«ንጠንካራ ዲፕሎማሲ  መሰረቱ ውሽጣዊ ሓድነት ‘ዩ» – ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን

ቕነ ዲፕሎማሲ ብዝምልከት ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝተገበረ ቃለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ!

ሐዚ ዝተተለመ ናይ ዲፕሎማሲ ሰሙን ምድላው ዋና ዕላማ ኣብ ሰለስተ ቁልፊ ጉዳያት ዘተኮረ ‘ዩ። እቲ ሓደ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ከም ትካል ካብ ዝተወደበ ጀሚሩ 116 ዓመት ኾይንዎ ኣሎ። ስለዚ ዝሓለፉ ዓመታት ጉዕዞና በበዘመኑ ዘዕረፎ ዓሻራ፤ ዝነበሩ ከይዲ እንመሃሮም ትምህርቲ ብምርኣይ ዲፕሎማሲ ጉዕዞ ዝድህስስ ‘ዩ ዝኾን።

ካልኣይ ድማ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ዓውደ ዲፕሎማሲ እንታይ ይመስል? እንታይ ዕድላት ኣለዉዎ? እንታይ ፈተናታት ኣለዉዎ? ብሄራዊ ጥቕምና ኣኺቢርና ንምስጋር እንታይ ክግበር ኣለዎ? ዝብል ንምርኣይ ዝጠቅም ‘ዩ።

ሳልሳይ ድማ ናይ መፃኢ ዘመን ዲፕሎማሲ ዘተኮረ ሰሙናዊ ምድላው ‘ዩ። ታሪኽ፣ ናይ ሕዚ ኩነታት፣ መፃኢ ዘመን ሰለስቲኦም ጉዳያት ብሓደ ብምትእስሳር እዚ ናይ ዲፕሎማሲ ሰሙን፤ ብፓናልን ካልኦት ፍሉይ ምድላዋት እንተኽበርናዮ ንመፃኢ እዋን ዝሓሸ ጎስጓስ ምፍጣር ይካኣል ‘ዩ ብዝብል ዲፕሎማሲና ዝብል ምድላው እናካየድና ዘለና።

ቅድሚ116 ዓመት ጥቅምቲ 4 ‘ዩ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ከም ትካል ዝተወደብ፤ ቅድሚኡ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ርክባት ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎም፣ ኢኮኖምያዊ፣ ባህላዊን ገፅታ ፀጥታ፣ብንግዲ፣ ብኻልኦትን ዝራኣዩ ምንቅስቃሳት ዲፕሎማሲ ነይሮም ‘ዮም። ካብቲ እዋን ዝነበሩ ቁምነገራት ምድህሳስ ብዝበፃሕናዮ ልክዕ ነዚ ትውልዲ ዝጠቅም ‘ዩ ከም ታሪኽ ‘ውን ዝውሰድ ‘ዩ። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከም ሓደ ሚኒስተር መስራቤት ፌዴሪኢ ኾይኑ ዝተጣየሸ ትካላዊ ምንቅስቓስ እንታይ ይመስል? ዝብል ተተሓሒዙ እንትውሰድ ዓብይ ትርጉም ኣለዉዎ።

ቀፃልነቱስ እንታይ ይመስል?

ብናትና ወገን እንሓስቦ እዚ ናይ ዲፕሎማሲ ሰሙን ሎሚ በዚኦም ሰለስተ ዓውድታት ትኹረት ዝገብር ናይ መጀመርታ ምድላው ‘ዩ። በቢ ዓመቱ ኸምዚ ስፍሕ ዝበለ እንተይኾነ ‘ውን ኹሉ ዜጋ ኣብ ተሳትፎ ዲፕሎማሲ ንክንቀሳቐስ ንምግባር ዘኽእል ኣጀንዳ ገይርካ ንምቕፃል ክንሰርሕ ኢና። በቢዓመቱ ወርሒ ጥቅምቲ ስራሕ እንትንግምግም፣ ንቀፃሊ ትልሚ እንትዳሎ እዚ እናሓሰበና ተዝኾን ህዝቢ ‘ውን ኣጀንዳ ክግብሮ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብ ዝሓለፉ ዉሑዳት ዓመታታ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ርክብ ወፃኢ ግልፂ ዝተቐመጡ ሃገራዊ ጉዳያት ኣለዉ። ናይ ዲፕሎማሲ ቐንዲ ቐንዲ ትኹረታት እቲ ሓደ ኣብ ኢኮኖሚ ዲፕሎማሲ ዘተኮረ፤ ካልኣይ ኣብ ኽልተ ሃገራት ዘተኮረ ማዕቐፍ ፖለቲካ፣ ሳልሳይ ዜጋ ዲፕሎማሲ ከም ዓብይ ማዕቐፍ ገይሩ ዝሓዘ ኣንፈት ትኹረት ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ‘ዮም።

ካልኣይ ርክብ ወፃኢ ፖሊስታት ቖላሕታ ዝገብር መጀመርያ ደረጃ ካብ ሃገራዊ ድልየት፤ ካብ ሃገር ጭቡጥ ኩነታት ተተላዒሉ ጉዳይ ወፃኢ እንትባሃል ብሄራዊ ጥቕሚ ምርግጋፅ ፤ ልኣላውነት ምኽባር ‘ዩ። ብኹሉም ዘፈር ጥቕምና ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ስለዝኾነ ካብ ሃገራውን ውሽጥናን ኩነታት ‘ዩ ዝላዓል። ካብዚ ተላዒሉ መጀመርታ ትኹረት ዝዋሃብ ንጎረቤት ሃገራት ‘ዩ ዝኾን። ጎረቤት ሃገራት ዝዋሃቦ ትኹረትን ሚዛንን ከምዘሎ ኾይኑ ቀፂሉ ድማ ናብ ኣሁጉር ኣፍሪካ ዝሳገር ‘ዩ። ቀፂሉ ናብ ኣደባባይ ዓለም። ብኽልተ ወገን ርክብ እናሰፍሐ ዝኸይድ ማዕቐፍ ርክብ ዲፕማሲ ‘ዩ ዝኾን። ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበሩ ስርዓት ኣወንታዊ ልምድታት መልዓሊ ብምግባር ርክብ ወፃኢ ኣየንኡ ከተኩር ኣለዎ፤ ካብ ዝሓለፈ ኣየንኡ ይማሓየሽ ዝብል ተወሲዱ ዝተዳለወ ‘ዩ። በዚ መሰረት ኣብ ጎረቤት ትኹረት ገይሩ ዓለም ለኸ ኢትዮጵያ ተደማፅነታን ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጥቕምን ብዘኽብር ኩነታት ንክኾን ዝገብር ‘ዩ ።

ካብ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ዋና ዋና ዝባሃሉ ተዝገልፁና?

መጀመርያ ክሳብ ሐዚ ዘለዉ ጉዕዞ፤ ዘጋጠሙ ፀገማት፤ ዝተረኸቡ ውፅኢትን ንመፃኢ እንማሃሮ እንታይ ‘ዩ? ዝብል እንተንርእይ ዝሓሸ ይኾን ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኽ ዲፕሎማሲ በቢዘመኑ ብዙሕ ፈተናታታት እናጋጠሙ ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ባዓል ግደ ኣካላትን ብህዝቢ ዋና ዓቕሚን እዚ ኹሉ እናተሳገረት ሃገርና ብዙሕ ዓሻራ ኣቕሚጣ ኣብዚ በፂሓ ‘ያ። ኣብ ዘመን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብሕታዊት ተወካሊት ፀለምቲ ህዝብታት ኾይና ‹‹ሊግ ኦፍ ኔሽን›› ዝተዓደመትሉን ዝተፃወተቶ ታሪኻዊ ግደ፤ ምስ እዚ ኣተሓሒዝና ታሪኽ ፀለምቲ ህዝብታት ብዙሕ ዝርዝር ጉዳያት እንትንርኢ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ርክብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኾነስ ንኣፍሪካ ፀለምቲ ህዝብታት ዝተፃወተቶ ግደ ብደንቢ ገይርካ ምርኣይ ይካኣል።

ዘጋጠሙ ፈተናታት ክንደይ ዝኣክል ፈተንቲ ከምዝነበሩ በቢ ዘመኑ ዓሻራ እናዕረፍና ዝመፃና ናይ116 ዓመታት ጉዕዞ ኣሎ። ኣብዚ ከይዲ ጉዕዞ ኣብ ዘመነ ለውጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እንተሪእና ብጣዕሚ ዝኸፍአ ፅዕንቶ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓረፈሉ ግዜ ‘ዩ። እዚ ንምስጋር ኢትዮጵያውያን፣ መንግስትን ፈተውቲ ዓድን ዓብዪ ቃልሲ ዝገበርሉ ዘመን ‘ዩ። በቢ ዘመኑ ዝነበሩ ብዙሕ ፈተናታትን እዚ ንምስጋር ዝተሰርሑ ጥበባት በቢባዕሎም ሚዛን ኣፍልጦን ኣክብሮትን ምሃብ የድሊ።

እቲ ለውጢ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ሪፎርም ኣዊጁ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ርክብ ጉዳይ ወፃኢ ማዕቐፋት ኣማሓይሹ ብዜጋ ዲፕሎማሲ፣ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ተተሓሓዝቲ ዝኾኑ ጉዳያት ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ተሳገርቲ ዝኾኑ ጉዳያት፤ እቲ ለውጢ ዘምፀኦም ኣጀንዳታት፤ ባዕሉ ኩናት ዲፕሎማሲ ናብ ፍሉይ ፈተናታትን ዕድላትን ንክኣቱ ገይርዎ ‘ዩ። ንኣብነት ግድብ ህዳሰ እንተሪእና ቅድሚ ለውጢ ዓመታት ዘቑፀረን ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ እናተረባረበ እናሳገሮ ዝነበረ ፕሮጀክት ‘ዩ። ናይዚ ለውጢ ዘመን ድማ እዚ ብምርካብን ዘለዉዎ ዕንቅፋት ናብ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ንክኣቱ ዘመቻቸወ ‘ዩ። ግድብ ህዳሰ ባዕሉ ብዲፕሎማሲ ዝተጀመረን፤ ኣብ ዘመን ለውጢ ዓብዪ ፅዕንቶ ንክዓርፈና ዝገበረን ብዙሕ ፈተናታት ኢትዮጵያ ዝሓለፈትሉ ‘ዩ።

እቲ ሓደ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ፅዕንቶ ኣብ ኢትዮጵያ በፂሕዋ ‘ዩ። ካልኣይ ለውጢ ብዘይምቕባልን ካልኦት ምኽንያትን ቀፂሉ ድማ ዓብይ ኹናትን ሃገር ዝፈተና ፀገማት ኣጋጢሙ ነይሩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብዙሕ ፅዕንቶ ኣብ ኢትዮጵያ ወሪዱ ነይሩ ‘ዩ። ሓደሓደ ሃገራት እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመን ንኣብነት ሱዳን ግዚኡ ተጠቒማ ወረራ ዘካየደትሉ፤ ግብፅን ሱዳንን ናብ ሓባር ወታደራዊ ስምምዕነት ብምግባር ኣብ ከባቢ ዶብ ምንቕስቓስ ዝገበርሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ዓለም ኣደባባይ ብሴኩሪቲ ካውንስል ጥራሕ ልዕሊ 13 በቢወርሑ ሓደ ግዜ ኣጀንዳ እናተገበረት መተንፈሲ ዝሳኣነትሉ እዋን ነይሩ። ኣብቲ እዋን ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ፀገማት ኢትዮጵያ እናፈተንዋ ነይሮም። ንኣብነት ኮቪድ ፀገም ዓለም ኾይኑ ኣብ ኢትዮጰያ ዝነበረ ፈተና ንባዕሉ ከይዲ ዲፕሎማሲ ዘወሳሰበን ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፅዕንቶ ዝነበሮ ‘ዩ ነይሩ። ዝተፈላለዩ ማዕቐባት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ሰብኣዊ መሰል ተተሓሒዙ ክስታትን ብጄኔቫ ብተኸታታሊ ኣብ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዝነበረ ፅዕንቶ ምልዓል ይካኣል ‘ዩ።

ብወገን ዩኤስ ዓብይ ፅዕንቶ ዘሕደሩ ናይ ኢኮኖሚን ካልኦት ማዕቐብ ውሳነ ዝተሓላላፍሉ፤ ኢትዮጵያ ክፍትኑ ዝኽእሉ ኣጀንዳታት ብሙሉኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፅዓንሉ፤ ሓደ ሓደ ሃገራት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ብሓደ ግዜ ኣውፅኢኻ ኢትዮጵያ ንክትቕበል ዓብይ ፅዕንቶ ንክፍጠር ዝተገበረሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ሃገር ዝግበር ኹናት መዲና ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ንዲፕሎማሲ ዘይትምችውን ንድሕንነት ስግኣት ስለዝኾነት ዉፁ ናብ ዝብል ኣድማ ዝኣተዉሉ፤ ኢንባሲታት እናዓፀዉ ንምውፃእን ኹሉ ነገር ንክፅልምት ዝተሰርሐሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ። ካልኦት ብዝርዝር ዘየእተኽዎ ጉዳያት እንትውሰኹ እዚኦም ዓመታት ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ዝፈተንዋን ኣብ ዓብዪ ፈተና ውሽጢ ዘእተይዋ ጉዳያት ‘ዮም ነይሮም።

ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ካብ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ወፂኡ ናብ ካልኦት ኣካላት ንክኸድ፤ ድርድር ሰላም ተባሂሉ ዝተትሓዘ ኣጀንዳ ካብ ኣጀንዳ ኣፍሪካዊ ወፂኡ ካልኦት ኣካላት ክቆፃፀርዎ ዝደለይሉ፤ ስብኣዊ ሓገዛት ምቅስቃስ ንካልኦት ኣገልግሎት ኣጀንዳ ምውዓል ዲፕሎማሲ፣ ድልየት ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ንምምብርካኽን ኢድ ንምጥምዛዝን ከም መሳርሒ ዝተወሰድሉ ነይሩ። ብሓፈሻ እቶም ፅዕንቶ ተቖፂሮም ኣይውድኡን ኢልካ ምቕማጥ ይካኣል።

እዞም ፅዕንቶታት ከመይ ተሳጊርና? ዝብል ብሓፂሩ እንትቅመጥ።

ናይ መጀመሪያ ፍልፍል ዓወትን ሃፍትን ፅንዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ከም ሃገር ብርታዐ ኢትዮጵያን ብልሓትን ጥበብና እቶም ተዋሳእቲ ከምኡ ‘ውን ናይ ፈተውትና ሓቢሮም ደው ምባል ይኸውን ማለት ‘ዩ። በዚኦም ኣርባዕተ ጭብጥታት ጥሙር ውፅኢት ኢትዮጵያ ነዚ ፈተና ተሳጊራ እቲ ዋና መስመራ ከይለቀቀት ኣብ ታሪኽ በቢ ዘመኑ ዝተሳገርናሎም ሉአላዊነት ሃገር፣ ሓድነት ግዝኣትን ብሄራዊ ረብሓ ብምኽባር ነዚ በረድ ንምስጋር ትኽእል ‘ያ። ‘ዚ ዓወት ካም ዓቢዪ ዓወት እንትወስድ እቲ ዋና በዓል ቤት ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሙዃኑ ክስመረሉ ይግባእ ማለት ‘ዩ።

ከም ትምህርቲ እዚ ንምስጋር ዝስራሕ ዝነበረ ስራሕ እንታይ እዩ?

ብሰፊሕ ዓቅሚ ህዝቢ ውሽጢ ኮይኑ እቲ ዲፕሎማሲ እንትንቀሳቀስ ቀዳማይ ትክክለኛ ኣጀንዳ ኢትዮጵያ፣ ኢትዮጵያ ዓርሳ ክትገልፅ ኣለዋ። ዓርሳ (ዲፋይን) ክትገብር ኣለዋ። ስለዝኾነ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝተፈላለዩ ወገናት መትከል ኢትዮጵያን ምርዳእ፤ ብኻልኣይ ብርኪ ድማ በስምዒት ዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ዝመፅኡ ነገራት ናይ ምልዛብ ስራሕ ዓብዪ ጥበብ ኮይኑ ‘ዩ ዝርአ። ብሳልሳይ ብርኪ ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ እዋን ፈታዊ ምብዛሕ የድሊ። ፍተውቲ ብትኽክል ተረዲኦም ሓቢሮም ደው ንክብሉ፤ ኢትዮጵያን ኮይኖም ንረብሓና ብፅሒቶም ንክዋፅኡ ንምግባር ዘኽእል ስራሕ ተረድእ፤ ፅዕንቶታት ተለዝብ ኩሉ ብምግታር እቲ ኽሪ ክብጠስ ብምግባር ዘይኾነስ ዘሳግረካ ጥበብ ብምኽታል ፈታዊ ተብዝሕ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ዓቅሚ በዚኦም ጥበባት ርክብ በቢደረጅኡ ብዝተሰርሐ ስራሕ ነዚ ምስጋር፣ እቲ ዲፕሎማሲ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ (ሪኢንጌጅመንት) ዝብል ታክቲክ ዘርግሕኻ ብኡኡ ‘ዩ ዝስራሕ ዝነበረ፤ ኩነታት ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ እንትሰጋገር ድማ ካብኡ ሕልፍ ኢሉ ብነበረ ርክብ ዝተማልአ ብምግባርን ክብ ናብ ዝበለ ርክብ ድማ ክንኸይድ ንኽእል። ቅልፅምና እናጠንከርና፤ ኢድና እናንዋሕና ርክብ ክልቲኣዊ፣ ኣብ ጎሮቤት፣ ኣብ ክልተኣዊ፣ ብብርኪ ዓለምለኸ ደው ዝበልናሉን ዝተሳገርናሉን ‘ዩ።

ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሴና ቅድም ክብል ኣብ ዘመን ትራምፕ ዋሽንቶን ካብ ኣፍሪካ ብምውፃእ ልዑል ፅዕንቶ ኣብ ዝተኻየደሉ፤ ካፍቲ ቅርቃር ውሽጢ ብምውፃእ ኣፍሪካዊን ናይ ኢትዮጵያን ኣፍሪካዊ ዋንነት ዘለዎ ድርድር ንኽካየድ ብምግባር ብጣዕሚ ዓብዪ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ብኻልኦት መግለፅታት ክልዓሉ ዝኽእሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም።

እቲ ዓርስና ናይ ምብርታዕ፣ ምፍላጥን ናይ ምርዳእን ስራሕቲ እንትንሰርሕ፤ ናይ ምልዛብ፣ ፈታዊ ምብዛሕ እንትስራሕ ሓደ ሓደ ሃገራት ቅድም ክብሉ ዝነበሩ ታሪኻዊ ሕቶ ፍትሒ ሃገርና እናሓዙ መሊሶም ብምስትውዓል ንኢትዮጵያ ደው ኢልና ነዳምፃ፤ ናይ ብሓቂ ሕቶ ፍትሒ ኣለዋ ‘ዩ ኢሎም ብግልፂ ምሳና ደው ይብሉ።

ኣብዚ ኩሉ ሁሉ ስራሕ ናይ ህዝብና ጥንካረ ፅቡቅ ነይሩ። እቲ ዲያስፖራ ኣብ ዘመቻ ምንቅስቃስ #No more እንትካየድ ሕድሕድ ዜጋ ዘለዎ ወርዊሩ ‘ዩ። ሃገሩ ንምትራፍ ማለት ‘ዩ። ኣብዚ ጉዕዞታት ‘ዩ እዚ ውፅኢት ዝተረጋገፀ፤ ኣፍቲ ‘ውን እናቀፀልና፤ እናቀፀልና ንኢትዮጵያ መትሐዚ ተባሂሉ ዝተዘየዱ ወይ ዝተሰልሑ መሕነቂ መስሪያታት ንክልዓሉ ኣብ ዓለም መዳታት ዝግበርናዮን ከምኡ ‘ውን ካብኡ ሓሊፉ ከምኒ ብሪክስ ዝበለ ሓደሽቲ ምትሕብባር ኢትዮጵያ አባል ኮይና ዝኣተወትሉ ብዩኤን ‘ውን ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሐሸ ርክብን ምንቅስቃስን ዝኣተናሉ ኩነታት ኣሎ። ብሓፂሩ ናይቲ ጉዕዞ ፈተናታት፣ ፍልፍል ዓወትን እዚ ‘ዩ።

ንመፃኢ ዘበን ምድላዋት ሃገራዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እንታይ ክመስል እዩ፣ እንታይ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ፣ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተስፋን ዕድል እንታይ ‘ዩ?

ኢትዮጵያ ዘለዋ ተስፋን ዕድልን ዝብል ሓሳብ ምስ ኣልዓልካ ሓደ ሓደ ነገር መፂኦምኒ፣ ኣነ በዚ ስራሕ ኣጋጣሚ ኣብ ስራሕቲ ርክብ ወፃኢ ኣብ ዝንቀሰሰሉ ውስን ዓመታት ከምዝተረድእኽዎ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካውያን፣ ብታሪኽን ብዝመፃእናሎም ዝተፈላለዩ መልክዓት ንኢትዮጵያ ዘለዎም ክብርን ግምትን ብጣዕሚ ዝለዓለ ‘ዩ። ሓደ ሓደ ጊዘ ኣንሕና ኣብ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ተወጢርና ኣብ ዘለናሉ ዓለም ዝፍትኑ ዛዕባታት እንትመፅኡ ኣብ ዩናይትድ ኔሽን ካልኦት አቋም ኣብ ዝወስዱሉ እዋን፣ ድምፂ ኣብ ዝስምዐሉንን እዋናት ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ብዙሕ ፀገማት ፅዕንቶታት ዘለዋ እንተኾነት ‘ውን፤ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ‘ያ፤ ኣብ ዩናይትድ ኔሽን፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዓቢይ ቦታ ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ድምፂ ኢትዮጵያ፣ ናይ ኢትዮጵያ መልዕኽትን ተፅዕኖን ብዙሕ ‘ዩ። በዚ መንፅር ውን ግደኹም ክትዋፅኡ ይግብአኩም፣እዚ ኣቋም ውሰዱ፣ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ሱምቲ ውሰዱ፣ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ድምፂ ኣስምዑ ብዝብል ዓብዪ ግምት ሂቦም እዮም ዝናገሩ። ኣብ ዘረባና ኢትዮጵያ እንታይ ኢላ ይብሃል ‘ዩ። ኣፍሪካውያን፣ ናይ ላቲን ኣመሪካ ሃገራትን ብዙሓት ሃገራት ዓለምን ንኢትዮጵያ ዘለዎም ኣረኣእያ ብጣሚ ልዑል ‘ዩ። እዚ ዝኸውን ብታሪኽን ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናይ ኢትዮጵያ ቦታ ስለዝፈልጡ ‘ዩ።

ንኢትዮጵያ ጠንካራ ዲፕሎማሲ ይሃልው እንተተባሂሉ ተፅዕኖ ፈጣሪነታ ይስፋሕ ይዕበይ እንተተባሂሉ፣ ማእኸሉ መጀመሪያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝህልወና ሃባርነትን ሓድነትን ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝህልው ጥንካረ ተራባሒነቱ ኣብ ዝኾነ ይኹን ማዕዘናት ፕላኔት ውሽጢ ይዓርፍ ‘ዩ። ስለዝኾነ ዝኾነ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ድልየታት ኣብ ኢትዮጵያ ዙርያ ጥፍኣት ከየኸተልና ስልጡንን ኣብ ሰላማዊ ኩነታት ናይ ምፍታሕ ባህሊ ምጥንኻር ኣለና። ጠንክርቲ ሃገር ምህናፅን፣ ሓቢርና ደው ምባልን ‘ዩ ዓብዪ መሰረት ተስፋ ኢትዮጵያ። እዚ ‘ዩ እቲ ዋና ኩርናዕ። ብታሪኽ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ስሚታት እነልዕሎ፣ እነቁስላን እንግዝግዛን ባዕልና ደቃ እምበር ኣብ ዓለም ኩርንዓት ንኢትዮጵያ ዘለዎ ግምትን ክብርን ዓብዪ ‘ዩ። ነዚ ክብሪ ኣንሕና በዓል ዋንኡ መራሕቲ ኮይንና ጠንኪርና ምጉዓዝን ደው ክንብልን ኣለና።

ንመፅኢ ዘበን ውሽጣዊ ሓባርነትን፣ ሓድነት፣ ብኢኮኖሚ ካብ ድኽነት ምውፅእ፣ ሃገር ኣብ ምፍታው ትኹረት ገይርና መስራሕ ይግባእ። ብባዕሉ ዝኾርዕ፣ ካብ ድኽነት ዝተላቀቀ፣ ማሕበረሰብን ህዝብን ንክህልው ምስራሕ የድሊ። እዚ ገዛ ዕዮ እንተሰሪሕና መፃኢ ዘበን ዲፕሎማሲ ብዓወት ልዕል ኢሉ ምቅፃል ይክኣል ‘ዩ። መፃኢ ዘበን ዲፕሎማሲ እንትንብየሉ ካብ ብሐዚኡ ዝርኣይ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ሃገርና ሃገራት ክሳብ ዘለው ዲፕሎማሲ ክህልዋ እዩ። ናይ ዲፕሎማሲ ዓውድን ስልትን እንታይ ይኸውን ንዝብል ድማ ከከምዝበኑ መስላፍን ምዕጣቅን የድሊ። ዲፕሎማሲ መፃኢ ዘበን ብምሕሳብ ሐዚ ዘሎ ኹነታት ዓለምን፤ ጂኦፖለቲካዊ ድሌት ሃገራት እንታይ ‘ዩ እናተብሃለ ብምንባብን መገዲ ዲፕሎማሲ ምቕናይ ይግባእ።

ሐዚ ክንርእይ ከለና ኹነታት ጂኦፖለቲካ ብዘይተገመተ ኹነታት ኣዝዩ ይለዋወጥ። ኣብ መንጎ ኣይቀራረባን እንብለን ሃገራት ዝያዳ ምቅርራብ ንርኢ። ብምትሕብባር ይፍለጣ ዝነበራ መልክዐን እናተቐየረ ብኻልእ ኣግባብ ይርኣያ፤ፍኖተ ካርታ መፃኢ ዘበን ንምቕማጥ ሐዚ ዘሎ ተለዋዋጢ ኹነታት መንቀሊ ምግባር የድልይ።

ዲፕሎማሲ ክንብል ከለና ፍኖተ ካርታ መፃኢ ዘበን ምስ ኹነታት ኣጠዓዒምኻ ተወዳዳሪ ኾይንካ ጠጠው ምባል ይሓትት። በብእዋኑ ሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት እንትመፁ ዲፕሎማሲ ተሪፉ፤ ብኻልእ ተተኪኡ ዝብሉ ሓደሓደ ሊትሬቸራት ይርኣዩ። ዝተፈላለዩ ርክባት፣ውድድር ዓለምን እስካዕ ዘለዉ እቲ ዲፕሎማሲ መልክዑ እናቐየረ ከም ዝቕፅል ምፍላጥን ናብኡ ዘብቅዕ ምድላው ምግባርን ማለት ‘ዩ።

ሐዚ ክንሪኦ ከለና ዝነበረ ኮኔክሽናል እንብሎ ዲፕሎማሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሐዚ መቃለሲ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ተሓዊሱ ‘ዩ። ኹነታት ሶሻል ሚዲያን ነቲ ላንድ ስኬፕ ቐይርዎ ‘ዩ። ነዊሕ ቖፀሮ እናተፀበኻን ፊት ንፊት እናተራኸብካ ከረትሲ ኢንጌጅመንት እኹል ኣይኮነን። ህፁፅ፣ ኣብ ኢድና ብዝሓዝናዮ ሞባይል እቲ ቴክኖሊጂ ኮንቨርጅ ገይሩ ኹሉ መረዳእታ ብሓደ ሻዕ ዝባፃሓሉ፣ሕድሕድ መራሒ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኹሉ ትዊት ገይሩ ብዝተፈላለዩ መሳርሕታት ርክብ ዝገብረሉ ዘበን ‘ዩ። ነዚ ዝምጥን ምድላውን ስራሕን ተዘይተሰሪሑ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ካብ ኢዶም ወፂኡ ኻልኦት ብዝደለይዎ መልክዑ ዲፋይን እናገበሩ ዝቕፅሉሉ ኹነታት እናተርኣየ ‘ዩ። ስለዝኾነ ነዚ ዝምጥን ዲጂታል ዲፕሎማሲ ስርዓትን ዓቕምን ብምህናፅ ተወዳዳሪ ኾይንኻ ምርካብ የድልይ።

ሐዚ እናመፀ ዘሎ ኹነታት ጂኦ-ዲጂታል ኢኮኖሚ ርክብ ኣግባብ መፃኢ ብርክብ ኢኮኖሚ ዕዳጋን ዲፕሎማሲን ንምጥቃም ዝያዳ ተደላዪ እናኾነ መፂኡ ‘ዩ። ንኣብነት ኣብ ካምፓኒ ዩኤስ ሲል ዘሎ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ኣብኡ ዘሎ ተጠቃምነት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ሓደሓደ ሃገራት ናይ ባዕለን ኣምባሳር ነቲ ተልእኾ ጥራሕ መዲበን ዝከታተሉሉን ቴክኖሎጂ ንምጥቃም ዝሰርሑሉ ኹነታት ይርኣይ ኣሎ።

ኣብ ዓለም ዘለዉ ቴክኖሎጂ ሴኪሪቲ፣ናይ ኻልኦት ዓውደ ርክብ ብሄራዊ ጥቕምን ንምኽባር ዝስርሐሉ ዕዳጋ ኣበይ ‘ዩ፤ ድሌት ዓደይ ብትኽክል ንምጥቃም ዘኽእለኒ ስምሪት እንታይ ‘ዩ፤ እናበሉ እናሓሰቡ ኣብ ዘለዉሉ ኹነታት ተወዳዳርነት ውዕል ዲፕሎማሲን እንታይ ‘ዩ፤ ብምሕሳብን ተለዋወጥቲ ዝኾኑ ኹነታት እናቐፀሉ ነዚ ኢኮኖሚ ስርሐይ ኢሎም ተመዲቦም ዝሰርሑ ኣለዉ። ከም ኣርተፌሻል ኢንተሌጀንስ ዓይነት ናዕቢ ሐዚ እናመፁን እናተስፋሕፍሑ ኣብ ዘለዉሉ ኹነታት ውዕሎ ዲፕሎማሲን ተወዳዳርነትን እንታይ ይኸውን ዝብል ምሕሳብን ምድላውን የድልይ።

ዲፕሎማታትና ነዚ ዝምጥን ዕጥቂ የድልዮም፤ ፕሮፌሽናሊዝም የድልይ ብቕዓት ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ይሓትት። ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ፤ ኢትዮጵያ ንብሄራዊ ጥቕማ ዘብቅዓ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንምግባር ምንቅስቓስ ትፅቢት ይግበረሎም። ንመፃኢ ኣዝዩ ዘይግመት ዓውዲ ዲፕሎማሲ እናተፈጠረ ምኻዱ ኣይተርፍን። ዲፕሎማሲ እንትበሃል ኣብ ሓደ ቦታ ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ኢምባሲ ወይ ድማ ቆንስላ ምኽፋት፣ ኣምባሳር ሙሻም፣ ዲፕሎማት ምምዳብ፣ ብሓደ መገዲ ጥራሕ ዝቑርቆር ጉዕዞ ዲፕሎማሲ እኹል ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ተበፃሒ ንምዃን ዘኽእለና እዚ ዘበን ዝሓቶ ኣሰላልፋን ስምሪትን ይሓትት። ስሩዕ ዘይኮነ ዲፕሎማሲ ኣድላዪ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ።

ምናልባት ሓደሓደ ግዘ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ጉዳያት ምፍፃም፤ ነታ ሃገር፣ ነቲ ኣጀንዳ ፅዕንቶ ፈጣሪ ዝኾነ ብመዳይ ዲፕሎማሲ ዘይተሰማረየ ግና ኻሊእ ዜጋ ዝያዳ ተጠቃሚ ኾይኑ ክርከብ ይኽእል። ሓደሓደ ግዘ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብ ሓደ ቦታ መልእኽተኛ ብምዃን ፣ መልእኽቲ መራሒ ንምብፃሕ፤ ሓደሓደ ጉዳያት ንምብፃሕ ነታ ሃገርን ነቲ ኣጀንዳን ፅዕንቶ ፈጣሪ ዝኾነ፤ ብመዳይ ዲፕሎማሲ ዘይተሰማረየ ግና ኻሊእ ዜጋ ዝያዳ ጠቓሚ ኮይኑ ክርከብ ይኽእል። ብመዳይ ኣትሌቲክስ ዝተፈለጠ፣ ብቢዝነስ ዝተፈለጠ፣ ብኻልኦት ኣጀንዳታት ፅዕንቶ ዝፈጠሩ ኹሎም ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ኾይኖም ዝሰርሑሉ ኹነታት እናፈጠርካ ምኻድ የድልይ።

እቲ ወፍሪ፣ ውዕሎ፣ ብሓደ ፀቢብ መገዲ ጥራሕ ዝፈስስ ዘይኮነስ ብኹሉ ኣንፈት ተጠቃምነትና ዘረጋፁ ስምሪታትን ምንቅስቓሳትን የድልይ። ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ምዕባይ የድልይ። ሐዚ ዘሎ ኣመላኻቲ ኹነታት እንታይ ይመስል፤ ኣብዚ ዙሪያ ዝዓበያ ሃገራት ቐዲሞም ኣርተፊሻል ኢንተሌጀንስን ኻልኦትን ብምጥቃም እንታይ እናሰርሑ ‘ዮም፤ ዝብል ብምርዳእ ኹሉ ግዘ ንሕና ኻሊእ ተጠቒሙሉ ዝፀንሐ ንዑኡ እናስዓብና ንነብር ክንከውን የብልናን ዝብል ‘ዩ። ሰዓብቲ ክንኸውን የብልናን ኹሉ ማዕረ ተሰሊፉ ዝሕምሰሉ፣ ዝዋሳአሉ ጥቕሙ ንምኽባር ዝንቀሳቐሰሉ ዘበን ‘ዩ ክኸውን ዝግበእ።

ኣብ ዘበናት ኻልኦት ቴክኖሎጅታት ቐዲሞም ተማሃሮም ናብ ኻሊእ ብራኸ ኣሰጋጊሮም ‘ዮም። ንሕና ድሕሪ ብዙሕ እዋን ንምስዓብ ፈቲና ኢና፤በዚ መገዲ ግና መፃኢ ዘበን ምሽካም ኣይከኣልን። ነዛ ሃገር ዝምጥና ስራሕ ከንሰርሕ ይግበአና፤ ሓደሽቲ ናይ ዓለም መዋግኢ፤ ኹሎም ዓውድታት ምስምራይ ብህፁፅ ናይ ምፍላጥ ሃገራዊ ዓቕሚ ምህናፅን በዚ ብርኪ ጥቕምና ዘኽብር ስምሪትን ውዕሎን ‘ዩ። እቲ ሓዱሽ ዲፕሎማሲ በዚ ኣንፈት ዝግራሕ፤ ነዚ ዘድልዩ ፍኖተ ካርታታት ቖፂሩ ዘቐምጥ ኹሉ ዘሰልፍ ክኸውን ኣለዎ። ልዕሊ እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝተፈላለየ ድሌት እንተሃለወ ‘ውን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንሓንቲ ሓበራዊት ሃገር ኣምባሳደር ኮይኑ ምንቅስቓስን ብቑዕ ኮይኑ ክርከብን ይሓትት ማለት ‘ዩ። መፃኢ ዘበን በዚ ‘ዩ ክቃነይ ዝግባእ።

ዲፕሎማሲና ቐዳሞት ታሪኻት ኣለውዎ። ቕድም ኢለ ከም ዝበልክዎ 116 ትካላዊ ምንቅስቓሳት ዲፕሎማሲ ኣለዉዎ። ስለዝኾነ ነዚ ብትኽክል ምዝካርን ብትኽክል ምሕሳብን ወረታት ምፍላጥን ምጥቃምን የድልይ። ኣብ ሃገርና መብዛሕትኡ ፀገም በብዘበኑ እንመፅእ ሓለፍቲ፣መራሕትን ኣብ ቅድሚት ዘለና ተዋሳእትን እቲ ናይ ቀደም ብምፍራስን ነቲ ፍርስራስ ብምድርባይ ኣብ ሓዱሽ መሰረት ንምጅማር ክንፅዕር ኢና። ኾይኑ ግና ካብ ሕሉፍ ክንምሃር ግቡእ ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ ካፍቶም ቐዳሞት ውሩያት ዲፕሎማት፣ ኣምባሳደራትን ተዋሳእትን ትምህርቲ ምውሳድ የድልይ። ኣብ ዘበን ከተማ ይፍሩ እንታይ ተሰሪሑ? እንታይ ፅቡቕ ነገር ኣሎ? ኣብ ዘበነ ኣክሊሉ ሃብተወልድ እንታይ ፅቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ? ኣብ ዘበን ኮሎኔል ጎሹ ዘውዴ እንታይ ፅቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ? ኣብ ጉዳያት ወፃኢ በዓል ስዩም መስፍን እንታይ ኣወንታዊ ስራሕ ተሰሪሑ? ኣብ ዘበን ብርሃኑ ዲንቃ እንታይ ፅቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ? ብምባል ብቕንዕና ኹሎም ሰናይ ነገራት ብምውሳድ ንሃገር ዝጠቕሙ ምስጋር የድልይ ማለት ‘ዩ። ጉዳይ ወፃኢ በዚ ብርኪ ኹሉ ግዘ ዝመሃር፣ ዝበቅዕን ትካል እናገበርካ ምምራሕ ኹሎም ዓቕምታት ዘንቀሳቕስ ክኸውን ይግበኦ። ከም መምርሒ ቤት ዕዮ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደራቱ ሚሊዮናት ከም ዝኾኑ ምፍላጥን ምሕሳብን የድልይ።

ዲፕሎማሲ ስራሕቲ ርክብ ወፃኢ ኣብ ሸውዓቲአን መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ብጣዕሚ ብዙሓት ተለዋወጥቲ ሓደሽቲ ኹነታት ዘጋጥሞ ‘ዩ። ኹሉ ግዘ ምምሃር የድልይ። ኹሉ ሻዕ ድልው ምዃን የድልይ። ኹሉ ግዘ ብሄራዊ ጥቕሚ ንምኽባር ዘኽእል ምድላው የድልይ።

ኣነ ኣብ ዘበን ሂወተይ ኣብ መዳይ ስራሕ ክሳተፍ ፈቲነ ‘የ። ተዘይተሳተፍኩ ‘ውን ኹሉ ግዘ ትምህርቲ ኹሉ ግዘ ሓላፍነት፣ ኹሉ ግዘ ምድላው ዝሓቱ ስራሕቲ ንምፍላይ ብትዕዝብተይ ሪአ ‘የ። መምህር ንምምሃር ኹሉ ግዘ የንብብ፤ ሌሰን ፕላን የዳልው፤ ድሕሪኡ ብሰሙናዊ ለሰን ፕላን ኣቢሉ መዓልታዊ የምህር። ጋዜጠኝነት ከም ፕሮፌሽን ከም ስራሕ እንትውሰድ ኹሉ ግዘ ዝምጥን ምድላውን ተልእኾን ክግበር ኣለዎ።

ዲፕሎማትነት በዚ መንፅር ኹሉ ሻዕ ድልው ምዃን ይሓትት። ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንታይ ተባሂሉ? ኢትዮጵያ እንታይ እያ ተማቕል? ፅዕንቶኣ ንምስጋር ዘኽእላ እንታይ ‘ዩ? ዝብል ምፍላጥ ይሓትት ማለት ‘ዩ። ከምዚ ዝበለ ምድላው ኣብ ሰፊሕ ዓውዲ ኾይንካ ምስራሕን ተጠቃምነት ምርግጋፅን የድልይ። ስራሕ ዲፕሎማሲ በዚ መንፅር ካብ ዝሓለፉ ወረታት እናተጠቐመ ውሽጣዊ ሓድነትን ሕብረትን እናጠናኸረ ምጉዓዝ ይሓትት። ኣብ ዓለም ንኢትዮጵያ ታሪኻ፣ ኣወንታዊ ተርኣ፣ ንህዝባ ዝምጥን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ክቕፅል ምግባር ኣድላዪ ‘ዩ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ተደማፅነት ኢትዮጵያ ድሙቕ ግዲኣ ቦታ ክሕዝ ‘ዩ። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ግድኦም ኽዋፅኡ የድልይ ‘የ ዝብል።

ኣዚና ነመስግኖም!

 ብሪፖርተራት ጋዜጣ

ወጋሕታ 2 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You