሒ ናፍቲ ጉጅለ ከምዝተፀንበሩ ገሊፆም፡፡

ትማሊ ብባህረት ኣምባገነናዊ ደርግን ብመስካሕክሒ ተፈጥራዊ ጥምየትን ዝተሳኸዐሉ ራዕዳዊ ህወሓት ሎሚ ንቕሓተ ህሊና ህዝቢ ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን፤ነባራዊ ኹነታት ዓለምን ኣዝዩ ኣብ ዝተቐየረሉ ኹነታት እቲ ጉጅለ ኣፍቲ ናይ ትማሊ መንነቱ ምሽኻሉ ዘዛልቕ ኣይኮነን ኢሎም፡፡

ልዕሊኹሉ ንሃገርና ሕምብርቲ ስልጣነ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፤ፅልኣዊ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብዝሰኸነ መገዲ ንኽሪኦ ሓቲቶም፡፡

ሰብ ሰራሕ ጥምየት ብስልጡን መገዲ ምቁፅፃር ዝከኣልን ምፍታሕ እንኽእለሉ ዕድል እናሃለወና፤ዘይምርድዳእን ብጠበንጃ ንምፍታሕ ምፍታን ገፅታ ሃገር ካብ ምብልሻውን ዝሓለፈ ዘላቒ ፍታሕ ኣየምፅእን ኢሎም፡፡ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ነቲ ጉጅለ ጠቕሊሉ ከይሃበ ከምቲ ናይ ትማሊ ምስ ፈታዊኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጠጠው ብምባል ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You