‹‹ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምጥቓም ምስ ሱማሊላንድ ምፍርራማ ንዝኾነ ሃገር ዝጎእ ኣይኮነን›› -ኣይተ መስፍን ደሳለኝ

ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ በሪ ባሕሪ እኳ እንተነበራ ኮይኑ ግና ኣብተፈላለዩ እዋናት ብተፈላለዩ ምኽንያታት በሪ ባሕሪ ከትስእን ክኢላያ፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ ንበሪ ባሕሪ ብዙሕ ወፃኢ እናውፀአት መፂኣያ፡፡ ሕዚውን ብተመሳሳሊ፡፡ ንሱውን ሸቐጣት ከምድሌታ ክተውፅእን ክተአትውን ኣይከኣለትን፡፡

ብምዃኑ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ መፂኡዩ፡ ብፍላይ ቑፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍጥነት እናዓበየ ምስዝኸይድ ዘሎ ተተሓሒዙ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እናኾነ መፂኡዩ፡፡ ነዚ ንምፍታሕ ክበሃል ኢትዮጵያ ምስ ሱማሊላንድ ሂብካ ምቅባል ብዝብል መትከል ዲፕሎማሲ ኣብዝሓለፈ ቐረባ እዋን ምፍርራማ ዝዝከርዩ፡፡

እዚ ንኢትዮጵያን ንሱማሊላንድን ተሓባቢረንን ተደጋጊፈንን ንምዕባይ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልፁ ኣለዉ፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ምስ ምክትል ኣቦወንበር ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣይተ መስፍን ፃኒሕት ገይርና ኣለና፡፡ ሙሉእ ትሕዝትኡ ድማ ከምዚስዕብ ቐሪቡ ኣሎ፡፡

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ምስ ሱማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ስምምዕ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኣይተ መስፍ፡– እቲ ስምምዕ ንክልቲኡ ወገን ጥራሕ እንተይኮነ ዝጠቕም ንኻልኦት ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ‘ውን ዝጠቅም ‘ዩ:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ረብሓ በሪ ባሕሪ ተረዲኡ ናብ ምንቕስቓስ ኣትዩ እሞ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ምስኽዑ ዓብዪ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ‘ዩ::

እዚ ኩሉ ኢትዮጵያ ክድግፎ ዝግባእ ‘ዩ:: ናብዚ ናብ ሓበራዊ ሰነድ ምብፃሕ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን:: እዚ ዓብዪ ስጉምቲ ‘ዩ:: ናብ መሬት ክወርድ ድማ ኩሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ:: ሕዚ ናብ ተግባር ምቕያር ‘ዩ ቐርዩ ዘሎ:: እዚ ድማ ንኽልቲአን ዓድታት ዝጠቅም ስለ ዝኾነ ህዝቢ ሱማሊላንድ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ክድግፎ ይግባእ::

ምኽንያቱ እዚ ንኽልቲኡ ወገን ዝጠቅም ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ብዝግባእ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ማለት ሂብካ ምቅባል ብዝብል መትከል በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ:: ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናይ ዝኾነ ኣካል ወይ ሃገር ዘይጎድእን ሂብካ ምቕባልን ኣብዝብል መርህ ዝተመስረተ ‘ዩ::

ንሕና ኢትዮጵያውያን እንተነኣሰ ንናይ ገዛእ ርእስና እንብሎ ሚስጥርና እንሕልወሉን ምትሕብባርና እነድልድለሉን በሪ ባሕሪ የድልየና ‘ዩ:: በዚ ኣግባብ ብዝግባእ ዲፕሎማስያውን ሂብካ ምቕባልን ብዝብል መትከል በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለና:: ብግቡእ ጥንቃቐን ብቕዓት ብዘለዎ ዲፕሎማሲን እናተመርሐ እቲ ጉዳይ መፍትሒ ክረክብ እፎይ ንብለሉ ወደብ የድሊ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ኣገዳስነት በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ መስፍን፡– ንኢትዮጵያ ባሕሪ በሪ ዘድልያ ምዃኑ ዘጣያይቕ ኣይኮነን:: እዚ ድማ መንግስቲ ኣብዝሓፀረ እዋን ናብ ተግባር ምእታዉ ዝድነቕ ‘ዩ:: ከም ኢትዮጵያ ብዙሕ ህዝቢ ሒዛ በሪ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኣብዓለም የለን:: ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ዓመታት ናብ 140 ሚልዮን ክበፅሕ ይኽእል ‘ዩ::

እዚ ቀሊል ዝበሃል በዝሒ ህዝቢ ኣይኮነን፤ ብጣዕሚ ብዙሕ ‘ዩ:: ነዚ ህዝቢ እዚ ኢኮኖሚያዊ ድሌቱ ብዘይ በሪ ባሕሪ ብኣግባቡ ክተማለአሉ ኣይትኽእልን:: ኢኮኖሚ ብኣግባቡ ንምምላእ ኣፍደገ ባሕሪ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ሂብካ ምቕባል ብዝብል መርህ እናተጎዓዘት በሪ ባሕሪ እንተተኸልኪላ ሰላመዊ ዝኾነ ዞባ ክህሉ ኣይክእልን፤ ኣብ ምትሕብባር ዝተመርኮሰ ኣካይዳ ንምዕባለን ዕብየትን እቲ ዞባ ወሳኒ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ሓደ ሓደ ሃገራትን ከምኡ ‘ውን ውሱናት ኢትዮጵያውያን ነዚ ስምምዕ እዚ ዝቓወሙ ኣለዉ:: ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኣይተ መስፍን፡- ሓደ ሓደ ሃገራት ነዚ ክቓወመኦ ንርኢ ኣለና ኢና:: ኮይኑ ግና እዚ ጌጋ ‘ዩ:: ምብራቕ ኣፍሪካ ንምዕባይ ከመይ ገይርና ቁጠባውን ፖለቲካውን ምትሕግጋዝ ከንፈጥር ንኽእል ኣብ ዝብል ምትኳር እምበር ንድሌት ኢትዮጵያ ጥራሕ ምቁዋም ግቡእ ኣይኮነን::

ናይ ምብራቅ ኣፍሪካ ፖለቲካ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኣብዝግበር ናይ ሓባር ምርድዳእ፣ ብናይ መራሕቲ ናይ ምትሕብባር መንፈስን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተመስረተ ልምዓት የድሊ:: ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ተደጋጊፍካ ኣብ ምዕባይ ዘትኮረ እምበር ናይ ዝኾነት ሃገር ልኡላውነት ዝዳፋእ ኣይኮነን:: ስለዚ እዚ ክድገፍ ‘ዩ ዘለዎ::

እተን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ድሌት በሪ ባሕሪ ብተፃራሪ ጠጠው ዝብላ ሃገራት፣ ኢትዮጵያ ኣፍ በሪ ባሕሪ ምርካባ ተጎዲኦም እንተይኮኑስ ዕቤት ኢትዮጵያ ብፅቡቕ ስለዘይምልከቱ ‘ዮም:: ኢትዮጵያ ዓቅማ ብምጥንኻር ፅዕንቶ ፈጣሪት እናኾነት እንተመፂኣ ስግኣቶም ስለ ዝመስሎም ኢትዮጵያ ኣብዘለቶ ደው ከትብል ስለ ዝደልዩ ‘ዮም:: ንኢትዮጵያ ዝፃረሩ ሃገራት ይፍለጡ ‘ዮም። ነዚ ጉዳይ ከነቕልበሉ ኣለና።

ነዚ ብዝምጥን ዲፕሎማስያዊ መልሲ ምሃብን የድሊ:: ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብኣግባቡ ምስኻዕ የድሊ:: ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ናይ በሪ ባሕሪ ስምምዕ ስዒቡ ነቲ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያ ምስሕሓብ ከትፈጥር ዝደልዩ ሓይልታት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ኣካላት ካብ ውሽጢ ነዚ ስምምዕ እዚ ዝቓወሙ ኣለዉ::

ኮይኑ ግና ዋላ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልይ ይሃልወና ኩልና ኢትዮጵያውያን ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ረብሓ ሓደ ከንኸውን ኣለና:: እዚ ናይ ፓርቲ ጉዳይ እንተይኮነስ ናይ ሃገር ጉዳይ ‘ዩ:: ኣብ ብሄራዊ ጥቅሚ ፖለቲካዊ ፍልልያት ንጎኒ ብምግዳፍ ሓደ ምዃን የድሊ:: ሓደ ሓደ ኣፋላላያት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም:: እቶም ኣፋላላያት ግና ንዓዲ ብዝጠቅም ክኸውን ኣለዎ::

ብመንግስቲ ይምፃእ ብኻሊእ ንሃገር ዝጠቕም እንተኾይኑ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክድግፎ ክኽእል ኣለዎ:: ጥራሕ ንሃገር ዘቕፅልን ዝጠቕምን እንተኾይኑ ኩሉ ኢትዮጵያ ክረባረብን ክተሓጋገዝን ኣለዎ:: ኣብዚ ሓደ ሓደ ኣካላት ኣብ ኣታጋባብራ ስግኣት እንተልይዎም ድማ ምዝርራብን ምምኽኻርን ኣይጎድእን:: ብቕንዕና ንጥንቓቐ ዝኣክል ጥራሕ እንተኾይኑ ከም ኣወንታዊ ክውሰድ ኣለዎ::

ካብ መንግስቲ ‘ውን እኹል መብርሂ የድሊ ‘ዩ:: ግንዛበ ኣብ ምጭባጥ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም:: ግልፂ ክኸውን ዝግበኦ ነገር ግልፂ ምግባር ይጠቕም እምበር ኣይጎድን:: ግልፂ ክኸውን ዝግበኦ ነገር ግልፂ እንተኾይኑ ኩሉ ብሓደ ግንዛበ ወሲዱ ንጥቅሚ ሃገሩ ጠጠው ንምባል ኣይፅገምን::

ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕ ናብ ባይታ ክወርድ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ መስፍን፡- መጀመርያ ብዛዕባ ስምምዕነት ግልፂ ክኸውን ኣለዎ:: ማለት ኩሉ ክርደኦ ደጋጊምካ ምስራሕ የድሊ:: ንሕብረተሰብ ደጋጊምካ ክተርድእ ይግበአካ:: ሱማሊላንድ ገና ሃገር ኣይኮነትን፤ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን:: ኮይኑ ግና ካብ ሱማሌ ተገንፂላ እትነብር ዘላ ዓዲ ‘ያ::

ብፀጥታ ይኹን ብኻልኦት ነገራት ኣብ ደሓና ብርኪ ዘላ ዓዲ ‘ያ:: ምስተፈላላያ ሃገራት ዝተፈላለዩ ርክባት እትገብር ዓዲ ‘ያ:: ፅቡቅ መንግስታዊ ቕርፂን መንግስታዊ ማሕውርን ዘለዋ ሃገር ‘ያ:: ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክህባ እንተኾይኑ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ልዑል ጥንቓቐ ዘድሊ ይመስለኒ:: ምኽንያቱ ብዙሕ ኣፀጋሚ ነገራት ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ::

ንኣብነት ኣብ ቻይና ናይ ታይዋን እንተሪእና ኣብዚ እቶ ዘይበሃላ ክልተ ሃገራት ምስ ቻይና ፅቡቕ ርክብ ዘይብለን እየን ንታይዋን ኣፍልጦ ሂበንኣ:: ብዙሓትን ከም እንግሊዝ ዝበላ ዓበይቲ ሃገራትን ምስ ታይዋን ፅቡቕ ርክብ እናሃለወን ኣፍልጦ ኣይሃባኣን:: ንምንታይ እንተይልና ናይ በዓሉ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ::

ኣብዚ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተሓሰበ እንተሃልዩ ምናልባት ጎዳኢ ከይኸውን ብደንቢ እንተተመርመረ ዝኸፍእ ኣይመስለንን:: ኣብዚ ጥንቓቐ ምግባር ዘድሊ ይመስለኒ:: ካብኡ ወፃኢ ዘሎ ግና ብዝተፈላለዩ መንገድታት እትርከብ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ::

እቲ ርክብ ናብ ተግባር ዝቕየረሉ ኩነታት ንምፍጣር ድማ ናይ መንግስቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓላፍነት ‘ዩ ዝኸውን:: ብወገን ሱማሊላንድ ‘ውን ተመሳሳሊ ቕዋም ክህሉ ኣለዎ:: ቐልጢፍካ ድማ ናብ ተግባር ክእቶ ይግባእ:: ናብ ስራሕ ዝእተወሉ መንገዲ ካብ ክልቲኡ ወገን ልዑል ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ:: ምኽንያቱ ናይ ወደብ ጉዳይ ብጣዕሚ ወሳኒ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕ ክሳብ ናይ ካልኦት ሃገራት ልኣላውነት ዘይተዳፈአ እተን ካልኦት ሃገራት ‘ውን ክድግፈኦ ኣለዎን:: እዚ ተደጋጊፍካ ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ጉዳይ ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ:: ንሶም ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና?

 ኣይተ መስፍን፡- እዚ ናይ ክልቲአን ስምምዕ ጉዳይ ክሳብ ናይ ካልኦት ሃገራት ልኣላውነት ዘይተዳፈአ ኩሉ ክድግፎ ‘ዩ ዘለዎ:: ዝኾነት ሃገር ከትድግፎ ‘ዩ ዘለዋ:: ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ዲፕሎማሲ ሓቢርካ ተደጋጊፍካ ናይ ምዕባይ መትከል እምበር ናይ ማንም ሃገር ልኣላውነት ዝፃረር ኣይኮነን::

እዚ ተደጋጊፍካ ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ጉዳይ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ሂባ ብምቅባል በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቓም መሰል ኣለዋ:: እቲ ስምምዕነት ንኽልቲአን ዝጠቅም ‘ዩ:: ንኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጠቕም:: ዋላ ካብ ክልቲአን ወፃኢ ዘለዋ ጎረቤት ሃገራት ‘ውን ተጠቐምቲ ‘የን:: ብሰላምን ልምዓትን ሓቢረን ተደጋጊፈን ንኽዓብያ ዝጠቕም ‘ዩ::

እዚ ስምምዕ እዚ ንማንም ሃገር ዝጎድእ ኣይኮነን:: ከምእኒ ግብፂ ዝበላ ታሪኻዊ ፀላእቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ነዚ ስምምዕ እዚ ክቓወመኦ ትሪኢ ኢኻ:: እዚ ኣዝዩ ጌጋ ‘ዩ:: ከም እንዚኦም ዝበሉ ሃገራት ፅቡቓት ዕድላት ናብ ሕማቅ ነገር ብምቕያር ነዛ ዓዲ ንምጉዳእ ዝፅዕሩ ‘ዮም:: እዚ ድማ ፍፁም ጌጋ ‘ዩ:: እዚ ሓዱሽ ኣይኮነን:: ብፍላይ ግብፂ ንዘመናት እናሰርሐትሉ ዝመፀት ‘ዩ::

ሕዚ ኣይኮነን ተጀሚሩ:: ከምዚ ዓይነት ካብ ፀላኢ እትፅበዮ ነገር ‘ዩ:: ከምዚኦም ዝበሉ ሃገራት ድማ እቲ ነገር ተረዲኦም ኣብ ጎኒ ክልቲአን ኣካላት ክስለፉ ምግባር ዘይሕለል ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ክስራሕ ኣለዎ:: ኣብዲፕሎማሲ ብዙሕ ስራሕቲ እንተተሰሪሑ ኩሉ ነገር መመልክዑ ክሕዝ ‘ዩ::

ወጋሕቲ፡- ኣብታ ሃገር ዘምፀኦ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ብፍላይ ምስ ምንሃር ዋጋ ተተሓሒዙ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ መስፍን፡– እዚ ብዙሕ ዘተሓታትት የብሉን:: ብዙሕ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ‘ዩ:: ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ናሕሪ ዋጋ ኣብ ምቅናስ ዘምፀኦ ኣወንታዊ ውፅኢት ዝናዓቕ ኣይኮነን:: ኢትዮጵያ ኣማራፂ ባህሪን ወደብን ከትረክብ እንተላ እቶም ዝኣትዉ ሸቀጣት ናይ ክራይ ዝቕንስሉ ኩነታት ስለዝፍጠር ምስእዚ ተተሓሒዙ ዋጋ ሸቐጣት ዘይቅንሰሉ ኩነታት ኣይህሉን::

ምኽንያቱ ኣማራፂ እንትሰፍሕ ነቲ ወደብ ይኹን ነቲ ባሕሪ ዝኽፈል ዋጋ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን:: መማረፂ እንትሰፍሕ ናብ ሃገር ዝኣትዉን ንደገ ዝወፁን ሸቐጣት ዋገኦም ይቕንሱ:: ከምኡ ‘ውን ዝሓሸ ምንቅስቓስ ንግዲ ይፍጠር:: በዚ መሰረት ስራሕ ዕድል ይፍጠር:: ተባለሽዩ ዘሎ ዝተወሰነ ናይ ስራሕ ዕድላት ምምሕያሹ ኣይተርፎን:: ስለዚ እዚ ስምምዕ እዚ ብዙሕ ረብሓ ሒዙ ዝመፅእ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና::

ኣይተ መስፍን፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ:: 

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You