ኢትዮጵያ ብሰላምን ምትሕብባርን ምልማዕ ከምትደሊ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ገሊፆም

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ብሰላምን ምትሕብባርን ምልማዕ ትደሊ ኢያ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝፈትሕ፣ ስግኣት ሱዳንን ግብፅን ዝቕንስ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር መበል ሓምሻይ ዘበን ሻድሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ራብዓይ ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣ ንሰላም ዘድሊ ዋጋ ኩሉ ክንከፍል ኢና ኢሎም። ብግልፂ ዝረኣይ ሓደጋ ክሳብ ዘይመፅአ ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኲናትን ጎንፅን ኣየድልን ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገም ዘድሕንን ዘውፅእን ስራሕ እንተይተሰርሐ ህዝቢ ንኲናት ኣንጊዶም ንጉድኣት ኣቃሊዐምዎ ኢዮም። ከባቢኡ እናሓለወ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈፂሞም ኢዮም። እቲ ዘጋጠመ ጎንፂ ንከየጋጥም ብዙሕ ግዜ ተለሚኖም ኢዮም፤ ይኹን እንበር ኣይተኽኣለን ኢሎም።

ኣብ እዋን እቲ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ዘነፃፀረ ንክኸውን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀገም ንከየጋጥም ልዑል ጥንቃቐ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ትካላት ጥዕና ስራሕ ንክጅምራ ተሰሪሑ ኢዩ፤ ስራሕቲ ግብርና ንክስራሕ እውን ተገይሩ ኢዩ ኢሎም። ብር 100 ቢሊየን ንፀገም መፍትሒ ወፃኢ ከምዝተገበረ ድማ ተዛሪቦም።

ኣብ ከይዲ እውን ጥፍኣት ዝፈፀሙ ተቐፂዖም ኢዮም ትምህርቲ’ውን ተወሲዱ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣበይ፣ እዚ ሰሜን ነፃ ወፂኡ ኢዩ። በቲ ጁንታ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣፅዋራት’ውን ተመሊሶም ኢዮም ኢሎም። ኢትዮጵያ ንምፍልላይ ዝተፈተነ ፈተነ ኪሳራ ኣጋጢሙዎ ኢዩ። ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ድማ ብዙሕ ሰብን ገንዘብን ስኢንና ኢና ኢሎም። ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣባላት ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ምስጋና ይግብኦም ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንስራሕ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ብግፍዒ ክወፁ ተገይሮም እዮም ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ እዚ ኩሉ ፅዕንቶ ተፈጢሩ ኢትዮጵያ ግን ኣላ፤ክትቕፅል እያ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያን እዚ ኩሉ ፈተና ክኢላ ቀጥ ኢላ ደው ዝበለት ንምንታይ እዩ ዝብል ደው። ኢልካ ምፍታሽ የድሊ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ድማ እቲ ግድብ ፀገም ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝፈትሕ፣ ስግኣት ሱዳንን ግብፅን ዝቕንስ ኢዩ ኢሎም፡፡ ከምኡ’ውን ብሓባር እንዓብየሉ ክብሉ ገሊፆም።

‹‹ኣብዚ ቀጠና ሰላምን ምዕባለን ዝመፅእ፣ ሓይሊ እንትፈሪ ብሓባር እንጥቀመሉ፣ ፀገም ማይ’ውን እንተሃሊዩ እናተዛተና እንፈትሐሉ፣ ሰለማዊ ጉዕዞ ልምዓት ንክኸውን ንደሊ ኢና፣ ነዚ’ውን ንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።

ሃገራት’ውን ኢትዮጵያ ንኻልኦት ናይ ምጉዳእ ባህጊ እንተይኮነ ብምትሕብባር ናይ ምዕባይ ባህጊ ከምዘለዋ ተገንዚቦም እቲ ጉዳይ ቐልጢፉ ደው ብምባል ናብ ሓደሽቲ ልምዓት ንምኻድ ምሕጋዝ ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You