ንልምዓት ተፋሰስን ሓለዋ ኸባቢን ሰፊሕ ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ ተባሂሉ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ቢሾፍቱ፡- ልምዓት ተፋሰስን ሓለዋ ኸባቢን ናብራ ሕብረተሰብ ካብ ምቕያር ኣንፃር ጠንካራ ዝኾነ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሕብረተሰብን ምውሃድ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡

ልምዓት ተፋሰስን ሓለዋ ኸባቢን ንረብሓ ስራሕ ግድብ ህዳሴ ዋና ዕላማ ብምግባር ብፍላይ ከባቢ ስነ ምህዳር ኣብ ምምሕያሽ ፤ናብራ ሕብረተሰብ ኣብ ምቅያር ፤ጠንካራ ዝኾነ ሃፍት ተፈጥሮን ሃፍቲ ማሕበረሰብ በምፍጣር ተጣሚሩ ከምዝስራሕ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ሃፍቲ ማይን መሬትን ዶክተር ጌቴ ዘለቀ ኣፍሊጦም፡፡

ዶክተር ጌቴ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ከምዝገለፅዎ፣ ዝስርሑ ልምዓት ተፋሰስ በፍላይ ንሓረስቶት ጥቕሚ ዝህቡን ምህርቲ ዝውስኹን፤ልምዓት ሃፍቲ ኣካል ብምግባር ክስራሕ ኣለዎ፤ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ከምኡ’ውን ብሃገር ለኸ ብርኪ ዝተሰርሑ ሃፍቲ ተፈጥሮ ማንጅመንት ስራሕቲ ተፈጥሮ ሃፍቲ ኣጠቓቕማን ፤ ምድረበዳነት ዕንቅፋት እዮም፡፡

ጥቕሚ ምንክብኻብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምስ ሕርሻ ጥራሕ ምዝማድ እቲ ሓደ ፀገም ግንዛበ ከምዝኾነን ፤ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንኣርባዓ ዓመት ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ዝተሰርሐ እንተኾነ ኸዚ’ውን ሰፊሕ ዝኾነ ምድረበዳነት ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዘሎ ዝገለፁ ዶክተር ጌቴ፤ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ኣብ ዝተገበረ ፅንዓት ክሳብ 2 ሚኢቲ ቶን ብሄክታር ሓመድ ካብ ሕርሻ መሬት ተሓፂቡ ከምዝውሰድ ኣፍሊጦም፡፡

ካብ ልምዓት ተፋሰስ ስራሕቲ ኣንጻር ዝረአ ፀገም ናይ ዘላቕነት ፀገም እንትኾን ኣብ ሓደ ተሰሪሑ ተባሂሉ ዝግበር ሪፖርት ተመሊስኻ እንትኽየድ ኣብ ቦትኡ ዘይምህላው ፀገም ከምዘሎን በዚ ድማ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ፅዕንቶ ከምዝፈጠሩ ዝገለፁ ዶክተር ጌቴ፤ ኣብ ቀረባ ዝተገበረ ፅንዓት ኣብ ኢትዮጵያ ንኣርባዓ ዓመት ዝተሰርሑ ሓላዋ ማይን ሓመድን ስራሕቲ 7ነጥቢ 7ሚልየን ሄክታር ጥራሕ ተሸፊኑ ዝረአ እንትኸውን እዚ ድማ ኣብዝሓ ኣብ ትግራይ ፤ዝተወሰኑ ኣምሓራን ኦሮምያን ከምዝሽፍንን እዚ ድማ ክሳብ ኸዚ ዝተሰርሐ ስራሕ ተፋሰስ ልምዓት ዘላቕነት ፀገም ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ሓምለወይ ሓድጊ(ዓሻራ) ስራሕቲ ክንምልከት ከለና ተኽሊ ምትኻል ጥራሕ እኹል ኣይኾነን ዝበሉ ዶክተር ጌቴ፤ ዝተኸልናዮም ተኽልታት እናተመላላስና ዕብየቶም ምክትታል ከምዘለና እዚ ደማ ሎሚ ፅባሕ እንተይበልና ኣብ ተግባር ክነሪኦ ኣለና ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡

ተኽሊ ምትኻልን ምንክብኻብን ንሃገርን ህዝብን እንህቦ ሓደራ እዩ፤እዚ ድማ ምስ ዝምልከቶም ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ብምቅንጃው ክስራሕ ከምዘለዎ ገሊፆም እዮም፡፡

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You