ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተዛዘመን ሽቱኡዝወቕዐ ከምዝነበረ ተገሊፁ

 መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ መሊስካ ህንፀት ሓገዝ ንኽገብር መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ደመቀ መኮንን መንግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ገለፃ ገይሮም::

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን፣ መንግስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝኣተወሎም ቀንዲ ቀንዲ ምኽንያታት ኣብሪሆም:: እቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተዛዘመን ሽቱኡ ዝወቕዐ ከምዝነበረን ገሊፆም:: ድሕሪ ምዝዛም እቲ ወፍሪ ድማ ኣብቲ ክልል ግዚያዊ ምምሕዳር ብምጥያሽ ናብ መሊስካ ህንፀትን ከምዝተኣተወ ኣገንዚቦም::

እቲ በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ፣ ‹‹ኣብቲ ክልል ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ብግቡእ ሓገዝ ንምብፃሕን ሓረስቶት ብእዋኑ እታወት ሕርሻ ንምብፃሕን ተሓሲቡ ዝተወሰነ እዩ››ኢሎም::

ሓገዝ ዝደልዩ ወገናት ዕለታዊ ምግቢን ሰብኣዊ ሓገዝን ንምብጻሕ ልዑል ፃዕሪ እናተበረ ይኹን እምበር፣ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ማሕለኻ እናፈጠረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም::

ካብዚ ሓሊፉ ብናይ ሕሶት ሓበሬታ መናእሰይ ብምጉስጓስ ሰላም እቲ ክልል ይህውኽ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፣ እቲ ጉጅለ ብዝፈጥሮ ራዕዲ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ከምዝወሰኸ ኣገንዚቦም::

ኣይተ ደመቀ ኣብ መብርሂኦም፣ እቲ ጉጅለ ሕዚ እውን ትንኮይኡ ዝቕፅልን ዘየቋርፅን እንተኾይኑ መንግስቲ ከምዘይዕገስን ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም::

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰለ ኢትዮጵያን ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም:: ዓለም ለኸ ትካላት እውን ዘይሻራዊን ተኣማኒን ፀብፃብ ንኽወፅእ ዝገብረኦ ፅንቶ ጠጠው ንኸብሉ ሓቲቶም::

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ መሊስካ ህንፀት ሓገዝ ንኽገብርን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክትን ፃውዒት ኣቕሪቦም::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You