‹‹ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ልዕሊ 40 ዓመት እንትፈልጦ ብሓሳብ ምስዓርን ዴሞክራሲ ንምስፋን ፈፂሙ ኣይደልን›› ዶክተር ዲማ ነግዎ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ቃልሲ ወፃኢ ብሓሳብ ምስዓርን ዴሞክራሲ ምስፋንን ብፍፁም ከምዘይደሊ ፖለቲከኛ ዶክተር ዲማ ነግዎ ኣፍሊጦም::

ዶክተር ዲማ ምስ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበረዎ ቃለ መሕተት ፤ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት እንትፈልጦ ካብ ቃልሲ ወፃኢ ብሓሳብ ምስዓርን ዴሞክራሲ ምስፋንን ፈፂሙ ኣይደልን::ሂቡ ምቕባል ልማዱ ኣይኮነን::እዚ ድማ ኣብ ሃገርና ሓድሽ ነገር ንከይህልው ገይርዎ እዩ::

ናይቲ ቃልሲ ጉጅለ ብዘልዓሎ ኹናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፈተና ውሽጢ ኣእትይዎ እዩ::ሃገር’ውን ብቡዙሕ መገዲ ባዶ ኣትሪፍዋ እዩ::ኸዚ’ውን ብዝኸዶ መገዲ ጥፍኣት ከምዘምፀአ እናተረደአ ኣይኮነን::ድርቅና’ምበር ዘተ ኣይርደኦን::ድርድር ዝባሀል ነገር ኣይቕበልን ኢሎም::

ኣብዚ ኸዚ ኣብ ሃገር ብዙሕ ዕድላት ከምዘለዉ ዝተዛረቡ ዶክተር ዲማ፤እቲ ጉጅለ ዝተውሃቦ እዋን ፅሞና ብምጥቃም ብሓሳብ ተሳዓዓሩ ዕድል ብምሃብ ብሰላማዊ መገዲ ምስራሕ ትኹረት ክገብር ከምዘለዎ ኣመልኪቶም::

ሎሚ እዋን ናይ ለውጢ እዩ፤ብቃልሲ ንምስዓር ምሕሳብ ግቡእ ዘይብሉ ተግባር እዩ::ፀገማት ኣብ ዘለዉዎም ቦታታት ብምኽርን ምትሕግጋዝን መሰረት ብምግባር ካብ መንግስቲ ክሳብ ውልቀ ሰብ ምስታፍ ኣድላይ እዩ ኢሎም::ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ማእኸላዊ መንግስቲ ተቆፃፂሩ ስለዝነበረ እቲ ጥቕሙ ንምምላስ ካብ ቃልሲ ወፃኢ ካልእ መመራፂ ዘየለ ገይሩ እዩ ሓሲቡ::እዚ ድማ ኣብዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኹነታት ከምዝኣተዎ ግልፅ እዩ::ስለዝኾነ ድርድር ፖለቲካ ፤ብዘተን ብሓሳብን ምብልላፅ ‘ምበር ብቃልሲ ከስዕር እየ ኢልካ ምልዓል ካብ ምስብባር ወፃኢ ዘምፅኦ ለውጢ ከምዘየለ ኣምልኪቶም እዮም::

ቃልሲ ምጥቃም ዘድሊ ዴሞክራሲ ዘይርድኦ ክህሉ ከሎ ጥራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ዲማ ፤እዚ ዘመን ኣተሓሳስባ ዝተቐየረሉ ብምዃኑ ንድሕሪት ንዘይምትራፍ ክባሃል ፖለቲካኛ እዚ ዘመን ዝኽተሎ ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም::

እቲ ጉጅለ ቃልሲ ገዲፉ ብሓሳብ ምስዓር ጥራሕ ልማዱ ክግብር ኣለዎ ::ዜጋ’ውን እንተኾነ ንዕብየት መሰረት ዝኾነ ሓሳብ ንምዕባይ ‘ምበር ዝተብሃሎ ኹሉ እናገበረ ክጓዓዝ የብሉን::ብፍላይ ድማ ብኣፅዋር ኲናት ምስዓር ክድገፍ ከምዘይግባእ ኣመልኪቶም እዮም::ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘሎን ብዲሞክራስ መገዲ ከገልግል ኢሉ ዝመፀ ዝኾነ ኣካል ብሓድሽ ኣተሓሳስባ እናተመርሐ ካብ ቃልሲ ኣተሓሳስባ ባዕሉ ኾነ ሃገሩ ከላቕቕ ኣለዎ::

ምስ ዘመኑ ተወዲቡ ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምራሕን ምስራሕን ኣድላይ እዩ::እቲ ለውጢ ድማ ሓድሽ ተስፋ ይህልዎ::ዜጋ’ውን ንልምዓት ብነፃነት ይኣቱ::ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ነዋሕ ቃልሲ ዝተምሃርናዮ ብቃልሲ ዝመፀ ስልጣን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክሃንፅ ከምዘይኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም::

ብቃል ጥራሕ ዲሞክራሲ ማለት የትም ኣየብፅሕን::ተግባር ምስ ውፅኢት ኣድላይ እዩ::ብምዃኑ ምቅላስ ገዲፍካ ብሓሳብ ምስዓር ልምዲ ምግባር ኣድላይ እዩ::ብልዕልነት ሓሳብ ዘይኣምን ዝኾነ መንግስቲ ዲሞክራሲ ምርግጋፅ ስለዘይኽእል ህዝቢ ዘማእኸለ ምንቅስቃስ ምግባር ልምዲ ክኾን ይግባእ ኢሎም::ንሃገር ዘድልዮ ብዘተ ዴሞክራሲ ምስፋን ሓሳብ ቦታ ንክረክብ ምግባር እዩ ኢሎም::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You