ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንበጀት ዓመት 2014 ብር 561 ነጥቢ 7 ቢሊየን ኣፅዲቑ

 መሠረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብተረኸቡሉ ኣብ ተኻየደ መበል ሓምሻይ ዘበን ሻድሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ራብዓይ ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንበጀት ዓመት 2014 ብር 561 ነጥቢ 7 ቢሊየን ኣፅዲቑ:: ኮቪድ ካብ ዘጋጥም ንደሓር 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ከምተረኸበ ተገሊፁ፡፡

እቲ ባይቶ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2014ንን ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ብዝምልከት ዘልዕሎም ሕቶታትን ዝህቦም ርእይቶታትን እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ምላሽ ሂቦም።

ብመሰረት እዚ በጀት መፍረያይነት ንምዕባይ ዝሕግዝን ምስ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነን ገሊፆም።

እቲ በጀት ኣብ 2014 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ኣገልግሎትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል ብር 162 ቢሊየን ፣ ንካፒታል በጀት ብር 183 ነጥቢ 5፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ ብር 203 ነጥቢ 95 ቢሊየን ፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብር 12 ቢሊየን ብድምር 561 ነጥቢ 67 ቢሊየንን ንክኸውን ዝቐረበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ባይቶ ኣብቲ በጀት ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን በጀት 2014 ዓ.ም 561 ነጥቢ 67 ቢሊየን ንክኸውን ኣፅዲቑ።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ልዑል ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኮቪድ ሓደ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ እንትኸውን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኮቪድ ብተወሳኺ ዕስለ ኣምበጣ ሓደጋ ውሕጅን ኣጋጢሙ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ ጎንፂ ብምግጣሞም እውን ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኢዮም።

ዝተጀመሩ ፕሮጀክቲታት ልምዓት ብግዚኦም ብዘይምዝዛሞም ኣብ ኢኮኖሚ ተወሳኺ ፅዕንቶ ኮይኖም ኢዮም፡፡

 ብብርኪ ዓለም’ውን ልዑል ናህሪ ዕዳጋ ኣጋጢሙ ኢዩ፤ ብምኽንያት እዚ ካብ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ከም ነዳዲን ዘበናዊ ዱኽዒን ዝበሉ ፍርያታት ስለዘኣትዉ ተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ኣጋጢሙ ኢዩ ኢሎም።

ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፣ ኮቪድ ካብ ዘጋጥም ንደሓር 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ተራኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት ፅቡቕ ክረምታዊ ማእቶት ይህሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ስለዘሎ፣ ብዘይተለመደ መልክዑ ፍርያት ስርናይ ሓጋይ ምፍራይ ስለዝተኸኣለ፣ ቡን ብበዝሒን ዓይነትን ምፍራይ ስለዝተኸኣለ፣ ካብ ፍርያት መዓድን ካብ ቡን ቐፂሉ ልዑል መጠን ዘለዎ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ብዝሐሸ መልክዑ ዕቤት ክህሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሎም።

ንፈለማ እዋን ካብ ፍርያት ስርናይ ሓጋይ 15 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ከምተኣከበ ዝገለፁ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ፣ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታት 18 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርኢዩ እዩ፣ ኣታዊ ሕድሕድ ዜጋታት ልዕሊ 1 ሺሕ ዶላር ኮይኑ ኢዩ ኢሎም።

ፅዕንቶ ዕዳ ብዝምልከት ካብ 37 ናብ 26 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝተኸኣለ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፣ነዙይ ቀንዲ ምኽያታት ድማ ዝተወሰኑ ዕዳታት ምኽፋል ስለዝተኸኣለ፣ መጠን ኤክስፖርት እናወሰኸ ብምምፅኡን ካልኦት ምኽያታትን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብዝምልከት ኣብ ልዑል ፅዕንቶ እናሃለወት’ውን እንተኾነ 20 ሚኢታዊ ከዓቢ ክኢሉ ኢዩ::ናብ ወፃኢ ዝተለኣኹ ፍርያታት 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ተረኺቡ ኢዩ ኢሎም። ካብ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣቱ ሸቐጣት’ውን ብ 0 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ክዓቢ ክኢሉ ኢዩ፡፡

ኣፈፃፅማ ፕሮጀክታት ብዙሕ ዝተርፎ ይኹን’ምበር ምምሕያሽ እናርአየ ከምዝመፅአ ገሊፆም። ኣብዚ ዓመት 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ኣታዊ ተረኺቡ እዩ ኢሎም።

ኢንቨስትመንት ውሽጢ ዓዲ ንምብርትታዕ ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ገሊፆም፤ ባህሊ ቁጠባ እናዓበየ ከምዝኾነን ኣብዚ ሕዚ እዋን ባንኪታት ልዕሊ 66 ሚሊየን ዓማዊል ከምዘለዉዎም ኣመልኪቶም። ኣብ ባንኪታት ዝዘዋወር ገንዘብ እውን ልዕሊ ብር ሓደ ትሪሊየን ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ’ውን ፈልሲ ብምትካል ብኽነት ማይ ብምቕናስ ንገዛእ ርእስኻ ብምጥቃም ካልኦት ንክጥቀሙ ክግበር ኢዩ እውን ኢሎም። ሰላምን ምዕባለን ንምምፃእ ብምትሕብባር ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You