ኣካባብራ በዓል ትንሳኤ-ኣብ ሃገርና

ኣብ ሃገርና ፋሲካ ክኽበር ከሎ ናይ በዓሉ ኣሳራርሓን ስርዓታት ኣለዎ። ኣብ በዓል ፋሲካ ቅዳሴ ፍርቂ ለይቲ ‘ዩ ዝቕደስ። እቲ ምእመን ንኸቕድስ ክመፅእ ከሎ ምሉእ ፃዕዳ ክዳን ተኸዲኑ ይመፅእ። ኩሉ ፃዕዳ ክኽደን ዘይክእል ሰብ እንተኾይኑ ድማ ንፅል ፃዕዳ ወይ ጋቢ ምኽዳን ናይ ግድን ይኸውን።

ትንሳኤ ወይ ፋሱካ ተኸተልቲ እቲ እምነት ብታሕጓስ ዘብዕልዎ በዓል ‘ዩ። ናይ ታሕጓስ “ትንሳኤ” ‹‹ተንስኣ ካብ ዝብል ናይ ግዕዝ ቃል ዝመፀ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ምትሳእ ወይ ተሰአ” ማለት ‘ዩ። እዚ ሓድሽ ህይወት ምርካብ ማለት ‘ዩ። ብኣመንቲ ክርስትና ፋሲካ (ትንሳኤ) ማለት ትንሣኤ ክርስቶስ ዝበዓለሉ መዓልቲ ‘ዩ።

እዚ በዓል እዚ ካብ ሓጢኣት ናብ ፅድቂ፤ ካብ ውርደት ናብ ክብሪ፤ ካብ ኣጋዛዝኣ ፀላኢ ሰይጣን ናብ ዘለኣለማዊ ናፃነት፤ ካብ ሕሱም ናብራ ናብ ሓድሽ ህይወት ምስግጋር ማለት ኮይኑ ክቡር ናይ ናፅነት በዓል ‘ዩ። ስለዚ ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ነቲ በዓል ብዓቢ ሓጎስን መንፈሳዊ ስምዒትን የብዕልዎ።

ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝተፈላላዩ ፀሎታት ይካየዱ፤ ንኣብነት ካህናት ከበሮ እናውዑ ብህድኣት ኣእዳዎም እናጣቕዑን ፀናፅሎም እናወዛወዙን ይዝምሩ። ህዝቢ ድማ ብጣቕዒት፣ ዕልልታን ታሕጓስን ኣብቲ መዝሙር ተሳታፊ ይኸውን። ስብከት ‘ውን ይካየድ፤ እቲ ስብከት ብዲያቆንን ኩሎም ካህናትን ተደጋጊሙ ይፍፀም። ብዲያቆንን ኩሎም ካህናትን ብሓባር ይዝመር። ቀፂሉ እቲ ካህን ካብ ወንጌል ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ትንሣኤ ዘበስር ትምህርቲ የንብብ። ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ‘ውን ይንበብ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ነቲ ስራሕ ዝመርሕ ክኢላ (ዘማሪ) መስቀል ሒዙ “ትንሳኤ ለእለ አመነ” ብዝብል ስም እናዘመረ ነቲ በዓል ዝስማዕማዕ ይዝምር። ብድሕሪኡ “ዮም ፍስሃ ኮነ በሰንበተ ክርስትያን ይበሃል፤ ማለት ሎሚ ኣብ ሰንበት ቤተክርስትያን ሓጎስ ኮይኑ እናተባህለ ይዝመር።

ኣብዚ ግዜ እዚ “ኣብ ፀልማት ዝነበርኩም ሰባት ንዑ ብርሃን ትንሳኤ ርኣዩ፤ ብርሃን ብምውሳድ ተኻፋሊ ብርሃን ኩኑ እናተባህለ እታ ቤተ ክርስትያን ዘዳለዎቶ ጡዋፍ እናብረሀት ትዕድል። ካብኡ ካህናትን ህዝብን “ንኣማኒ ተንስእ፣ ንዓና ንዝኣመንና ብርሃንካ ስደደልና” ዝብል መዝሙር እናዘመሩ ዑደት ይገብሩ (ኣብ ቤተክርስትያን ይዞሩ)።

መዘምራንን ካህናትን ካብ ዑደት ምስ ተመልሱ ቃል ኪዳን የብፅሑ፤ ቃል ኪዳን ምስ ተዛዘመን ከከም መርገፂኦም ፓትርያርክ ወይ ሊቀ ጳጳስ ወይ ቖሞስ ወይ ካህን ዓው ኢሉ የንብብ፤ “ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ = ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ” እቲ ካህን “ኣሰሮ ለሰይጣን = ንሰይጣን ኣሲሩ” ክብል ከሎ ኩሎም ካህናት “ኣግኣዞ ለኣዳም = ንኣዳም ሓራ ኣውፂእዎ” ይብሉ።

ቐፂሉ “ሰላም = ሰላም፣ ሓድነት፣ ፍቕሪ” ይብሉ ኩሎም ድማ “እምይእዜሰ = ካብ ሎሚ” ጀሚሩ ብምባል ይቅበሉ። ካህን ሰለስተ ግዜ “ኮነ ፍስሳ ወሰላም = ሰላምና ሓጎስና ኮይኑ” ብምባል ሰለስተ ግዜ ብምእወጅ “ እቲ ካህን ድማ ነዋ መስቀለ ሰላም” እናበለ መስቀል የሳልም።

ካብኡ እቶም ልኡካን ንቕዳሴ እናተዳለዉ መዘምራን ምስባክን ምውዳስን ምስ ኣዝየሙ ይትፌሳህ ዝተባህለ መዝሙር ብምዝማር«… ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ፤ ተሃፂባ በደመ ክርስቶስ = … ብምድርም ብናይ ክርስቶስ ደም ተሓፂባ ፋሲካ ኮይና….ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ቅዳሴ ተቐዲሱ ስርዓታዊ መስዋእቲ ይፍፀም።

ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ ብዙሓት ምእመናን ጥዋፍ የብርሁ። ኣብ ፋሲካ ቅዳሴ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ቅዳሴ ምስተወደአ ምግቢ ‘ውን ብለይቲ ይብላዕ። 55 መዓልቲ ክፀውም ዝፀንሐ ምእመን ወይ ካህን ድሕሪ ቕዳሴ ናብ ገዝኡ ምስተመለሰ ደርሆ ሓሪዱ ይበልዕ። ዝኸአለ በጊዕ ገዚኡ ይሓርድ እንተዘይክኢሉ ድማ ዝረኸቦ ይበልዕ።

ወይ ዓቅሚ ንዘይብሎም ነዳያን ድማ በቢ ከባቢኡ እናተዘዋወሩ “እንኳዕ ናብ ትንሳኤ ብርሃኑ ብሰላም ኣብፀሐኩም “ እናተባህለ ካብቲ ዘሎ ንትበዓል ዝተዳለወ ምግቢ ይዋሃቡ። ካብ ሰንበት ፋሲካ ክሳብ ትንሣኤ ህዝቢ እምነት እቲ ክርስትና “እንኳዕ ናብ ብርሃነ ትንሳኤሁ ብላም ኣብፀሐኩም ይበሃሃል።

ብኸምዚ ሓቢሩ ብምብላዕን ብምስታይን ከምኡ ‘ውን እናተሓጎሰ ንኣምላኹ ብምምስጋን የሕልፎ። ብድሕሪ ስንብታ ካህናትን ህዝብን ናብ ቤቶም ብምኻድ ከምቲ ልሙድ ምስ ዘመድ ኣዝማድ ተኣኻኺቦም ናይ ስዕረት እናበልዑ ብታሕጓስ የህልፍዎ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 01 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You