‹‹ኹላትና ንሃገርና ነናይ ባዕልና ዓሻራ ክነዕርፍ ክንክእል ኣለና›› -ኣክቲቪስትን ጋዜጠኛን መሓመድ ኣልኣሩሲ

 ትርሓስ ፍቃዱ

ኣብ ስዑድ ዓረብያ ከተማ መካ ተወሊዱ ዓብዩ። ናይ መጀመሪያ ዲግሪኡ ብቋንቋን ስነፅሑፍን ዝሓዘ እንትኸውን ኢትዮጵያውያን ወለዱ ገና ካብ ቑልዕነቱ ጀሚሮም ብዛዕባ እታ መዳሕንቶም ዝተቐበረትላ ሃገሮምን ህዝባን እናነገርዎን እናምሃርዎን እዮም ኣዕብዮሞ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘኹርዕ ታሪኻ፣ዘይውዳእ ሃፍቲ ባህልን፣ንዓይንኻ ዝማርኽ መልክዓ ምድሪን ከምኡውን ብዛዕባ ፀባይ ኣየር ሃገረ ኢትዮጵያ ፈሊጡ ንኽዓቢ ገይሮሞ እዮም። እዚ ኣዝዩ መፍቀሪ ህዝቡን ሃገሩን፤ ጥቕሚ ሃገሩ ንምሕዳግ ዝደልዩን ንውልቀ ጥቕሞም ክብሉ ሃገር ንምንጋዕ ዝሃርፉ ኣካላት ምክልኻል ካብ ዝጅምር ፀኒሑ እዩ። ብፍላይ ምስ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ግብፅን ሱዳንን ከምኡ’ውን ኻልኦት ሃገራት ዓረብ ዝገብርኦ ፅዕንቶ ንምክልኻል ብናይ ባዕሉ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ኣምባሳደር ብምዃን ልዑል ኣፍልጦ ረኺቡ እዩ። ኣብ ዓለምለኸ ሚዲያታት እናቐረበ ብምሙጋት ኣፍ ብዙሓት ኸዲኑ እዩ። ካብ ሰብ ሞያ ዘይንእስ ፍልጠት ሒዙ ብምቕራብ ብተፃራሪ ኣንፈት ጠጠው ንዝበሉ ኣካላት ሞጊትዎም እዩ።

ብዘለዎ ዓቕሚ ንዝተኸፈተ ወፍሪ ተቓሊስዎ እዩ። ምምፃእ እቲ ለውጢ ስዒቡ ናብ ሃገሩ ብምምፃእ ምስ ከይፈለጦም ዝናፈቖምን ብፍቕሪ ዝተማረኸሎም ወገናቱን ተፀምቢሩ ይርከብ። ሎሚ’ውን ጥቕሚ ሃገሩ ንምሕላው ለይትን ቐትርን እናፀዓረ ይርከብ፤እዚ መንእሰይ ዝበለፀ ሃገሩን ህዝቡን ንምግልጋል ክብል ኣብ መረፃ ሎም ዘበን ንምስታፍ ሕፁይ ፓርቲ ብልፅግና ኾይኑ ቐሪቡ ኣሎ። ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ፈታዊ ዓዱ መንእሰይ ኣክቲቪስትን ጋዜጠኛን ኣይተ መሐመድ ኣልኣሩሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ፃንሒት ገይርና፤ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

 ሕቶ፡-ኣብ ወፃኢ ሃገር ተወሊድኻ ዓቢኻ እናሃለኻ ንዘይትፈልጣን ንዘይዓበኻላን ሃገርኻ፤ንጥቕማ ዋርድያ ክትኾነላ ዝገበረካ ምኽንያት እንታይ እዩ?ብድሕሪት እዚ ኹሉ ዘሎ ሓቂ እንታይ እዩ?

ኣይተ መሐመድ አልኣሩሲ፡-ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምምላስ ኸቢድ እዩ?ከምቲ ንስኺ ዝበልክኒ ብዙሓት ሰባት ንዘይዓበኻላን ንዘይትፈልጣን ሃገር ንምንታይን ኢኻ ዋጋ ትኸፍል?ዝብል ሕቶ የቕርቡለይ እዮም። ብናተይ እምነት፤ ንዝኣምነሉ ነገርን ናተይ ንዝብሎ ነገርን እየ ዝነብር። ዝሕግዝን ዝከራኸርን ንዝኣምነሉን ናተይ ንዝብሎ ጉዳይን እዩ። ዝተወለድሉን ዝዓበናሉን ኣብ ኻሊእ እንተኾነ’ውን ኣቦታትና እንተዕብዩና ‹‹መምለሲትኩም ሃገርኩም ኢትዮጵያ እያ፤መወዳእታኹም እሳ እያ›› ይብሉና ነይሮም። ኣብ ኻሊእ ሃገር ተወሊድኹም እንተዓበኹም’ውን ናይ ኣቦታትኩም ሃገር ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ክትርስዑ የብልኩምን እናበሉ የምህሩና ነይሮም። ንዓይ እቲ ዋና ምኽንያተይ እዚ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣነ ኾንኩ ኻልኦት ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝዓበና ሰባት ሃገርና ኢትዮጵያ ዋላ ሓንቲ በደል ንኸይበፅሓ ክንዲ ዝኸኣልናዮ እንከላኸል። ኣብ ሙሉእ እምነትን ሓቕን ተደሪክና ንሃገርና ጠጠው ክንብል ኢና። ብሓፈሻ እዚ ክንገብር ዝኽኣልናሉ ምኽንያት ድማ ስድራና ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ስለዘዕበዩና እዩ።

 ምስዚ ኣተሓሒዘ ክዛረቦ ዝደልዮ ነገር ኣብ ወፃኢ ሃገር ከለና ብዛዕባ ሃገርና እንሰምዖም ብዙሓት ዘኹርዑን ዘሐጉሱን ነገራት ንሰምዕ ነይርና። ካብኣቶም ሓደ ታሪኻዊትን ንዓለም ብዙሕ ነገር ዘበርከተት ሃገር ምዃና እዩ። እቲ ብጣዕሚ ዘኹረዐኒን ዝሰምዖ ዝነበርኩ ሃገርና ብባዕዳውያን ዘይተገዝአት ምዃና እዩ። ኹለን ሃገራት ኣፍሪካ እንትውረራ ህዝባ ዝነበሮም ወነን ጀግንነትን ከምኡውን ሃገሮም ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከይትወድቕ ዝገበርዎ ዘኹርዕ ታሪኽ ብጣዕሚ የሐብነኒ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ሙስሊም ኣብ ዓለም ሃይማኖቶም ከካይዱ ተሰዲዶም ዝመፁላ ፈላመይቲ ሃገር ኢትዮጵያ እያ፤ጋሻ ዘይመለሰት ፤ሃይማኖቶም ክትግብሩ ዝገበረትን ንሃይማኖት ናፅነት ዝሃበት ሃገር ምዃና ንባዕሉ ዓብይ ኹርዓት እዩ። ነብዩ መሓመድ ንሰዓብቶም ኢትዮጵያ ማንም ዘይብደለላ ሃገር ከምዝኾነት መስኪሮምላ እዮም። እዚ ክሰምዕ ከለኹ ዓብይ ኹርዓት እዩ ዝስመዐኒ። ብምዃኑ ድማ ከምዚ ዝበለ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ስለዘላትኒ ዓብይ ታሕጓስ ይስመዐኒ።

ምስዚ ኣተሓሒዘ ከልዕሎ ዝደልዮ ኻሊእ ዛዕባ፤ ኣብ ስዑድ ዓረብያ ምስ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ምስ ምንባረይ ኹሉ ንሃገሩ ኣልዕል ኣቢሉ ከርእይ ይደልይ እዩ። ካብ ዓለም ቐዳማይ እናገበረ ከቕርብ ይርእይ። ኣንሕና ድማ ናብ ገዛና እንትንምለስ ስድራ ቤትና ኹሉ ግዘ ብዛዕባ ሃገርናን፣ዝዓበይሉ ኸባብን ብዛዕባ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ኸባብታትን ኣቀማምጣ መልከኣ ምድርን ናይቲ ህዝቢ ማሕበራዊ መነባብሮን ተኸኣኢሉ ምንባሩን፤ኹሎም ብሃይማኖትን በብእምነቶምን ብሰላም ፈጣሪኦም ምምላኽ ከምዝኽእሉን፤ናይ ፍቕሪ ሃገር ከምዝኾነትን ይነግሩና ነይሮም። ኣብ ደገ እንትንወፅእ ግና ሓደሓደ ሰባት ንሃገርና ከናእሱ ነስተውዕል ኢና። ኢትዮጵያ ንናብራ ከምዘይትጥዕምን ፅብቕቲ ከምዘይኮነትን ገይሮም ይስእልዋ። ይኹን ምበር ስድራ ቤትና ምስዚ ዝፃረር ስለዝነግሩና ከም ካልኦት ሃገራት ፅቡቕ ነገር ከምዘለዋን፤ ሕማቕ ጎኒ’ውን ክህልዋ ከምዝኽእል ኢልና ንኽንኣምን ገይሩና እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግና ብናፅነትን ብፍቕርን ዝንበረላ ሃገር ከምዝኾነት እናነገሩ ስለዘዕበዩና ካብ ብቑልዕነትና ጀሚርና ንሃገርና ንከራኸርን ንሟገትን ኢና ነይርና።

ሕቶ፡-ብመንፅር እዚ ንኢትዮጵያ ብኸመይ ትገልፃ?

ኣይተ መሓመድ ኣልኣሩሲ፡- ሓቂ ዘረባ ንኢትዮጵያ ምግላፅ ኸቢድ እዩ። ብቓላት ይኹን ብብርዐይ ንኽገልፃ ይፅገም እየ። ዓባይን ልዑል ቑፅሪ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ። ናይ ምምዕባል ዕድል ዘለዋ ሃገር እያ። ኢትዮጵያ ማንም ሰብ ክልወጥ እንተደልዩ ዝልወጠላ ሃገር እያ። ብሓፈሻ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ምችውቲ ዝኾነት ሃገር ፀውዕ ተትብልኒ ኢትዮጵያ እያ። ብሓባር ተሓባቢርና እንተሰሪሕና ድማ ልዕሊ ኹሉ ብልፅቲ ክንገብራ ንኽእል ኢና። ናተይ ድሌት’ውን ካብ ዓለም ሃገራት ንናብራ ይኹን ንስራሕ ምችውቲ ምግባር እዩ። ናይ ቐፃሊ ዕላማይ ሃገረይ ኹሉ ዝዘራረበላን ዝምስክረላን ምግባር እዩ።

ሕቶ፡- ሓድነት ህዝብታታ ውፅኢቱ እንታይ እዩ ኢልካ ትኣምን?

ኣይተ መሓመድ ኣልኣሩሲ፡-ኢትዮጵያ ካብ ኻልኦት ሃገራት ፍልይ ዘብላ ነገር እንተሃለወ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ብሓባር ዝነብሩላ ሃገር ምዃና እዩ። ኹሉ ነናይ ባዕሉ ቋንቋን ባህልን እናሃለዎ ተረዳዱኡ ብሓድነት ዝነብረላ ሃገር እያ። እዚ ነገር ከም ሓባራዊ ኹርዓትና ኢና ክንሪኦ ዝግበአና ዝብል እምነት ኣለኒ። ኹላትና ማዕረ ኢትዮጵያውያን ኢና። ናይ ሓደ ብሄር ኣካል ከም ውልቀ ሰብ እንትብድል ኹላትና ኢና ክነወግዞ ዝግበአና። ምኽንያቱ ድማ ናይቲ ብሄረሰብ ኣባል ስለዝኾነ ከይኾነስ ጥፍኣት ስለዘጥፈአ ጥራሕ። ብፍላይ ድማ ናቱ ብሄረሰብ ኣባላት ዝኾኑ እዮም ፈለማ ኣጥዕዮም ከውግዝዎ ዝግባእ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ስለዝኾነት ጥፍኣት ከምጥፍኣት ኢና ንሪኦ። ካብዚ ስለዝመፀ ጥፍኣት እዩ፤ካፍቲ ስለዝመፀ ድማ ጥፍኣት ኣይኮነን ክንብል ኣይንኽእልን። ብሓደ ዓይኒ ኢና ንርኣይ። ኹሉ ብሽም ኢትዮጵያ እዩ ዝፅዋዕ። ናይ ሓደ ብሄር ኣባል ንኢትዮጵያ ዘኹርዕ ነገር እንተምፅእ ኹሉ እዩ ዝሕጎስ። ናይ ኽስቶ ብሄር እዩ ኣይንብልን። ከም ኢትዮጵያዊ እዩ ኹርዓት ዝስመዐና፡፤ኣነ ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅእ ዋላ ሓደ ሰብ ዘርአይ ወይ ብሄረይ ዝሓተተኒ የለን። ካበይ መፂኻ ዝበለኒ የለን። በዚ ድማ ዓብይ ኹርዓት እዩ ዝስመዐኒ። ብምዃኑ ድማ ኣብ መንጎ ኹሎም ብሄራት ማዕርነት ንኽህሉ፤ማንም ከይብደል ክነምህርን ክንሰርሕን እዩ ዝግበአና።

ሕቶ፡-ንሃገርኻ ምስ ዝነበረካ ስእሊ እቲ ዝተፀበኻዮ ዶ ረኺብካዮ?

ኣይተ መሐመድ ኣልኣሩሲ፡-ቕድም ኢለ ከምዝገለፅኩዎ ስድራ ቤተይ ብዛዕባ ሃገርና ኹሉ ነገር ኣፍሊጦም እዮም ኣዕብዮምና። ከም ኣብነት ክጠቕሰልኪ ኣፍቲ እንነብረሉ ሃገር ባህሊ ኢትዮጵያ ዘርእዩ ነገራት ምርካብ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ቤት ምግቢ ኢትዮጵያ የለን። ይኹን’ምበር ስድራ ቤትና ባህልና ክንፈልጥ ምእንቲ ኣብ ገዛ ናይ ኢትዮጵያ ምግቢ እናሰርሑልና ካብ ካልኦት ዝፈልየና ነገር ክንርዳእ ይገብሩ ነይሮም። እዚ ድማ ዓብዪ ፍቕሪ ክህልወና ገይሩና እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣፍቲ ዓዲ ኹሎም ዜጋታት ሃገሮም ዘፋልጡሉ ዓበይቲ ዱካናት ነይሮሞም። እቲ ዘሕዝን ግና ንኢትዮጵያ ዘፋልጥ ኣይነበረን። በዚ ድማ ኣቦይ ይሓዝንን ይጠዓስን ነይሩ። ይኹን’ምበር ደሓር ብመንግስትን ብውልቀን እናረአና መፂእና። ኣብዘን ዱካናት ባህሊ ኢትዮጵያ ምርኣይ ተጀሚሩ፤እዚ ድማ ብጣዕሚ ዘሐጉስ እዩ።

ናፍቲ ሕቶ ክምለስ ከለኹ ኣብ ወፃኢ ከለኹ ብዛዕባ ልምዓት ኢትዮጵያ ይሰምዕ ነይረ። ኣብዚ ምስ መፃኹ ግና ልዕሊ ዝተፀበኽዎ እዩ ኾይኑኒ። ብጣዕሚ ቕልጡፍ ልምዓት እየ ሪአ። እዚ ድማ ኣዝየ ተስፋ ክገብር ገይሩኒ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም’ውን ዓብዪ ኢኮኖሚ ዘለዋ ሃገር ከምእትኸውን ክሓስብ ገይሩኒ እዩ።

እቲ ኻሊእ ስድራና ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ኢትዮጵያ ይነግሩና ነይሮም። ንኣብነት ፅልኢ እንተተፈጢሩ ሽማግለታትን ዓበይቲ ዓድን ብኸመይ ከምዝፈትሕዎ ክንሰምዕ ከለና ደስ ይብለናን የሐብነናን ነይሩ። እቲ ኻሊእ ዘኹረዐኒ ነገር ኣነ ንኣብነት ቋንቋ ኦሮምኛ ይዛረብየ። ይኹን’ምበር ዋላ ሓንቲ ሕማቕ ቃል ኣይፈልጥን። እዚ ድማ ክንደየናይ ብዛዕባ ሃገርና ፅቡቕ ነገር ከምዘሎ እዩ ዘርእየና። እዚ እዩ ዘሐጉሰና ዝነበረ። ብዝበለፀ ድማ ሃንቀውታ ይፈጥረለይ ነይሩ።

 ሕቶ፡ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ካብ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን እኹል ድጋፍ ረኺበ እየ ኢልካዶ ትኣምን?

ኣይተ መሐመድ ኣልኣሩሲ፡-ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ኣዝዩ ልዑል ዝበሃል ድጋፍ እዩ ተገይሩለይ። ብኣውሩኡ ዘሐጉሰኒ ድማ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝረኸብክዎ ፍቕሪ እዩ። ካብ ሕድሕድ ሰብ ዝረኽቦ ፍቕርን ኸበሬታን ዝገርም እዩ። ንግድብ ህዳሰ ጠጠው ብምባለይ ዝያዳ ሕጉስ ገይሩኒ እዩ። ብናተይ እምነት ግድብ ህዳሰ መለለዪ ኢትዮጵያ እዩ። ናይዚ ትውልዲ ዓሻራ እዩ። ዓብዪ ፕሮጀክት እናሰራሕና ግን ድማ ኻሊእ ኣካል ዘይንጎድኣሉ ብምዃኑ ድማ ዝያዳ የኹረዐኒ። በዚ መንፅር ኢትዮጵያውያን ንዝሃቡኒ ክብሪ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ይፎቱ። ብዙሓት ሰባት ከዘራርብ ከለኹ ብዙሕ ናይ ናብራ ፀገም እናሃለዎም ብዛዕባ ሃገሮም ክጭነቑን ሙሉእ ትኹረቶም ንሃገሮም እንትህቡ ኣስተውዒለ እየ። ብዙሕ ፀገም እናሃለዎ ብዛዕባ ሃገሩ እንትልዓል ናይ ባዕሉ ረሲዑ ንሃገሩ ክጭነቕ ይጅምር። እዚ እዩ ዝበለፀ ክጥንክርን ክበረታታዕን ዝገበረኒ። ኣብ ሕድሕድ በዓል ስልጣንን ኢትዮጵያውን እዚ ፍቕሪ ሪአ እየ። ፍቕሪ ሃገር ከብልፁን፤ልዕሊ ኹሉ ክሓስቡ ብምርኣየይ ተበረታቲዐ እየ። ስለ ዝኾነ ድማ ልዕሊ እዚ ድጋፍ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኹልና ኢትዮጵያውያን ሐዚ’ውን ኣብ ልምዓት ክንቕፅል ኣለና። ሃገርና ኣብ ምድጋፍ፣ንሃገርና ጠጠው ምባልን ምስራሕን ይግበአና። ኹላትና ንዕብየት ሃገርና ናይ ባዕልና ዓሻራ ክነዕርፍ ክንክእል ኣለና። ንዝገበርኩምለይ ድጋፍ ኣዝየ የመስግን ክብል ይፈቱ። ኹሉኹም ኢትዮጵያውያን ይኾርዐልኩም እየ። እቲ ዘለና ፍቕሪ ድማ ብተግባር ክንገልፅ ኣለና። ብሓባር ብምስራሕ፣ብሕብረት ጠጠው ብምባል፣ብሓባር ብምስጓምን ፅቡቕ ዘይኮነ ነገር ብምዕራይ፤እቲ ፅቡቕ ድማ እናሐየልና ብሓባር ንቕድሚት ክንስጉም ኣለና።

 ሕቶ፡ግብፅን ሱዳንን ዓለምለኻዊ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝገብርኦ ዘለዋ ጉያ ክንደየናይ ውፅኢታዊ እዩ ኢልካ ትኣምን?

ኣይተ መሐመድ ኣልኣሩሲ፡ ሓቅኺ ኢኺ ዓብዪ ፅዕንቶ ብወገን ግብፅን ብሱዳንን እናተገበረ እዩ። ብዝረኸበኦ ኣጋጣሚ ፅዕንቶ ንምፍጣርን እዚ ፕሮጀክት ንኸይዛዘም ዘይገብርኦ የለን፡፤እዚ ፍሉጥ እዩ። ኢትዮጵያ ግና ቕድሚ ሐዚ’ውን ወረርቲ ኣዋሪዳ ከም ዘባረረቶምን ሐዚ’ውን ንዝበፅሓ ዘሎ ፅዕንቶ ስዒራ ናብ እትደልዮ ልምዓት ክትበፅሕ እያ ዝብል እምነት ኣለኒ። ናይዘን ሃገራት መንግስታት ዝገብርዎ ፅዕንቶ እንተሃለወ’ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰለስቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ግና ፅቡቕ እዩ። ብምዃኑ ድማ ንሕና ክንሰርሖ ዝግበአና ነዚ ብምጥንኻር ናብ ምርድዳእ እንተንኣቱ ዝበለፀ እዩ። ኾይኑ ግና ሕማቕ ነገር ዝሓስብ ሐዚ’ውን ኣሎ። ኣፍቲ ጎደቦ ዘይምርግጋዕ ክፍጠርን፣ረብሻ ዝደልዩ ኣካላት ኣለዉ። ነዚኣቶም ድማ ግቡእ ምላሽ ክንህቦም ይግባእ። ኣድላዪ ምንቅስቓስ ክንገብር ይግበአና።

ሕቶ፡ብመዳይ ሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ዘተ ክንደየናይ ዘዋፅእ እዩ?ብወገን ኢትዮጵያ ዝተርፉ ስራሕቲ ክንደየናይ እዮም?

ኣይተ መሐመድ ኣልኣሩሲ፡-ኢትዮጵያ ብመዳይ ዲፕሎማሲ ይኹን ብኻልኦት ጉዳያት ዓብዪን ብዙሕን ስራሕ ትፅቢት ይግበራ። ከምዝገለፅኽዮ ድማ ኢትዮጵያ ዓብዪ ቦታ እትህቦ ንኸምዚ ዝበሉ ዓበይቲ ድርድራት እዩ። ብመንፅር ክብርን ኣፍልጦን ሕብረት ኣፍሪካ እትገብሮ ምንቅስቓስ ዝድነቕ እዩ። ብፍላይ ንሓድነት ኣፍሪካውያንን ፀገሞም ብሓባር ምፍታሕ ከም ዝኽእሉ መርኣያ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ፀገማት ኣፍሪካ ክፍትሑ ዝግበኦም ኣብ ኣፍሪካ እዩ። ገበናና ናብ ደገ ምውፃእ ዓብዪ ውርደት እዩ። ኣማራፂ እንትሰኣን ጥራሕ ኢና ክነውፅኦ ዝግበአና። ኾይኑ ግና ከምቲ ዝበልክዮ ነገራት ዘበላሽዉ ኣካላት ኣለዉ እዮም። ነዚ እየ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ክንሰርሕ ኣለና ዝበልኩ። ብብርኪ ዲፕሎማሲ ይኹን ካብዚ ብዘይንእስ መልክዑ ኣብ ወፍሪ ሚዲያ’ውን ዓብዪ ስራሕ ትፅቢት ይግበር። እዚ ድማ ክኸውን ዘለዎ ኣዝዩ ብዝተፀንዐ መገዲ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመዳይ ዲፕሎማሲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብጣዕሚ ዝድነቕን መላእ ኢትዮጵያውያን ኣኹሪዑ እዩ። ሐዚ ውን ብዙሕ ስራሕ ትፅቢት ይግበር።

ሕቶ፡ግብፂ ምስ ሃገራት ዓረብ ብዘለዋ ተቐባልነት ክተብፅሖ እትኽእል ፀቕጢ እንታይ እዩ?እተን ሃገራት ሐዚ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለወን ቅዋም እንታይ እዩ?

ኣይተ መሐመድ ኣልኣሩሲ፡ ከምዝፍለጥ ግብፂ ኣብ ሃገራት ዓረብ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ዓብዪ ቦታ ዘለዋ ሃገር እያ። ኢትዮጵያ’ውን ነዚ ትፈልጥ እያ፤ኣይከሓደትን። ንግብፂ ዘለዋ ክብሪ ድማ ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ዓለም ይኹን ኣብ ኣፍሪካ ኣለዋ እዩ። ኻሊእ ይትረፍ ብሃገራት ዓረብ’ውን ዓብዪ ክብርን ታሪኽን ዘለዋ እያ፤ ዓብዪ ሃፍቲ ዘለዋ ሃገር እያ። ብኣቀማምጥኣ’ውን እንተኾነ ብሃገራት ዓረብ ዓብዪ ስፍራ ዘለዋ ሃገር እያ። ብመንፅር እዚ ዝገብሮም ዘተታትን ቃለ መሕትትን ንኢትዮጵያ እናፋለጥኹዋ እየ ዘለኹ። ከምቲ ዝፍለጥ ምስ ሃገራት ኣዕራብ ዝነበረና ርክብ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ። ሃገራት ኣዕራብ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን ነይሮም። ግብፂ ጥራሕ እያ ናይ ባዕላ ኣጀንዳ እናመሓላለፈት ፀኒሓ። ብዘለውዋ ብርክት ዝበሉ ሚዲያታት ብምጥቃም ናይ ባዕላ ፀገማት እናገለፀት እያ ፀኒሓ። ብኣንፃሩ ብወገን ኢትዮጵያ ምላሽ ኣይነበረን። እቲ ክፍተት እዩ ንዚ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ምኽንያት ኾይኑ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሃገራት ኣዕራብ ኣሕዋትና እዮም፤ምስዚ ተተሓሒዙ ዘለና ፅቡቕ ርክብ ብምጥቃም ጉዳያትና ብመዳይ ኽልቲና ክሪእዎ ክንገብር ይግበአና። ንዓና ተዘይሓገዙ’ውን እቲ ሓቂ ክሪኡን ክፈርዱን ክንገብር ክንክእል ኣለና። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያውያ እቲ ዝነበራ ክፍተት እናመሓየሸት እያ። ብዛዕባ መሰላ ይኹን ግቡኣ ብዝግባእ እናመሓላለፈት እያ።

ሕቶ፡ክተረደኣና ?

ኣይተ መሐመድ አልኣሩሲ፡ ኣብዚ ዙርያ ዝገብሮ ነገር ክገርመኩም ይኽእል እዩ። ፈለማ እቲ ዝነዝሕዎ ግጉይ መረዳእታ ይሕዝሞ፤ኣፍቲ ዙርያ መረዳእታ የተኣኻኽብ። እሳቶም ዘውፅእዎ መረዳእታ ሒዘ እየ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝዛረብዎ ዘረባ ፤ እቲ ሓቂ ንምፅራይ ፃዕሪ ይገብር። ከምቲ ዝበልክዮ ፈለማ መረዳእታ ንምርካብ ኣፀጋሚ እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ሓደሓደ እዋን ሙሉእ መረዳእታ ክስእን ከለኹ ሙሉእ እምነት ስለዘለኒ ብድፍረት ነቲ ዝብልዎ ተፃራሪ ምላሽ እየ ዝዛረብ። ኾይኑ ግና ኹሉ ግዘ ሓቂ ኾይኑ ይርከብ። ምስ ዝእመኑ ኣካላት ከውግዕ ከለኹ ልክዕ ኢኻ ይብሉኒ። ሐዚ ድማ መረዳእታ ምርካብ ቐሊል ኾይኑ ኣሎ። ኣጥዕየ እየ ዘንብብ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ሚዲያታት እንትቐርብ ተወዳዳሪ ክኸውን ስለዘለኒ፤ብቑዕ ኾይነ ንኽርከብ ፃዕሪ ይገብር እየ።

ሕቶ፡ንስኻ ካብ እትፍለጠሉ ጉዳይ ብዝተፈለየ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፓርቲ ብልፅግና ወኪልኻ ኣብ ቤት ምኽሪ ንምውድዳር ዝደለኻሉ ፍሉይ ምኽንያት እንተሃልዩካ ተተረደኣና? ምስዚ ተተሓሒዙ እንተስዒርኻ ኣብ ቋንቋ ዘለካ ኽፍተት ከመይ ኢኻ ትፈትሖ?

ኣይተ መሐመድ ኣልኣሩሲ፡ ዓብዪ ሕቶ ኢኺ ሓቲትኽኒ፤ካብ ልበይ ድማ ክምልስ ይደሊ። ፈለማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከገልግል ዝኸኣልኩ ብምኽንያት ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ብፍላይ ድማ ብሚድያ ገይረ ንሃገረይን ንህዝበይን ጠጠው ብምባለይ እዩ። ዝኾነ ዕድል እንትረክብ ምጥቃመይ ኣይተርፍን። ንዝሰርሖም ስራሕቲ ዝበለፀ ይሕግዘኒ እዩ፤ለውጢ ክረኽበሉ እየ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ እየ ናብዚ መረፃ ዝኣተኹ። ሓደ ሓደ ኣካላት ንምንታይ ናብ ፓርቲ ትኣትው?ህዝቢ ኢትዮጵያ ገዲፍካዮ ዲኻ?እናበሉ ይሓቱኒ እዮም። ኣነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይገደፍክዎን እኳድኣስ ዝበለፀ ንምግልጋል ኢለ እየ ናብዚ ዝኣተኹ። ዝበለፀ ድምፂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዃን ኢለ እየ ናብዚ ዝኣተኹ። ናብ ፓርቲ ምእታወይ እቲ ዝሓዝክዎ ዕላማ ዘዐንቅፈኒ እንተኾይኑ ዓርሰይ ከግልል ይኽእል እየ። ምኽንያቱ ድማ ነቲ ዝሓዝክዎ ስራሕ የጠናኽረለይ ኢለ’ምበር ስረሐይ ዘብድየኒ ክኸውን የብሉን። ብምዃኑ ድማ ብዝበለፀ ሃገረይ ንኸገልግል ኢለ እየ ናብ መረፃ ዝኣተኹ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ጎነይ ከምዝኾኑ እምነተይ እዩ።

ኻሊእ ክዛረቦ ዝደልይ ናብ ፖለቲካ ምእታወይ ይኹን ናብ ፓርቲ ምእታወይ ንዓይ ፅቡቕ ወይ ድማ ሕማቕ ኣይገብረንን። ምኽንያቱ ብስርሐይ እየ ዝዕቀን። ብተወሳኺ ድማ ኣነ ናፍቲ ፓርቲ ብምእታወይ ዝውስኸሉን ዝንከየሉን ነገር የለን። እቲ ዋና መሰረት በቲ እንሰርሖ ስራሕ ኢና እንዳነ። ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ፓርቲ ሰብ ሰራሕ እዩ። ናይ ፈጣሪ ስራሕ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ሰብ ሰራሕ ጌጋታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፤ይኹን’ምበር እቲ ጌጋ ብሓባር ኾይንና ክነዐርዮን ክንፈትሖን እዩ ዝግበአና። እቲ ፓርቲ ዝጠቅም ነገር እንተሃልይዎ ድማ ንዑኡ ንምጥንኻር ብሕብረት ክንሰርሕ ከለና እዩ።

ምስ ቋንቋ ኣተሓሒዝኪ ዘልዐልክዮ ሕቶ ፈለማ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትቕበለኒ ናይ ምርድዳእ ፀገም ኣይገጠመንን። ኣነ’ውን ከመይ ገይረ እየ ንዝመርፀኒ ህዝቢ ሓሳበይ ዝገልፅ?ኢለ ንቤት ምኽሪ ሓቲተ ነይረ። ብዙሕ ሰብ ዘይክፈልጥ ይኽእል እዩ፤ኾይኑ ግና ዓብዪ ቴክኖሎጂ ከምዝኣተወ እዮም ነጊሮምኒ። ሐዚ’ውን እንተኾነ ኣምሓርኛ ዘይኽእሉ ኣባላት ኣለዉ እዮም። እቲ ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዝተራቐቐን ንተዛራቢ ይኹን ንሰማዒ ዝትርጉም ከምዝኾነን ስለዝነገሩንን ስለዘበረታትዑንን እየ ናፍቲ ጉዳይ ኣትየ። ይኹን’ምበር ከምዚ ስለዝበሉኒ ሱቕ ኣይበልኩን ብዙሕ ተዘይኮኑኩ’ውን ብዘለኒ ዓቕሚ ቋንቋ ንምልማድ እናፀዓርኹ እየ። ምናልባት ንቐፃሊ ዘደንቑ ነገራት ክትሪኡ ትኽእሉ ኢኹም።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You