
መኣርግ ገ/ሄር
‹‹ ኽንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ›› ከምዝባሃል ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2013 ዓ.ም እዚ ሰሜን ሃገር ሰላም እዩ ኢሉ ኣብ ዝደቐሰሉ ግዜ ታሪኽ ይቕረ ዘየብሎ ኣብ ልዕሊኡ ክሕደት ተፈፂምዎ እዩ:: በዚ መሰረት ብተግባር ከሓዲ ህወሓት ዝተናደደ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መልሲ ቐሊል ኣይነበረን:: ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ፅዕንቶ ተፃዊሩ ብምድምሳስ ሉኣላውነት ሃገር ከኽብር ክኢሉ እዩ::
ኣብቲ ግዜ ንሱ ተግባር ጉጅለ ህወሓት ደስ ዘይበሎ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶብ ምፅግዑ ዝዝከር እዩ:: ብምዃኑ እቲ ውግእ መወዳእታ ረኺቡ እዩ:: ኮይኑ ግና ካብ ስጉምቲ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ዝተረፉ ውሕዳት ኣባላት ህወሓት ካብ ሓደ ገደል ናብ ሓደ ገደል ሽልኹልኽ እናበሉ ጉድኣት ካብ ምብፃሕ ዓዲ ዓይወዓሉን:: ኮይኑ ግና ኣብ ዝሕዚ ሰዓት እዚ እዩ ዝባሃል ሓይሊ ዘለዎ ከምዘይኮነ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ:: በዚ መሰረት ብግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ ንኽኣቱ ተኹሲ ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሉ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት መንግስቲ በይናዊ ኵናት ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ይፍለጥ እዩ::
ነዚ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ሕቶ ተቐቢሉ መንግስቲ ዝወሰኖ ውሳነ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ቻይና፣ ኣሜሪካን ህብረት ኣፍሪካን ብኣወንታ ከምዝተመልከትዎ ገሊፆም እዮም:: ኮይኑ ግና ህወሓት ተኹሲ ኣቑም ኢልካ ስምምዕ የለን፤ ክሳብ መዋዳእታ ተተሓሒዝና ንጥፋእ እናበለ ክፍክር ይስማዕ ኣሎ እዩ:: መንግስቲ ግና እዚ ኣድላይ ኣይኮነን ብምባል ሰራዊቱ ንሃገር ኣድላይ እዩ ኣብ ዝብሎ ስትራተጂክ ቦታ ከቕምጥ ክኢሉ እዩ::
ሓሶት ዝለመደ ህወሓት ግና ናብ መቓብሩ ሙሉእ ብሙሉእ ስለ ዘይኣተወን ብሓሶት ዝዓበየ ስለ ዝኾነን ሕዚ ‘ውን ኣብ ዝተሓበአሉ ቦታ ኮይኑ ሓሶት ኣይገደፈን:: ብሓደ ወገን መንግስቲ ተሸኒፉ ከምዝወፀ ኣምሲሉ ይዛረብ:: ብኻሊእ ወገን ድማ ንኤርትራ ከምዝወግእ እናፈከረ ይርከብ:: እዚ ምስ ዘመን ዘይኸይድ ፖለቲካዊ ጃህራን ሓሶትን ናይ ፈራሓት በትሪ እዩ::
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ‹‹ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ መቐለ እንትንኸድ እንተለና ናይ ንፈልጦን ዘይንፈልጦን ማእኸል ሃፍቲ እያ ነይራ:: ሕዚ ግና ብዝተፈለየ እትረአየሉ ኩነታት ኣይህሉን:: ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዓይኒ ወታሃደር መቐለ ምንም ኣይኮነትን:: መንግስቲ ናብ መቐለ ዝኣተወ ሕጊ ንምኽባር እዩ::
ዕላማሕጊ ምኽባር ዕጥቕና ምምላስን ኣብ ሃገር ጉድኣት ከየብፅሕ ምምካንን እዩ ነይሩ:: እዚ ብዝግባእ ኣዐዊትናዮ ኢና ክብሉ ገሊፆም እዮም:: ዕላማ እቲ ጉጅለ ከሸንፍ እንተይኮነስ ኣነ ሓመድ ኮይነ እየ ሓቢርና ሓመድ ንኹን ብዝብል ሓሳብ እዩ ነይሩ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም እዮም::
መሰረተ ልምዓት ዝሰርሑን ረድኤት ዝህቡ ዝነበሩ ኣካላት ተቐቲሎም እዮም:: ሓደ ሰብ ፅቡቕ ሰሪሕኹም ኢሉ ዘመስገነና የለን ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፤ ጥርዓናት ነይሮም እዮም:: ዝተፈላለያ ዓለምለኸ ትካላት ብዝተሰሓሓተ ሓበሬታ መንግስቲ ፀገም ፍልፍል ከምዝኾነ ጌረን ወሲደንኦ እየን:: ኣብቲ ክልል ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓት መሊስካ ንምህናፅ ካብ ዓውደ ወታደራዊ ወፃኢ ጥራሕ ልዕሊ ብር 100 ቢልዮን ወፃኢ ከምዝተገብረ ተዛሪቦም እዮም:: እቲ ሰራዊት ህዝቢ እቲ ክልል ንምሕላው ኣብ ዝገብሮ ዕለታዊ ምንቕስቓስ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ብድሓር እናተወግአ ምንባሩ ተዛሪቦም እዮም:: ምክልኻል ሰራዊት ክወፅእ ዝተገበረሉ ምኽንያት ህዝቢ ዝጠቕሞ ክፈልጥ ግዜ ምሃብ የድሊ እዩ፤ ሓረስታይ ብዝተረጋግዐ መልክዑ ስራሕቲ ሕርሻ ከካይድ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም እዮም::
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢን ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ኣብዝሓለፈ ሰሙን ዝተኣወጀ በይናዊ ኩናት ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕን ሰራዊት ካብ መቐለ ናይ ምውፃእ ከይዲ ብዝምልከት ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ ህወሓት ኤርትራ ተመሊሳ ናብ ውግእ ከትመፅእ እናገበረ ምዃኑን ናብ ዝገደደ ፅልኢ ዘአቱ ተግባር እናስመዐ እዩ ኢሎም::
ዋና መተሓባበሪ ህንፀት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጀኔራል ባጫ ደበሌ፤ ህወሓት ናይ ድብያ ውግእ ምስ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ምውጋእ ህዝቢ ኣብ ቕድሚት ገይሩ ይዋጋእ ከምዝነበረ ተዛሪቦም እዮም:: እዚ ተግባር እዚ ብጣዕሚ ዘሐዝን ከምዝኾነን ዓለም ነዚ ሓቂ እዚ ክፈልጥ ይግባእ ድማ ኢሎም:: ‹‹ህወሓት ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ሰራዊት እዩ መስሪቱ ነይሩ:: ሕዚ ‘ውን ብዘርኢ ከለዓዕሉ እንተለዉ ናይ መጀመርትኦም ኣይኮነን›› ዝበሉ ሌተናል ጀኔራል ባጫ፣ ገንዘብ ህዝቢ ዝተወሰደ ብምምሳል ህዝቢ ንምእማን ኢሉ ‘ውን ህዝቢ እናቐተሉ ብምፍርራሕ እቲ ውግእ ምስ ህዝቢ ክኸውን ቐይረሞ እዮም:: ኣብ ተፈላላዩ ቦታት ብፍላይ ከባቢ ተንቤን ህዝቢ ምስ ምክልኻል ሃገር ምእንቲ ክጓነፅ እኩይ ስርሖም ብሰፊሑ ምስረሖም ኣመልኪቶም እዮም::
ከም ሌተናል ጀኔራል ባጫ፣ ህወሓት ቕድሚ ሕዚ እቲ ሕብረተሰብ ብምልዕዓል ኣገዲድካ ምድፋር፣ ከም ዘርኣውነት ቅስቐሳ ተጠቒምሉ እዩ:: ዕጡቓት ናይ ህወሓት ዩኒፎርም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸዲኖም ደቒ ኣንስትዮ ምድፋሮምን ድሕሪ እዚ ድማ ብምክልኻል ሰራዊት ሃገር ከምዝተፈፀመ ኣምሲሎም ሓበሬታ ይህብ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፣ እዚ ኩሉ ናይ ተሸነፍቲ ናይ ሓሶት ድራማ ከምዝኾነ ተዛቦም እዮም::
ህዝቢ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ፈልዩ ክፈልጥ ንእሽተይ መሕሰቢ ግዜ ክረክብ ምግባሩ ፅቡቕ ምዃኑ ብምጥቋም፣ ህዝቢ ዕድሉ ብምጥቓም፣ ሓሲቡ ናብ ባዕሉ ተመሊሱ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ምፍላይ ክኽእል ምእንቲ፣ ብመንግስቲ ዝተወሰደ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ተጠቓሚ ምዃኑ ኣብሪሆም እዮም::
ከምዚ እናሃለወ ተኹሲ ደው ኣብል ዝባሃል ስምምዕ የለን ብምባል ናብ ሰሜን ከይድና ኤርትራ፣ ናብ ደቡብ ኣንፈት ተመሊስና ክልል ኣምሓራ ከንወግእ ኢና ብምባል ህወሓት ሕዚ ‘ውን ጃህርኡ ቐፂልሉ እዩ:: ጌታቸው ረዳን ብክሕደት ሃገር ዓብዪ ግደ ዝተፃወቱ ነበር ኢታማዦር ሽም ጀነራል ፃድቓንን ካብ ተሓብእሉ ቦታ ወፂኦም ጃህረኦም ቐፂለምሉ እዮም::እዚ ድማ ሓላፊነት ዝጎደሎ እዩ::ስለዚ እቲ ጉዳይ እዚ ብቐሊሉ ከምዘይረአ ዝውሰድ መልሲ ድማ ቐሊል ከምዘይኸውን መንግስቲ ፍለጡለይ ኢሉ እዩ::
‹‹ህዝቢ ኣምሓራ ብኣሸበርቲ ሒሳብ ክወራረደሉ ኣይፈቕድን›› ክብል ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ ገሊፁ እዩ:: መራሕቲ ህወሓት ብተደጋጋሚ ንዝበፅሖም ስዕረት ‹‹ኢሊት ኣምሓራ›› ተሓታቲ ብምግባር ሒሳብ ከምዘዋራርዱ ነጊሮምና እዮም:: እዚ ግና ምስ ኣምሓራ ኢሊት እንተይኮነስ ምስ ህዝቢ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን::
እዚ ሓዱሽ መደናገሪኦም እዩ:: ፅልኦም ምስ ህዝቢ ኣምሓራ እዩ:: ብተግባር ፈፂሙ ዘይሳኻእ እኳ እንተኾነ ብብርኪ ፕሮፖጋንዳ ሕዚ ‹‹ ሒሳብ ክነዋራርድ ኢና›› ክብል ተዛሪቡ እዩ:: ብኣባሃህላ ህወሓት ሒሳብ ምውርራድ ዝዝረፍ ንብረት ኣምሓራ እንትኸውን ክድፈሩ ዝተሓሰቡ ድማ ደቒኣንስትዮ እየን:: ኮይኑ ግና ህዝቢ ኣምሓራ ብህወሓት ክፍነወሉ ዝኽእል ጥቕዓት ብደንቢ ተረዲእዎ እዩ:: ሞራላዊ ልዕልንኡ ኣብ ዘለዎ ዝሓለወ እዩ:: ብፍቕሪ ዝመፀ ብዝተለመደ ሰብኣዊ ጅግንነቱ ኢዱ ዘርጊሑ ይቕበል:: ብፅልኢ ንዝመፀ ድማ ብዝግባእ ዘየዳግም ትምህርቲ ሂቡ ክምለስ እዩ ዝገብር::
ህዝቢ ኣምሓራ ሕነ ንምፍዳይ ኣይተዳለወን እዩ:: እዚ ማለት ግና‹‹ ሒሳብ ክነዋራርድ ኢና ንዝብሉ ኣካላት ስኺሉ ዝዕገስ ኣይኮነን:: ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ፀላኢ ብዘይ ምንም ምሕረት ክቓለስ እዩ:: ወልቓይት፣ ፀገዴ፣ ስቲት ሑመራ፣ ፀለምትን ራያን ባዕሎም ናፃነቶም ዘኽበሩ ናይ ኣምሓራ ቦታታት ምዃኖም ክነፍልጥ ንደሊ:: ብሓይሊ ክወስድ እየ ዝብል ኣካል እንተልዩ ድማ ንናፅነቱ ክብል መስዋእቲ ዘይኸፍል ህዝቢ ከምዘየለ ክነረጋግፅ ንፈቱ ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ እዩ::
ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ሓደ ኣመራርሓ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ገሊፁለይ ኢሉ ከምዝፀብፀቦ ኣብ ሱዳን 30 ሽሕ ወታደራት ከዘለዎን ኣብ ምዕራብ ትግራይ መጥቃዕቲ ንምፍናውን ናይ ሱዳን ኮሪደር ንምኽፋትን ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ እዩ::እዚ ጉጅለ ሐዚ’ውን መንግስቲ በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባሉ ዘይምቕባሉን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክናዋሕ ይሰርሕ ከምዘሎ የረድእ::
ካብዚ መግለፂ ብተወሳኺ ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ቕድሚ ሕዚ ንላእሊ ድልው ምዃኑ ሌተናል ጀነራል ባጫ ኣገንዚቦም እዮም:: ዋና ዕላማና ሂወት ህዝቢ ምሕላው እምበር መሳርሒ ኣለኒ ብምባል ምርሻን ኣይኮነን ኢሎም:: ብመንግስቲ ዝድለዩ ጀነራላት ዓሰርተ፣ ሲቢላት ድማ ካብ 8 ዘይበልፁ ምዃኖም ዝጠቐሱ እንትኾኑ፣ ናብ 50ሽሕ ሰራዊት ናብ ትግራይ ኣትዩ ከምዝነበረ ጠቒሶም እዮም::
መንግስቲ ንትግራይ ለቒቑ ምውፃእ ዝወሰነ፣ ዕላምኡ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር እምበር ንመቐለ ምሓዝ ዘይምዃኑ ሌተናል ጀኔራል ባጫ ደበሌ ጠቒሶም እዮም:: መቐለ ቕድሚ ሕዚ ዝነበራ ወታደራዊ ዋጋን ሕዚ ዘሎን ኩነታት ከምዝፈላለ ዝተጠቐሰ እንትኸውን፤ ቅደሚኡ ግና ስግኣት ከምዝነበረ ብምግላፅ፣ ኣብኡ ዝተዋፈረ ቁፅሪ ገበነኛን እሱርን ‹‹ካብ ናይና ወታደር ንላዕሊ እዩ›› ኢሎም እዮም::
ንዓና ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ መቐለ ክንድዚ ዝኣክል ሓይሊ ምቕማጥ ክሳራ እምበር ጥቕሚ የብሉን ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ባጫ፣ ሕዚ ህወሓት ንኢትዮጵያ ዓብዪ ስግኣት ከምዘይኮነ ጠቒሶም እዮም:: ህወሓት ናብ ሰሜንን ደቡብን ከምዝጓዓዝ ብምጥቓሱ ስዒቡ ኣሸባሪ ዝገብሮ ነገር ስለ ዘይፍለጥ ህወሓት ናብ ወልቓይትን ራያን ከይመፅእ ሰራዊት ኣብ ተጠንቐቕ ከምዝርከብ ተዛሪቦም እዮም:: ህወሓት ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ስግኣት ከምዘይኮነ ወሲኾም ሓቢሮም እዮም:: እንተሞኪሩ ግና መልሱ ዕፅፊ ከምዝኸውን ተዛሪቦም እዮም:: እቲ ጉጅለ መጀመርያ ዝሓሰቦ ብክልል ዓፋርን ኣምሓራን ገይሩ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ከምዝነበረ ገሊፆም እዮም:: ሕዚ ግና እዚ ስግኣት እዚ ከምተወገደ እዮም ዝገልፁ:: ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ህወሓት ክጠናኸር እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘየለን ይኹን’ምበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝመፅእ ነገር ድልዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም እዮም::
ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም