‹‹ኢትዮጵያ ምስ ሱማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ስምምዕ ምጥቓም በሪ ባሕሪ ተደጋጊፍካ ንምዕባይ ዝሕግዝ ‘ዩ›› -ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ

ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ ፕረዝደንት ኢንስቲትዩት ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ‘ዮም። እዚ ትካል ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ንክኽበር ዝሰርሕ’ዩ።

ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምውን ዝኣመሰሉ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝሟገትን ነዚ ዕላማ ሒዙ ዝጓዓዝ ትካል ‘ዩ። ናይዚ ትካል ፕሬዝዳንት ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ ኣልጀዚራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ሚድያታት ብዛዕባ ግድብ ዓባይ ክንዲ ኢትዮጵያ ኾይኖም ረብሓ ኢትዮጵያ ንክኽበር ክሳብ ሐዚ ብሓሳብ ዝምጉቱ ‘ዮም።

ሎሚ ቕነ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ዝተፈራረመቶ ፌርማ ኣዲሂብና ምስ ኣይተ ያሲን ባዕጋይ ፃኒሒት ዝገበርና እንትንኸውን ሙሉእ ትሕዝትኡ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

 ወጋሕታ፡- ሎሚ ቅነ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምጥቓም ሂብካ ምቕባል ብዝብል መትከል ምስ ሱማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ ከመይ ተዓዚቦሞ?

ኣይተ ያሲን፡- ከም ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ዓመት ዘሕጉስ ዜና ኢና ሰሚዕና፤ እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ስምምዕነት ‘ዩ።

እዚ ስምምዕነት ንኽልቲአን ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ። እዚ ስምምዕነት ነዘን ክልተ ሃገራት ናይ መጀመርያ ብምዃኑ ብጣዕሚ ዓብዪ ዕድል ‘ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ከምዝበልዎ ኢትዮጵያ በር ባሕሪ ንክትረክብ ሰላማዊ ዝኾነ መገዲ ከምትጥቀም ‘ዩ።

እዚ ድማ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጂኦፖለቲካ ዝቕይር ‘ዩ፤ ናይ ዞባዊ ቁጠባ ሓበራዊ ረብሓ ከምፅእ ዝኽእል ‘ዩ። ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኾነትስ ምስ ካልኦት ‘ውን ስምምዕነት ኣለዋ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ድማ ዓባይ ሃገር ስለዝኾነት፤ ዝኾነ ሰላም ዘላቒ ክኾን እንተኾይኑ ኣብ ዞባዊ ቁጠባ ረብሓ ዝተመስረተ ክኾን ይግባእ።

ኢትዮጵያ ድማ ከም ዓባይ ሃገርን ከም ዋና ከተማ ናይ ኣፍሪካ ብምዃና እዚ ድማ ኣብ ሰላም እትገብሮ ምንቅስቓስ ዓብዪ ግደ ኣለዋ፤ ኣብ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ፀጥታ ምሕላው ‘ውን ዓብይ ግደ ኣለዋ። ኣርባዓ ሚኢታዊ ናይ ዓለም ምንቅስቓስ ንግዲ ብቀይሕ ባሕሪ ‘ዩ ዝሓልፍ፤ ስለዚ እዚ ዓብይ ጉዳይ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕነት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዝመፅእ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ያሲን፡- ብዙሕ ዕድል ሒዙ ‘ዩ ዝመፅእ። እቲ ሓደ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ መንእሰይ እናተሰደደ ናብ ዝተፈላለዩ ኣውሮፓን ካልኦት ዓድታትን ካብ ዝኸይድ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝቕየረሉ መገዲ ተዝፍጠር ናይ ኹሉ ድልየት ‘ዩ።

ከምዚ ዓይነት ዕድላት እንትመፁ ድማ ንመንእሰይ ዓብዪ ዕድል ሒዙ ዝመፅእ ‘ዩ፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብዙሓት መናእሰይ ዓቕሚ ዘለዎም ምሁራን ኣለዉ ግና ስኣን ስራሕ ዕድል ምፍጣር ንሪኦም ኣለና፤ ብዙሓት መናእሰይ ባሕሪ ኣቋሪፆም ብዙሕ ፀገማት እናረኣዩን ህይወቶም እናሳኣኑን ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝሰግሩ ዉሑዳት ኣይኮኑን።

እዚ ድማ ክቕረፍ ዝኽእል ከምዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ክርከብ ከሎን ዝተረኸበ ዕድል ናብ ተግባር ብምቕያርን ‘ዩ። እዚ ከም ቀርኒ ኣፍሪካ ለውጢ ንምምፃእ እንድሕር ኾይኑ ኣብ ስምምዕነትን ሓበራዊ ረብሓ እንትምስረት ከሎ ‘ዩ።

እዚ ጥራሕ እንተይኾነ ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዎም ዕድል ንክሰርሑ ብዙሓት ነገራት ክቕየሩ ኣለዎም። እዚ ድማ ብመንግስቲ ጥራሕ እንተይኾነስ ህዝብን መንእሰይን ንመፃኢ ብሩህ ነገር ኣብ ምምፃእ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ፍልጠት ዘለዎ ብፍልጠቱ፤ ሞያ ዘለዎ ብሞይኡ ኹሉ በቢዘለዎ ዓውዲ ብምዃን እዚ ዕድል ናብ ረብሓ ንምቕያር ክሰርሕ ኣለዎ።

ብዙሕ መንእሰይ ንመፃኢ ራእይን ሕልምን ስለዘለዎ ሃገር ድማ ብናይ መናእሰይ ተሳትፎ ክትምዕብል ግድን ስለዝኾነ ‘ዩ። ኣብ ዕድል ስራሕ ‘ውን ጥራሕ እንተይኾነ ሓዳሽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ምህናፅ ‘ውን ናይ ባዕሎም ግደ ክሰርሑ ግድን ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕነት ተግባራዊ ንክኾን ካብ ካልኦት ኣካላት እንታይ ትፅቢት ይግበር? ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ምርግጋፅ ዘለዎ ትርጉም ከ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ያሲን፡- ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪካ ሓበራዊ ታሪኽን ባህልን ኣለና ‘ዩ፤ ምሁራት ቀርኒ ኣፍሪካ ከመይ ገይርና ክንሰርሕ ኣለና? ዝብል ትኹረት የድሊ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ንፈልጥ ኢና ኣብ ዝሓለፈ ታረኽ ረብሓ ማለት ሃገራዊ ረብሓ ‘ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ እዋን ግና ናይ ሓደ ሃገራዊ ረብሓ ንካልእ ኣካል ዘካፍልን ተሰጋጋሪን ‘ዩ። ናይ ሓደ ሃገራዊ ረብሓ ብናይ ዞባዊ ረብሓ ክራኣይ ኣለዎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ በዚ ምትሕብባር እንድሕር ተጀሚሩ ኣብ ዓብዪ ብርኪ ክንበፅሕ ንኽእል ኢና።

ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምሁራት ይኹኑ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ቀርኒ ኣፍሪካ መፃኢኣ ከመይ ክኾን ኣሎዎ ብዝብል ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ኣለዎም ይብል፤ እዚ ግና ኣብ ዞባዊ ቁጠባ ኣብ ናይ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ክኾን ኣለዎ።

ስለዚ እዚ ሓበራዊ ረብሓ ኣረዳድኣ ክስፋሕፋሕ ኣለዎ። እዚ ድማ ሓበራዊ ረብሓ እንታይ ማለት ‘ዩ? ኢሎም ንክትንትኑ ግንዛበ ክፈጥሩ ‘ዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ። ከምዚ ዝበሉ ስምምዕነት ናብ ባይታ ንክወርዱ እንታይ ዓይነት ተሳትፎ የድሊ እንድሕር ኢልና ኹላትና ከም ህዝቢ ዘተ ክነካይደሉ ኣለና።

እዚ ዕድል ቅድሚ ሕዚ ኣይነበረን፤ ሐዚ እዚ ዕድል መፂኡ ኣሎ ስለዚ ዘተ ከድልየና ‘ዩ። ዝኾነ ጉዳይ እንድሕር ብዘተ ተዘራሪብናሉ ‘ዩ ክስፋሕፋሕን ክምዕብልን ዝኽእል። ከመይ ገይርና እዚ ስምምዕነት እዚ ናብ ህዝቢ ነውርዶ? ህዝቢ ኸ ብኸመይ ክርደኦ ኣለዎ? እዚ ድማ ሚድያ ዓብይ ግደ ኣለዎም።

እዚ ጉዳይ ዝበለፀ ንፁር ክኸውንን እንታይ ማለት ‘ዩ ዝብል ንህዝቢ ኣብ ምርዳእ ሚድያ ዓብይ ግደ ክፃወት ተሰፋ ይገብር። ናይ ኢትዮጵያ ሚድያ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዉ ሚድያታት ፅዕንቶ ናይ ምፍጣር ዓብይ ግደ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሰዓት እዚ ግደ ናትኩም ትካል እንታይ ይመስል?

ኣይተ ያሲን፡– ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ዓረብ ሚድያ ዝተፈላለየ ሓሳባት እንሃብና ኢና ንርከብ፤ ንሕና ከም ዲፕሎማሲ ትካል ዓብዪ ግደ ክንፃወት ንኽእል ኢና። ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዘለና ተሳትፎ ሚድያ ብዓረብን እንግሊዘኛን ቋንቋ ብምጥቃም መልእኽትና ንምትሕልላፍ እናፃዓርና ኢና ንርከብ።

እዚ ንሕና ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ክሳተፍ ኣለዎ። እዚ ጉዳይ ልክዕ ከም ህዳሰ ግድብ ‘ዩ። ሚድያታት ኣብ ጉዳይ ኣባይ ዓብይ ግደ ‘ዩ ተፃዊቱ። ንሕና ኣብዚ ዘለና ድማ ብዝተኽኣለና እናተሳተፍና ንርከብ። ንሕና ከም ኣፍሪካውያን ብፍለይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓበራዊ ጥቕሚ ‘ውን ስለዘለና ከመይ ገይርና ናብ ስምምዕነት ንቐይሮ ዝብል ኣብ ምርድዳእ ክንበፅሕ ኣለና።

ኣፍሪካውያን ንኣፍሪካውያን ክንሰርሕ ይግባእ፤ ብፍላይ ድማ ከምዚ ዓይነት ሂብካ ናይ ምቕባል ጥቕምታት ዕድል እንትርከቡ ናብ ተግባር ናይ ምቕያር ግደ ክንፃወት ኣለና፤ ቅድም ኢለ ከምዝበልክዎ ኢትዮጵያ እንድሕር በሪ ባሕሪ ሃልይዋ ነቲ ጂኦፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝቕይር ናብ ዝሓሸን ዝሰልጠነን ዘብፀሓ መገዲ ስለዝኾነ እዚ ስምምዕነት ኹላትና ጉዳይ ክኾን ይግባእ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ህዝቢ ዝጠበቐ ሕውነት ‘ዩ ዘለዎ። እቲ ስምምዕ በሪ ባሕሪ ዞባዊ ጉርብትና ዘጣናኽር እምበር ልኡላውነት ናይ ዝኾነት ሃገር ዝዳፋእ ኣይኮነን። ጉርብትና ዘጣናኽርን ልኣላውነትን ካልኦት ሃገራት ዘኽብር ተገይሩ ዝተመስረተ ስለዝኾነ ‘ዩ። እዚ ስምምዕነት ድማ ብሰላም ‘ዩ ተረኺቡ ብኹናት ወይም ብጎንፂ ኣይኮነን እዚ ንባዕሉ ዓብይ ዓወት ንኹሉ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ብዕሊ ናብ ብሪክስ ዝተፀንበረትሉ እዋን ‘ዩ እዚ ሒዝዎ ዝመፅእ ረብሓ እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ያሲን፡– እዚ ዓብይ ስጉምቲ ዕብየትን ልምዓት ‘ዩ። እዚ ካብቲ እናማዕበለ ዘሎ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ዝወለዶ እቲ ሓደ ‘ዩ ፤ብሪክስ ሓደ ናይ ሚዛናዊ ፖለቲክስ ኢትዮጵያ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ሒዝዎም ዝመፅእ ረብሓታት እቲ ሓደ ንግዲ ምቅይያር ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ምስ እዘን ሃገራት ብሪክስ ብናታተን ገንዘብ ልውውጥ ንክኾን ስምምዕነት ስለዘሎ እዚ ንኢትዮጵያ ዓብይ ረብሓ ‘ዩ። ኢትዮጵያ እትኸዶ ዘላ ኣካይዳ ዲፕሎማሲ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ስለዝኾነ ብዙሕ ኣወንታዊ ውፅኢት እናረእና ኢና ንርከብ።

እዚ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት እትገብሮ ዘላ ስምምዕነትን ኣባል ብሪክስ ምዃናን እቲ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ሓድሽ ፖሊሲ ኣብነት ኣፍሪካ ዝገብራ ‘ዩ። ኢትዮጵያ መቐመጢት ዋና ከተማ ሕብረት ኣፍሪካ ስለዝኾነት ኣፍሪካውያን ‘ውን ካብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ፅቡቕ ነገራት ትፅቢት ይገብሩ ‘ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅእ ዘሎ ለውጢ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ከም ኣብነት እናራኣይዋ ‘ዮም ዝርከቡ። 

ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ድምፂ ኣብ ዓለም ንክትኾን ክንፅዕር ኣለና። ኢትዮጵያ ናይ ዞባዊ ሃገራት ኢኮኖሚ ምስ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምትእስሳር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ዞባዊ ምትእስሳር ፅዕንቶ ንምሕዳር ኢኮኖሚኣ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡ – መገዲ ዲፕሎማሲ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ?

ኣይተ ያሲን፡- መንግስቲ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ካብዚ ዝሓለፈ ድማ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ሚድያታት ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ኣለዎም። ፅዕንቶ ፈጠርቲ ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ናቱ ግደ ክፃወት ኣለዎ። እዚ ስምምዕነት ቀሊል ኣይኮነን ዓብይ ሓላፍነት ዝሓትት ‘ዩ።

ክሳብ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ብዙሕ ስራሕን ኣስተዋፅኦን የድልየና ‘ዩ። ጉዳይ ወሰን ባሕሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ሓበራዊ ዝኾነ ጥቕሚ ምዕባይ ይካኣል ‘ዩ፤ ስለዚ ሃገራት ኾኑ ህዝብታት ወታደራዊ ጎንፅታትን ኣዕናዊ ኹናትን ከም ሃገር ኣማራፂ ወይ ድማ ኣንፈት ዘይምኳኑ ብጥልቀት ምግንዛብ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ ምኽንያቱ ናይ ባሕሪ ወሰን ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ዲፕሎማስያዊ ብዝኾነ ኣካይዳ እንድሕር ዘይተኸይዱ ንሃገር ዓብይ ዋጋ ከኽፍል ዝኽእል ‘ዩ።

እዚ ንከይፍጠር ግና ኢትዮጵያ ዝተጠቐመትሉ ኣካይዳ ሰላማውን ሓበራዊን ረብሓ ዘተኮረ ስለዝኾነ እዚ ድማ ህዝቢ ‘ውን ዝድግፎ ኣካይዳ ስለዝኾነ እቲ ዝተረኸበ ስምምዕነት ናብ ባይታ ንክወርድ ብዘይ ምንም ስግኣት ሓገዝ ህዝቢ ‘ውን ኣድላይ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ያሲን፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You