‹‹ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብር ስምምዕነት ምፍርራሙ ታሪኻዊ ምዕራፍ ’ዩ ››  መምህር ግርማይ ገብረፃድቕ

መመህር ግርማይ ገብረፃድቕ ኣብ ትግራይ ዞባ ምብራቕ ዓጋመ ከተማ ዓድግራት ተወሊዶም ዝዓበዩ ‘ዮም:: ካብ ቐዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ‘ውን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ወዲኦም:: ኣብ ዘመነ መንግስቲ ሃይለ ስላሴ ንፉዕ ተማህራይ ብምንባሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ተገይሩ ብዲፕሎማ ተመሪቖም::

ዲፕሎማ ኣብቲ እዋን ኣዝዮም ብሉፃት (ቶፕ) ተማህሮ ‘ዮም ዝኣትውዎ ነይሮም:: ምስ ተመረቑ ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣብ ወረዳ ሳሕርቲ ሳምረ ሓደ ዓመት ምስ ሰርሑ ካብኡ ተቐይሮም ናብ እንትጮ ከይዶም ሰለስተ ዓመት ኣብ እንትጮ ድሕሪ ምስርሖም እንደጋና ናብ ዓድግራት ተመሊሶም ኣብቲ ዝተማሃርሉ ቦታ ክልተ ዓመት ሰሪሖም:: ካብኡ ቐፂሉ ኣብ ባህርዳር ብዩኤንዲፒ ዝማሕደር ኮሎጅ ነይሩ ናብዚ ኮሎጅ እዚ ካብ ትግራይ ምስ ካልኣዮም ተመሪፆም ከይዶም ብፔዳጎጂካል ሳይንስ ተመሪቖም ወፂኦም::

ካብኡ ምስ ወፁ ‘ውን ኣብ ወለጋ ነቐምቲ ሓደ ዓመት ኣብናይ ቲታኤ ኮሎጅ ዘምሃሩ እንትኾኑ ካብኡ ብምቕፃል ናብ ኤርትራ ክፍለ ሃገር ተዛዊሮም ናብ ከባቢ ክልተ ዓመት ብመምህርነት ምስ ኣምሀሩ ብዝነበሮም ብቕዓትን ክእለትን መሰረት ብናይ መንግስቲ ድሌት ኣብ ኤርትራ ክፍለ ሃገር ናይ ሕዚ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ማስታወቕያ ሚኒስቴር ኣብ ሚድያ ‹‹ኢትዮጵያ›› ዝብል ብኣምሓርኛ ዝፀሓፍ ዝነበ ጋዜጣን ‹‹ሕብረት›› ዝብል ብትግርኛ ዝፀሓፍ ዝነበረ ጋዜጣን ሰሪሖም ‘ዮም:: ከምኡ ‘ውን ኣብ ናይ ኢህአዴግ ዘመን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣብ ናይ ስፖርት ኮሙሽን ላዕለዋይ ኤክስፐርት ኮይኖም 14 ዓመት ሰሪሖም::

ድሕሪ እዚ ገና ንሃገሮም ብዙሕ ክሰርሑ እናኸኣሉ እናሃለዉ ብመንግስቲ ብዝመፀ መምርሒ መሰረት ብጥሮታ መልክዕ ተገዲዶም ክወፁ ተገይሩ:: ካብዚ ምስ ወፁ ግና ኮፍ ኣይበሉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኮሎጅ ባዮ ሜዲካል ሳይንስ ሕክምና 12 ዓመት ኣምሂሮም ‘ዮም:: ብሓፂሩ መምህር ግርማይ በፍልጠት ዕድመ ፀገብ ኮይኖ ክሳብ ጥሮታ ዝወፁ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ኣብ ታሪኽን ማሕበራዊ ጉዳያትን ብቕንዕናን ህርኩትነትን ዘገልገሉን ፈታዊ ሃገሮምን ‘ዮም::

ኣዝዮም ተፈተውቲ ዝኾኑ ናይ ደገ ፊልምታትን መፃሕፍትን ‘ውን ብናይ ውሽጢ ቋንቋ ናብ እስቶሪ እናቐየሩን እናተርጎሙን ወለዶ እናተዛናገዐ ቑምነገር ክጭብጥ ገይሮም ‘ዮም:: ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ መፃሕፍቲ ብምፅሓፍ ንንባብ ኣብቒዖም ‘ዮም:: ብዛዕባ ታሪኽ መምህር ግርማይ ብሓፂሩ ከምዚ ካብ በልና ኣብ ናይሎሚ ሕታምናጋዜጣ ወጋሕታ ብዛዕባ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ታሪኽ ብምትሕሓዝ ሓበሬታ ንኽህቡና ብዝጋበዝናዮም መሰረት መብርሂ ሂቦምና ኣለዉ:: ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መብርሂ ድማ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና:: ሰናይ ንባብ::

ወጋሕታ፡- ኣፍ ደገ ባሕሪ ምስ ታሪኽ ተተሓሒዙ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይገልፅዎ? ከምኡ ’ው በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ምስ ዝኸድ ዘሎ ኩነታት ተተሓሒዙ ጠለብ ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ዘእተወ በሪ ባሕሪ ዘድልያ ምዃኑ መብዛሕትኡ ዝስማዕመዐሉ ጉዳይ ‘ዩ:: ንሶም ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

መምህር ግርማይ፡- ብታሪኽ ንምጅማር ዝኣክል ደጃዝማች ሰብኣጋድስ ወልዱ ናይ ትግራይ ወይ ናይ ሰሜን ገዛኢ ዝነበሩ ወትሃደር ንባፅዕን ዓሰብን እናሰደዱ ይሕልውዎ ነይሮም ‘ዮም:: ደጃዝማች ሰብኣጋድስ ንባሕሪ እንታይ ይብልዎ ነይሮም፣ ባሕሪ ማለት ሳንባ ‘ዩ:: በሪ ባሕሪ ማለት ልክዕ ከምሳንባ ማለት ‘ዩ:: ሳንባ እንተደሊኻ ንደጋ ተተንፍሰሉ ወይ ንውሽጢ ኣየር ትስሕበሉ:: ስለዚ ኣፍደገ ባሕሪ ‘ውን ተደሊኻ ንደገ፣ ተደሊኻ ንውሽጢ ተውፀአሉን ተአትወሉን ’ዩ:: ኢትዮጵያ ን500 ዓመት ዝኣክል በሪ ባሕሪ ነይርዋ ‘ዩ:: ካብዚ ‘ዩ ዝጅምር እቲ ታሪኽ:: እኒ ሃፀይ ዮሃንስ ንቐይሕ ባሕሪ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሎምሉ ‘ዮም:: ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊልሉ ‘ዩ:: ታሪኽ ትሕዝቶን ኣጣቓቕማን በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ብዙሕ ትርጉም ‘ዩ ዘለዎ::

ራእሲ ኣሉላ ቕድሚ ኩናት ዓድዋ ኣብ ደጉዓሊ ንጣልያን ስዒሮሞ ‘ዮም:: እዚ ‘ውን ዓብዪ ኩናት ‘ዩ ነይሩ:: ኣብ ውሽጢ ሳላሳ ደቒቃ 500 ጣልያናውያን ወትሃደራት ብምቕታል ስዒሮሞም ‘ዮም:: መላሲ ወረ ዘይብሎም ኣቕሬሞም ‘ዮም:: ኣብ 1884 ዓ.ም ክሳብ 1885 ዓ.ም ብዝነበረ እዋን ኣውሮፓውያን ንኣፍሪካ ንምቕርማት ኣብ በርሊን ዋዕላ ገይሮም ነይሮም:: ኣብ ዝተስማዕምዕሉ ‘ዩ ጣልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ ነይሩ:: ኣብቲ እዋን ንምክፍፋል ተዋዓዒለን ነይረን:: ጣልያን ናፃ ዓዲ ረኺባ ንኢትዮጵያ ከትገዝእ መፂኣ ራእሲ ኣሉላ ድማ ከምቲ ዝበልኩኻ ናይ ሓማሴን ገዛኢ ነይሮም፣ ኣብ ውሽጢ ሳላሳ ደቒቓ 500 ወትሃደር ጣልያን ብዘይ ነጋሪ ወረ ወዲኦሞም ነይሮም:: ስለዚ እቲ ዓብዪ ዓወት ዝጅምር ኣብ ቐይሕ ባሕሪ ‘ዩ::

ካብዚ ቐፂሉ ናይ ኩናት ዓድዋ ‘ዩ ዝመፅእ:: ብዛዕባ ኩናት ደጉዓሊ ግና ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣየልዕሎን:: መብዛሕትኡ እታ ዝፈልጣ ብዛዕባ ኩናት ዓወት ዓድዋ ‘ዩ:: ድሕሪ ከባቢ 7ዓመት ’ዩ ኩናት ዓድዋ መፂኡ ኢትዮጵያ ድማ ከትዕወት ክኢላ:: ኣብ ርእሲ ጣልያን ተደጋጋሚ ዓወት ኣመዝጊባ ‘ያ:: ጣልያን ድሓረ ዝመፀ ናይ ደጉዓሊ ሕነ ንምፍዳይ ‘ዩ:: ስለዚ ቐይሕ ባሕሪ ክሳብ ቀረባ ግዜ ናይ ኢትዮጵያ ባሕሪ ነይሩ ‘ዩ:: ማለት ናይ ኢትዮጵያ ወሰን ኮይኑ ኣገልጊሉ ‘ዩ:: ብፍላይ ዓሰብን ባፅዕን እዚኦም ንኢትዮጵያ ይግብኡ ‘ዮም ተባሂሎም ብሕቡራት መንግስታት ዝተወሰነ ውሳነ ‘ዩ ነይሩ:: ካብኡ ድሓረ ጣልያን ‘ውን ሒዝዋ ነይሩ ‘ዩ::

ደርጊ ክሳብ ዝወድቕ ናይ ኢትዮጵያ ኣካል ‘ዩ ነይሩ:: ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከትስእን ዝኸኣለት ኣብ ቐረባ ግዜ ብዝተፈጠረ ስሕተት ‘ዩ:: ኣብዚ ኩሉ ፀገም ክንኣቱ ዝኽኣልና በዚ ስሕተት ‘ዩ:: ስለዚ ናይ ኢትዮጵያ ነገስታት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ባሕሪ ‘ዩ ነይሩ ቐይሕ ባሕሪ:: ብዙሓት በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ:: ነዚአን ‘ውን መውፅኢ የድልየን ‘ዩ ተባሂሉ ዝተፈቐደለን ዓድታት ኣለዋ:: እዚ ሰብ ሞያ ሕጊ ይፈልጥዎ ‘ዮም:: ኣብ ከይዲ ታሪኽ ከምዚ ዓይነት ክፍጠር እንተሎ ኣዝዩ ዘሕዝን ’ዩ:: ኢትዮጵያ ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ እሞ ድማ ናብ ባሕሪ ቀረባ እንዳሃለወት ከትዕፆ ኣይግበኣን:: ኣይግበአክን ከትብላ ’ውን ኣይትኽእልን:: ታሪኻዊ ስሕተት ተፈፂሙ ባሕሪ ስለዘይብልና ‘ዩ ኣብ ድኽነት ንነብር ዘለና:: ንበሪ ባሕሪ ብዙሕ ብር እናኸፈልካ ድኽነት ከትቀርፍ ኣይትኽእልን:: ዓለም ‘ውን ልዕሊ 120 ህዝቢ ሒዝና ኣይግበአኩምን ትብል ኣይመስለንን:: እኒ በዓል ዓሰብ ብስሕተት ከይዶም እምበር ናይ ኢትዮጵያ ‘ዮም ነይሮም:: እንድያውም ኣዝዩ ደንጉዩ ‘ዩ ሕዚ ኣይኮነን ክለዓል ነይርዎ:: ቅድም ኢልካ ክለዓል ዝነበሮ ጉዳይ ‘ዩ:: ኣድላይነቱ ግና ዘጣራጥር ኣይኮነን:: እዚ ሕቶ እዚ ትኽክልን ሕጋዊን ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ተወሳኺ በሪ ባሕሪ ንምጥቓም ምስ መንግስቲ ሶማሌላንድ ተፈራሪማ ኣላ:: እዚ ካብ ረብሓ ባዕላ ሓሊፉ ነቲ ዞባ ሰላምን ዕቤትን ወሳኒ ’ዩ ዝብሉ ሙሁራት ኣለዉ:: ኣብዚኸ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

መምህር ግርማይ፡– እዚ ምንም ዘጣራጥር የብሉን ሓቒ ’ዩ:: ኢትዮጵያ ብሰንኪ በሪ ባሕሪ ዘይምህላዋ ዕቤትን ምርግጋዕን እንተዘይሃልይዋ እቲ ፀገም ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ነቲ ዞባ ’ውን ዝፀሉ ’ዩ:: ንኣብነት ሱማልያ ከንወስድ ንኽእል ኢና ኣደዳ ሸፋቱ ’ያ ኮይና ዘላ:: ኢትዮጵያ እንተዓብያን ወናኒት በሪ ባሕሪ እንተኾይናን ካብ ባዕላ ሓሊፉ ነቲ ዞባ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅን ኣዝዩ ወሳኒ ’ዩ:: ኣብቲ ባሕሪ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ሰላምን ፀጥታን ብሓባር ንምሕላው ዝጠቅም ‘ውን ’ዩ:: ለማቕነ ኣብኒ የመን ዝፍጠር ዘሎ ስራሕ ሸፋቱ ምርኣይ ይከኣል ’ዩ::

ብፍላይ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ሃገራት በሪ ባሕረን ሰላሙን ፀጥትኡን ዝተሓለወ እንተዘይኮይኑ ንኢትዮጵያን ነተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ሃገራትን ኣዝዩ ዝፀልው ‘ዩ:: ኣብቲ ከባቢ ናይ ፀጥታ ፀገም እንተጋጢሙ ብምዕራብ ኣፍሪካ ጌርካ ብደቡብ ኣፍሪካ ገይርካ ከትመፅእ እንተኾይንካ ድማ ኣዝዩ ርሕቐት ስለ ዘለዎ ብኢኮኖሚን ግዜን ዘዋፅእ ኣይኮነን:: ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ:: ክፍሊት ከቢድ ‘ዩ:: ብመንፅር ግዜ እንተሪእኻዮ ‘ውን ናይ በዓሉ ፀገም ኣለዎ:: ኣብዝሓፀረ ግዜ ኣይበፅሕን::

ስለዚ እቲ ኻባቢ ስላምን ፀጥታን እንተዘይረኺቡ ንኹለን እተን ሃገራት ዝፀልው ’ዩ:: ኣብዚ ኢትዮጵያ ተሳታፊት ከትኸውን ኣለዋ:: ኢትዮጵያ ሰላምን ፀጥታን ናይ ምኽባር ታሪኽ ኣለዋ:: ኣብ ዓለም ዝተፈለጠን ዝተደነቐን ሰላም ናይ ምኽባር ብቕዓትን ታሪኽን ኣለዋ:: ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኮርያ ወፊሩ ሓደ ወታደር እንተይተማረኾ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ’ዮም:: ኣብ ኮንጎ ’ውን ዓብዪ ዕግርግር ነይሩ ናይ ኢትዮጵያ ወትሃደር ተላኢኹ ብብቕዓት እጃሙ ተዋፂኡ ‘ዩ::

ከምኡ ’ውን ነቲ ኣብ ኮንጎ ናይ ሕቡራት መንግስታት መኽበሪ ሰላም ዝነበረ ጠቕላላ መራሒ ዝነበሩ ብርጋዴል ጀነራል ከበደ ገብሬ ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ሓለቓ ’ዮም ነይሮም:: ኣብ ሱማልያ ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ግደ ዝፍለጥ ’ዩ:: ኣብኒ ሩዋንዳ ቡርንዲ ’ውን ሳለም ኣብ ምኽባር ተመሳሳሊ ታሪኽ ’ዩ ዘለዎ:: ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ኣለዋ ’ዩ:: ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዓብዪ ሰላምን ፀጥታን ናይ ምኽባር እጃም ከትፃወት ትኽእል ምዃና ዘጣራጥር ኣይኮነን:: ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምጥቓም ኣብ ምፍርራም ምብፅሓ ኣዝዩ ታሪኻዊ ዕለት ‘ዩ:: እዚ ንጠቕላላ ሰላምን ፀጥታን ምስፋን ቐርኒ ኣፍሪካ ኣዝዩ ወሳኒ ’ዩ:: ጥቕሙ ንኹለን ሃገራት ’ዩ:: ክዓብያ ዝኽእላ ‘ውን ብምድግጋፍ እምበር ብተናፀል ኣይ ኮናን::

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ዝኸደቶ ክያዶ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር ግርማይ፡- ኢትዮጵያ ተወሳኺ በሪ ባሕሪ ንምጥቓም ዝኸደቶ ክያዶ ከንርኢ እንተለና ሰላማዊ፣ ዲፕሎማስያዊ ብፍላይ ሂብካ ምጥቃም ዝብል መትከል ምኽታላ ኣዝዩ ዝነኣድ ኣካይዳ ‘ዩ ነይሩ:: ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ዓድታት ንበዓለን ክብላ ማለት ባሕርታተን ከይስእና ክብላ ዝቓወመኦ ኣለዋ እዚ ግን ኢትዮጵያ ምስ እቲኸዶ ዘላ ኣካይዳ ሓቢሩ ዝኸድ ኣይኮነን:: ናይ ኢትዮጵያ ድሌት ሓቢርካ ተደጋጊፍካ ምዕባይ ‘ዩ:: እዚ ድማ ንኹሉ ዝጠቕም ‘ዩ::

ኢትዮጵያ ሰላም ኣብ ናይምኽባር ዘለዋ ግደ እንትረአ እንተሎ ቐሊል ዘይበሃል ግደ ከትፃወት ትኽእል ‘ያ:: እቲ ኸባቢ ሰላሙን ፀጥትኡን ሕልው ክኸውን ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ከምትፃወት ዘጣራጥር ኣይኮነን:: ምኽንያቱ ብዙሕ ልምድን ታሪኽን ዘለዋ ሃገር ‘ያ:: ኣነ ብዛዕባ ናይ ዓሰብ ብኣምሓርኛ ሓደ ፅሑፍ ፅሒፈ ነይረ:: ንሱ እንታይ ይብል እንተይልና ‹‹ታሪኻዊ ስሕተት ናይ ሱልጣን ኢብራሂም ከይድገም›› ‘ዩ ዝብል:: ከምዚ ኢለ ዝፀሓፍክዎ መፅሓፍ ነይሩኒ:: ሓደ ሓደ ላንድ ሎክድ ዝኾና ሃገራት ኮሪደር የድየን ’ዩ ተባሂሉ ዝተዋሃበን ኣለዋ::

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሰሙን እዚ ዩኒቨርስቲታት መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦትን ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰመራ ሙሁራን ብዛዕባ ሕቶ በሪ ባሕሪ ዘተ ገይሮም ነይሮም:: ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም:: እንታይ ትርጉም ኣለዎ ይብሉ? ኣድላይነቱ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር ግርማይ፡– እዚ ዘተ ሙሁራን ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፤ ኩሉ ነገር ተዛቲኻ እትውስኖ ውሳነ ፅቡቕ ‘ዩ:: ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዛራቢ ቋንቋ ዓፋርኛን ትግርኛን ኣሎ:: እዚ ህዝቢ እዚ መንነቱ ሓደ ህዝቢ ‘ዩ:: ናብቲ ቐይሕ ባሕሪ ዝቀረበ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ እቲ ህዝቢ ሓቢሩ ዝነብረሉን ዝጥቐመሉን ኩነታት ንምፍጣር ዘተ ኣድላይ ’ዩ:: ሓደ ዓይነት ህዝቢ ኮይኑ ገሊኡ በሪ ባሕሪ ተጠቓሚ ገሊኡ ተገሊሉ ምንባር ፍትሓዊ ኣይኮነን:: ነዞም ህዝቢታት ብምትእስሳር ዝስራሕ ስራሕ እንተልዩ ፅቡቕ ውፅኢት ከምፅእ ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ::

ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ክማኸረሉ ‘ዩ ዘለዎ:: ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ከም ዝኾነ ህዝቢ ብዝግባእ ክግንዘቦ ኣለዎ:: ምስ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ምምኻር የድሊ:: በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ህዝቢ ዓለም ክርደኦ ምግባር ካብ ሙሁራት ዓብዪ ትፅቢት ይግበር:: ብፍላይ ህዝባ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝፍጠር ህዝቢ ዓለም ክርደኦ ኣለዎ:: በርግፅ ዓለም እናተገንዘቦ ‘ዩ ዝርከብ:: ቕድሚ ሕዚ ብዝተሰሓሓተ መንገዲ በሪ ባሕሪ ስለ ዝለቐቕና ኢና ኣብ ፀገም ዘለና:: ኤርትራ ልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምስ ፀንሐት ዋላ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ፈቒዶምላ ነይሮም ‘ዮም:: ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ካብ እትስእን ኣስታት 30 ዓመት ‘ዩ:: ስለዚ 30 ዓመት ብዙሕ ኣይኮነን:: እንተኾይኑ ምስ ኤርትራ እንገብሮ ልዝብ ወሳኒ ‘ዩ:: በዚ እንተዘይተሳኺዑ ድማ ካሊእ መንገዲ ምእላሽ ኣድላይ ይመስለኒ::

ኢትዮጵያ ኣማራፂ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እናተኸተለቶ ዝመፀት ኣካይዳ ፍትሓዊ፣ ሰላማዊን ዲፕሎማስያዊን ስለ ዝኾነ ኩሉ ክድግፎ ’ዩ ዝግበኦ:: መቸም ጎረቤትካ በይኑ እናበልዐ ንስኻ ፆምካ ክትሓድር ትኽክል ኣይኮነን:: ተፈጥሮ ዝሃበካ ሃፍቲ ሓቢርካ ተስማዕሚዕኻ ከትጥቀመሉ ’ዩ ዝሕሽ:: እንበዓል ኣውሮፓ ተደጋጊፈን እየን ዓብየን:: ዓለም ናብ ሓንቲ መንደር እናመፀት ኣብዘለትሉ እዋን ውሑዳት ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪካ ንምንታይ ናብ ሓደ ዘይመፃ? ዝብል ሓሳብ ኣለኒ:: ብተናፀል ክዓብያ ኣይኽእላን ተሞክሮ ካብ እኒ ኣውሮፓ ክወስዳ ኣለዎን:: ዩሮ ዞን ብዝብል ገንዘብ ይመሓደራ ኣለዋ ‘የን:: እዚአን ዞናል ማርኬት ኣለዎን:: ካብ እኒዚአን ተመኩሮ ብምውሳድ ምዕባይ ይከኣል ‘ዩ:: እዚ ድማ ምንም ዓይነት ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ ናይ ህልውና ጉዳይ ጥራሕ ’ዩ:: ነዚ ድማ መፍትሒ የድልዮ ’ዩ:: ምኽንያቱ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ስለ ዝኾነ::

እዚ ፖለቲካ ንብሎ እንተኾይና ድማ የምናልባሽ ሰላማዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ’ዩ ክመፅእ ዘለዎ:: ምስ እኒ በዓል ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ’ዩ ክኸውን:: እዚ ሕቶ እዚ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣይኮነን:: እዚ ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን:: ናይ ህዝቢ ወይ ናይ ሃገር ሕቶ እምበር ምስ ናይ ፓርቲ ዘተሓሕዝ ጉዳይ የብሉን:: እዚ ሕቶ እዚ ግልፂ ኮይኑ ‘ዩ ዘይወፀ እምበር ቅድሚ ሕዚ ጀሚሩ ውሽጢ ንውሽጢ ይብላዕላዕ ዝነበረ ሕቶ ‘ዩ:: ኢህኣዲግ ነዚ ጉዳይ እዚ ዓፊኑ ‘ዩ ሒዝዎ ነይሩ::

ሕዚ ተወሳኺ ንምጥቃም ምፍርራም ጀሚራ ኣላ:: እዚ ፅቡቕ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ቀደም ብዙሕ ዋጋ እትኸፍለሉ ዝነበረት ኣፍ ደገ ባሕሪ ‘ያ ሕዚ ስኢና ዘላ:: ሕዚ ‘ውን ተወሳኺ ዘድልያ እንተኾኑ ክሳብ እቲ ትደልዮ ትረክብ ድማ በቲ ጀሚራቶ ዘላ ቕኑዕ መንገዲ ከትደፍአሉ ይግባእ:: ብሓፈሻ እቲ ሕዚ ምስ ሱማሌ ላንድ ተፈሪሙ ዘሎ ሰነድ ኣብ ጁብቲ ዘሎ ምጭንናቅ ኣዝዩ ዝሕግዝ ‘ዩ:: እቲ ጥቕሚ ንኹለን ስለ ዝኾነ ካልኦት ሃገራት በዓላተን ክቐዳደማልና ‘የን:: ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ብዓይኒ እዳጋ፣ ሰላምን ፀጥታን ተደላይት ሃገር ‘ያ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ::

መምህር ግርማይ፡- ኣነ ‘ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓሰባይ ክገልፅ ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 25 ታሕሳስ 2016

Recommended For You