ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ፖለቲካዊ ፅዕንቶን ሓደገኛ ዝኾነ ፅዕንቶ ስጉምቲ ተቐባልነት የብሉን

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ፖለቲካዊ ፅዕቶን ሓደገኛ ዝኾነ ፅዕንቶ ስጉምትታት ተቐባልነት ዘይብሎምን ካብ ዓለምለኸ ሕግታት ወፃኢ ከምዝኾኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ፅዕንቶ ጥንታዊትን 110ሚሊየን ህዝብታት ዘለዎ ሃገር መመለሲ ናብ ዘይብሉ ጫፍ ከምዘብፅሓ ኣጠንቂቖም፡፡

ኣምባሳደር ታዬ ኣብ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዓርቢ ምሸት ኣብ ኩነታታት ትግራይ ናይ መፈለምታ ዕላዊ ዘተ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ከምዘመልከትዎ ፤መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ፀገም ንምውፅእ ካብ እኹል ንላዕሊ ዓቕሚ ከምዘለዎ ግንዛበ ብምድሓዝ ምስ ኣጋሮም ንምስራሕ ቁርፀኛ እዩ ኢሎም፡፡

ናይዚ ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝግበር ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ሃናፂ ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ዘቕረቡ ኣምባሳደር ታዬ፤ሓደ ሓደ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝገበረዎ ሓገዝ ‘ውን ከመስግን ይፈቱ ኢሎም፡፡

ብተቓራኒ ግልፂ ክገብር ዝደሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ፅዕንቶ ፖለቲካን ሓገደኛ ዝኾኑ ፅዕንቶ ስጉምቲ ተቐባልነት ዘይብሎምን ካብ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝወፂ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ኣምባሳደር ታየ፣ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ፅዕንቶ እዛ ጥንታዊት ሃገር መምለሲ ናብ ዘይብሉ ሓዳጋ ከምዘምርሓ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡

ንኢትዮጵያ እዚ ኩነታት ናብ ውሽጥና እንምከተሉን ብሓቃዊ ዝኾነ መልክዑ ዓወትናን ፀገማትናን እንግምገመሉ እዋን እዩ፡፡ እቲ ዋና ነገር ቑስልና ከመይ ክንፅግን ኣለና ዝብል እዩ፡፡

ከም ሃገር ሓደ ዝገብረና ነገር ፀገማትና ምፅዋርን ምሕላፍን ምኽኣልና እዩ፡፡ ልዕልነት ንክህልወና ዝገብረና’ውን ህዝብና ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኝነት እዩ፡፡ ድኻ ክኸውን ንኽእል ኢና፤ኾይኑ ግና ተስፋ አለና፤ንሕና እንፈትዎም ሓባራዊ ዝኾነ ታሪኻት ዘለውና ኢና፡፡ ተስፋ ኢትዮጵያ ኸዚ’ውን ከምዘሎ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀገም ብትኽክለኛ መነፅር ከምዝሪእዎን፤ዝገጠመና ፀገም ከምዝርድኡን ዝወሰድዎም ዝጠቕሙ ስጉምትታት ኣፍልጦ ከምዝዋሃቡ ተስፋ ኣለና፡፡ ኣብዚ ኸዚ ማሕበረሰብ ዓለም እንደልዮ ነገር ሓገዝ ፤ትኽክለኛ ግንዛበን ሕውንታዊ ምትሕብባርን እዩ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ዕለት’ውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብመንግስቲ ዝተወሰደ ተኹሲ ጠጠው ምባል ብምድናቕ እዚ ስጉምቲ ናይቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ካብ ምሕጋዝ መንፃር ዓብይ ጥቕሚ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ሰብኣዊ ድጋፍ ተዳሓሒዙ ዝረድኡ ትካላት ኣብቲ ትካል ዝግበሩ ሓገዛት ንምዕባይ ‘ውጠይቆም እዮም፡፡

ዝተወሰኑ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣባል ሃገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ቅዋም ብምድናቕ ሓገዞም ገሊፆም እዮም፡፡ ኣብ ተመድ ተወካሊ ሩስያ ኣምባሳደር ነቤንዚያ፤ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝፈረሰ መሰረተ ልምዓት መሊስኻ ንምህናፅ ዝገበረቶ ፃዕሪ ኣድኒቃ እያ፡፡

ጉዳይ ክልል ትግራይ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ ኢላ ሩስያ ከምትኣምን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ድማ እርግፅኛ ዘይኾኑ ሓበሬታ መልዓሊ ብምግባር ነገራት ንክጋደድ ካብ ምግባር ኽቁጠቡ ጠይቃ እያ፡፡ ናይቲ ክልል ሰላም ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዜጋታን ሃገራትን ኣፍሪካ ስጉምቲ መንግስቲ ንክድግፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተወካሊ ቻይና ኣምባሳደር ዳኢ ቢንግ፣ ውሽጣዊ ጉድኣት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ቻይና ኣስተዋፅኦ ህብረት ኣፍሪካ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ እያ፡፡ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንክልል ትግራይ ምምሕያሽ ኣድላይ ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ቤት ምኽሪ ቅዋሙ ንከስተኻኽል ኣተሓሳሲቦም፡፡

መንግስቲ ኬንያ’ውን ስጉምቲ መንግስቲ ብምድጋፍ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ከምዝበለ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ብመንግስቲ ዝተወሰደ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ከምዝድግፍ ገሊፁ፤ኣብ ትግራይ ዝተዓጠቁ ኣካላት ተኹሲ ጠጠው ንክብሉ ሓቲቱ እዩ፡፡

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You