‹‹ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ራያ እናጨፍጨፈ እዩ›› መምህር እያሱ በርሀ ቸኮል ኣባል ማእኸላይ ኮምቴ ራዴፓ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡-ኣባላት ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ራያ ጨፍጫፋ እናካየዱ ከምዝኾነ ኣባል ማእኸላይ ኮምቴ ራያ ዴሞክራሲ ፓርቲ/ራዴፓ/ መምህር እያሱ በርሀ ቸኮል ኣፍሊጦም:: መንግስቲ ንፁሃን ካብዚ ኩነታት ንከውፅኦም ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

መምህር እያሱ ከምዝበልዎ፣ መንግስቲ ሃንደበታዊ ዝወሰዶ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስዒቡ ኣብ በረኻ ዝነበሩ ኣባላት ጁንታ ህዝቢ እናጨፍጨፉ ይርከቡ፡፡

ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ሰባት ብዝሃብዎም ሓበሬታ ክሳብ ኸዚ ልዕሊ ሓምሳ ንፁሃን ዜጋታት ከምዝተቐተሉ ዘፍለጡ መምህር እያሱ ፣በዚ ዝተልዓለ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ናብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ቆቦ እናተመዛበሉ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም፡፡

ናይቲ ግብረ ራዕዳዊ ኣባላት ሎሚ’ውን ብዙሓት ሰባት ደገፍቲ መንግስቲ ኢኹም ብዝብል ንመከራ እናተቃልዑ እዮም::ኽልተ ሽሕ ዝበፅሑ ተወለድቲ ራያ ገዘኦም ተቓፂሉ ንብረቶም ዓንዩ እዩ ኢሎም:: ኣባላት እቲ ጉጅለ ጫማ ፀረግቲ ከይተረፈ ናይ መከላከያ ጫማ ትፀርጉ ነይርኩም ብዝብል ይወቕዕዎምን፣ ኣካል ምጉዳልን የብፅሑሎም ከምዘለዉ ኣመልኪቶም::ነቲ ህዝቢ ድማ ሰልፊ ወፂሑም ኢኹም፣ ንመከላከያ ማይ ኣስቲኹም ኢኹም ብምባል እናሳቐዩን እናቐተሉን ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም እዮም፡፡

ቅድሚ ቑሩብ መዓልቲ ብሓደ ኤፍ ኤስ ኣር ኣይሱዝን ብሓደ ገልባጢ መኪና ከምኡ’ውን ብኻልእ ሚኒባሳት ሙሉእ መንእሰይ ክነምህረኩም ኢና፣ክነሰልጥነኩም ኢና ብምባል ብግዲ ናብ ማእኸል ትግራይ ከምዝወሰድዎም ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብዚ ኸዚ እዋን እዚኦም መናእሰይ ዘለዉዎ ኩነታት ኣይፍለጥን፤መከላከያ ከይዱ እንዘየድሒንዎም ክጭፍጨፉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስጋኣት ከምዘሎ ኣፍሊጦም እዮም::መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ራያ ዝበፅሕ ዘሎ ጨፍጫፋ ጠጠው ንክብልን ንፁሃት ዜጋታት ካብ ሞት ንከድሕን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You