‹‹ ካብ ኩሉ ብዝበለፀ ህዝቢኣብ ሰላም ትኹረት ክገብር ይግባእ›› – ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን

ብሓደ ዓላማ ብፅንዓት ዝተዓወቱሉ በዓል ሰብ ውዕለታ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሶኒ ተኸቢሩ ‘ዩ። ነዞም ሰብ ውዕለታ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓርበኞታት ዝዝክር በዓል፤ ምስ ማሕበር ጥንታዊት ጀጋኑ ሓርበኛታት ‘ውን ዝተሓሐዝ ‘ዩ።

መበል 84 በዓል ዓወት 27 ሚያዚያ 2017 ዓ.ም ምኽባሩ ምኽንያት ብምግባር፤ በዓል ሓርበኛታት ብኸመይ መልክዕ እናተኸበረ ፀኒሑ? ሓርበኛታት ብሓደ ዕላማ ንሃገሮም ነፃነት ተዋጊኦም ተሳኺዕሎም ‘ዩ። እዚ ሓድነትን ናይ ዕላማ ፅንዓትን ሰላም ንምርግጋፅ ዝከኣለሉ ከመይ ‘ዩ? ዝብሉን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ሕቶታት ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ (ትፕኢ) ምስ ፕሬዚዳንት ማሕበር ጥንታዊት ጀጋኑ ሓርበኞታት ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ዝነበሮ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣቀሪብናዮ ኣለና።

ሕቶ፡- በዓል ሓርበኛታት ብኸመይ መልክዕ እናተኸበረ ፀኒሑ?

ልጅ ዳንኤል:- እቲ በዓል ኣብ እዋን ንጉሠ ነገሥት ብድሙቅ መልክዕ እናተኸበረ ነይሩ።ካብ 14 ጠቅላይ ግዝኣት ዓበይቲ ሓርበኛታት፣ እቶም ንጉሠ ነገሥት፣ መኳንንትን መሳፍንትን ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ተረኺቦም የኽብርዎ ነይሮም።

ኣነ ‘ውን ኣብቲ በዓል ይሳተፍ ነይረ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ሓደ ዘበን ብጣዕሚ ልዕል ብዝበለ መልክዕ ዝኽበር ዝነበረ እዚ በዓል ዓወት፤ መንግስቲ እንትልወጥ ኩነታት ኣከባብርኡ ተቐይሩ። ኣከባብርኡ ካብ ዝተቐየረሉ ምኽንያት ሓደ ድማ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ደጃት ኣዝማቲታት ይኹኑ ፊት ኣውራሪታት፤ ባላምባራስ ይኹኑ ነጋድራሳት፣ ኩሎም ተፀዋዕቲ ወይ ሓሻኽር ንጉሰ ነገስት ተገይሮም ብምርኣዮም ፊውዳል ብዝብል ቃል ንክፅልኡ ብምግባሩ ‘ዩ።

ከምዝፍለጥ እቲ እዋን ዘበን ኣብዮት ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሓርበኛታት ከይተረፉ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ‘ዮም። ፍርቆም እንትእሰሩ፤ ፍርቆም ብሕማም ሞይቶም፤ ሓለሓሊፎም ‹‹ዘራፍ›› እናበሉ ናብ ዱር በረኻ ኣትዮም። እቶም ዝተረፉ ድማ ብፀገም ጥዕናን ዕድመ ምድፋእን ብሓደ ኮይኑ ኣዳኺምዎም ተመናሚኖም።

ነዚ ተኸቲሉ ብብዙሕ መዓርግን ብፍሉይ ኩነታትን ብዝደመቀ ዝኽበር ዝነበረ በዓል ተሪፉ ሱቅ ተባሂሉ ክሕለፍ ጀሚሩ። እዚኹሉ ዝኾነ ንጉሳዊ ስርዓት ስለዝወደቀ ‘ዩ። ኣብቲ እዋን ዝሓዘነን ዝተሓጎሰን ‘ውን ነይሩ ‘ዩ። ይኹን ‘ምብር እቶም ደስ ዝበሎም ስሕተት ከምዝነበሮም ፀኒሑ ‘ዩ ተረዲእዎም። ይኹን ‘ምበር ዝተሰበረ ብርጭቆ ምፅጋን ኣይክኣልን።

ናይቲ እዋን መንግስቲ ድሕሪ ዝተወሰነ ፃንሒት ማሕበር ሓርበኛታት ምስቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ምትእስሳር ብምርድኡ በዓላት ንምኽባር ምድላው ጀሚሩ። ብርግፅ ንይምሰል ዕምበባ ተቀሚጡ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ‹‹ እቲ በዓል ነፃነትና ዝተቀበልናሉ ዘይኮነስ፤ ኣንሕና ባዕልና ዋጋ ኸፊልና ነፃነት ዝረኸብናሉ ናይ ዓወት በዓል ‘ዩ።›› ኢሉ ነቲ ሕብረተሰብ ኣተኣኻኺቡ ናይ ምኽባር ኸይዲ ንኣስታት ንሸውዓተ ዓመታት ኣከባቢ ተቋሪፁ ነይሩ።

በቲ ድምቀት ዝኽበር ዝነበረ በዓል ንሓደ ዓመት ‘ውን እንተኾነ ምቁራፁ ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ተምሃራይ ሓደ ዓመት ኣቋሪፁ እንደገና ናብ ቤት ትምህርቲ እንትኣትው ከምዘለዎ ኣፈላላይ ናይቲ በዓል ኣከባብራ ሰፊሕ ኣፈላላይ ተራእይዎ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ሓርበኛታት ነፃ ዘውፅኡ ንኢትዮጵያውያን ‘ዩ። ንምንታይ ናይ ሓርበኛታት በዓል ምስቶም ንጉስ ተኣሳሲሩ? ነዚ ምርዳእ ከመይ ኣብይዎም?

ልጅ ዳንኤል:– ከይተረድእዎ ስለዝተረፉ ኣይኮኑን። ኣብቲ እዋን ርእዮተ ዓለም ፖለቲካ መንግስቲ ካብ ናይ ንጉስ ዝተፈለየ ነይሩ። ስለዝኾነ ቅድሚኡ ዝነበረ ብዝምልከት ምሕሳብ ኮነ ምዝራብ ኣይክኣልን ነይሩ። ዝሓለፈ ኩሉ ምሉእ ንሙሉእ ምግዳፍ ከም ግድን ተቖፂሩ ነይሩ። ስለዝሓፈ ዝተዛረበ ብሙሉኡ ፀላኢ መንግስቲ ‘ዩ እንትብሃል ኩሉ ፈሪሑ። ምክንያቱ ድማ ሓይሊ እንትበዝሕ ሰብ ይፈርሕ ‘ዩ። ስለዚ ካብ ዘይተኸበረሉ ሓደ ብናይ ሰባት ፍርሒ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ሙሉእ ንሙሉእ ኣይተቋረፀን እናተነከባለለ ‘ዩ ፀኒሑ።

መንግስቲ ደርጊ ድሕሪ ምውዳቁ ድማ ኢህወዴግ ኢትዮጵያን እናመሓዳደረ ኣብ ዝነበረሉ ዘበን፤ ብተመሳሳሊ መልክዕ ዝተወሰነ ምንቅስቃሳት ነይሩ። መንግስቲ እቲ በዓል ምስቲ ሕብረተሰብ ዘራኽቦ ድልድል ምዃኑ ኣብ ርድኢት ውሽጢ ብምእታው፤ ንባዕሉ ይደልዮ ስለዝነበረ፤ ብደርጊ ካብ ማሕበር ሓርበኛታት ዝተወረሰ ንብረት ክሳብ ምምላስ በፂሑ ‘ዩ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሙሉእ ነፃነቱ ዘኽበረሉ በዓል ብዝተወሰነ መልክዕ ንክኽከበር እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ።

ጥንታውያን ኣቦታት ሓርበኛታት መብዛሕትኦም ኣብ እዋን ደርጊ ስለዝተወድኡ፤ እቶም ዘለው ድማ ብጣዕሚ ዝሸምገሉን ዝኣረጉን ምስ ምዃኖም ብተወሳኺ ናይ ቀደም ታሪኽ ዘኽብሩ ጥራሕ ስለዝነበሩ ብረግፅ መንግስቲ ኢህወዴግ ከም መንግስቲ ደርጊ ኣብ ሓርበኛታት ፀገም ክፍጥር ‘ዩ ዝብል ፍርሒ ኣይነበረን። ኣንሕና ‘ውን ንመንግስቲ እቲ በዓል ይከበር ብዝብል ጥልቅ ዝበለ ሕቶ እንተዘይቅረብና ‘ውን እቲ በዓል እናከበርና ፀኒሕና ኢና። ስለዝኾነ ዝተርፎ እንተሃለወ ‘ውን በዓል ምኽባር ጀመሩ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ንሓርበኛታት ዘለዎ ኣረኣእያን እናተኸበረ ዘለሉ ኩነታትን ብዝምልከት እንታይ ይብሉ?

ልጅ ዳንኤል፡- ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ድማ ማሕበር ጥንታውያን ጀጋኑ ሓርበኛታትን እቲ ታሪኽን የኽብር ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ‘ውን በቢዓመቱ ዝተወሰነ ድጎማ ንሓርበኛታት ፈቂዱ። በዓላታትና ብስነ ስርዓት ንኽበሩ ገይሩ። ሐዚ ‘ውን ኣብ እንኸደሉን ኣብ እንፅውዓሉ ቦታታት ኣኽብሮት እናረኽብና ኢና ዘለና። ኣብ ዝባንና ካባ ስለዝተገበረልና ተሰማዒነት እናረኸብና ኢና።

ሐዚ እዚ በዓል ወፂእና እነኽብሮ ባንዴራ ሒዝና ሙዚቃ ከፊትና ንምድራፍ ኣይኮነን። ኩሉ ግዘ ታሪኹ ክዝከር ስለዘለዎ ‘ዩ። ታሪኽ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ብዝኾነ ዓይነት ክህልው ኣይክአልን። ነዚ ከነንፀባርቅ እንኽእል በዓላት ብምኽባርን ንክኽበሩ ብምግባርን ‘ዩ። ስለዝኾነ በዓላት ብመንግስቲ ክኸበሩ ኣለዎም። ንኣብነት ዓድዋ እንተተላዒሉ ፤ እቲ በዓሉ ጠፊኡ ነይሩ። ንኢትዮጵያ ዝፀልኡን ምርባሽ ዝደልዩን፤ ሽም ሃፀይ ምኒሊክ ንምብልሻው ክንደይ ዝኣክል ከምዝሰርሑ ‘ውን ይፍለጥ ‘ዩ።

መንግስትን ሕገመንግስትን ከምዘየሎ ብምምሳል በፅቢፆም ንኻሊእ ወፃኢ መንግስታት ንክንግዛእ ዝሰርሑ ብዙሓት፤ እቲ በዓል ከይክበር ደልዮም ነይሮም። ከማይ ዝበሉን ነቲ ታሪኽ ብትኽክል ንዝፈልጡ ሰባት እዚ ዘዋፅእ ኣይኮነን። ካብ ኣዲኡን ኣቡኡን ዝተወለደ ሰብ ካብኦም ኣይተወለድኩን ኢሉ ንታሪኹ ምምላስ ኣይክእልን። ይኹን ‘ምብር እቲ ሓወልቲ ከይተነኽአ ብዝበለፀ ንክኽበር ተገይሩ ብዝበለፀ ሓወልቲ ንጉስ ዘለዎ ቦታ ከም መበገሲ ተወሲዱ።

ሐዚ ከም ናይ ቀደም ወታደራዊ መንግስቲ መስመር ዝለቀቀ ዘይኮነስ እቲ ዝርርብ ንመሓየሽ፤ ስራሕ ንከፋፈል፤ ሓሳብ ነዋፅእ፤ ዘለና ፍልጠት ነኒባዕልና እናካፈልና ነታ ሀገር ነሻግር ዝብል ‘ዩ። ነዚ ንምግባር ኣብ ዝተፀዋዕናሉ ኩሉ እናተሳተፍና ንእሽይ ዓብይ ከይበልና ብመራኸብቲ ብዙሓን እናቐረብና ናብ ኩሉ ኣድማፃይን ኣንባቢን ንምብፃሕ እናፈተንና ኢና። መፅሄት እናሐተምና፣ማሕበርና ነቲ በዓል ንክኽበር እናገበረ፤ መንግስቲ ‘ውን እናሐገዘና ‘ዩ።

ሕቶ፡- እቲ ማሕበርኩም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ድዩ ዘሎ ?

ልጅ ዳንኤል፡- ኣይኮነን። ኣብ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዞባታት ኣሎ ‘ዩ። ብዝሓለፈ ጅማ ከይድና ብመሰረት እቲ ደንቢ መረፃ ኣካይድና ኢና። ትግራይ ንእሽተይ ኣፀጋሚ እንተኾነ ‘ውን ብጣዕሚ ብስል ዝበሉ ሰባት ብምልኣኽ ኣብዚ ሰሙን መረፃ እናተኻየደ ‘ዩ።

ነቲ ማሕበር ከቅንዕዎ ‘ዮም ዝበሃሉ ሰባት ይምረፁ ኣለው ‘ዮም። ብምቕፃል ኣርሲ፣ ባህርዳርን ዳውሮን ክካየድ ‘ዩ። እዚ እናተሰርሐ ‘ዩ ዘሎ ። እቲ ተረኪንናዮ ዝነበርና እንተተናገዐ ‘ውን ከይፈረሰ እናፀገንና ኣቐፂልናዮ ኢና። ኩሉ ንክምቸዎ ሓዱሽ ደንቢ ኣዳሊና በቢቦትኡ ብደመወዝ ዝሰርሑ ይኹኑ ዝድጎሙ ቅሩብ ምስ ኢኮኖሚ ንክጥዓዓመሎም ዝረኽብዎ ሓፍ ኣቢልና ኢና። ከምዝፍለጥ ገዛና ፈሪሱ ‘ዩ።

ሕቶ፡- እወ! ግና ህንፃ ሓርበኛታት ክፈርስ ከሎ ኣከያይድኡ ከመይ ነይሩ?

ልጅ ዳንኤል:- ብዝርርብ ‘ዩ። ‹‹ከመይ ይሓይሽ?›› ተባሂልና ኢና። መንግስቲ ከልምዕ እንትብል ኣይተልምዕን እንተይልና ኣንሕና ኢትዮጵውያን ኣይኮናን ማለት ‘ዩ። ብታሕቲ ሰብ ደቂሱ ብላዕሊ ሽንቲ እናፈሰሰ ይፅረይ እንትበሃል እምቢ ምባል ሓጥያት ‘ዩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝኾነ ኣይኮነን። እንትንጥየቅ ፍቃደኛታት ኢና ኮይንና። ንሶም ‘ውን ቢሮ ተኻሪዮምልና፤ ኣቅሑትና ንምጉዕዓዝ ገንዘብ ሂቦምና። ካብቲ ሓወልቲ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቅ ኣብ ኣራት ኪሎ ከባቢ ብርሃንና ሰላም መሬት ሂቦምና ‘ዮም። ሓደ ሓደ ‹‹ ታሪኻዊ ህንፃ ንምንታይ ፈሪሱ ?›› ይብሉ። እቲ ዋና ነገር ኣብ ኣራት ኪሎ ዝረከብ ሓወልቲ ሓርበኛታት፣ ኣብ ስድስት ኪሎ ዘሎ ሓወልቲ ሰማዕታትን ኣብ ጊዮርጊስ ዘሎ ሓወልቲ ምኒሊክ ‘ምበር ፤ እዚ ድሕሪ እቲ ኵናት ዝተሰርሐ ህንፃ ኣይኮነን።

ነቲ ሓዱሽ ህንፃ ዝኸውን ‘ውን ሓመዱ ተመርሚሩ ህንፀቱ ተጀሚሩ ‘ዩ። መንግስቲ ምሉእ ከተማ እናሰርሐ ብሙዃኑ፤ ነሃትና ‘ውን ምስርሑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነሃትና ጉዳይ እታ ከንቲባን ካልኦትን ብደንቢ እናተኸታተሉልና ‘ዮም ዘለው። ሓርበኛን ባህሊ ሓርበኛን እዚ መንግስቲ ካብ ዝሓሰብናዮ ብላዕሊ ክሕልዎ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ሓርበኛታት ብሓደ ዕላማ ንሃገሮም ነፃነት ተዋጊኦም ተሳኺዕሎም ‘ዩ። ሐዚ ናይ ውሽጢ ሠላም ንምርግጋፅ ምጥቃም ዝክኣለሉ ከመይ ‘ዩ?

ልጅ ዳንኤል፡- ከይተሞከረ ኣይተርፍን። ንኣብንት ሓደ ሃናፂ ጡብ እናልዐለ እንትሃንፅ፤ መሊሱ ካሊእ ጡብ ብታሕቲ እንተተመሺቱ እቲ ብላዕሊ ዝተሃነፀ ይድርመስ ‘ዩ። ኣብ ሃገርና እዚ እናኾነ ድማ ኣብ ዝድለይ ቦታ ንምፃሕ ብዙሕ ዓቅሚ፣ ሓይልን ሃፍትን እናፈሰሰ ‘ዩ። ሐዚ ብዙሓት ሞላጫታት ኣለው፤ ብሓደ ገፅ ነኒባዕሉ እናጎድአ ብኻሊእ ገፅ ድማ የመስግን። ዝተፈላላያ ኣእጋሩ ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታት የቐምጥ። ነሃትና ኣቦታት ነቲ ኵናት ዘሸነፉ ‹‹ዝመፀ ይምፃእ ሃገርና ተወሪራ ‘ያ። ስለዝኾነ ክነድሕና ይግባእ›› ኢሎም ብምሉእ ልቢ ኣብ ውሽጢ ትኪ ኣውሮፕላን ክንኣትው ኢና ኢሎም ‘ዮም።

እንተተሸኒፍና ክንማረኽ ኢና ንጣሊያን ክንግዛእ ኢና ኣይበሉን፤ መንጎ መንጎ ኣይሓዙን። እንተተሸኒፍና ክንመውት ኢና ኢሎም ‘ዮም ዘሚቶም። ምስ ጥንቅርብዒትን ተመንን ተኻፊሎም ከምዝድቅሱ ‘ውን ይፈልጡ ‘ዮም። እቲ ኹሉ ንዕላማ ዝነበሮም ፅንዓት ‘ዩ። ናሃቶም ዕላማ ንሃገር መስዋእቲ ምዃን ጥራሕ ‘ዩ ነይሩ።

ሓደ ሓደ ንጉሠ ነገሥት ‘ውን ከዋጋእ ‘የ ክብሉ ፀኒሖም ኣምሊጦኦም ኸይዶም ዝብሉ ኣለው። ይኹን ‘ምበር ንጉስ ተዋጊኦም እንተተቀቲሎም እንግሊዛውያን ኣብ ሕንዲ ን300 ዓመት ከምዝገዝኡ ኣነሕና ‘ውን ጣሊያን ይግዝኡና ነይሮም። ብምኻዶምን ብምትራፎምን ብዝተፈለየ መንገዲ እናተቓለሱ ነይሮም ‘ዮም። ኣብ ሊግ ኦፍ ኔሽን ዝገበርዎ ዝርርብ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ፀገማት ካበይ መፂኦም? ዝብል ክፍለጥ ኣለዎ። ሐዚ ሰላም ንምስፋን እናተሰርሐ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እናተሰርሐ ዘሎ ምጥንኻርን ምዝዛምን የድሊ ‘ዩ። እዚ ንምጥንኻር ድማ ኣብ ከተማታት ከባቢ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ቤት ዕዮታት መንግስቲ ዘለው ሰባት ብትኽክል ብስነምግባር ዝተሃነፁ ክኾኑ ኣለዎም። ሐዚ ዘሎ መንግሥስቲ ካብ ዝኾነ እዋን ዝበለፀ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሖም ‘ዮም። እተን ከንቲባ ‘ውን ለይቲ ከይተረፈ ይሰርሐ ‘የን፤ ብጣዕሚ ይለፍዓ ‘የን። ንባዕሎም ቀትርን ለይትን እናሰርሑ እንተኾኑ ‘ውን ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ሰራሕተኛ ምርኣይ ትፅቢት ይግበረሎም ‘ዩ።

እቲ ህብረተሰብ ዶክመንተይ ጠፊኡኒ ይብል፣ ግብሪ ዝኸፈለሉ ካርታ ይሸየጠሉ ይቅየረሉ። ኣብዚ ግዘ እቲ ህዝቢ ዝወቅሶ ንመንግስቲ ‘ዩ። መንግስቲ ንምዃን ይኹን ይስራሕ ‘ዩ ይኹን ‘ምበር እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ነቲ ህዝቢ ብግቡእ እናገልገሎ ኣይኮነን። እዚ ምስትኽኻል ናይ ግድን ‘ዩ። ንምስትኽኻል ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እንተኾነ ‘ውን፤ ዘይክኣል ነገር የለን። ትዕግስቲ እንተሃልዩ ይክኣል ‘ዩ። እቲ ባቡሩ ናብ ሓዲዱ ምምላስ ኣድላይ ‘ዩ።

ዝተምሃሩ ሰባት ደመወዝ ልዕል ብምባል፤ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ገዛ ዝረኽብሉ ወይ ንገዛ ዝድጎሙሉ ኩነታት ምፍጣር ግድን ‘ዩ። እዚ ኹሉ እንተሃልዩ ናብ ጉቦን ናብ ካሊእ ነገር ዝኸደሉ ኩነታት ይቅንስ ‘ዩ። ኢንዱስትሪታትና ልዕል እንተይልና እታወታት ካብ ሕርሻ ተቀቢልና ናብ ማኑፋክቸሪንግ ነብፅሕ እንተኾይንና ለውጢ ምርካብ ኣይተርፍን።

ክርሳዕ ዘይብሉ ኢትዮጵያ ኹሉ ግዘ ፀላእቲ ይህልውዋ ‘ዮም። ኣብዚ ጥርጣረ ክህልወና የብሉን። ናይ መጀመሪያ ፀላእታ ኣብ ከባቢኣ ዘለው ሃገራት ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ፀገማት እንተሃለውና ‘ውን ንዓቢ ኢና። ታሕተዎት ኮይንና ኣይንተርፍን። ፀዓዱ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተለዓለትሉ እዋን ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት መራሒት ስለዝነበረት መላእ ኣፍሪካ ከምዝልዓል ይፈልጡ ‘ዮም። ንዕዖም ‘ውን ሕማቅ ከምዝኸውን ይሓስቡ ‘ዮም። ስለዚ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ብጥንቃቀ ምርኣይን ምክትታል የድል ‘ዩ።

ናብ ውሽጢ ዓዲ ክንመፅእ ከለና መምህራን በሊፆም ነቲ ሕብረተሰብ ዘምህሩ ክኾኑ ኣለዎም። ከምዝስማዕ መምህር ምስ ተምሃሪ ሓቢሩ ጫት እንተቕሒሙ፣ ሲጋራ እንተ ኣትኪኹን ቆንጆ ጓል እንተኾይና ሓቢርኪ ምሳይ እንተዘይ ደቂስኪ ውፅኢት ከበላሽየልኪ ‘የ ምባል እንተቀፂሉ ሃገር ኣብ ፀገም ትወድቅ ‘ያ። ንሓደ ዕላማ ምልዓል ብርቂ ከምዝኾነ ክቅፅል ‘ዩ።

ሕቶ፡- ኣብ እዋናዊ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝምለከት እንታይ ይብሉ?

ልጅ ዳንኤል:- ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓሰብ እንትሸጡሉ ምንም ኣይበለን። ጦር ክውርወረልካ ከሎ ጉንብስ ኢልካ ኣሕልፎ ይብሃል። ሐዚ ድማ ዝተወሰደልና ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዝጥይቅ መፂኡ። እዚ ድማ ዓብይ ዕድል ‘ዩ።

ሕቶ፡- እቲ ሓሳብ ምልዓሉ ባዕሉ ክንደይ ዝኣክል ግቡእ’ዩ?

ልጅ ዳንኤል:- ሓሳብ ምልዓሉ ሚእቲ በምኢቲ ግቡእነት ዘለዎ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዝጠፍአ ንምስትኽኻል ሓሳብ ምልዓል ፍፁም ዝድገፍ ‘ዩ። ኩላትና ናይ ውሽጡ ዘሎ ስምምዕነት ኣይንፍልጥን። እቶም ናይ ቀደም መንግስታት እኒ ሃፀይ ምኒልክ ናይ ደገ ተንኮል ይርድኦም ነይሩ። እቲ ዝመፅኦም ቀዲሞም ስለዝርድኡ፤ ፈረንጂ ኣማኻሪ እንትገብሩ ሰላይ ከምዝኾኑ እናጠርጠሩ ነይሮም። ሐዚ ብርግፅ ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ፍልጠት ዘለዎም ኣለው። ንዕዖም ምጥቃም የድሊ።

ደም ከይፈሰሰ ኣፍደገ ባሕሪ ዝርከበሉ መንገዲ ብዝምልከት ምስራሕ ከምዝግባእ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ግድብ ህዳሰ ቀዲሙ ዝተሓሰብ ብዘበን ሃፀይ ኃ/ስላሤ ‘ዩ። እቶም ንጉስ እንትፍትኑ ግብፂ ካብ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ምስ ዓለም ርክብ ስለዝነበራ ኣይከኣሉን። እቶም ንጉስ ብዕድመን ብኣተሓሳስባን ክብሪ ስለዝነበሮም ተጋፊጦሞ ‘ምበር በቲ ሓሳቦም ከጥፍእዎም ነይሮም ‘ዮም።

ብርግፅ ደሓር ‘ውን ኣጥፊኦሞም ‘ዮም። ንዕዕኦም ዘግለለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይኮነን። ምናልባት ብናይ ደገ ፀላእቲ ምኽንያት ኣብቲ ወታደር ውሽጢ ዝነበሩ እታ ሃገር ከይትምሓየሽ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ውሽጢ ብምእታው ሃገር ኣብ ፀገም ዝትወድቀሉ ኩነታት ተፈጢሩ። እቲ ዝኾነ እዚ ‘ዩ። ግድብ ኣባይ ንምህናፅ ኣብ ጉሊት ኮፍ ዝብላ ኣዶታት ከይተረፋ ካብ ሓደ ቅርሺ ጀሚረን ኣዋፂአን ‘የን ምስራሕ ዝተኽኣለ። እቲ ኣፍደገ ባሕሪ እንተኾነ ‘ውን መንግሥቲ ሓሳቡ ምልዓሉ ይኹን ብሰላማዊ መንገዲ ምንቅስቃስ ምግባሩ ትክክል ‘ዩ።

ሕቶ፡- ግድብ ኣባይ ንክህነፅ ካብቲ ዝተዋፅአ ብተወሳኺ ምሁራት ምስ ግብፅን ሱዳንን ብምዝታይ ሰፊሕ ተሳትፎ ነይርዎም ‘ዩ። ሐዚ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከትከ መን እንታይ ይስራሕ?

ልጅ ዳንኤል:- ኩሉ ነገር ዝብገስ ካብ መራሒ ‘ዩ። መራሒ ሰነፍ እንተኾይኑ እቲ ሕብረተሰብ ‘ውን ሰነፍ ‘ዩ ዝኸውን። መራሒኡ ንቁሕን ናይ ፅባሕ ኣርሒቁ ዝርኢ ዝትንብይ እንተኾይኑ፤ እቲ ሕብረተሰብ ይግዛእ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ‹‹ሃፍትና ዝሰራሕናዮ እንሸጠሉ ዝደለናዮ እነእትወሉ በሪ እንተዘይብልና ሞይትና ኢና።›› ኢሎም በቢጊዜኡ ይዛረቡ ‘ዮም።

ቅድሚ ሐዚ እቲ ሃሳብ ‘ውን ፈፂሙ ኣይነበረን። ሐዚ ናብ ውሽጢ ከተማ ዘሎ ህዝቢ ይኹን ኣብ ገጠር ዘሎ ህዝቢ እቲ ሓሳብ ተኣታትዩ ‘ዩ። ህዝቢ ገጠር ካብቲ ዝተምሃረ ብዝበለፀ ብዛዕባ ሃገሩ ይፈልጥ ‘ዩ። ብዛዕባ ሃገሩ ይጭነቅ ‘ዩ። ሐዚ ዓለም ኣብ ኢድ ስልኪ ‘ያ ዘላ። ሓበሬታ ምርካብ ይክኣል። እዚ ድማ ምጥቃም የድሊ። በቢ ቤት ትምህርቱ እናኻዱ ዝተፈለጡ ዝተምሃሩ ናይ ጉዳይ ወፃኢ ይኹኑ ካልኦት ሰባት ዝርርብ ክገብሩ ኣለዎም።

ቀደም ጉድጓድ እንትፍሓር ንተምሃራይ ይዝረብ ፤ እቲ ተምሃራይ ንምንታይ ከምዝፍሓር ስለዝፈልጥ ንባዕሉ ‘ውን ይርዳእ፤ ንቤተሰቡ ‘ውን የፍልጥ። ሐዚ ማህበራዊ ሚዲያታት ምጥቃም ይግባእ። ይኹን ‘ምበር እቲ ህዝቢ ዝንገሮ እናፃረየ ከዳምፅን ኣድላይ ሓገዝ ምግባር ትፅቢት ይግበሮ። ነገራት ምድማፅ ናይ ፀላኢ ኣከያይዳ ንምፍላጥ ይሕግዝ። ኣይትሰምዑ ኣይብሃልን፤ እቲ ዝሰምዖ ምፅራይ ግና ና ይግድን ‘ዩ።

ስለዝነበረና ፃንሒት ብስም ክፍሊ ዝግጅት የቐንየለይ።

ልጅ ዳንኤል፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You