ስነ ስርዓት ቐብሪ ዶክተር ኣበበች ጎበና ተፈፂሙ

  • ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ኣበበች ዝጀመርኦ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

 ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡-ዶክተር ኣበበች ጎበና ዝጀመርኦ ፅቡቕ ስራሕ ከምዘቐፅል ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ስነ-ስርዓት ቐብሪ ክብርቲ ዶክተር ኣበበች ጎበና (እዳዬ) መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፤እዘን ዓባይ ኣዶ ንኣርበዓን ሓደን ዓመታት እናሰርሐኦ ዝነበራ ሰናይ ተግባር ምምሕዳር እቲ ከተማ ከቐፅሎ እዩ ኢለን፡፡ኣብ ጎኒ ወገነን ምዃነን ብቃልን ብተግባርን ከም ዝተርኣየ ኣመልኪተን፡፡

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ማእኸል ዝተማልአ ግልጋሎቱ ንኽቕፅልን ዶክተር ኣበበች ጎበና ንዝሓለፉ ኣርበዓ ዓመታት ንዘሰርሕኦ ሰናይ ተግባር ምስጋና ዘቕረባ እተን ምክትል ከንቲባ፤ኣዴና ብዝገበራልና ሕያውነት ሰብ ዕዳ ኢና፤ውዕለታ ‘ውን ኣለና:: ብምዃኑ ድማ እዚ ህይወት ሚሊዮናት ዘለምለመ ማእኸል ግብረ ሰናይ ቐፃሊ ምዕራፉ ከመይ ይኹን?ኣብ ዝብል ብሓንሳብ ንስራሕ::እዚ ምግባር እንትንኽእል ድማ ነብሲ ኣዴና ሰላም ትረክብ ኢለን::

ኣዴና ቑልፊ መፍትሒ ፀገምና ሓድነትን ምትሕግጋዝን ከምዝኾነ ዘምሀራና ኣዶ እየን::ነዚ ኣመልኪተን ሓደ ኣበሃህላ ኣለወን::‹ፀገማትና እንፈትሖም ‹‹ብብርኪ ውልቀ ሰብ ዝድርበይ ሽርፍራፍ ሳንቲም(ምፅዋት)ዘይኮነስ፤ብሓድነት፣ብምሕባር፣ኣብ ፀገም ንዘለዉ ወገናትና ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብምብቃዕ እዩ››:: እዚ ኣብ ተግባር ዘውዐለኦ ኣበሃህላ ከምዝነበረን ኣዘኻኺረን::

እዚ ውፅኢት ገዚፍ ሰብእና እዩ ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፤ንወገነን ምብፀሐን ብቃል ይኹን ብተግባር ፈፂመንኦ እየን:: ዝተፈለየ ሃፍትን ትምህርትን ከይሃለወን ፍቕሪ፣ርህራሀ፣ቖራፅነትን ጥንካረን ተላቢሰን ንሰብ ምንባር ማለት እቲ ናይ መወዳእታ ብቑዕ ብርኪ ሚዛን ከምዝኾነ መርኣያ ኾይነን እየን ኢለን::

ንዶክተር ኣበበች ጎበና፤ንሰብ ውዕለታ ሃገር ዝግበር ናይ ኽብሪ ምፍናው ኣብ29 ሰነ 2013ዓ.ም ንግሆ 3 ሰዓት ጀሚሩ እስካዕ 5 ሰዓት ኣብ መንበሪ ገዝአን ናብ ኣደባባይ መስቀል ዝተገበረለን እንትኸውን ፤ኣብ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ስነ ስርዓት ቐብረን ተፈፂሙ::

ኣፍቲ መርሃ ግብሪ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ኻልኦት ላዕለወት ናይ ስራሕ ሓለፍቲ፣ ፈተውተንን ኣዝማደንን ተረኺቦም::

ክብርቲ ዶክተር ኣበበች ጎበና ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕሙማን ሆስፒታል ጳውሎስ እናተሓከማ ፀኒሐን 27 ሰነ 2013ዓ.ም ኣብ 85 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን:: ሕያወይቲ ኣዶ ክብርቲ ኣበበች ጎበና ነብስኽን ኣብ ኣፀደ ገነት ትንበር::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013

Recommended For You