‹‹ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ስርዓት ኣልቦነት (ኣናርኪዝም) እንብሎ ኮይኑ ኣሎ›› – ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም

ናይዚ ሰሙን ዓምዲ ጋሻ ገይርና ዘቕረብናዮም ኣብ ቀረባ እዋን ብመረፃ ቦርድ ግዝያዊ ሰርተፊኬት ዝረኸበ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ(ስምረት) ኣባል ክልላዊ ላዕላዋይ ኮምቴ ሚድያን ኮምኒኬሽንን ዝኾኑ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም እንትኾኑ፣ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ትካላት ጥዕና’ውን’ዮም።

እዞም ጋሻና ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣብዚ እዋን እዋናዊን ህልው ኹነታትን ፖለቲካ ትግራይ እንታይ ከምዝመስል?፣ ኣብዚ እዋን ዝረኣዩ ዘለው ፀገማትን ብፍላይ ዳግማይ ናብ ኵናት ንምእታው ዝረኣዩ ዘለው ሃዋህው፣ ስግኣታትን ኣንፈት መዋፅኦታትን ኣብ ዝምለከት፣ ናይዚ ኩሉ ዋና ፍልፍል ፀገም መንን ንምንታይን ኣብ ዝብልን ከምኡ ‘ውን ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ክምዕብል ዝርኣይ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስን ሒዝዎ ክመፅእ ዝኽል ሳዕቤናትን ስግኣታትን እንታይ ይመስል? ኣብ ዝብል፣ ብእኒ ነበር ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትምራሕ ዝነበረት ፍንጫል ጉጅለ ነበር ህወሓት ኣብዚ ሰዓት ኣብ ምንታይን ኩነታት ኣላ? እንታይ ትሰርሕ ኣላ? ንዝብሉ ሕቶታት ዝሃብዎ መልሲ፣ ሓሳባትን መልእኽታትን ሓዊሱ ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና።

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዝርኣዩ ዘለዉ ዘተፈላላዩ ፀገማት ዋና መበገሲኦም እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ጠዓመ፡– ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝርኣዩ ዘለዉ ዘተፈላላዩ ፀገማት ዋና መበገሲኦም ፖለቲካዊ ወድቀት ‘ዩ።

ናይዚ ፖለቲካዊ ወደቀት ድማ ብውድብ ህውሓት( ሐዚ ብቦርድ መረፃ ዝተሰረዘት) ዝምራሕ ዝነበረ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ውሽጡ ናይ መሪሕነት ስትራቴጂክ ውደቀት ስለዝገጠመ፤ ብወናነት ነታ ውድብ ብላዕሊ ኮይኖም ዝመርሕዋ ዝነበሩ ኣካላት ውድቀት ስለዘርአዩን ብግቡእ ከመርሑ ስለዘየከኣሉን ‘ዩ። ብፍላይ እቲ ኣመራርሓ ኣብ ውሽጣዊ እቲ ውድብ ዝነበረ ኣፈላላይ ብግቡእ ክኣልይዎ ዘይምኽኣሎምን እቲ ዝተፈጠረ ናይ ስልጣን ጎነፅ ብዝገብርዎ ምኽንያት ‘ዩ ዕግርግር ወይ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- እቶም ሐዚ ዝርኣዩ ዘለዉ ፀገማት ብቅልጡፍ መፍትሒ እንተዘይተረኺብሎም ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

ኣይተ ጠዓመ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ስርዓት ኣልቦነት(ኣናርኪዝም) እንብሎ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከምድላዩ ዝገብረሉ፣ ዝተኣሰረ ብሓይሊ ዝፈትሐሉ፣ ስርዓት መጋባእያ ቤት ፍርዲ ‘ውን ብዕርግርን ረብሻን ዝብተነሉ’ዩ።

ንኣብነት ኣብዚ ቅነ ኣብ ቤት ፍርዲ መቐለ ብሰንኪ ሓደ ወዲ ጀነራል ብሰብ ቅትለት ተጠርጢሩ ኣብ ናይ መወዳእታ ኸይዲ ፍርዲ እናሃለወ ሰበይቲ እቲ ጀነራል (ኣዛዚ ኣርሚ 22) ካልኦት ስድራ እቲ ተጠርጣሪን ረብሻ ብምፍጣሮም እቲ መጋባእያ ተበቲኑ ‘ዩ። እዚ ድማ ሓደ መርአያ ስርዓት ኣልቦነትን ‘ዩ።

ዝሓየለ ጥራሕ ከምድልየቱ ዝገብረሉ ‘ዮም ገይረሞ ዘለው። ካሊእ ዕደና ወርቅን ወረራ መሬትን ከም ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ፣ ክትራን መቅተልትን እናኸፈአ ዝኸይደሉ መንገዲ ዝኸድ ዘሎን ልዕልነት ሕጊ ‘ውን ዘይኽበረሉ ዘሎ መርኣያ ስርኣት ኣልቦነት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ፍልይ ብዝበለ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ክምዕብል ዝርኣይ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ እንታይ ይመስል? እንታይ ሳዕቤናትከ ሒዙ ክምፅእ ይኽእል?

ኣይተ ጠዓመ፡- ምናልባት እቶም ‹‹ልዕሊ ኮር‹‹ ዝብሃሉ ኣዘዝቲ ብሓይሊ ነቲ ምንቅስቃስ ንክዕምፅፁ ቶኽሲ ክኸፍቱ ይኽእሉ ‘ዮም። ከምኡ ናይ ምግባር ትልሚ ‘ውን ‘ዩ ዘለዎም። ብሓይሊ ኢና ክንቋፃፀሮ ኢሎም ደምዲሞም ‘ዮም። ቅድሚ ናብ ምዕራብ ትግራይ ምሓዞም ንደቡብ ትግራይ ክሕዙ ከምዝደልዩ ወሲኖም ‘ዮም።

ነዚ ብሓይሊ ንምቁፅፃር ዝገብርዎ ፈተነ ድማ ምናልባት ‘ውን ምላሽ ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ዞባ ደቡብ ነዚ ሓይሊ ብዕጥቃዊ መንገዲ ዝከላኸል ሓይሊ ክህሊ ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ‘ውን ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ብኣውራጃዊ ናብ ሕድሕዳዊ ኵናት ክእተው ይክእል ‘ዩ።

ምናልባት ‘ውን ኣየዋፅአናን ኢሎም ብኻሊእ መንገዲ ንኺዶ ዝብል፤ ክፋል ኣብ መሪሕነት እቲ ውድብን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ‘ውን ስለዘሎ፤ ንዝተወሰነ ግዘ ከፅንሕዎ ይኽእሉ ‘ዮም። ስለ’ዚ ከምቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጠረ ስምዒት፤ ተጋሩ ኣይኮናን ኣምሓሩ ኢና ዝብል ዓይነት ዋላ እንተዘይተፈጠረ፤ ናብ ካሊእ ሕቶታት ግና ክኣትዉ ይኽእሉ ‘ዮም።

ባዕልናን ባዕልና ኢና ነመሓድር፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣየመሓድረናን፣ ንባዕልና ዲፋክቶ ኮይንና ክንፀንሕ ኢና ናብ ዝብልን ከይዱ ከይዲ ‘ውን ኣብ ሓደ ሓደ ውልቀ ሰባት ዝርኣይ ዘሎ ስምዒት ክልል ክንኸውን ኢና ናብ ዝብል ሰፊሕ ህዝባዊ ስምዒት ‘ውን ክኣቲ ይኽእል ‘ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣከያይዳ ብጣዕሚ ሕማቅ ስለዘሎ።

ወጋሕታ፡- እቶም ዋና ፍልፍል ናይዚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ዝፈጥሩ ዘለው ፀገናት ውሑዳት ኣመራራርሓ ወይ ጉጅለ ‘ዮም ክብሃል ይስማዕ ‘ዩ፤ እቲ ዝበዝሐ ፖለቲከኛን ምሁሩን ብኸመይ ብውሑዳት ክዕብለል ክኢሉ?

ኣይተ ጠዓመ፡– እቲ ፀረ ዲሞክራሲ ዝገንገነ ስለዝኾነ፤ ንኣብነት ሓደ ኣዛዚ ግንባር ሰራዊት ዝበሎ ሓሳብ ኣይውሰድን እንተተባሂሉ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ‘ዩ ዝውሰድ። ናብ ምዕፋን፣ ናብ ምእሳርን ናብ ምቅጥቃጥን’ዮም ዝኸዱ። ብፖለቲካዊ መልክዕ ‘ውን ንመሪሕነት ፖለቲካ ዝቃወም ኣካል ካብ ስራሕ ይባረር፣ ክረኽቦ ዝግባእ ጥቅማ ጥቅሚ ናብ ምኽልኻል ተግባር ‘ዮም ዝኸዱ።

እዚ ብተግባር ዝርኣይ ኣብ መሬት ዘሎ ‘ዩ። ኣብዛ ናይ ሐዚ ‘ኳ ነቲ ሓደ ፍንጫል ነበር ህወሓት ስለዘይደገፎም ጥራሕ ንኣርባዕተ ሓሙሽተ ወረሒ ንገሊኦም ድማ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ደመወዞም ዝተኣገዱ ሰባት ኣለው። እዚ ዝኸውን ዘሎ ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝን ካብ ናይ ሽግሽግን ወፃኢ ብናይ ውልቀ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፖለቲካ ትእዛዝ ‘ዩ።

ኣብ ቀረባ ግዘ ናይ ሲቪል ሰርቪስ ቢሮ ሓላፊት ወይዘሮ ሰብለ ካሕሳይ ምስ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወዲ ወደረ ተረዳዲኦም ነቶም ደመወዞምን ጥቅማጥቅሞምን ዝተኣገደሎም ሰባት ካብ ዝተቋረፀሉ እዋን ጀሚሩ ክኽፈሎም ዋላ ትእዛዝ ዝተወሃበ እንተኾነ ዳርጋ ኣብ ኩለን ዞባታት ግና ተኸሊኡ ‘ዩ ዘሎ።

እዚ ኣብዝሓ ኣብ ማእኸላይ ዞባ ዘሎ ኮይኑ ቀፂሉ ድማ ኣብ ከባቢ መቐለን ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣብ ዞባ ምብራቅን ደቡብ ምብራቅን ‘ውን ክህሊ ‘ዩ። ሰለዚ እዚኦም ካብ ሕግን ደንብን መምርሕን ወፃኢ ብውልቀ ኣመራርሐ ትእዛዝ ካብ ስራሕ ከልኪለሞም ኣለው። ስለዚ ከምዚ ዝበሉ ተግባራት ዝፍፀሙ ብምዃኖም እቲ ካሊእ ብዙሕ ሰብ ወይ ሰራሕተኛ ንናብርኡ፣ ንስድራቤቱን ሂወቱ ክመርሕን ክብል ብፍርሒ ምኽንያት ካብ እምነቱ ወፃኢ ንክግዛእ ይግደድ ማለት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ከምዝፍለጥ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ መዕናዋይ ኵናት ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ኵናት ክሽከም ዝኽእለሉ ኩነታት ኣሎ ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን እሞ እንታይ እንተተገይሩ ‘ዩ ትግራይ ካብቲ ዘለቶ ፀገምን ካብ ክምፅእ ዝኽእል ኵናትን ከትድሕን ዝትኽእል?

ኣይተ ጠዓመ፡- እቲ ቁፅሪ ሓደ መዋፅኦ ክኸውን ዝኽእል እቲ ብደብረ ፅዮን ዝምራሕን ጉባኤ ገይረ ዝብልን ፍንጫል ጉጅለ ነበር ህወሓት (ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዝተሰረዘ) ገለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዕጡቓት ሒዙ ‘ዩ ነቲ ኵናት ክጅምሮ ዝንቀሳቀስ ዘሎ። ስለዚ እቲ ሰራዊት እምብለይ ናብ ውግእ ኣይኣትውን እንተይሉ ዝጅመር ኵናት ኣይህልውን።

ምኽንያቱ ኵናት ዝጅምር እንተኾይኑ ባዕሎም ዘይኮኑስ በቲ ሰራዊት ኣቢሎም ‘ዮም ክጅምርዎ። ስለዚ ኣብቲ ሰራዊት ዝህሊ እምቢታ ወይ ተቃውሞ ነቲ ዝግበር ኵናት ከትረፎ ወይ ከናውሖ ይኽእል ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ እቲ ኵናት ዘይተጀመረሉ ዋና ምኽንያት ‘ውን ኣብ ሞንጎ እቲ ዕጡቓት ኣዘዝቲ ኣርሚ፣ ኮርን ክፍለ ሰራዊትን ነቲ ምንቅስቃስ ኵናት ተቃዊሞም ንገዝኦምን ናብ ሓራ መሬት ዝብሃልን ዝኸዱ ብምህላዎም ምኽንያት ‘ዩ።

ሐዚ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኣብቶም ዕጡቓት ባዕሉ ተቃውሞታት ይሕይል ስለ ዘሎ ከፀግመልና ‘ዩ ኢሎም ዘፅንሕዎ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ምሉእ ንሙሉእ እቲ ዕጡቕ እንተተቃዊምዎ እቲ ኵናት ክተርፍ ይኽእል ‘ዩ። ብኻሊእ መንገዲ እቲ ህዝቢ ከምቲ ህዝቢ ደቡብ ዝወፅኦ ጨኪኑ ክወፅእ ኣለዎ። እቶም ኣዘዝቲ ዕጡቓት እናኣዘዙ የቀጥቅጥዎ ‘ዮም።

እዚ ዝሓለፈ ኣብ ኣላማጣ ተራእዪ ‘ዩ ብተመሳሳሊ ህዝቢ ካብ ገጠራት ናብ ዓዲጉደም እናመፅአ እናሃለወ ናይ ኣርሚ 44 ዝብሃል ኣብ መንገዲ ዓጊቶም እናፈራርሑን እናቀጥቀጡን ውዒሎም ‘ዮም። ነዚ ዘረድኡ ቪደዮታት ‘ውን ኣለው ‘ዮም።

ሰለዚ እቲ ዝኸፍአ ዋጋ ዘኽፍል ኵናት ስለዝኾነ ኵናት ከይመፅእ እቲ ህዝቢ ዋጋ ኸፊሉ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ክቃወም ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ናብ ኵናት ከይእተው ሓላፍነት ወሲዱ ምስ ኣብ ትግራይ ሰላም ዝደልዩ ሓይልታት ብምዃን ምትሕብባር ብምፍጣር ነቲ ኵናት ከትረፎ ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ካብዚ ኣብ ትግራይ ኣንፀላለዩ ዘሎ ኵናትን ይኹን ካብ ካልኦት ፀገማት መዋፅኦ ንምፍጣር እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ኣይተ ጠዓመ፡- ሐዚ ‘ውን እታ ኵናት ክትጀመር እንተኾይና እቶም ኣዘዝቲ ዕጡቓት ንጉጅለ ነበር ህወሓት ደብረፅዮን እሺ እንተይለሞ ጥራሕ ‘ዩ። ካብዚኦም ኣዘዝቲ ወፃኢ ዝጅምር ኵናት የለን። ካሊእ ዋላ ‘ኳ ንጀነራል ታደሰ (ወዲ ወረደ) ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘይሰምዕዎ እንተኮኑ ነቲ ካብኔ ሒዙ ኵናት ከይጅመር ክእውጅ ኣለዎ።

እንተተጀሚሩ እቶም ዝጀመሩ ተሓተቲ ከምዝኾኑ ክእውጅ ኣለዎ። እቲ ናይ ደብረ ፅዮን ሓይሊ ግና ሓደ ግዘ ዝወሰነ እንተኾነ ‘ውን ሓሲቡ ኣየዋፅአንን ኢሉ እንተተመሊሱ እቲ ዋና ፀገም ‘ውን ንሱ ስለዝኾነ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ኵናት ክተርፍ ይኽእል ‘ዩ። ነዚ ኵናት ዘልዓዕልን ኣይዞኹም ኣብ ጎንኹም ኣለኹ ‘የ ክሕግዘኩም ‘የ ዝብል ዘሎን ዘጎሃህርን ዘሎ ግና ናይ ሻዕብያ ሓይሊ ‘ዩ።

ከምቲ ቅድም ክብል ንመንግስቲ ፌዴራል ኣብ ጎንኻ ኣለኹ ኢሉ ኣለዓዒሉ ናብ ኵናት ዘእተዎ ሐዚ ‘ውን ነቲ ሓደ ህውሓት (ብቦርዲ መረፃ ዝተሰረዘ) ዶብ ክኸፍተልኩም ‘የ። ረድኤት’ውን ብወደባት ከእትወልኩም ‘የ። ሰራዊት’ውን ክሕግዘኩም ‘የ ብዝብል የተባብዖም ስለዘሎ፤ ነቲ ሓይሊ ንሱ ‘ውን ብዓለም ሃገራት ተነጊርዎን ፅዕንቶ ተገይረሉን እሞ ደው እንተቢሉ እቲ ኵናት ናይ ምልዓል ዕድሉ ዘተሓተ ይኸውን።

ወጋሕታ፡- ካብ ምጅማር ኵናት ወፃኢ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለው ዝተፈላላዩ ፀገማት መዋፅኦ ንምፍጣር መን እንታይ ግደ ክፃወት ኣለዎ?

ኣይተ ጠዓመ፡- ከምዝፍለጥ ተጋሩ ኣብ ከቢድ ፅዕንቶ ድሕሪ ኵናት ኢና ዘለና፤ ብዙሕ ዝተበደለ ማሕበረሰብ ዘለዎ፣ ካብ ሓደ ቤተሰብ ብዙሕ ሰብ ዝተጎድኦ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ ከቢድ ፅዕንቶ ድሕረ ኵናት ዘሎ ብምዃኑ ኣብዚ ደው ኢልካ ምምኽኻር ኣብ ዘድልየሉ ኣብ ፀገም ውሽጢ ኢና ዘለና።

ስለዚ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለየ የሃሊ በፀጋም የሃሊ ብየማን፤ ዘየረዳድኡና ኣጀንዳታት ንጎኒ ኣፅኒሕና ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ዘስማዕምዑናን ንትግራይ ኣብ ዝረብሑን ብሓባር ኣብ ዘረዳደኡናን ኣጀንዳታት ገይርና ምርድዳእ ብምፍጣር ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ኵናት ደው ምባል የድሊ። እዚ ኵናት ደው ክብል እንተዘይክኢሉ ግና ኣብ ትግራይ ከቢድ ዕንወትን ጥፍኣትን ከፍጥር ዝኽአልን ኢሉ ‘ውን ናይ ህልውና ስግኣት ክፈጥር ዝኽእል ‘ዩ። እታ ሐዚ ዘላ ትግራይ ‘ውን ዘይክትህሊ ዝግበር ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ ኵናት ካባና ሓሊፉ ንኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሓዊሱ ኣብ ዞባ ምብራቅ ኣፍሪካ ዘስፋሕፍሕን ካሊእ ጂኦግራፊካል ኮንፊገሬሽን ክፍጠር ዝኽእል ስለዝኸውን፤ ንሕና ከም ምኽንያት ኮይንና ንባዕልናን ንኻልትን ስግኣት ካብ ምዃን ክንመኻኸር ክንዝቲ ኣለና።

ብሄራዊ ዕርቂን ብሄራዊ ስምረት ኣብ ትግራይ ክፍጠር ኣለዎ። ቅድም ክብል ‘ውን ኣብዚ ጉዳይ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ ይእውጅ ይፅውዕ ነይሩ ‘ዩ። ሰለዚ እዚ ብቅልጡፍ ናብ ቅድሚት ብምምፃእ ደው ኢለካ ክሕሰበሉ ኣለዎ ‘ምበር፤ ትግራይ ዳግማይ ናብ ኵናት እንተኣትያ ብጣዕሚ ከቢድ ክኸውን ‘ዩ።

ሐዚ ፍትሒ ዘይረጋገፅ ዘሎ፣ ህዝቢ እኹል ግልጋሎት ዘይረክብ ዘሎ ‘ውን ንሱ ‘ዩ። ብግዕዝይና ኣብ ከተማታት ዘሎ መሬት ዝሽንሸን ዘሎ ብምልኡ ኣብ ትግራይ ስርዓት ኣልቦነት ብምንጋሱ ‘ዩ። ውለቀ ሰብ ሃፍትን ሰበስልጣናትን ክርብሑ ክብሉ ትግራይ ናብ ዕንወትን ቅልውላውን ትኣትው ስለዘላ ከም ተጋሩ ደው ኢልና ክንሓስበሉን ነዚ ክነትርፈሉ እንኽእል ፃዕሪ ክንገብር ኣለና ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ብእኒ ጌታቸው ዝትምራሕ ፍንጫል ውድብ ነበር ህወሓት ኣብዚ ሰዓት ኣብ ምንታይን ኩነታት ኣላ? እንታይ ትሰርሕ ኣላ?

ኣይተ ጠዓመ፡- ካብ ሓምለ 2016 ጀሚርና ክሳብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘሎ ኣብ መንጎ ማእኸላይ ኮሚቴ ነበር ህወሓት ኣፈላላይ ምስተፈጠረ ሓደ ኣብ ዝገብሩና ኣጀንዳ ትኹረት ገይረና ሓደ ንኹን፤ ውልቀ መሪሕነት እናረአና ዘይኮነስ ነቲ ውድብን ዕላማ ህዝብን ርኢና ንቃለስ ዝብል ብዙሕ ፃዕርታት ተገይሩ ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር እቶም ሓደ ጉጅለ (ብኒደብረፅዮን ዝምራሕ) ግና ንኒ ጌታቸውን ምስኡ ዘለው መሓውሩን ንከባርር ክብል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ጉባኤ ኣትዩ። ቁፅፅር ኮምሽን እቲ ውድብ ተቓውሞ ዝገበረሉ፣ ሓደ ዞባ ሙሉእ (ዞባ ድቡብ)፣ ዝተፈላላያ ወረዳታትን ልዕሊ ፍርቂ ማእኸላይ ኮምቴ ‘ውን ዘይተሳተፈሉ፣ ጠቅላላ ውዳበታት፣ ማሕበራትን ትካላት ሃይማኖት ‘ውን ተቃውሞ ዝተገበረሉ ጉባኤ ተኻይዱ። ኣብ ታሪኽ እቲ ውድብ ከምዚ ዓይነት ‘ውን ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን።

ነዚ ገይሩ ስልጣን መንግስቲ ክቆፃፀር ‘ዩ ሓሲቡ ነይሩ ይኹን ‘ምበር ኣይተሳኸዐሉን። ንጌታቸው ካብቲ ዝነበሮ ስልጣን (ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ) ዋላ ‘ኳ ብሓይሊ እንተኣባረርዎ፤ ንሶም ዝደልይዎ ካብ ናይ ባዕሎም ሰብ ክግብሩ ኣይከኣሉን።

ወዲ ወረደ እንተኾነ መጀመርያ ነሃቶም ምርጫ ኣይነበረን። እቲ ዘቅረብዎ መማረፂ ብመንግስቲ ፌዴራል ተቀባልነት ሰለዘይረኸበ፤ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ወዲ ወረደ ብውልቀ ብዝገበርዎ ምርድዳእ ዝመፀን ደሓር መማረፂ ስኢኖም ‘ውን ዘምፅእዎ ‘ምበር ንነሃቶም ሕቶ ዝመለሰ ኣይነበረን።

ስለዚ ኣንሕና እንታይ ኢና ንገብር ዘለና እቲ ውድብ ንክጠፍእ ብዙሕ ምንቅስቃስ ምስ ገበሩ ‘ውን ቅድሚ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዘሃቦ ግዜ ከይተወደአ ናይ ሓባር ጉባኤ ንግበር ኢልና ነይርና ኢና። ብስሩ ‘ውን እቲ ውድብ ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ፈቃዱ ናብ ዝነበሮ ክምለስ እናተገብኦ ከም በሓዱሽ ተመዝጊቦም ናብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዘእተውዎ ንሳቶም ‘ዮም።

ነቶም ኣየድልዩናን ዝበልዎም (ካልኣይ ፍንጫል እቲ ውድብ) ተጓይዮም ጉባኤ ገይሮም ንምብራር ክብሉ ሓዱሽ ፈቃድ ረኺቦም እቲ ሓዱሽ ፈቃድ ድማ ሪስክ ምዃኑ ርኢና ኣንሕና ኣይንቅበሎን ኢልና። ብኡ መሰረት ከዓ ተሰሪዞም ኣለው።

ስለዚ ኣንሕና ብሰንኪ ዝተወሰኑ ሰባት ኣብ ዝተሰረዘ ውድብ በቲ ሽም ንሱ ንምንቅስቃስ ይኹን ካሊእ ስራሕቲ ንምስራሕ ብሕጊ ዘፅግም ሰለዝኸውን፤ ምስ ፌዴራል ‘ውን ናብ ጎንፂ ዘእትው ክኸውን ስለዝኽእል፤ ብስሩ ‘ውን ቤት ፍርዲ ኸሲስካ ዝወስዶ ገዜ ሽዱሽተ ወርሒ ዓመትን ልዕሊኡን ዝውድእን ብምዃኑ መድኸሚ ‘ዩ ዝኸውን።

ሰለዚ እቲ ውድብ ነበር ህወሓት ሒዝዎ ዝነበረ ዋና ዋና ዕላማታት ኣብ ተረባሕነት ሕብረተሰብ፣ ኣብ ልምዓት፣ ዲሞክራስን ነፃነትን ማእኸል ገይርና እቶም ክመሓየሹ ዝግብኦም ኣብዝሓ ኣመሓይሽና ክትርፉ ዝግብኦም ኣትሪፍና ሓደሽቲ ‘ውን ወሲኽና፤ ዋና ዋና ናይ ትግራይ እሴታትን ማሕበራዊ ኩነታትን ማእኸል ዝገበረ ሊበራል ዲሞክራሲ ኣይዶሎጂ ዝኽተል ፓርቲ ክነጣሽ ኣብ ከይዲ ኢና ዘለና።

ዘድልዩና ረቋሕታት ኣማሊእና ናብ መረፃ ቦርድ ኣእቲና ኣለና። ናይ መስረቲ ፌርማ፣ ናይ ወደብቲ ኮምቴ ዝብሃል፣ ፐሮግራምን ሕገ ደንቢን ኩሉ ኣእቲና ኣለና። እቶም ዝተርፉና በቢኸይዱ እናተዘረበና ፀኒሑ ቅድሚ ሰሙን ኣማሊእና ኢና። ሕዚ እቲ ግዝያዊ ፍቃድ ኢና ንፅበይ ዘለና።

ድሕሪ እቲ ምርካብ ግዝያዊ ፈቃድ ከዓ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጌርና ማእኸላይ ኮሚቴ መሪፅና፣ ሕገ ደንብን ፕሮግራምን ኣፅዲቅና፣ ውድብ ኮይንና ምንቅስቃስ ኢና ክንገብር። ስለዚ በዚ መንገዲ ናይ ትግራይ ፖለቲካ ነፃ፣ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ብምግባር መልቲ ፓርቲ ሲስተም ንክህነፅ ክንፅዕር ኢና።

ወጋሕታ፡- ምዚ ተተሓሒዙ ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ዘይተልዓለ እንተሃልዩን ከሕልፍዎ ዝግባእ ሓሳብ መልእኽቲ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም።

ኣይተ ጠዓመ፡- ብናይ ደብረፅዮን ዝምራሕ ሓደ ፍንጫል ነበር ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ከዓ ምስ ሻዕብያ ካብ ናይ ሃገራውን ዓለማውን ሕግታት ወፃኢ ብዘይስሩዑን ብዘይሕጋውን ፅምዶ ወይ ኣልያንስ ፈጢሩ ምትሕውዋሳት ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ፅምዶ ከዓ ህዝቢ ንህዝቢ ንምርኻብ፣ ንሰላማዊ ኣይኮነን።

ብዋናነት ምስ ኵናት ተኣሳሲሩ ፅምዶ ፈጢርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከቢድ ዕንወት ዝፈጥር ኵናት ንምምፃእ ‘ዮም ዝገብሩ ዘለው። ስለዚ እዚ ደው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢጋድን ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብዚ ኢደን ኣእትየን ክሰርሓ ኣለዎ።

ቅድሚ ናብ ከቢድ ዕንወት ዘኽትል ኵናት ምእታውና መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ነዚ ብዕቱብ ክከታተሎ ኣለዎ። ኣብዚ ዝሳተፉ ዘለው ናይ ትግራይ ተዋሳእቲ’ውን ብግቡእ ሪኦም ምልሽ ክህብሉን ክቃለሱሉን ‘የ ፃውዒተይ ዝገብር። ድሕሪ ሐዚ ኵናት ንትግራይ መሊኡ ዘጥፈኣ ‘ምበር ረብሓ ዘይብሉ ስለዘይኮነ ካብ ኵናት ሰላም ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝሃቡኒ ሓበሬታ የቀንየለይ።

ኣይተ ጠዓመ፡- እሺ ኣነ ‘ውን የቀንየለይ።

መዘኻኸሪ፡- እቲ ቃለ መሕትት ቅድሚ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ(ስምረት) ዕላዊ ምዃኑ ዝተኻየደ ምዃኑ ነፍልጥ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You