ብሃይማኖታውን ባህላውን ፀጋታት ዝተቀደሰት ሓሙስ

ሓሙስ ናይ ዕለታት ቅዱስ እንትብሃል ብተደጋጋሚ ንሰምዕ ኢና። ኣብ ዓመት ውሽጢ ካብ ዘለዋ 52 ሓሙሳት ድማ ብመንፅር ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ብኣብዝሓ ኣዋልድ ትግራይን ገለ መጎራብቲ ከባቢታትን እዛ ናይዚ ዕለት ሓሙስ ፍልይቲ ክብርትን ቅድስትን ዕለት ‘ያ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን። ምናልባት እዚ ሓሙስ ናይ ዕለታት ቅዱስ ዝብል ኣበሃህላ ካብ ናይ ሎሚ ዕለት ሓሙስ ዝተበገሰዶ ይኸውን ኢልካ ንክትሓትት ‘ውን ዝገብር ‘ዩ።

ናይዚ ዕለት ሓሙስ ብኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ከዓ ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ “ሓሙስ ፅግቦ” ብዝብል ፍሉይ ሽም ካብ ምፍላጣ ብተወሳኺ እዛ ዕለት ናይ ፅጋብ፣ ቅድስና፣ በረከትን ትሕትናን ዝግለፀላን ከምኡ ‘ውን ብወገን ኣዋልድ ገጠራት ከባቢ ትግራይ ካልኦት ከባቢታትን ድማ ብዙሕ ባህላዊ ፀወታታትን ጥበባትን ዝግለፀላን ብዙሕ ተዘክሮታት ቁልዕነትን ዝሓዘት ዕለት ‘ያ ምባል ይክኣል።

ናይዚ ዕለት ሓሙስ ካብ ካልኦት ሓሙሳትን ዕለታትን ፍልይ ዘብላን እንታይ ‘ዩ እንተይልና ድማ ብፍላይ ብመንፅር ተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክንርኢ ከለና ኣብ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ውሽጢ ካብ ዘለው ሸውዓተ ምስጢራት ምስጢረ ቁርባን ዝተገለፀሉ፣ብስርዓት ሕፅበት እግሪ ኣቢሉ ድማ ምክብባርን ተገልገልቲ ትሕት ኢልካ ምግልጋል ከምዝግባእን ካልኦት ዓብይቲ ትምህርትታት ዝተወሃበላ ዕለት ከምዝኾነት ካብዚ ብታሕቲ ይግለፅ።

ኣብዚ ዕለት “ሓሙስ ፅግቦ ኣሽንካን ኣነ ዒፍ እኳ ትፀግቦ” እናበላ ኣዋልድ ሽውላለ ወይ ሸለው ላጋ ዝብላሉ ዕለት ኮይኑ፤

ሓሙስ ፅግቦ ዒፍ እኳ ትፀግቦ

ዓርቢ ስቅለት ልበይ ተሰቀለት

ሸውየ ሸውላሎ ሸውየ ሸውላሎ እናበላ እናዜማ እናተፃወታ ዝውዕላሉ ‘ዩ።

ሓደ ሓደ መማህራን ሃይማኖት ከምዝብልዎ ኣዋልድ ሸውላለ እናበላ ዝፃወታሉ ምኽንያት ካብ ኣዳም መርገም ስለ ዝደሓና ‘ዩ ይብሉ።

“ሓሙስ ፅግቦ ጎይታና መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ትሕት ኢሉ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ብምሕፃብ ንደቂ ሰባት ትሕትና፣ ፍቕርን ሓልዮትን ብተግባር ዘርኣየሉን ዘምሃረሉን ስለዝኾነ ንሕና ‘ውን ነዚ ብተግባር ክንገልፆ ይግባእ” ብተወሳኺ ‘ፋሲካ ‘ውን ትበሃል “ገብረ ፋሲካ በማእከለ ምድር” ከምዝብልዎ ንድሕነት ደቂ ሰባት ቅዱስ ስግኡን ቅዱስ ደሙን ዝሃበሉ ዕለት ‘ዩ ክብሉ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ኣስተምህሮኦም ይገልፁ ‘ዮም።

ኣብ ቤተ ክርስተያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ በቢዓመቱ ኣብ ድሮ ዓርቢ ስቕለት ኣብ በቢ ቤተ ክርስትያኑ ዝሳለጥ ስነ፡ስርዓት ምሕፃብ እግሪ ዘካይድሉ ዕለት ኮይኑ፤ እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ኣድባራትን ገዳማትን ኣብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንዘመናት እናተኻየደ ዝቕፅል ዘሎ ስርዓት ከም ዝኾነን እዚ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ነንሕድሕድና ፍቕሪ፣ ምክብባር፣ ትሕትናን ክህልወና ንከምህር ኣብ ድሮ ስቕለቱ ንደቀ መዛምርቱ ሃወርያት ተንበርኪኹ እግሮም ብምሕፃብ ዘርኣዮ ትሕትና ኩላትና ክንመሃረሉ ንምግባር ምዃኑ ይሕበር ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን “ሐዋርያቲሁ ከበበ እግረ አርዳኢሁ ሐጸበ ኮኖሙ አበ ወእመ ወመሐሮሙ ጥበበ” እናተብሃለ ጎይታናን መድሓኒትናን እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ንሓዋርያት ብትሕትና ብፍቕሪ እግሮም ዝሓፀበሉ መዓልቲን ነፀልኡ ተዓጢቁ ንኩሎም ሓወርያቱ እግሮም ብምሕፃብ ፍፁም ትሕትንኡ ዘርአየሉ ምሰጢር ቁርባኑ ‘ውን ዘግሀደሉ ቅዱሰ መዓልቲ ምዃኑ ‘ዩ ዝግለፅ።

እዛ ሓሙስ እዚኣ፣ መስዋእተ ኦሪት ብደም እንስሳ ልቀርብ መስዋእቲ ተሪፉ፣ ንድሕነተ ዓለም ንገዛእ ርእሱ ልተፈተወ መስዋእቲ ጌሩ ለቅረበሉ ዕለት ስለዝኾነ፣ እዛ ፅዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዝፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓዲሽ ኪዳን ‘ያ ካብዚ ስተዩ ” ምባሉ ይፍለጥ፣ ሉቃ.22፣20።

ገለ ፀሓፍቲ ኣብ ሓሙስ ፅግቦ ንምታይ ጥቅጡቖ ከምዝዳሎ ከምዝገልፅዎ፤ ኣብ ሓሙስ ፅግቦ ወለድና ጥቅጡቖ ካብ ዝተፈላለየ ጥረ እኽሊ ዝተፈተገ ስርናይ ፥ሽምብራ፥ ምሸላባሕሪ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓዋዊሰን የብስልኦ ። ቀመማትን ጨው ብዝሕ ዝበሎን ድማ ይኸውን ።እዚ ንምታይ ‘ዩ ኣብ ሓሙስ ፅግቦ ዝገብርኦ እንተይልና ምሳሌ ናይ እስራኤል ዘስጋ ‘ዩ ።

እስራኤላውያን ኣብ ዓዶም ተፀጊሞም ናብ ግብፂ ተሰዲቶም ኣብኡ ድማ ን430 ዓመት ተቀሚጦም ።እስራኤላውያን ኣብ ግብፂ መከራን ስቃይን ይበፅሖም ስለዝነበረ እግዚአብሔር ኣምላክ ብምሕረቱ ተመልከቶም ብነቢይ ሙሴ ድማ ካብ ግብፂ ባርነት ነፃ ኣውፂኦም ። እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ክወፁ እንከለው ድማ ከምቲ መንገደኛ ዝገብሮ ንዕለታዊ ዝበልዕዎ ቅጫ ጥቅጥቆ ‘ምበር ቅሩጭ ኣብኪዖም ክጋግሩ ኣይክእሉን።

ስለዚ እቲ ኣብ ሓሙስ ፅግቦ ዝዳሎ ጥቅጥቆ ተምሳሌት ናይ እስራኤላውያን ዘስጋ እንተከውን እቲ ጥቅጥቖ ጨው ዝበዝሖ ድማ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ቤዛ ኮይኑ ካብ ሓጥያት ባርነት ነፃ ክውፀአና ዝተቀበሎ መከራን ስቃይን ንምዝካር ከመኡ ድማ ጨው ዝበዝሖ ምግቢ ማይ የፅምእ ‘ዩ እቲ ፅምኢ ድማ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንተ ዓለም ምሕረት ኢሉ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ማይ ፀሚኡኒ እንትብል ኣይሁዳውያን መሪር ሓሞት ዝመፀፀ ዝሰተ ከምዝሃብዎ ንምዝካር ‘ዩ ይብሉ። ሰናይ ሓሙስ ናይ ዕለታት ቅዱስ!!።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You