‹‹ሰላምን ምርግጋዕን ክህሉ ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ እዩ›› -ኢንጅነር ግደይ ዘርኣፅዮን

መኣርግ ገ/ሄር

ኢንጅነር ግደይ ዘርኣፅዮን ይባሃሉ። ካብቶም መስረቲ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓደ እዮም። ካብ 1967 ክሳብ 1977 ዓ.ም ምስ ህወሓት ኮይኖም ዕጥቓዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ መሪሖም እዮም። ኮይኑ ግና ኣብ ከይዲ ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ ስለ ዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ወፂኦም ኣብ ወፃኢ ሃገር ናብርኦም ገይሮም እናሃለዉ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) መስሪቶም ቓልሶም ብኻሊእ መገዲ ቐፂሎም እዮም። ድሕሪ ለውጢ ድማ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ እናነጠፉ ይርከቡ። እምባኣርከስ ኢንጅነር ግደይ ምስ ዘለዎም ዕድመ ፀገብ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ኣብ ሃገርና ዘሎ ወቕታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዝምልከት ሓሳቦም ከካፍሉና ኣብ ናይ ሎምዓንቲ ሕታምና ዕዱም ጋሻ ገይርናዮም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ጎኒ ህወሓት ብምስላፍ ኣንፃር ሰላም እናተዋግኡ ዝርከቡ ወገናት ዕጥቆም ብምርካብ ናብ ንቡር ሂወቶም ክምለሱ ብመንግስቲ ፃውዒት ተገይሩ ነይሩ፤ከምኡ ‘ውን ነዚ ፃውዒት ተግባራዊ ዝገበሩ ኣካላት ካብ ተሓታትነት ነፃ ከምዝኾኑ መንግስቲ ገሊፁ ነይሩ። ኮይኑ ግና ተግባራዊ ከይኮነ ተሪፉ እዩ። ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና።

ኢንጅነር ግደይ፡- በቢከባቢኡ ዝርከቡ ደገፍቲ ህወሓት ክሳብ ሕዚ ዕጥቖም ዘየረከቡ ኣለዉ እዮም። ገሊኦም በረኻ ከይዶም እናተዋግኡ ዝርከቡ እንትኾኑ ገሊኦም ድማ ዋላ በረኻ ኣይኺዱ ብኣተሓሳስባ ምስ ህወሓት ዝስለፉ እዮም። እዚኦም ፃውዒት መንግስቲ ተቐቢሎም ተግባራዊ ክገብሩ እዩ ዝግበኦም። ዝተዋህቦም ዕድል ክጥቀሙሉ ይግባእ። ምእንቲ እቲ ክልል ሰላም ኮይኑ ህዝቢ ናብ ንቡር ሂወቱ ክምለስ ዕጥቆም ብሰላም ኣረኪቦም ናብ ስሩዕ ሂወቶም ክምለሱ ኣለዎም። እንድሕር ከምዚ ኮይኑ ህዝቢ ሰላሙ ሓልዩ ናብ ልምዓት ገፁ ክገብር ይኽእል እዩ። ንህዝቢ ዝጠቅም ኵናት እንተይኮነስ ሰላምን ልምዓትን እዩ። ስለዚ እቲ ፃውዒት ብጣዕሚ ዝድገፍ ሓሳብ እዩ።

ወጋሕታ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ብሕጊ ዝድለዩ ኣካላት ህወሓት ብሰላማዊ መገዲ ኢዶም ክህቡ ብተደጋጋሚ ፃውዒት ከምዘቅረቡ ይዝከር እዩ። ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ተግባራዊ እናኾነ ኣይኮነን። ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶስ?

ኢንጅነር ግደይ፡- እቲ ፃውዒት ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ። መንግስቲ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ዕድል ምሃቡ ዝምስገንን ዝናኣድን እዩ። ኮይኑ ግና ነዚ ፃውዒት እዚ ኣኽቢሮም ተግባራዊ ተዘይገይሮም መንግስቲ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝዕገስ ኣይኮነን። ንሰላምን ድሕንነትን ሃገርን ክብል ኣብ ዝወስዶ ስጉምቲ ብዙሕ ክሳራ ክስዕብ ስለዝኽእል እዞም ብወንጀል ዝድለዩ ኣካላት ዝተዋሕቦም ዕድል ኽጥቀምሉ ክኽእሉ ኣለዎም። ሃገር ተረጋጊዓ ናብ ሰላምን ልምዓትን ክትኣቱ እትኽእል ብሰላም ናብ ሕጊ ክቐርቡ እንተለዉ እዩ። እዚ ንባዕርሶምን ንህዝቦምን ዝጠቕም ብምዃኑ ዝተወሃቦም ዕድል ኽጥቀምሉ ይግባእ ዝብል ርኢቶ እዩ ዘለኒ።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ሰላም ንኽሰፍን መንግስቲ ፌዴራል እንታይ ክገብር ኣለዎ ይብሉ?

ኢንጅነር ግደይ፡- ኣብ ትግራይ ብዙሓት ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ኣለዉ እዮም። ቕድሚ ሕዚ ህወሓት ብዙሕ ካድረ ነይርዎ እዩ። ስለዚ ኣብዚኦም መንግስቲ ፌዴራል ብዕቱብ ክሰርሐሉ ይግባእ። ፖለቲካዊ ኣሳራርሕኡ ክፍትሽን ከስተኻኽልን ኣለዎ። ነዚ ዝሰብር ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ተዘይኮይኑ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ ተሰግሲጎም ዘለዉ ኣካላት ዕላማ ህወሓት ዘሳኽዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ንምስትኽኻል መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ከሳትፍ ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ንሪኦ ዘለና ተነሓናሕቲ ውድባት ክሳተፉ ኣብ ምግባር ጉድለታት ኣለዉ እዮም። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ብልፅግና በይኑ ክፈትሖ ኣይኽእልን። ኣሳታፋይነቱ ከስተኻኽል ኣለዎ። ምኽንያቱ ከምትንሪኦ ዘለና ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕልኽላኻት ንኽፍታሕ ተሳትፎ ህዝቢን ተነሓናሕቲ ውድባት ኣድላይ እዩ።

ኣሳታፍን ምቹው ባይታን ተዘይተፈጢሩ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብቐሊሉ ክፍታሕ ኣይኽእልን።

መንግስቲ ኣብ ናይ ህወሓት መዋቕር ተመስሪቱ ክሰርሕ የብሉን። ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ተቃወምቲ ፓርቲታት ብምስታፍ ነቲ መሓውር ከም እንደገና ክፍትሾ ይግባእ። ተዘይኮይኑ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ መሓውር ዘለዉ ቕድሚ ሕዚ ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ እዮም፤ እዚኦም ሀዚ እውን ዕላማ ህወሓት እዮም ዝኽተሉ ዘለዉ። ነዚ መሓውር እዚ ኣብ ምፅራይ ዓብዪ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። እዚ እንተዘይፀርዩ ዝተፈላለየ ዕላማ ዝሓዙ ስለ ዝኾኑን ፕሮግራም መንግስቲ ስለ ዘባላሽዉን ፅፉፍ ስራሕቲ ክስራሕ ኣይኽእልን እዩ። መጥቃዕቲታት ክፍፅሙ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ዝተሰርሐ ስራሕ እውን ከባላሽዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ሰብ እናቐተልካ ዝኽየደሉ መገዲ እውን ይስትውዐል ኣሎ እዩ። እዚ ዘርእየካ መንግስቲ ዓብይ ስራሕ ዝፅበዮ ዘሎ ምዃኑ እዩ። እዚ ክስተኻኸል ዝኽእል ድማ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ መንግስቲ በይኑ ተይኮነስ ህዝቢን ተነሓናሕቲ ውድባት ብምትሕብባር እዩ።

መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ሂወት ዝሓሸ ባይታ ክፈጥረሉ እዩ ዝግባእ። መንግስቲ ንህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ የቕርብ ኣሎ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ሓገዝ ኣይበፀሐናን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ እዮም። እዚ ሙሉእ ንኽኸውን ናይ ኩሉ ተሳትፎ የድሊ እዩ። እዚ ዘርእየካ እቲ መሓውር ሽግር ስለ ዘለዎ እዩ። መንግስቲ ነቲ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣካይዳ ቐይሩ ሓዱሽ መሓውር ብምዝርጋሕን ህዝቢ ብምስታፍን ክፈትሖ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ከም ኣብነት ብልፅግና ትግራይ ምስ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኣይማኸርን ዘሎ። ሓሳብና ክንገልፅን ክንሕግዞን ዕድል ክህበና ኣለዎ። ብሓፈሻ ፓርቲ ብልፅግና ተቃወምቲ ኣብ ምስታፍ ድኽመታት ይረአይዎ እዮም። እዞም ድኽመታት እዚኦም ብቕልጡፍ ክእረሙ ኣለዎም።

ብሓፂሩ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላምን ምርግጋዕን ክህሉ እንተድኣ ኮይኑ ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ እዩ። ህዝቢ ዘይተሳተፈሉ ነገር መፍትሒ ክመፅ ኣይኽእልን። ህዝቢ ክሳተፍ መንግስቲ ምችው ኩነታት ክፈጥር ክኽእል ኣለዎ። ቅድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብ ምስታፍ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ እዩ። እዚ ክእረም ክኽእል ኣለዎ። ብፍላይ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ዝመሳሰሉ ኣካላት ንኽሳተፉ መንግስቲ ባይታ ከማቻቹ ኣለዎ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክብርትዕ ኣለዎ። ናብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝመፁ ኣካላት ድሕንነቶም ሕልው ክኸውን ኣለዎ ። ስለዚ ህዝቢ ኣብ መንግስቲ እምነት ከሕድር እንተኾይኑ ክማልኡ ዝግበኦም ነገራት ክማልኡ ኣለዎም።

ናይ ውሽጢ ዓዲ ሚድያታት ኣብ ትግራይ ከይዶም ክሳብ ታሕቲ ወሪዶም ህዝቢ ከዛራርቡ ኣይረአዩን። ድሌትን ስምዒትን ህዝቢ እንታይ ከምዝመስል ኣብ ታሕቲ ወሪዶም ከዘራርቡ ኣለዎም። ብፍላይ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዝግባእ እናተንቀሳቀሰ ኣይኮነን ዘሎ። መንግስቲ ኣብ ህወሓት ዝነበሩ ድኽመታት ከይድገሙ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ። ከምዚ እንተኾይኑ መንግስቲ ተቐባልነት እናረኸበ ህወሓት ድማ ካብ ህዝቢ እናራሓቐ ምኻዱ ኣይተርፍን እዩ።

ወጋሕታ፡ህዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊን ስሩዕን ሚድያ ተጠቒሞም ንዘዳናግርዎ ኣካላት እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኢንጅነር ግደይ፡ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ብናይ ሓደ ውድብ ህወሓት ፕሮፖጋንዳ ዝፀንሐ እዩ። ክሳብ ሕዚ ናይ ካሊእ ፓርቲ ሓሳብ ከይሰምዕ እናተኸልከለ ብናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ ጥራሕ ዝምራሕ ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ፀገም ህዝቢ ንምቕራፍ መንግስትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሓቢሮም ክሰርሑ ኣለዎም። ፀገም ህዝቢ ብሓደ ፓርቲ ክቕረፍ ኣይኽእልን እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ክምርምር ክኽእል ኣለዎ። ንምንታይ ኢና ናብዚ ፀገም እዚ ወዲቕና ኢሉ ክምርምር ይግበኦ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብወረ ጥራሕ እናተዳናገረ ክነብር የብሉን። ናይ 30 ዓመት ናይ ሓሶት ወረ ይኣኽሎ እዩ። ብትግራይ ሚድያ ሃውስ ዝፍነዉ ሓሶታት ተዳናጊሩ ዘይኮነ ነገር ክሓስብ የብሉን። ርግዕ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ናብዚ ኵናት እዚ እንታይ እዩ ደፊኡና? መን እዩ ኸ ናብዚ ፀገምን መከራን ዘእተወና ኢሉ ርግዕ ኢሉ ክሓስብ ይግበኦ። ተዘይ ኮይኑ ብበለካ ለኽዐካ ተዳናጊርካ ናብ ዘይኮነ ምእታው ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቅሞን እዩ። ንህዝቢ ትግራይ ናብዚ ኵናት እዚ ዘእተዎ ህወሓት ምዃኑ ህዝቢ ክርዳእ ይግበኦ። ሓደ ሓደ ኣካላት ግጉይ ኣተሓሳስባ ሒዞም ዝጓዓዙ ኣለዉ እዮም። ኣብ ህዝቢ ሰላም ክህሉ ብዘይደልዩ ኣካላት ብሚድያ ብዝገብርዎ ፕሮፖጋንዳ ተደናጊሩ ትኽክል ዘይኮነ ርድኢት ክሕዝ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ካብዞም ናይ መዳናገርቲ ኣካላት ፕሮፖጋንዳ ተዘይወፂኡ ኣብ ፀገም ክነብር ይኽእል እዩ። ምስ ህዝቢ ዕሙቕ ዝበለ ምዝርራብ የድሊ እዩ።

ኣብ ወፃኢ ኮይኖም ኣክቲቪስቲ ኢና እናበሉ ብዝተፋላለዩ ሚድያታት ተጠቒሞም እናተንቐሳቐሱ ዝርከቡ ኣካላት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምድንጋር ሓሊፎም ዝጠቕም ኣጀንዳ ኣይኮኑን ዝፍንዉ ዘለዉ። እዞም ኣካላት እዚኦም ንህዝቢ ናብ ዘይኮነ ፀገም እዮም ዘእትውዎ ዘለዉ።

መንግስቲ ንህዝቢ ዝጠቕሙ ነገራት ኣብ ምስራሕን ምንቕስቃስን እዩ ዘሎ። እዞም ኣካላት እዚኦም ግና ንህዝቢ ዘይጠቅም ንፅቡቕ ተግባራት መንግስቲ ብተፃራሪ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዩ ነገራት ከቕርብ እንተሎ ዕንቕፋት እናኾንዎ እዮም ዝርከቡ። እዚ ኣካይዳ እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞ ኣይኮነን። ኣብዛ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ጥራሕ እዩ ዘድልዮ። ህዝቢ ትግራይ ሰላማዊ ዝኾነ ናብራ ክነብር እዩ ዝደሊ። ስለዚ ህዝቢ ኣብ ምድንጋር ዝርከቡ ኣካላት ናብቲ ትክክለኛ መገዲ ክምለሱ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ዝተወለዐ ኵናት ስዒቡ ብዙሕ ሰብ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እዩ ዝርከብ። መንግስቲ ይኹን ካልኦት ኣካላት ነዚ ተመዛቢሉ ኣብ ፀገም ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ክረባረብ ይግበኦ። ኣብ ሓሶት ዝተደረኸ ፕሮፖጋንዳ ተጠቒምካ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ፀገም ክኣቱ ምግባር ፍፁም ጌጋ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝተፀመዱ ኣካላት ካብዚ ተግባር እዚ ክቑጠቡ ይግበኦም ይብል።

ሰላምን ልምዓትን ከይህሉ ዘተዓናቕፉ ዘለዉ ኣካላት ንህዝቢ ናብ ዝገደደ ፀገም እዮም ዘእትውዎ ዘለዉ። ፀገም ዝፈትሕ ሓሳብ እናቕረቡ ኣይኮኑን ዝርከቡ። ኣብ ወፃኢ ኮይኖም ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩ መሲሎም ብዝተፈላላየ መገዲታት ተጠቂሞም ሰላምን ራህዋን ከይህሉ ካብ ምዝራግ ሓሊፎም ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣብ ምሓዝ እዮም ዝርከቡ። እዞም ሓይልታት እዚኦም ንህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣይንሰድድን ዝብሉ እንተኾይኖም ንህዝቢ ኣይሓልዩን ማለት እዩ። እዚ ዘሪእየካ ህዝቢ ንምጥቃም እንተይኮነስ ንባዕሎም ረብሓ እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኦም ካብ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ክቑጠቡ ከምዘለዎም እየ ከተሓሳስብ ዝደሊ።

ነዞም ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዘቕርቡ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ናይ ምቕላዕ ስራሕቲ ኣበርቲዑ ክሰርሕ   ይግበኦ። ብርግፅ ምቕላዕ ጀሚሩ ኣሎ እዩ። ግና ክንድትዝድለ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እቶም ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሑ ኣካላት ‹‹ዓሌት ናይ ምፅናት እዩ›› ኢሎም እዮም ዘቕርብዎ ዘለዉ። ኮይኑ ግና እዚ ፕሮፖጋንዳ ንህዝቢ ዘደናግር እምበር ዝጠቅም ኣይኮነን። እዚ ኣብቲ ባይታ ዘየለ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ነዚ መንግስቲ ኣብ ምቐላዕ እናሰርሐ ነቲ ሓቂ ከውፅኦ ኣለዎ። በርግፅ እቲ ሓቂ ቐስ ብቐስ እናወፀ ይኸድ ኣሎ እዩ።

መንግስቲ ዓለም ለኸ ሚድያታት ኣትዮም ክፅብፅቡ ምፍቃዱን ከምኡ እውን ትካላት ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ኣትዮም እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ከፅንዑ ምግባሩ ዝነኣድ ተግባር እዩ። እዚ ኩልና ንድግፎ ሓሳብ እዩ። እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ኣፃሪኻ ንህዝቢ ግልፂ ክግበር ኣለዎ። ነዚ ከንበድብድዎ ዝደልዩ ዘለዉ ኣካላት ከዓ ቦታ የስእኖም እዩ። ንሳቶም ክሕተትሉ ዝግበኦም እዩ ንመንግስቲ ተሓታቲ ክገብሩ ዝደልዩ ዘለዉ። ኣብ መከላኸሊ ሰራዊት ሃገር ጀኖሳይድ ዝፈፀመ እኮ ህወሓት ባዕሉ እዩ። ህወሓት ህዝቢ ነንባእሉ ክጫፋጨፍ እዩ ደልዩ ነይሩ። ግና ህዝቢ መስተውዓሊ ስለ ዝኾነ ነዚ ኣይገበሮን። ህወሓት ከምዝሓሰቦ ክኾነሉ ኣይካኣለን የግዳስ ኩሉ ዝሓሰቦ ፈሺሉ ቐርዩ አዩ።

መንግስቲ ፅቡቕ ዝባሃል ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። እዚ ክምስገን ዝግበኦ ተግባር እዩ። ኣብ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተፈፀሙ ጌጋታት ብኣግባቡ ተመርሚሮም መስተኻኸሊ ክግበረሎም ኣለዎም። ህዝቢ ‘ውን ካብ ምድንጋር ወፂኡ ነገራት ብደንቢ ሪኡ ከመዛዝን ኣለዎ። ከም በዓል ሚድያ ቲ.ኤም.ች (TMH) እናሰምዐ ክዳናበር የብሉን።

ወጋሕታ፡ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ካብ ሕዚ ንድሓር ህወሓት ኣብ ንፋስ ዝተበተነ ሕሩጭ ማለት እዩ ኢሎም ኣብ ፓርላማ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር እዩ። ንሶም ኣብዚ ሓሳብ እዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ እዩ?

ኢንጅነር ግደይ፡ ሓቂ እዩ፤ እቲ ዋና ዝባሃል ሓይሊ ተወቒዑ እዩ፤ ሕዚ ተረፍ መረፍ እዮም ዘለዉ። ኮይኑ ግና እዚኦም ተኣኻኺቦም ከይጠናኸሩ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ። መንግስቲ ብኵናት ጥራሕ ተይኮነ ብፖለቲካ ‘ውን ከዳኽሞም ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ዘይጠቕሞ ምዃኑ ሪኢዎ እዩ። ነዚ ‘ውን እዩ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክፈርስ ዝኸኣለ። ብልቡ ኣሚንሉ ዝቃለስ ተጋዳላይ የለን። መንግስቲ ካብ ህወሓት ዝሓሸ ኮይኑ እንተተረኺቡ ህወሓት ብህዝቢ ድጋፍ ክረክብ ኣይኽእልን። ስለዚ መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ዝበለፀ ኣሰራርሓ ከርኢ ኣለዎ። ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ክትስእ ኣይኽእልን እዩ። መንግስቲ ዝሓሸ ኣሰራርሓ ዘርኢ ተኾይኑ ህዝቢ ባዕሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ፀቒጡ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ።

ብርግፅ መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ዝኸዶ ክያዶ ንእሽተይ ኣይኮነን። እቲ ሕዚ ናይ ምዝራብ ናጽነት ተረኺቡ ዘሎ ቀሊል ኣይኮነን። ህዝቢ እኮ ክሳብ ሕዚ ብናጽነት ከይዛረብ ተዓፊኑ እዩ ነይሩ። ሓሳብካ ብናጽነት ከትገልፅ ምፍቃድ ዓብዪ ነገር እዩ። ሕዚ ከም ኣብ ፍትሒን ማዕርነትን ዝመሳሰሉ ነገራት ጎዶሎታት ከይህልዉ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ምስቲ ብቐረባ ዝዳዎብ ህዝቢ ትግራይ ርክብን ሕውነታዊ ቚጠባዊን ክጠናኸር ከምዘለዎ መንግስቲ ገሊፁ እዩ። እዚ ከመይ ይሪእዎ?

ኢንጅነር ግደይ፡ እዚ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ስራሕ እዩ። ንህዝቢ ዝጠቕሞ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ርክብ እዩ። ኮይኑ ግና ክንርደኦ ዘለና ኣብ መንጎ ህዝቢታት ባእሲ ዝባሃል ነገር የለን። ባእሲ ዘሎ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ቕድሚ ሕዚ እቲ ዶብ ክኽፈት እንተሎ ዝነበረ ስምዒት ፍቕሪ ክልቲኦም ህዝቢታት ርኢናዮ ኢና። ህዝቢ ብሰላምን ንግድን ተኣሳሲሩ ሓቢሩ ክልወጥ እዩ ዝደሊ። ርክብ ክልቲኦም ህዝቢታት ንምስላጥ መንገዲ ክኽፈት ኣለዎ። ዶብ ምናምን እናበልካ ህዝቢ ዘፋላሊ ነገር ክስራሕ የብሉን። ኢሳይያስ እውን ክሳብ ሕዚ ናይ ዶብ ነገር ኣየልዐለን ዘሎ፤ እዚ ፅቡቕ እዩ። እቲ ዝተባህለ ናብ ተግባር ብምቕያር እንዳተጣናኸረ ክኸይድ ኣለዎ። ስለዚ ክልቲኦም መንግስቲታት ኣብዚ ኩነታት እዚ ብዕምቆት ክሰርሕሉ ክኽእሉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኢንጅነር ግደይ፡-ኣነ’ውን የመስግን።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

             

Recommended For You