ካብ ቤት ማዘጋጃ ስጋብ ኣደባባይ መስቀል ዘሎ መንገዲ ኩል ግዜ ሰንበት ካብ ተሸከርካሪ ናፃ ከምዝኾን ተገሊፁ

መሠረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቐ ካብ ቤት ማዘጋጃ ስጋብ መስቀል ኣደባባይ ዘሎ መንገዲ ኩል ግዜ ሰንበት ንፍርቂ መዓልቲ ካብ ተሸከርካሪ ናፃ ከምዝኾን ተገሊፁ፡፡

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተረኻባሉ‹‹መንገዲ ንሰብ›› ብዝብል ቴማ መርሃ ግብሪ ጉዕዞ እግሪን ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ኣብ ቸርችል ጎዳናን ኣብ ተመረፁ 15 ከባቢታት ናይ ብስክሌት፣ጉዕዞ እግርን ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተኻይዱ እዩ፡፡

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ፣ካብ መዘጋጃ ቤት ኣዲስ ኣበባ ስጋብ ኣደባባይ መስቀል ዘሎ መንገዲ ኩል ግዜ ሰንበት ንብስክሌተኛታት፣ንእግረኛታትን ንዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምንቅስቃስ ካብ ተሸከርካሪ ናፃ ከምዝግበር ገሊፀን::

እዚ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ናይ ምግባር ልማድ እናወሰኸ ንዝመፅአ ናይ ከተማ ነባሪ ንምብርትታዕ ከምዝኾነ ኣመልኪተን፣ ናይ ርክብ ነኒባዕሊና ንምጥንኻርን ንምቅርራብን ዘለዎ ብፂሒት ዝልዓለ ምዃኑ’ውን ተዛሪቦም::

ምክትል ዳይሬክተር ኤጀንሲ ትራፊክ ማነጅመንት ኣዲስ ኣበባ ኢንጀነር ብርሃኑ ግርማ፣ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት‹‹መንገዲ ንሰብ›› ብዝብል ቴማ ኣማራፂ መንገዲ ንምፍጣር፣ስፖርት ብቕዓት ኣካል ንምብርትታዕን ምቹው ከባቢ ንምፍጣር ክስራሕ ከምዝነበረ ጠቒሶም::እዚ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም::

አብ ቐፃሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተመረፁ 15 ቦታታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰንበት ካብ ተሸከርካሪ ናፃ ብምግባር ንሞተር ኣልቦ ብስክሌተኛታት፣እግረኛታትን ንዝተፈላለዩ ስፖርትታት ክፉት ከምዝኾኑ ገሊፆም::

ካብ ቤት ማዘጋጃ ስጋብ መስቀል ኣደባባይ ዘሎ ጎደና ቸርችል መንገዲ ግና ብፍሉይ ኩነታት ኩል ግዜ ሰንበት ስጋብ ቀትሪ ሰዓት 6 ናፃ ብምግባር ንሞተር ኣልቦ ብስክሌተኛታት፣እግረኛታትን ስፖርተኛታት ብዘይ ምንም ስግኣት ብነፃነት ንክንቀሳቀሱ ከምዝግበር ተዛሪቦም::

ሓላፊ ቢሮ መተሓባበር ወለንታዊያን መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ ብወገኖም፣መንገድታት በዚ መልክዑ ድልው ብምግባር ጥዕና ማሕበረሰብ ንምሕላውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ንዝመፅአ ስፖርታዊ ምንቅስቃስ ልምዲ ንምዕባይ ዓብይ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም::ብፍላይ ንሱስ ተጋለፅቲ ዝኾኑ መናእሰይ ካብ ሱስ ንክርሕቑ ብምግባር እጃሙ ዓብይ ምዃኑ ኣረዲኦም::

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በቢ ከባቢኡ ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ጥዕና ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ናይ መናእሰይ ስብእና መህነፂ ማእከላት ብዙሕ መናእሰይ ንምልዋጥ ምኽንያት እናኾነ ምምፃኡ ከም መርኣያ ኣልዒሎም::

 ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You