‹‹ሕቶ በሪ ባሕሪ ምስ ህልውና ዝተተሓሓዘ ጉዳይ እምበር ፈፂሙ ምስ ፖለቲካ ዘተሓሕዝ የብሉን›› -ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝተፀመሩን ሙሉእ ሂወቶም ዳርጋ ክባሃል ዝከኣል ኣብ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ዘሕለፉን ‘ዮም። ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ወታደራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ ዝመፁ እንትኾኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንኸባቢ ኣርባዕተ ዓመታት ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ከምኡ ’ውን ብ2005 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ሱዳት ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ናብ ንቡር ንምምላስ ንኽልተ ዓመት ሰሪሖም ‘ዮም።

ናብ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንትፅንበሩ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስወድኡ ነይሩ። ሐዚ ግን ብሰላምን ፀጥታን(peace and security) ማስትሬት ዲግሪ ተመሪቆም ጥሮታ ክሳብ ዝወፁ ሃገራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ መፂኦም ‘ዮም። ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብዝሕዚ እዋን ኢትዮጵያ እተልዕሎ ዘላ ብዛዕባ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኣድሂብና ምስ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ሃገርና በሪ ባሕሪ ሓደ ዓብዪ መዛተዪ ኮይኑ ይርከብ። ንሶም ኣብዚ ዘለዎም ሓፈሻዊ ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ኢትዮጵያ እተቅርቦ ዘላ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምስ ህላወ ህዝቢ እምበር ምስ ፖለቲካ ዘተሓሕዝ ጉዳይ የብሉን፤ መንግስቲ ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ህልውና ህዝቢ ምዃኑ ተረዲኡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ክለዓል ምፍቃዱ ኣግባብነት ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ። ብዛዕባ በሪ ባሕሪ ውሽጢ ንውሽጢ ክብላዕላዕ ዝፀንሐ ጉዳይ ‘ዩ።

ብፍላይ ጠለብ ኢኮኖሚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብናህሪ እናዓበየ ምስዝኸይድ ዘሎ ቑፅሪ ተተሓሒዙ፣ ተዳፊኑ ዝቀሪ ኣይኮነን። እዚ ናይ ኢኮኖሚ ወይ ህልውና ጉዳይ እምበር ፈፂሙ ምስ ፖለቲካ ዘተሓሕዝ የብሉን፤ ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ኣካላት ምስ ፖለቲካ ከተሓሕዝዎ ንርኢ ኢና። ብምዃኑ ፖለቲካዊ ትርጉም ምሃብ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ‘ዩ። ናይ ህልውና ጉዳይ ስለዝኾነ ፍታሕ እንድሕር ዘይረኺቡ ሓንሳብ ተላዒሉ ዝተርፍ ኣይኮነን።

እዚ ተተሓሒዝካን ተደጋጊፍካን ንምዕባይ እምበር ናብ ጎንፂ ዘምርሕ ‘ውን የብሉን። ኢትዮጵያ ኣግባብነት ዘለዎ ሕቶ እያ ትሓትት ዘላ። እዚ ድማ ብኣወንታ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍ በሪ ባሕሪ ኮይና በሪ ባሕሪ ከትስእን የብላን፤ እዚ ሕቶ እዚ ምስ ህላወ ህዝቢ ዝተሓሓዝ ስለ ዝኾነ ሓንሳብ ተላዒሉ ዝተርፍ ኣይኮነን።

ብፍላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቑፅሩ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፍታሕ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። ብዘይ በሪ ባሕሪ ክነብር ኣይኽእልን፤ በቢ ዓመቱ ጠለብ ኢኮኖሚ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዘሎ ብዘይ በሪ ባሕሪ ንበር ከትብሎ ኣይትኽእልን። ኢትዮጵያ ንደገ እትሰዶምን እተአትዎምን ሸቐጣት ካብግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ስለዚ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ። እዚ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ልኣላውነት ዝዳፋእ ኣይኮነን፤ እኳደኣስ ኢትዮጵያ ተጠቓሚት በሪ ባሕሪ እንተኾይና ምስተን ጎረቤት ሃገራት ተደጋጊፍካ ንምዕባይ ዝሕግዝ ‘ዩ። ተደጋጊፍካ እምበር በይንኻ ምዕባይ ዝከኣል ኣይኮነን፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘድልየኩም ካባና ውሰዱ በሪ ባሕሪ ድማ ብሓባር ንጠቐም፤ ተደጋጊፍና ንዕበ ዝብል ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ዝቐረበት ‘ያ። ኣብ ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ፀጥታን ብኸመይ ክፀልዋ ይኽእል? ብኸመይ ከ ተጠቓሚት ከትኸውን ትኽእል?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ኢትዮጵያ ንብዙሕ ግዜ ባሕሪ ዝነበራ ሃገር ‘ያ። ኮይኑ ግና ሕዚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዘይ በሪ ባሕሪ ቀርያ ‘ያ። ብዙሓት ናብ ባሕሪ ዝቐረባ ሃገራት በሪ ባሕሪ ኣለወን። ናይ ኢትዮጵያ ግና ዝተፈለየ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ዓባይ ዓዲ ‘ያ። ብዙሕ ህዝቢ ዝሓዘት ‘ያ። ድሌት ኢኮኖሚ እቲ ህዝቢ ‘ውን ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ። ግዚኡ ሓልዩ ምፍትሑ ኣይቐርን እናተባህለ እናተብላዕለዐ ዝነበረ ጉዳይ ‘ዩ። ሕዚ ምልዓሉ ፅቡቕ ‘ዩ። መፍትሒ ድማ ክህሉ ኣለዎ።

 ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ህልውና ጉዳይ ብምዃኑ መፍትሒ ዘድልዮ ጉዳይ ‘ዩ። ሸለል ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን። ሕዚ ዋላ ኣይፈታሕ ንወለዶ ዕዳ ይኸውን እምበር ምፍትሑ ኣይቀርዮን። ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እቲ ሕዚ እትጥቐመሉ ዘላ በሪ ባሕሪ ምስ ድሌታ ዝመጣጠን ኣይኮነን። እንተተኻኢሉ በዓላ እትውንኖ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ሂብካ ምቅባል ብዝብል መትከል ‘ውን የድልያ ‘ዩ።

በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ብዲፕሎማሲ፣ ብሰላምን ፀጥታን ኢኮኖሚ ናይ በዓሉ ትርጉም ኣለዎ። ብዙሕ ህዝቢ ኣሎ ብዙሕ ድሌት ኢኮኖሚ ‘ውን ኣሎ። ሕዚ ኢትዮጵያ እትጥቀመሉ ዘላ በሪ ባሕሪ ዋላ ብዙሕ ገንዘብ እተውፅእ ድሌታ ከማለአላ ኣይከኣለን።

ምስ በዝሒ ህዝቢ ተተሓሒዙ ድሌት እቲ ህዝብን እቲ ኣቅርቦትን ኣይተመጣጠነን። ብነፋሪት ኣማላሊስካ ድሌቱ ክተማለአሉ ኣይትኽእልን። ከይዱ ከይዱ ናይ ህልውና ጉዳይ ከምዝኸውን እቶም ዘለዉ ምልክታት እኹላት ‘ዮም። ህዝቢ ኢትዮጵያ በዝሑን ድሌት ኢኮኖሚኡን ኣዝዩ እናወሰኸ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ሕዚ ተልዕሎ ዘላ ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ህልውና ጉዳይ እንተይኮነስ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ንሶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለዎም ሓሳብ ተዘካፍሉና።

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ሕቶ በሪ ባሕሪ ቐልጢፍና ብዓይኒ ፖለቲካ ምርኣይ ስሕተት ‘ዩ። እዚ ድሌት ኢኮኖሚ ህዝቢ እምበር ድሌት ፖለቲካ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ሰባት ምስ ፖለቲካ ከተሓሕዝዎ ዝፍትኑ ኣለዉ። እዚ ሓላፍነት ምጉዳል ‘ዩ።

ኣወንታዊ ጎኑ ምርኣይ ‘ዩ ዘድሊ። እዚ ናይ ኢኮኖሚ ጉዳይ ምዃኑ ክርሳዕ ዝገብር ‘ዩ። ብቀሊሉ ድሌት ናይቲ ህዝቢ ዝምስክሮ ጉዳይ ‘ዩ። ኣብ መሬት ዘሎ ሓቒ እናረኣኻ ጉዳይ ፖለቲካ ‘ዩ ትብል እንተኾይንካ ድሌት ህዝቢ ዘይምርዳእ ‘ዩ። ወይ ‘ውን እናፈለጥካ ናይ ህዝቢ ጥቕሚ ክተኽብር ዘይምድላይ ‘ዩ። እዚ ድሌት ኢኮኖሚ ህዝቢ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ወናኒት በሪ ባሕሪ እንተኾይና ረብሕኡ ከመይ ይገልፅዎ?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ኢትዮጵያ ወናኒት በሪ ባሕሪ እንተኾይና ረብሕኡ ከመይ ይገልፅዎ ዝብል ሕቶ፣ ረብሕኡ ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዉ ፀገማት ኣዝዩ ዘቓልል ‘ዩ። ብዙሓት ዕድል ስራሕቲ ይፍጠሩ፤ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን እዛ ሃገር ተሰማዕነታ ይውስኽ። ብሓፈሻ ድማ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ሓፍ ክብል ዝገብር ‘ዩ።

ንበሪ ባሕሪ ዝኽፈል ዝነበረ ብዙሕ ወፃኢ ዘቕሪ ‘ዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ቖራፅነት መንግስቲ የድሊ ‘ዩ። ሰላምን ዕቤትን ንምርግጋፅ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ተወሲኑ ዝቀሪ ኣይኮነን። ንጎረባብቲ ሃገራት ‘ውን ዝጠቅም ‘ዩ። ዕቤት ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጠቕም። ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኹለን ጎረባብቲ ሃገራት ‘ውን ዝጠቅም ‘ዩ።

ዝሓሰረ ትራንስፖርት ናይ በሓሪ ትራንስፖርት ‘ዩ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ በዝሒ ህዝቢ ተተሓሒዙ ድሌት ኢኮኖሚኣ ኣዝዩ እናለዓለ ስለ ዝኸደ በሪ ባሕሪ ኣዝዩ ‘ዩ ዘድል። በታ ሕዚ ዘላ በሪ ባሕሪ ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ምምላእ ዝከኣል ኣይኮነን። እንተስ ብናፃ እንተስ ብገንዘብ ተወሳኺ በሪ ባሕሪ የድልያ ‘ዩ።

ብፍላይ ድሕሪ ግዜ በዝሒ ህዝቢን ድሌት እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ በታ ዘላ ድሌት ኢኮኖሚ ህዝቢ ምምላስ ዝከኣል ኣይኮነን። ቅድሚ ናብ ዝበኣሰ ምዃዱ ኣቀዲምካ ክሕሰበሉ ዝግባእ ‘ዩ። ሰላም ዕቤት ንምስፋን ዝሕግዝ ‘ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ድሌት በሪ ባሕሪ ዘይምህላው ንኹለን ጎረባብቲ ሃገራት ዝጎድእ ‘ዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ጎረቤት ሰላምን ልምዓትን እንትህሉ ‘ዩ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ተረጋጊዐን ክዓብያ ዝኽእላ። ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ከትዓቢ እንተላ ካብ ኢትዮጵያ ዘድልየን ነገራት ክረኽባ ይኽእላ። ኢኮኖሚ ሃገርና እንተዘይተረጋጊዑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ስደት ከስዕብ ይኽእል፤ ዘይምርግጋዕ ይመፅእ።

ፍትሓዊ ተጠቓምነት ተፈጥሮኣዊ በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ይሕግዝ። ሓንቲ ዓዲ በይና ክትዓቢ ኣይትኽእልን። ክትዓቢ እትኽእል ብምድግጋፍ ‘ዩ። ተፈጥሮ ዝሃበካ ነገር ብሓባር ተረዳዲእኻ ምጥቓም ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ከንጥቐመሉ እንተዘይኽኢልና ሳዕቤኑ ሕማቕ ‘ዩ። ውሑልል ዝኾነ ኣጣቃቕማ ኣድላይ ‘ዩ።

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ምስ ፖለቲካ ዘተሓሕዙ እንተልዮም ሓላፍነት ዝጎደሎም ‘ዮም። ንምንታይ እንተይልና እዚ  ምስ ህልውና እምበር ምስ ፖለቲካ ዘተሓሕዝ ጉዳይ የብሉን። በሪ ባሕሪ ቑልፊ ህልውና ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ብጥንቃቐ ክትሓዝን ክሕሰበሉን ‘ዩ።

ድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት ዘይምእታው ከይዱ ከይዱ ናብ ከቢድ ኩነታት ክበፅሕ ይኽእል ‘ዩ። ስለዚ ናብዝበኣሰ ኢኮኖሚያዊ ቑልውላው እንተይከድና ብጋንኡ ክንሓስበሉ ዝግባእ ‘ዩ። ኩነታት ኢኮኖሚ እናረኣኻ ጉዳይ ፖለቲካ ‘ዩ ዝብል ኣካል እንተሃልዩ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን እናቀለደ ‘ዩ ዘሎ ማለት ‘ዩ።

ካብዚ ኣታሓሳስባ እዚ ተቖጢቦም ብዛዕ ቑጣባ ሃገሮም ክሓስቡ ኣለዎም። ብሚልዮናት ህዝቢታት ክቕልዱ የብሎምን። በሪ ባሕሪ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጎረርኡ ‘ዩ። ብሰላም ብኢኮኖሚ ብኹሉ። ናብ ኩናት ክወስዱ ዝደልዩ ኣካላት ‘ውን ኣይሰኣኑን።

ቅኑዕ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ዘይኮነ ከምርሕዎ ዝደልዩ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም። ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ዝተፈላለዩ ምኽርታት ክልገሰሎም ይግባእ። እንተኽኢሎም ክሕግዙ ኣለዎም፤ ሓሳብ ከዋፅኡ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ግና ዓሪፎም ክቕመጡ ‘ዩ ዘለዎም። እዚ ናይ ህዝቢ ሕቶ በሪ ባሕሪ መሳርሒ ፖለቲካ ገይሮም ክወስድዎ የብሎምን።

እዚ ነቲ ዘለናዮ ክፍለዘመን ዝምጥን ኣታሓሳስባ ኣይኮነን። ነዞም ክምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ህዝቢ ክፅየፎም ‘ዩ ዝግባእ። ፖለቲካ እንተኾይኑ ናብ ጎንፂ ዘምርሕ ‘ዩ። እዚኦም ድማ ድሌቶም ናብ ጎንፂ ከምርሕ እሞ ከይተፈትሐ ክቀሪ ‘ዩ ድሌቶም።

ጎንፂ ኣኽሳሪ እምበር ጥቅሚ ከምዘይብሉ ፍሉጥ ‘ዩ። ኩሉ ነገር ብዲፕሎማሲ፣ ብምኽክር ‘ዩ ክኸውን ዝግበኦ። ምትሕግጋዝ፣ ምርድዳእ፣ ሓቢርካ ምዕባይን ምንባርን የድሊ። ናብ ፖለቲካ ዘምርሑ ነገራት ክህልዉ የብሎም። እዚ ፍሉጥ ሕቶ ህልውና ህዝቢ ‘ዩ። ካሊእ  ዘይተደለየ ትርጉም ምሃብ ኣድላይ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ኣድላይ ጥንቃቐ ዝሓትት ‘ዩ።

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕቶ ህልውና፣ ልምዓት፣ ተደጋጊፍካ ሓቢርካ ምዕባይ እምበር ምንም ዓይነት ምስ ፖለቲካ ዘተሓሕዝ ጉዳይ የብሉን። ሓደ ሓደ ሰባት ንምትዕንቓፍ ናይ ልኣላውነት ጉዳይ ‘ዩ እናበሉ ናብ ጎንፂ ንምምራሕ ዝሰርሑ ኣለዉ። ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ሓቢርና ብምጥቓም ሓቢርና ንዕበይ ‘ዩ ዘሎ ትሕቶ።

ሩባ ኣባይ ናይተፈጥሮ ሃፍቲ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ግዝኣተይ ‘ዩ ዝርከብ ኢላ ኣይከልከለትን። ሓቢረን ‘የን ዝጥቐማሉ ዘለዋ። ልክዕ ኣባይ ንግብፂ ናይ ህልውና ጉዳይ ዝኾነ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ ‘ዩ። ህዝቢ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ከምዘይኮነ ክርደኦ ኣለዎ። ብሰላምን ዲሎማስን ተመሪሑ እንተኾይኑ ህዝቢን መንግስት ተጠቓሚ ይኸውን።

ስለዚ ፖለቲካዊ ትርጉም ካብ ምሃብ ብምውፃእ ናይ ህልውና ከምኡ ‘ውን ናይ ሰላምን ፀጥታን ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ተፈጥሮ ንኹሉ መዓረ ‘ያ ኣይተዳሉን። ስለዚ ተፈጥሮ ዝሃበትካ ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ እንተተጠቒምካሉ ንኹሉ እኹል ‘ዩ። ቐንዲ ነገር ሓቢርካ ተስማዕሚዕኻ ምጥቃም ‘ዩ። ኣብ ክንዲ ምጥርጣር ምትእምማን ምፍጣር ወሳኒ ‘ዩ።

እናተጠራጠርካ ምዕባይን ዝበሃል ክህሉ ኣይኽእልን። ተፈጥሮ ዘየዳሉ ጥቅሚ ‘ዩ ሒዙ ዝመፅእ። እዚ ብተፈጥሮ ዝተወሃበ ውህብቶ ውሕሉል ኣጣቓቅማ እንተሃልይዎ ዕቤት ይመፅእ፤ ለውጢ ይህሉ፤ ስደት ይቀሪ፤ ድኽነት ይቅንስ።

ዕቤት እንተሃልዩ መናእሰይ ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ይዓብዩ። ወለዶ ተረጋጊዑ ይመሃር፤ ውላድ ምስ ወለዱ ኮይኑ ይመሃር። ናብራ እንተተማሕይሹ፣ ፍቕሪ ይነግስ፣ ሓቢርካ ተሓጋጊዝካ ትነብር፣ ዓብዪ ዕዳጋ ይፍጠር። ስደት ይተርፍ፤ ኣብ ክንዲ ምጥርጣር ምትሕግጋዝ ይነግስ።

ዙርያ ምላሽ ጥቅሚ ከትሪኦ እንተለኻ ዘየዳሉ ጥቕሚ ‘ዩ ሒዙ ዝመፅእ። ስለዚ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ብሓባር ተረዳዲእኻን ተሓጋጊዝካን ምስራሕን ምዕባይን ክነግስ ኣለዎ። ሰብ ‘ዩ ዘዳሉ እምበር ተፈጥሮ ኣይተዳሉን። እቲ ቐንዲ ፀገም ተስማዕሚዕኻ ዘይምጥቓም ‘ዩ።

ኣብሓደ ዞባ እናነበርካ ከትተሓጋገዝ ‘ዩ ዘለካ። በይንኻ ተነፂልካ ክትዓቢ ኣይትኽእልን። ብፍላይ ኣብቀርኒ ኣፍሪካ ምትእምማንን ምትሕግጋዝን ስለ ዘየለ ብሰፊሑ ስደት ኣሎ። ናይ ሓበር ኢንፍራስትራክቸር የለን። ምትሕግጋዝ የለን።

ከም ሓደ ቤትሰብ ኮንካ ተሓጋጊዝካ ምዕባይ እናተኸኣለ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ምህላው ኣዝዩ ዘሕዝን ‘ዩ። ኣብ ከባቢ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ክተሓጋገዛ እንተዘይኪእለን ክዓብያ ኣይኽእላን። ምትሕግጋዝን ምትእስሳርን ክህሉ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክተርፍ ዘይግበኦ ሓሳብ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ማለት ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ከትጥቀም ከምትደሊ ገይሮም ሓሳብ ዝህቡ ኣለዉ። እዚ ፍፁም ጌጋ ‘ዩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እንትዛረቡ እንተለዉ ተሓጋጊዝና ንዕበ ‘ዮም ዝበሉ።

ካባና ዘድልየኩም ውሰዱ ካባኹም ዘድልየና ‘ውን ንጠቐም፤ ሓቢርና ተሓጋጊዝና ንዕበ ‘ዮም ዝበሉ። ካብዚ ወፃኢ ብሓይሊ ከንጥቀም ኢና ኣይበሉን። ንሶም ዝብሉ ዘለዉ ብሂብካ ምቕባል ‘ዩ። ብልዝብን ዲፖሎማስን ‘ዮም ዝሓቱ ዘለዉ። ተቐዳዲምካ ናብ ፖለቲካ መውሳድ ትኽክል ኣይኮነን። እዚ ብሰላም ክኸውን ዝኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቅንየልና።

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ኣነ ‘ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓሳበይ ክገልፅ ጋሻሑም ጌርኩም ስለዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ።  

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም

Recommended For You