ካብ ጎንፅን ስቓይ ህዝብን ዝርባሕ ራዕዳዊ ህወሓት

ሓይሊ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ሸርሕ፣ጎንፅን ስቓይ ህዝብ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ዝጥቀም እዩ:: እዚ ባህሪኡ ካብ ተመስረተሉ ዕለት ጀሚሩ እናተግበሮ ከምዝመፅአ ይፍለጥ:: ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ኣብ ዝነበረሎም እዋን ኮነ ድሕሪ ለውጢ ኣብ መቐለ ኮይኑ እዚ ባህሪኡ ኣይገደፎን ነይሩ:: ስለዝኾነ’ውን ኣብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ እዚ ሰሜን ጥቕዓት ብምፍፃም ራዕዳዊነቱ ቅሉዕ ገይርዎ እዩ::

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሶኒ ካብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለሎም ሕቶ ምላሽን መብርህን እንትህቡ ከምዝገለፅዎ፣ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናብ ጎንፂ ዝተኣተወሎም ቐንዲ ምኽንያታት እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ብዝተፈለየ መገዲ ምስ መከላኸሊ ዝተዓራረይ ትካል ብምህናፅ ወታደር ንምድላው ሰፊሕ ስራሕ ምስርሑ እዩ:: እዚ ድማ ንቐፃሊ ሉኣላዉነት ሃገር ዝፈታተን ብምዃኑ ዓብዪ ስግኣት ነይሩ:: ብተወሳኺ’ውንኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብገንዘብ እናቖፀረን እናወደበን ኣብዛ ሃገር ኣብ ብዙሓት ቦታታት ጎንፅታት ንኽልዓሉን ኣፍቲ ከባቢ ሰላም ንኸይህልው ምስራሑ እዩ::

መንግስቲ ንቲ ፀገም ንምፍታሕ ብሽማግለ ዓዲ፣ብኣቦታት ሃይማኖትን ብዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰባት ናብ ሰላም ንምምፃእ ፃዕሪ እንተተገበኳ ጎንፅን ፀገም ህዝብን ንፖለቲካ ኸስቢ ዝጥቀም ጉጅለ ራዕዳዊ ክቕበሉ ኣይከኣለን:: ኲናት ወሊዑ ህይወት ሰብ ንክጠፍእ፣ንብረትን መሰረተ ልምዓት ህዝብን መንግስትን ንክዓንይ ገይሩ እዩ:: ብኣውርኡ ድማ ንህዝብ ትግራይ ናብ ፀገምን ድከትን ንከኣቲ ገይርዎ እዩ::

መንግስቲ ፈዴራል ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ነቲ ጁንታ ፈሊኻ ካብ ምውቃዕ ዝሓለፈ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኲናት ንኸይካየድ ዓብዪ ፃዕሪ ምግባሩ ይዝከር:: ድሕሪ ምዝዛም እቲ ወፍሪ ድማ ትካላት መንግስቲ ‘ውን ስራሕ ክጅምሩ ንምግባርን ንድጋፍን ብር 100 ቢሊዮን ወፃኢ ገይሩ እዩ:: ኣፍቲ ክልል ተቛሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ቴሌኮምኒኬሽን መሊስኻ ንምስራሕ ኣብ ተኻየደ ፃዕሪ ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት በቲ ጁንታ ምቕታሎም’ውን መንግስቲ ገሊፁ እዩ:: ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል እዚ ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ ዘይሓሊን ራዕዳዊን ምዃኑን እዩ:: ስለዚህዝቢ ትግራይ ክቃለሶ ይግባእ::

እዚ ጉጅለ ሐዚ’ውን መንግስቲ ፌደራል ሓረስታይ ንከሓርስን ኣብቲ ክልል ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ንክከፋፈል ብምሕሳብ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ወሲኑ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ኣወፂኡ እናሃለወ ሐዚ’ውን እዚ ሓይሊ ናይ ኲናት ነጋሪት ይጉስም ኣሎ:: ናብ ጎረባብቲ ክልላትን ናብ ኤርትራን ውግእ ንምክያድ ከምዝደሊ እናገለፀ ይርከብ:: እዚ ብጎንፅን ፀገም ህዝብን ፖለቲካዊ ህልውናኡ ንምቕፃል ካብ ምድላይ ንላዕሊ ካሊእ መግለፂ የብሉን:: ስለዚ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንከይጋደድ ካብዚ ተግባሩ ንክቑጠብ ህዝቢ ትግራይ ፀቕጢ ክገብር ኣለዎ::

ጉጅለ ህወሓት ‹‹ኣብቲ ክልል ጥሜት ተኸሲቱ ኣሎ፤ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ እናተባፅሐ ኣይኮነን:: ሓረስታይ ክሓርስ ኣይከኣለን፣ሎሚ ዘበን ተዘይተሓሪሱ ህዝቢ ንጥሜት ክቃላዕ እዩ››እናበለ ንማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓን ከስምዕ ሓግዩ እዩ:: ኮይኑ ግና ሰብኣዊ ረድኤት ንከይባፃሕ ዕንቅፋት ይፈጥር ነይሩ:: መሰረተ ልምዓት የዕንው ነይሩ:: በዚ ድማ ህዝቢ ሓገዝን ሰላምን ከይረክብ ገይሩ እዩ:: ምኽንያቱ ድማ እዚ ሓይሊ ካብ ጎንፂ’ምበር ካብ ሰላም ረብሓ ዘይደሊ ምዃኑ እዩ:: በስቓይን ገልታዕታዕን ህዝቢ ረብሓኡ ዘረጋግፅ፣ብሽም ህዝቢ ዝሽቅጥን ዕላማኡ ንምዕዋት ዝሰርሕን ሓይሊ እዩ:: ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሙ ሓይሉ ንምጥንኻር ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኮሪደር ይከፈት ብምባል ኣፅዋር ኲናት ንምእታው ንክኽእል’ውን እናሰርሐ ይርከብ::

ናይ ራዕዳዊ ህወሓት ባህርይ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ ኣለዎ:: ናይ ሰላም ሓይሊ ከምዘይኮነ ክርድኦ ይግባእ:: በሽም ህዝብ ትግራይ ዝሽቅጥን ንረብሓ ህዝቢ ዘይግደስን ከምዝኾነ’ውን ክርድኦ ይግባእ:: ሐዚ’ውን ብእንግድዓ ህዝቢ ዕድመ ህልውናኡ ከናውሕ ዝሰርሕ ሓይሊ ከምዝኾነ ንማንም ግልፂ እዩ:: ካብ ጎንፅን ፀገም ህዝቢ’ምበር ካብ ሰላም ረብሓን ህልውናን ኣይረክብን ኢሉ ዝሓስብ ራዕዳዊ ጉጅለ ስለዝኾነ ህዝቢ ክቃለሶ ኣለዎ:: ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You