ስነ ስርዓት መርዓ

 መርዓ ካብ ሕፀ ጀሚሩ ናይ በዓሉ ስርዓትን ኣካይዳን ኣለዎ። ኣብ ሃገርና መብዛሕትኡ ግዘ ስነ ስርዓት መርዓ ዝፍፀመሉ ኣብ ወርሒ ጥሪ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ገጠር ወርሒ ጥሪ መርዓ ዝበዝሐሉ እዋን ‘ዩ።

ስነ ስርዓት መርዓ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ ኮይኑ ካብ ቀዳሞት ወለዲ እናተወራረሰ ዝመፀ ናይ በዓሉ ስርዓት ኣለዎ። መርዓ ናይ በዓሉ ቕደም ሰዓብ ኣለዎ። እቲ ስነስርዓት መርዓ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ብዝተወሰነ መልክዑ ዝፋላለ እንተኾነ መብዛሕትኡ እቲ ከይዲ ተመሳሳሊ ‘ዩ።

ሰባት ንመርዓ ወይ ንመውስቦ እንትመርፁ ናይ በዓሎም መዐቐኒ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዘ ወዲ ከባቢኻ፣ ጭውነት፣ ሃፍቲን ሃይማኖትን ወዘተ ዝብሉ ነገራት ኣብ ግምት የእትዉ ‘ዮም። ብፍላይ እቶም መፃምዲ ደቒ ዓዲ ክኾኑ ዝመርፅሉ ቐንዲ ምኽንያታት ሓንሳብ ምስተዋሰብካ ከም ቤተሰብ ኮይንካ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ስለ እትደጋገፍ ኮይኑ እቲ መውስቦ ኣብ ከባቢኦም ክኸውን ይመርፁ።

ከምኡ ‘ውን እታ ንመውስዎ ዝመርፅዋ ጓል ኣነስተይቲ ወይ ዝምረፅ ወዲ ተባዕታይ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ተሓሳቢ ክኸውን ይድለ ወይ ትድለ። ከምኡ ‘ውን ክልቲኦም ብስርሖምን ብኣተሓሳስቦምን ጎበዛት ክኾኑ ይምረፅ። ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ዓሌትን መልክዕን ኣብ ግምት ዘኣትወሉ ኩነታት ኣሎ።

ሕፀ ንምፍፃም ብፍላይ እቶም እንዳ ወዲ ነዚ ኣብ ግምት ምስ ኣእተዉ ናብ እንዳ ጓል ሕፀ ንምጥያቕ ሽማግለ ይልእኹ። ከከም ከባቢ እኳ ብዝተወሰነ ደረጃ ይፈላላ እንተኾነ መብዛሕትኡ ዘመሳስሎ ጉዳይ ኣሎ። ወይ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ኣካይዳ ኣለዎ። ብእንዳ ወዲ ወገን እቲ ውሉድ ንዓቅመ ኣዳም ምስበፅሐ ኣብቲ ዓዲ ብኽእለቱ ነፍዕነቱን ዝተመስከረሉ ክኢላ ሰብ ተመሪፁ ናብ እንዳጓል ይለኣኽ።

እቶም እንዳጓል ነቲ ወዲ ብፍላይ ከዓ ንስድራቤቱ እንተዘይ ደልዮሞም ዝተፈላለዩ ምኽንያታት የቕርቡ። ዝቕበሉዎ መውስቦ እንተድኣ ኾይኑ ግን ንምጉብጓብ ዝኣክል ‹‹ምስ ኣሕዋት ተማኺርና ከንነግረኩም ወይ ክንሓስበሉ ጊዜ ሃቡና›› ብምባል ነቶም ሽማግለታት ይመልስዎም።

እቶም እንዳ ወዲ ድማ መዓልቲ ቖፂሮም ይምለሱ ካብኡ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም በቶም ሽማግለታት ገይሮም ከዓ ከምቲ ልሙድ ኣዘራርባ ‹‹እምባ ኮይንኩም ክተፀጉዑና፣ ጎልጎል ኮይኑኩም መሳፍሒ ከትኾኑና፣ ጓልኩም እገሊት ንእገለ ወዲ እገለ ክትህቡና ኢና መፂእናኩም›› ኢሎም ኢድ ይነስኡ እንዳ ጓል ከዓ ብወገኖም ‹‹ከተኸብሩና ደኣ ደሊኹም ‘ምበር ዓበይትን ደቂ ዓበይትን ንስኹም ኢኹም ስለዚ ዝመረፅኩማ ጓልና ሂብናኩም ኣለና ትብፃሕኩም›› ምስ በሉዎም እንዳ ወዲ ኣመስጊኖም ኢድ ነሲኦም ይቕመጡ፤ ብድሕር ‘ዚ በቲ ሽማግለ ዕላዊ ቐፀሮ ይግበር።

ኣብ መዓልቲ ሕፀ ኣቦ ወዲ ነታ ሕፅይቲ ዝኸውን ብብዓይነቱ ጥልፍን ካልኦትን ከምኡ ‘ውን ኣብ እዝና እትኣስሮ ጐባጕብ ሒዞም ይመፁ። እዚ ኸዓ  እታ ጓል ከም ዝተሓፅየት ዝምስክረላ ምልክት ‘ዩ። ኣብ ርእሲኡ ‘ውን ንገፅ ምርኣይ ተባሂሉ እንዳ ወዲ ዝተወሰነ ገንዘብ ሒዞም ይመፁ ‘ዮም። እንዳጓል ‘ውን ብወገኖም ነቲ ዘጥፍኡዎ ገንዘብ መሸፈኒ ተባሂሉ ገንዘብን ጥሪትን ይወሃብ ‘ዩ። መብዝሕትኡ እቲ ሽዑ ዘስምዑዎ ገንዘብን ድሕሪ መርዓ ‘ዩ ዝወሃብ።

እቲ መርዓ ምስ ኣተወ ዝተፈላለዩ ድግስ ይግበር። ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ወይ ኣጋምሸት ወራድ መርዓ ነቲ መርዓዊ እናዓጆቡ ናብቲ እንዳ ጓል ይኸዱ። ነጋሽወዎ እናበሉ ‘ውን ናብቲ ዳስ ምስ ኣተዉ ብስነ ስርዓት ክቕመጡ ይግበር። ካብኡ ክቕመጡ ምስተገብረ ቐፂሉ ድማ እቶም ዕዱማት እንዳጓል ግዲኦም ናብ ደገ ወፂኦም ነጋሽዎ እናበሉ ይኣተዉ። ካብኡ ናይ ዋሕስ ስነ ስርዓት ይግበር። ቐፂሉ ድማ እኽለማይ ምስተበልዐን ምስተሰትየን ናብ ፀወታ ይእቶ።

ድሕሪ እናተፃወቱ ምሕዳሮም እቶም ወራድ መርዓ ናብ ገዝሚ ይኣትዉ። ኣቦታት ጓል እቲ ኣብ ሕፀ ብእንዳወዲ ንሽልማት እታ መርዓ ዘውፅዎ ወፃኢ ተሓሳቢ ተገይሩ ንእንዳወዲ ይወሃብ። እዚ ድማ ገዝሚ ይባሃል። ገዝሚ ግዴታ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ባህሊ ስለዝኾነ መብዛሕትኡ ግዜ ዝቐሪ ኣይኮነን። ካብኡ እቶም እንዳወዲ ድማ ንሕና ሰብ ‘ምበር ገንዘብ ኣይኮናን ደሊና መፂና። ኮይኑ ግና ዝተዋሃበና ገንዘብ መሊኡ ‘ዩ። ሕጉሳት ኢና፤ መሊኡ! መሊኡ! ክንድዝስ ኣይተፀበናን ክብረት ይሃበልና! የቐንየልና! ይብሉ።

እቶም ኣዕሩኸ ድማ ናብቲ መርዓት ዘላቶ ውሻጠ ኣትዮም ናብቲ ዳስ የምፅእዋ። መርዓት እቲ ወርቂ ጐባጕብን ወርቂ ኵትቻን ተሰሊማ ግልብጭ ተቘኒና ገፃ ተሸፊና ኣዝያ ‘ያ ትምዕርግ። ጥዋፍ ኣብሪሆም፣ መዕረኺ ሕንባሻ ሒዞም ኢዶም ኣብ ርእሲ መርዓት ኣንቢሮም በቢታራ ናይ ምዕራኽ ስነ ስርዓት ይካየድ።

ካብኡ ንምምላስ ንቕሎ ስለዝኸውን መርዓዊን መርዓትን ኣብቲ ዳስ ደኒኖም ይምረቑ። ድሕሪ እዚ እቶም ወራድ መርዓ እናደረፉ፣ ኣዋልድ እቲ ዓዲ ኸዓ መርዓት ሒዞም ንዓዶም እንትምለሱ ዝተፈላላየ ደርፊ እናደረፋ ካብቲ ዳስ የፋንወኦም።

ወጋሕታ 23 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You