‹‹ሚድያታት ኣብ መሰሕባት ቱሪዝም ተረኺበን ኣብ ምምልላይ ግደአን ክፃወታ ኣለወን›› -ኣይተ የማነ ገድሉ

ቱሪዝም ትግራይ ታሪኽን ባህልን ጥራሕ ዝጉብነየሉ ዘይኮነስ ብኣቀማምጣ ገፀ ምድሪ ክንርኢ ከለና ‘ውን ትግራይ ኣብ ሞንጎ ካብቲ ዝለዓለ ጎቦታት ሰሜንን ካብቲ ዝተሓተ ከባቢታት ዳሉልን ዝትርከብ ምዃና፤ ብመንፅር ኣቀማጣ ገፀ መሬታ ንምስሕብ ቱሪዝም ሰሓቢ ዝኾነ ቦታ ‘ዩ።

ስለዚ ትግራይ ብታሪኽ፣ ባህልን ተፈጥሮን ውቅብትን ሰሓቢትን ዝኾነት መስሕብ ብዙሕ ቱሪዝም ‘ያ። ይኹን ‘ምበር ተፈጢሩ ብዝነበረ ዂናት ምኽንያት ቱሪስታት ዘይበፅሕሉ ናይ ስግኣት ቀጠና ኮይኑ ‘ዩ ፀኒሑ። እዚ ኾይኑ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብዝፈጠሮ ዕድል ካብዚ ናይ ስግኣት ቀጠና ወፃኢ ንምግባር እናተሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ።

ሚኒስቴር ቱሪዝምን ምስ ዝተፈላለዩ ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ኣምባሳደራትን ብምዝርራብ ትግራይ ሰላም ምስፋኑን ቱሪስታት ክመፅኡ ከምዝኽእሉን ምንቅስቃሳት ቱሪዝም ንክጅመር ካልኣይ ዕላዊ ምኽፋት ፕሮግራም ቱሪዝም ብምግባር፤ ዝተፈላለዩ ሃገር ለኸን ዓለም ለኸ ቱሪስታት ቱር ጋይዳትን ሚድያታት ኣብ ዝተረኸብሉ ንክኽፈት ተገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ዝተሳተፉ ኣጋይሽ ብዝረኣይዎ ፅቡቅ ነገር ንኻልኦት ከምዘፋልጡ ቃል ኣትዮም ከይዶም’ዮም። ብድሕሪኡ ‘ውን ካብቶም ቃል ኣትዮም ዝኸዱ ቱር ኦፕሬተራት ቃል ብዝኣትውዎ መሰረት ኣጋይሽ ሒዞም ብምምፃእ ብተግባር ዘርአዩ ዘለውሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

እዚ ዝገለፁ ናይ ሎሚ ጋሻና ዝኾኑ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሮክቶሬት ብቅዓት ምርግጋፅን ቁፅፅርን ዝኾኑ ኣይተ የማነ ገድሉ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕትት’ዩ። ኣብ ቱሪዝም ትግራይ ዘሎ ዕድላት፣ ፈተናታትን ተስፋታት ካልኦት ተመሳሳሊ ዛዕባታትን ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ:-

 ወጋሕታ:- በፃሕቲ ዓዲ ክስሕቡ ዝኽእሉ ዋና ዋና መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ እንታይ እንታይ ‘ዮም?

ኣይተ የማነ ገድሉ :– ትግራይ ምጉብናይ ማለት ካብ ስልጣነ የሓ፣ መንበይቲ ማይ ዓድራሻን ከምኡ ‘ውን ስልጣነ ኣክሱምን ብሓፈሻ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዝነበረ ስልጣነ ብኣካል ምጉብናይ ማለት ‘ዩ።

እዚ ክብል ከለኹ ነዚ ታሪኽ ጥራሕ ምርኣይ ዘይኮነስ ብኣቀማምጣ ገፀ ምድሪ ክንርኢ ከለና ድማ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ካብቲ ዝለዓለ ጎቦታት ሰሜንን ካብቲ ዝተሓተ ከባቢታት ዳሉልን ዝትርከብ ምዃና፤ ብመንፅር ኣቀማጣ ገፀ መሬታ ንምስሕብ ቱሪዝም ሰሓቢ ዝኾነ ቦታ ‘ዩ። ስለዚ ትግራይ ብታሪኽ፣ ባህልን ተፈጥሮን ውቅብትን ሰሓቢትን ዝኾነት መስሕብ ቱሪዝም ‘ያ። እዚ ብምዃኑ ንበፃሕቲ መስሕብ ብዙሕ ቱሪዝም ‘ያ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ እዋን ምንቅስቃስ ቱሪዝም ትግራይ እንታይ ይመስል? ብፍላይ ዝረኣዩ ዕድላትን ተስፋታትን ብኣንፃሩ ድማ ፈተናታትን እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ የማነ ገድሉ :- ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ቱሪዝም ትግራይ ክልተ ዓበይቲ ብድሆታት በፂሕዎ ‘ዩ። ካብዚ ሓደ ዓለም ለኸ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ‘ዩ። ቀፂሉ ድማ ዝተፈጠረ ደም መፋሰሲ ኲናት ነቲ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ደው ንክብል ገይርዎ ‘ዩ።

እዚ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ደው ኢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሓድግታትን ግልጋሎት ወሃብትን ‘ውን ሰፊሕ ኪሳራ ‘ዩ በፂሑ ነይሩ። ይኹን ‘ምበር ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዋላ ኣብ ሓድጊ ይኹን ኣብ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ሰፍ ዘይብል ክሳራ ይብፃሕ እዚ ናብ ፀጋ ምልዋጥ ዝከኣለሉ ዕድል ምርኣይ ኣገዳሲ ‘ዩ። ስለዝዓነወ ዝለዝባደመ ሱቅ ኢልካ ዝትሪአሉ ኩነታት የለን።

ስለዚ ኣብዚ ሓደ ‘ቶም ልበፅሑ ዕንወታት እንታይ ይመስሉ ዝብል ንምርኣይ ዳህሳስ ኣካይድና ብኸመይኸ ክነሕውዮም ንኽእል ኢልና ኢና ርኢና። እቲ ዝነብረ ዓንዩ ኣሎ፤ ነዚ ንምድሓንን ከምኡ ድማ ስራሕቲ ልምዓት ንምቅፃል ብዝብል ማእኸል ገይርና ኣብ ከም ኣኽሱም ዝበላ ዝተፈላለያ ዓበዪቲ ዝዓነወን ሓድግታት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። ሐዚ’ውን ስራሕቲ እናቀፀለ ‘ዩ ዘሎ።

ቀፂሉ ድማ ክህልው ዝግብኦ ምርግጋእ ሰላም ምጥንኻር ‘ዩ። መስሕባት ቱሪዝም ካብ ሓደጋታት ነፃ ምግባርን ካብን ናብን ኣብ ዝግበር ምንቅስቃሳት ብፍላይ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ዘለዎ ኩሉ ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ብነፃነት ምንቅስቃስ ዝከኣለሉ ባይታ ምፍጣር ዝብል ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ‘ውን ኽከውን ተኻኢሉ ‘ዩ። ካብኡ ቀፂሉ ድማ ከምዝፍለጥ እቲ ከባቢ ኣብ ክልከላ ውሽጢ ‘ዩ ነይሩ፤ ቱሪስታት ናብ ትግራይ ከይንቀሳቀሱ ናይ ሓደጋ ቦታ ‘ዩ ተባሂሉ ማንም ከይንቀሳቀስ ናይ ስግኣት ቀጠና ኮይኑ ‘ዩ ፀኒሑ።

ካብዚ ናይ ስግኣት ቀጠና ወፃኢ ንምግባር ሚኒስቴር ቱሪዝምን ምስ ዝተፈላለዩ ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ኣምባሳደራትን ብምዝርራብ ትግራይ ሰላም ምስፋኑን ቱሪስታት ክመፅኡ ከምዝኽእሉን ምንቅስቃሳት ቱሪዝም ንክጅመር ካልኣይ ዕላዊ ምኽፋት ፕሮግራም ቱሪዝም ብምግባር፤ ዝተፈላለዩ ሃገር ለኸን ዓለም ለኸ ቱሪስታት ቱር ጋይዳትን ሚድያታት ኣብ ዝተረኸብሉ ንክኽፈት ተገይሩ ‘ዩ።

ኣብዚ ዳግማይ ምኽፋት ብሓፈሻ ክልተ ፕሮግራማት እየን ተኻይደን ነይረን። እዚአን ድማ ሓደ ካብቶም ጉድኣት ዝበፅሖም መስሕብ ቱሪዝማት ሓደ ዝኾነ መስጊድ ኣልነጋሽ ዝበፅሐ ጉድኣት እንታይ ይመስል ምጉብናይ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ሚኒስቴሪ ቱሪዝም ዝርከብዎም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገር ለኸን ዓለም ለኸን ቱር ኦፕሬተራት፣ ትካላት መጎብነይቲ፣ ማሕበራት ሆቴላትን ካብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ዝተወፃፅኡ ናይ ምጉብናይ ፕሮግራም ተኻይዱ።

ቀፂሉ ድማ ክልተ ሚኒስቴር ዴእታትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ‘ውን ኣብ ዝተረኸብሉ ምጉብናይ ዝተጀመረ ምዃኑን፤ ምጉብናይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሕስነት ፀጥታ ቱሪዝም ግቡእ ዝኾነ ሓለዋን ክልክንን ዝካየድ ሙዃኑን ዝተረጋገፀሉን።

ካብኡ ከዓ ኣብቲ ናይ ምጉብናይ ፕሮግራም ካብ ውቅሮ ጀሚሩ ከባቢ ጎቦታት ገርዓልታ ዘለውዎ ከም እንዳኣባ ይምኣታ ዝበሉን ቀፂሉ ድማ ኣብ ከባቢ ተምቤን ካልኦት ከባቢታት መስሕብ ቱሪዝማት ዑደት ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ድማ ብዓበይቲ ስሩዕ ሚድያታትንን ዘይስሩዕ ከም ማሕበራዊ ሚድያታትንን ዝበሉ ሰፊሕ ሽፋን ተዋሂብዎ ንክጋዋሕ ተገይሩ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ኣብ ፕሮግራም ዳግማይ ምኽፋት ቱሪዝም ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ዝሃብዎ ግብረመልሲ ኣሎ ዶ? እንተሂቦም እንታይ ይመስል ነይሩ?

ኣይተ የማነ ገድሉ :– ኣብዚ ፕሮግራም ብዙሓት ቅድም ኢሎም ምርምርን ኣብ ምጉብናይን ዝፀሑ ሓዊሱ፣ ጋዜጠኛታትን ተሳቲፎም ነይሮም ‘ዮም። ኣብዚ እቲ ህዝቢ ብዘጋጠሞ ኲናት ምኽንያት ዋላ ሰፍ ዘይብል ፀገም ይብፅሓዮ፤ ጋሻ ናይ ምቅባል ባህሊ ዘለዎ ምዃኑ፤ ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ፅቡቅ ተኽእሎ ዘለዎ ሕብረተሰብን ኣመራርሓን ከምዘሎን። ከምኡ ‘ውን

 ቱር ኦፕሬተራት ድሕሪ ናይ ክልተን ሰለስተን ዓመት ከቢድ ናይ ኲናት ከባቢ ኮይኑ ፀኒሑ፤ ይኹን ‘ምበር እቲ ከባቢ ስግኣት ፀጥታ ዘይብሉ ምዃኑ ምርኣዮም ኣብ ቀፃሊ ዘምፅእዎም ኣጋይሽ ናብዚ ጉዕዞ ነከካትቱን ካልኦት ኣጋይሽ ድማ ብዝረኣይዎ ፅቡቅ ነገር ንኻልኦት ከምዘፋልጡ ቃል ኣትዮም ‘ዮም ከይዶም።

ብድሕሪኡ ‘ውን ካብቶም ቃል ቅትዮም ዝኸዱ ቱር ኦፕሬተራት ቃል ብዝኣትውዎ መሰረት ኣጋይሽ ሒዞም ብምምፃእ ብተገባር ዘርአዩ ዘለውሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ዘለናዮ ኹነታት ትግራይ ስሩዕ ዝኾነ በጀት የብላን። ስለዝኾነ ብዙሕ ፀገመ ‘ዩ ዘሎ። ነዚ ፀገም ንምሽፋን ከምዚ ዝበለ ፕሮግራም ንክተዳሊ ድማ ብናይ መንግስቲ ሓይሊ ኣይክኣልን።

ስለዚ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዘለዎ ወነንቲ ሆቴላት ናይ ገንዘብ፣ ናይ ትራንስፖርትን ንኣጋይሽ መስተንግዶ ምሽፋንን ዝበሉ ወፃእታት ብምግባር ‘ዩ ተኻይዱ ነይሩ። ስለዝኾነ እቲ ዝተኻየደ ፕሮግራም ናይ መንግስቲ ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መዳርግቲ ኣካላት ‘ውን ተሳትፎ ዝነበሮ ከምዝኾነን ኣብ ቀፃሊ ልምዓት ‘ውን ክልቲኡ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ዝኽእል ምዃኑ ዘርአየሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።

ወጋሕታ:- ካብ ዝተፈላለየ ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ቱሪስታት መፂኦም ብዝረኸብዎ ግልጋሎታት ይዓግቡ ኣለውዶ?

ኣይተ የማነ ገድሉ :- ከምዝፍለጥ ኣብ ዂናት ዝነበረ ኸባቢ ክንድቲ ዘድሊ ግልጋሎት ንምሃብ ኣፀጋሚ ‘ኳ እንተኾነ፤ እቲ ቱሪዝም ንክላለን ንክሰፍሕን ብዝከኣሎም መጠን እቶም ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት እቲ በፃሒ ዓዲ ቱሪስት ደጋጊሙ ንክመፅእን ዓጊቡን ንክኸይድ ዋላ ብኺሳራ ‘ውን ይኹን ይሰርሑ ‘ዮም ዘለው።

ወጋሕታ:- ኣብ ቱሪዝም ትግራይ ዘለው ዕድላት ተስፋታትን ንምስፋሕን ዘለው ፈተናታት ድማ ንምፅባብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ኣብዚ እንታይ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ የማነ ገድሉ :- ቅድም ከምቲ ዝበልኩኻ ኣብ ሓደ ከምዙይ ዓይነት ፀገም ዝበፅሐን ዓድታት መጀመርያ ዝገብርኦ እንታይ ‘ዩ፤ እቲ ዝበፅሓን ጉድኣት ክድሕን ዝኽእል ስትራተጂ ምውፃእ ‘ዩ።

ስለዚ ቀፃሊ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ኣብ ነዊሕ፣ ኣብ ማእኸላይን ኣብ ሓፂርን ግዜን ክስርሑ ዝግብኦም እናተነፀረ ቅደም ሰዓብ ሂብካ ብምስራሕን ካብኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ዘለው ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ብምትሕብባር ብምስራሕን እቲ ቱሪዝም ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ብዝሐሸ ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ።

እዚ ንምስራሕ ድማ ኣብ ዓለም ዘለው ናይ ቴክኖሎጂ ዕድላት ብምጥቃምን ዝተፈላለዩ ተሞክሮታትን ብምውሳድ ትኽክለኛ ዓሚል ብምልላይን ብምንፃርን ብቴክኖሎጂ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ይስራሕ ‘ዩ። ስለዚ ቱሪዝም ትግራይ ከም ሓደ ናይ ኢኮኖሚ ሴክተር ገይርካ ብምውሳድ ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ከምዝፍለጥ ዘፈር ቱሪዝም ንበይንኻ ዝስራሕ ዘይኮነስ ምስ ኣብቲ ዘፈር ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሓባር ዝስራሕ ‘ዩ እሞ፤ ምስ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዘለው ኣካላት ተቀናጅኹም ብሓባር ዝትሰርሑሉ ዕድል ኣሎዶ?

ኣይተ የማነ ገድሉ :- ትኽክል ‘ዩ ቱሪዝም ዶብ የብሉን። ፖለቲካ ‘ውን ኣይግድቦን። ስለዚ ኣንሕና ከም ናይ ትግራይ ቱሪዝም ካብ ዝኾነ ከባቢ ዝመፅእ ቱሪስት ተቀቢልና ግቡእ ደገፍን ክንክን ሂብና እናሰራሕና ንኸድ ኣለና ኢና። ኣብዚ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ዝርኣዩ ፀጋማት ኣለው ‘ዮም።

ነዞም ፀገማት ዚኦም ድማ ኣብ ቀፃሊ  ምስ ዝምልከቶ ኣካል ርክብ ብምፍጣር ምንቅስቃስ ቱሪዝም እቲ ኦፕሪተርን ቱሪስትን ብዝደልዮ፣ ቱሪስታት ብዝንቀሳቀስሉ መስርሕ፣ ትካላት ቱሪዝም ዓለምን ትካላት ንግዲ ዓለምን ብዘውፅእዎ መምርሕታትን ተኸቲልኻ ናይ ቱሪዝም ስነምግባር ማእኸል ገይርኻ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ይኹን ዋላ ምስ ዓድታት ‘ውን ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፤ ኣብዚ ብቀፃልነት ሓቢርካ ንምስራሕ ኣብ ምድላዋት ኢና ዘለና።

ወጋሕታ:- ርኡይ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ንክመፅእ ወይ ዕውት ስራሕቲ ንክህልው መን እንታይ ግደ ክፃወት ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ የማነ ገድሉ :- ናብዚ ክንመፅእ ከለና ቱሪዝም ብባህሪኡ ተሳትፎ ብዙሕ ኣካልት ዝጠልብ ዓውዲ ‘ዩ። ስለዚ ብውልቀ ኣብ ሆቴልን ቱሪዝምን ዝንቀሳቀሱ ኣካልት ኣብ ምልላይ ይኹን ኣብ ምልማዕ ቱሪዝም ግደኦም ክፃወቱ ኣለዎም።

ትካላት ትምህርቲ ከም ዩኒቨርስታት ዝበሉ ትካላት ድማ ኣብ ስራሕቲ ምርምር ግደኦም ብምፅዋት ኣብዚ ክሳተፉ ኣለዎም። መንግስቲ ‘ውን ኣብዚ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተሰማረዩ ሰብ ሃፍቲ ኣድላይ ድጋፍ ምግባር። ብፍላይ ከምዚ ዓይነት ፀገም ዘጋጠመን ዓድታት ነቲ ዘጋጠመን ፀገም ከከሓሕስ ዝኽእል ፖሊሲን ስትራተጂን መሰል ስራሕትን ምስራሕ የድሊ።

ስለዚ መንግስትን ህዝብን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ኣካላትን ኣብዚ ዘፈር ተሳትፍኦም ብምሕያል ማሕበረሰብ ማእኸል ዝገበረ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ንክህልው ግደኦም ከዕዝዙ ይግባእ። እዚ ንክኸውን ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ማሕበረሰብ ማእኸል ዝገበረ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ምስራሕ ኣብ ዝብል መሰረት ገይርና ኢና ንኸይድ ዘለና።

ኣብ ውሽጢን ዓድን ኣብ ደገን ዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራዋይን ቅድም ኢሉ ኣብ ምልላይ ይኹን ኣብ ምልማዕ ዝገብሮ ተሳትፎ ፅቡቅ ጅማሮ ‘ዩ። ስለዚ ነዚ ተሳትፎ ብምሕያል ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ዓለም ንክላለይን፤ ትግራይ ዘለዋ ሃፍቲ ንኢኮኖሚን ማሕበራውን ረብሓ ንክውዕል ኹሉ ናይ ውልቁ ተሳትፎ ንክገብር ‘የ ዝፅውዕ።

ወጋሕታ:- ብመንግስቲ ፌደራል ካብ ዝስርሑ ዘለው ፕሮጀክታት ኣካል ‹‹መኣዲ ንወለዶ›› ዝኾነ ጎቦታት ገርዓልታ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ኣይተ የማነ ገድሉ :- እቲ ፕሮጀክት ኣብ 96 ሄክታር ስፍሓት ዝውዓለ ቦታ ኮይኑ፤ ንድሕንነት ሓድጊ (ኣብ ግዝያዊ ምዝገባ ሓድግታት ዓለም ዝኣተወ ሓድጊ ጎቦታት ገርዓልታ) ብዘይፃባእ ካብ ሕንብርቲ ዞባ ወፃኢ “ኮርነር ዞባ” ቦታ ብምምራፅ ሂብናዮም፤ ስራሕ ንምጅማር ድማ ቅድመ ምድላው ዝኾኑ ስራሕቲ ዲዛይንን ሰርቨይን ተወዲኡ ከም ስራሕቲ ስቶራት (መኽዚን ኣቁሑት) ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ንምጅማር ኣብ ከይዲ ‘ዩ ዝርከብ።

እቲ ፕሮጀክት ናይ ሎጅን ሪዞርትን ስራሕቲ ኮይኑ እዚ ድማ ግልጋሎት መደቀስን መዝናነይን ዘጠቃልል ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ናይዚ ፕሮጀክት ዋና ዕላማ እቲ ቱሪዝም ማእኸል ተበፃሒ ንምግባርን እግሪ ምትካልን ኮይኑ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ምግባር ‘ዩ ዝኸውን።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ክለዓል ኣለዎ ዝትብልዎ ዘይተልዓለ ሓስብ መልእኽቲ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ የማነ ገድሉ :- መብዛሕትኡ ገሊፀዮ ‘የ። ሚድያታት ምንቅስቃስ ቱሪዝም ትግራይ ዳግማይ ተጀሚሩ ብሰላማዊ ኩነታት ይኸይድ ምህላውን ብኣካል ኣብ መሰሕባት ቱሪዝም ተረኺበን ኣብ ምምልላይ ግደአን ክፃወታ ኣለወን። መንግስትን ዘይመንግስትን ኣካላት ኣብ ትግራይ ቱሪዝም ዝበፅሐ ጉድኣትን ፈታሒ ፀገም ኮይንካ ኣብ ምስታፍን ኣብ ምትብባዕን ተጠናኺሩ ክቅፅል ‘የ ፃዊዕተይ ዘቅርብ። የቐንየለይ።

ወጋሕታ:- ኣነ ውን ኣብ ዝተፃበበ ግዝኦም ሰዊኦም ንዝሃቡኒ መብርህን ሓበሬታን የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 23 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You