ስነ ስርዓት ኣከባብራ ባዓል ጥምቀት

ጥምቀት ብእምነት ተኸተልቲ ክርስትና በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣከባብርኡ ካብ ከተራ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ድሮ እቲ በዓል መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ናብ ዮርዳኖስ ሩባ ዝወረደሉ ተምሳሌት ብምግባር ታቦታት ብፍሉይን ድሙቅን ተዓጀቦም ናብ ሩባ ወይ ሜዳ ወሪዶም ዝሓድሩሉ ‘ዩ።

ብፅባሒቱ ድማ ስርዓት ጥምቀት ምስተኻየደ እቶም ታቦታት ነናብ መንበሪኦም ብመዝሙር ተዓጂቦም ዝመለስሉ ስነ ስርዓትን ዝካየደሉ በዓል’ዩ። ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ሓሊፉ ሓድነት ኣብ መንጎ ህዝቢታት ምትእስሳር ዘጠናኽርን ዘከባብርን በዓል ‘ዩ፡፡

ኣብቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብሪታት ዝንፀባረቑሉ ስለዝኾነ ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብርታትን ፀጋታትን ዝረኣይሉ ባዓል ስለዝኾነ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ነዚ ባዓል ንምዕዛብ ብዙሓት ኣጋይሽ ድማ ዝመፅሉ ‘ዩ። ነዚ ባዓል ካብ ዝተፈላላየ ዓለማት መፂኦም ዘኽብርዎ ዉሑዳት ኣይኾኑን፡፡ በዚ ምኽንያት ብመልክዕ ቱሪዝም ዘርክቦ ኣታዊ ቀሊል ኣይኾነን፡፡

ባዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ኣከባብርኡ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ እቲ ባዓል ዝገልፁ ፀወታታት ‘ውን ዝንፀባረቐሉ ‘ዩ፡፡ ካብዞም ፀወታታት እቲ ሓደ ድማ ሃርሞኒካ ትንፋስ ብምጥቃም ዝድመፅ መሳርሒ ሙዚቃ ‘ዩ። ኣብ ኣፍ ብምግባር ናብ ኽልቲኡ ጎኒ ብምንቅስቓስ ድምፂ ከውፅእ ይግበር። ፀወታ ሃርሞኒካ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝፍለጥ እንተኾነ ‘ውን መበቆሉ ግና ኣብ ውሽጢ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ‘ዩ።

በብዓመቱ ጥሪ 11 ዝኽበር በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ጃን ሜዳ ፀወታ ሃርሞኒካ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መድመቒ እቲ በዓል ‘ዩ። መናእሰይ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ተኣኪቦም ክቢ ብምስራሕ ይፃወቱ። በዚ ምኽንያት ድማ ሃርሞኒካ መለለዪ ጥምቀት ኾይኑ ‘ዩ።

ካልእ ድማ ኣብ ባዓል ጥምቀት ደቂ ተባዕትዮ ንሓዳር እትኸውን ጎርዞ ዝመርፅሉ እዋን ‘ውን ‘ዩ፡፡ ንባዓል ጥምቀት ከኽብራ ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ እታ ዝመረፃ ጎርዞ ለሚን ብምድብራይ ከምዝሓረያ ዝገልፀሉ ከይዲ ‘ዩ፡፡ በዚ ድማ ባዓል ጥምቀት እንትኽበር ከም መተሓፃፀይ ተገይሩ ዝውሰድ ‘ዩ፡፡

ኣብ እዋን ባዓል ጥምቀት ብፍላይ ድማ መናእሰይ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ካብ ገዛ ወፃኢ ‘ዩ ዘኽብሮ፡፡ ብልምዲ ‘ውን ባዓል ጥምቀት ካብ ገዛ ወፃኢ ‘ዩ ዝኽበር ክባሃል ይስማዕ፡፡ ኣብ ገዛ ዝነበሩ ባህላዊ ኽዳውንቲ ‘ውን ‹‹ንጥምቀት ዘይኾነ ቀሚስ ይቐደድ›› እናተብሃለ ኣብዚ እዋን ንክወፁን ክኽደኑን ይግበር፡፡

በዚ ምኽንያት ድማ ባዓል ጥምቀት ዝገልፁ ኣከዳድናታት ማለት ‘ውን ፃዕዳ ኽዳውንቲ ብምኽዳን ከምኡ ‘ውን መዝሙራት ብምዝማር እቲ ባዓል ደሚቑ ክውዕል ዝገብሮ መናእሰይን ብሓፈሻ ተኸተልቲ እቲ ሃይማኖትን ዉሑዳት ኣይኮኑን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ። እዚ በዓል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድምቀት ዝኽበር ባዓል’ዩ። ኣብ ክልል ትግራይ እንተሪእና ድማ በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ትግራይ ብድምቀት ዝኽበር እንትኾን ብደረጃ ክልል ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨዉ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተሰንዩ ብዝለዓለ ድምቀት እናተኸበረ ምፅንሑ ዝዝከር ‘ዩ።

ታሪኻዊት ከተማ ማይጨው፣ እምባ ኣላጀ፣ ካብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ጎቦ ፅበት፣ ብሕታዊ ተፈጥሮኣዊ ቃላይ ትግራይ ዝኾነ ቃላይ ሓሸንገ፣ ደኒ ሕጉምብርዳ፣ ኮረፌ ኦፍላ/ኮረም፣ ገዳማት ማሕበር በኩሩን ኣባ ጉባን፣ መስጊድ ሕጅቢ ወራባየ ወይ ጎልጎል ራያ ንምርኣይን እቲ ኣዝዩ ምቁር ባህሊ ራያ ንምስትምቓርን ናብቲ ቦታ ዝጓዓዝ ህዝቢ ቀሊል ኣይኮነን፡፡

በዓል ጥምቀት ትግራይ ኣብ ዞባ ደቡብ (ራያ) ብዝለዓለ ድምቀት ክኽበር ተሎ ምድላዋት ቀዲሙ ዘዳላወሉን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ናብ ቦታ ኸይዶም ዘሕልፍሉን ቦታ ‘ዩ፡፡ በዓል ጥምቀት ኣብዚ ቦታን ኣብ ካልኦት ኸባብታት ትግራይን ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወ ባህልን ልምድን ፀጋን ህዝቢ ከይለቐቐ በቢ ዓመቱ ብድምቐት ዝኸበረሉ ቦታ ‘ዩ፡፡

ጥምቀት ተፈታዊ ሃይማኖታዊ ባዓል ስለዝኾነ ትሕዝቱኡ ኣፅኒዕኻ ብምሓዝ ናብ ሰናይ ተግባር ብምልዋጥ በፃሕቲ ዓዲ ንምስሓብ ዘለዎ ግደ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ኣከባብራ እቲ ባዓል ዓብይ ትኹረት ክንገብረሉ ይግባእ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You