” ኣንሕና እንሰርሖ ፣ከተማ እንሃንፆ ፣ እነፅርዮን እነመልክዖን ንሰብ ‘ዩ ” – ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ምስ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ካብ ለውጢ ናብዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈፀሙ ስራሕቲ ልምዓት ፣ ዘጋጠሙ ፈተናታት፣ እናተኻየደ ዘሎ ልምዓት ኮሪደርን ምስ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝተተሓሓዙ ዛዕባታትን ዝተዳህሰሱሉ ብምትርጓም ከምዝስዕብ ናይ ሎሚ ዓምዲ ጋሻና ገይርና ኣቅሪብናዮ ኣለና።

ሕቶ፡- ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሽማ እትምጥን ንምግባር ካብ ለውጢ ናብዚ ብዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት እንታይ ዓይነት ውፅኢት ተረኺቡ?

ከንቲባ ኣዳነች፡– ኣዲስ ኣበባ ብኹሉ መልክዕ እናተቀየረት ‘ያ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ንነበርታ ምችውቲ ዝኾነት ከተማ ንክትኾን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጎሊሆም ዝርኣዩ ‘ዮም። ምልባስ ሓምላዋይ ልምዓት እንትርአ ኣብ ከባቢ 2010 ዓ.ም 8 ሚእታዊ ዝነበረ ኮይኑ ሐዚ ግና ልዕሊ 20 ሚእታዊ በፂሑ ኣሎ። 30 ሚታዊ ንምብፃሕ ድማ እናፀዓርና ኢና ዘለና። እዚ ማለት ኣብ ጥዕና ሰብ፣ ብሓፈሻ ኣብ ሓለዋ ከባቢን ነባሪ ኣየርን ልዑል ፅዕንቶ ከሕድር ዝኽእልን መለክዒ ከተማነት ሓደ መዐቀኒ ‘ውን ‘ዩ።

ብኻሊእ ወገን እዚ ዝቕፅል ናይ ሰብ ተኮር ስራሕትና ‘ዮም፤ ንሰብ ፍሉይ ትኹረት ሂብና፤ ነበርትና ብምኽባር ኣነባብርኦም እንታይ ከምዝመስል ትሕት ኢልና ብምርኣይ ሓጎሶምን ሓዘኖም ብምክፋል ፀገመታቶም ንምቅላል ብዙሓት ስራሕቲ እናሰራሕናሉ ኢና ዘለና። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መንበሪ ገዛውቲ ሰሪሕና ንህዝቢ ንምቅራብ ክኢልና ኢና። ብድምር ብኣማኢት ኣሽሓት ንበል ‘ምበር ብውልቀ ዝተሰርሑ ክንውስኽ ከለና ናብ 270 ሽሕ ዝበፅሑ ገዛውቲ ተሰሪሖም ንነበርቲ ምብፃሕ ተኻኢሉ ‘ዩ። ካብዚ ውሽጢ ድማ ናብ 39 ሽሕ ዝኾኑ በቢ ከባቢኡ ገዛውቶም ዝወደቆምን ዝተጎድኡን ወገናት ዝርከብዎም ‘ዮም።

ኣቅርቦት መስተ ማይ ካብ ዝነበሮ 60 ሚእታዊ ልዕል ኢሉ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ሽፋን መንገዲ ካብ ዝነበሮ ብርኪ ፅረየት ብዝልዓለ ብርኪ ተመሓይሹ ‘ዩ። መንገዲ ንመኪና ጥራሕ ከይኮነስ ንሰብን ንሞተር ኣልባ ትራንስፖርት ‘ውን ኢልና ብዘመናዊ መንገዲ ምህናፅ ዝጀመርናሉን ዓበይቲ መንገዲታት ዝሰራሕናሉ እዋን ‘ዩ። ንኣብነት ካብ ኣቃቂ ቱሉዲምቱ፣ ቃሊቲ ቂሊንጦ ካብኡ ድማ ናብ ቦሌ ካርጎ ዝመፅእ መንገዲ ብፍጥነት እናኸድናሉ ኢና።

እቲ መንገዲ እንትዛዘም ምስ ካልኦት በቲ ብርኪ ምስ ዘለው መንገድታት ዝተራኸበ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ዋና ስራሕ ገይርካ ከምሓዱሽ ዝሃነፆም መሰረተ ልምዓት ምርኻብን ከምኡ ‘ውን ነባር መሰረተ ልምዓታት ኣሐዲስናን ኣስፊሕናን ደረጅኦም ምስቶም ሓደሽቲ ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪ ንክኸውን ምግባር ‘ዩ። እዚ ስራሕ ፍሰት ትራፊክ ዝተሳለጠ ንክኽውን ብምግባር ኣብ ኢኮኖሚ ዓብይ ትርጉም ክህልዎ ‘ዩ፤ ሓደጋ ትራፊክ ‘ውን ክቅንስ ‘ዩ።

ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክታት ተተሊሞም ተሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ኣፍሪካውያን ‘ውን ኩርዓት ‘ዩ ኢልና እንኾርዓሉ ዝኽሪ ዓድዋ ‘ኳ ዝተሰርሐ በዚ ልውጢ ዘበን ‘ዩ። ብሓፈሻ ዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ዓበይቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣር ኣታዊ እታ ኸተማ ብሸሞንተ ዕፅፊ ሓፍ ንክብል ተገይሩ ‘ዩ።

ብኻሊእ መንፅር ብብርኪ ወፃኢ ኣዲስ ኣባባ 50 ሚእታዊ ‘ኳ ንካፒታል ፕሮጀክት ንዘላቂ ልምዓት ዘውዕለላ ‘ያ ነይራ። ሐዚ ግና ቁጠባ መሰረት ብምግባር ክሳብ 71 ሚእታዊ ኣታዊ እታ ኸተማ ዝውዕል ንዘላቂ ልምዓት፣ ድኽነት ቅነሳ፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ንካፒታል ፕሮጀክት፣ ንሰፊሕ ስትራተጂታት መነቃቅሒ ኢኮኖሚ ንምትግባርን ናህሪ ዕዳጋ ንምቅናስ ድጎማ ንምቅራብ ‘ዩ።

ናይቲ ህዝቢ ፅዕንቶ ናብራ ንምቅላል ማዕኸላት ዕዳጋን መባፅሕታት ዕደጋታት ሰንበትን ሃኒፅና ኢና። ኣብቲ ናይ ለውጢ ዓመታት ናብ 700 ዝበፅሓ ኣውቶብሳት ንህዝቢ ምቅራብ ክኢልና ኢና። እዞም ለውጥታት ኣብ ሂወት ሰባት ለውጢ ዘምፅእሉን ህፃናት ተሓጒሶም ብማዕርነት መንፈስ ኣእምርኦምን ኣካሎምን እናተመገቡ ብፅቡቅ መንፈስ ስነልቦና፤ ብስምዒት ሃገር ምፍታው ዝዓብዩላ፤ ወዲ ድኻን ወዲ ሃፍታምን ማዕረ ዕድል ዝረኽቡላ ከተማ ክትኾን ምግባር ክኢልና ኢና።

ሕቶ፡- ምምሕዳር እታ ከተማ ዘጋጠምዎ ፈተናታት እንታይ ‘ዩ?

ከንቲባ ኣዳነች፡- ዝሓለፍናሉ ዘበን፤ ዘበን ለውጢ ስለዝኾነ ፈተና ዝበዘሐሉ ‘ዩ። ሓደ ከተማና መቀመጢት መንግስቲ ፌዴራል፣ ማእኸል ዲፕሎማትን መቀመጢት ብዙሓት ትካላትን ዜጋታትን ወፃእን ምስ ምዃና ሰላም ኣብ ምዕሳል መንፅር ዝነበረ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይነበረን። ካልኣይ ነገር ድማ ዝተደራረቡ ዝተወዘፉ ብዙሓት ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ዝነበርዋ ከተማ ‘ያ።

ለውጢ ስለ ዝመፅአ እቲ ህዝቢ ሕቶታቱ ክምለሰሉ ትፅቢት ይገብር ነይሩ። እቲ ዝነበረ ባህሊ ስራሕ ድማ ሕቶታት ብቅልጡፍ ንምምላስ ዘኽእል ኣይነበረን። ብዝተለመደ መንገዲ ሰዓት ቆፂሩ ኣትዩ ምውፃእ ‘ምበር በቲ ሰዓት ውሽጢ ክንደይ ዝኣክል ስራሕ ሰሪሐ?’ ኢሉ ምልካዕን ምምዛንን ብዙሕ ዘይተለመደ ባህሊ ‘ዩ። ፕሮጀክታት ኣብ ዝተቀመጠሎም መርሃ ግብሪ ስራሕን እዋንን ምውዳእ ፈተና ከምዝነበረ ብዝግባእ ርኢናዮ ኢና።

ሌብነት ልምምድ ኮይኑ ‘ዩ። ዕድል እንተረኺቡ ኩሉ ‘ዩ ስርቂ ዝፍፅም። ብፕሮጀክት፣ ብስርዓት ዕድጊት ጉቦ ምውሳድ “ናይ መንግስቲ ኣይኮነን እንድዩ እንታይ ኣጨኒቁኒ! እናተብሃለ ዝስረቀሉ ሓሳብ ብጣዕሚ ዝዓበየሉ ‘ዩ። ሎሚ ‘ውን እንተኾነ ዘይተሻገርናዮም ጭቡጥ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ስለዝኾነ እዚኦም ብሓፈሻ ክንሪኦም ከለና ፈተናታት ‘ዮም።

ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብቅልጡፍ ንምምላስ ባህሊ ስራሕ ጥራሕ ከይኮነ ዓቅሚ በጀት ‘ውን ዝሓትት ነይሩ። ሕቶታት ህዝቢ ብቕልጡፍ ንምምላስ ቀልጢፍና ምስራሕ ንደሊ ይኹን ‘ምብር ካብ ለውጢ ናብዚ እንትንጅምር ካዝና መንግስቲ ፌዴራል ምጋዕ ኢኮኖሚ ዝነበረሉ ‘ዩ ነይሩ፤ ብተመሳሳሊ ከተማና ኣብ ፀገም ውሽጢ ‘ያ ነይራ። ብርግፅ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ባዕላ በጀት ዝትምሓዳደር ከተማ እንተኾነ ት ‘ውን ብዙሕ መሰረታታ በቲ መንገድ ዝተሃነፁ ኣይኮኑን። ካሊእ ቀሊል ዘይብሃል ፈተና ብዙሓት ብዙሓት ሓቅታት ሓሶት ኣምሲልካ ብምቅራብ ብልዑል ብርኪ እቲ ህዝቢ ኣየናይ ትኽክል ኢሉ ንምፍላይ ኣብ ዘፀግመሉ መልክዕ ሓበሬታት ናብ ህዝቢ ዝወርደሉ እዋን ኢና ዘለና።

ማሕበራዊ ሚዲያን ዝተፈላላዩ ማእኸል ሓበሬታታት ብሓደ ገፅ፤ ብሓሊእ ገፅ ድማ ስርዓት ዴሞክራሲ ንምህናፅ ልምምዳትና፤ ስርዓት ፖለቲካና ካብ ዝነበረሉ እስራት ንክፍታሕን ልቅቅ ብዝበለ ኩነታት እቲ ሰብ ዴሞክራሲያዊ መሰሉ ይለማመድ ብምባል ገደብ ዘይብሉ ገይረካ ምርዳእ ይረኣይ ነይሩ።ብዙሕ ምስ ባህልታትና፣ ማሕበራዊ መስተጋብራትናን ምትእስሳር ሓቢሮም ክኸዱ ዘይክእሉሉ ክፍቲ ዝኾኑ ነገራት የጋጥሙ ነይሮም። ናይቲ ህዝቢ ሓባርነትን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ዘለዎ እምነት ዝሽርሽሩ ቀለልቲ ብዘይብሃሉ ፈተናታት ውሽጢ ሓሊፍና ኢና።

ሕቶ፡- ምስ ሙስናን ብልሽው ኣሰራርሓን ተተሓሒዙ ዘለው ፀገማት ምስ ምፍታሕ ኣንፃር እቲ ከተማ ምምሕዳር ዝበፅሖ ብርኪ ከመይ ይገልፅኦ?

ከንቲባ ኣዳነች፡- መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእሉ ስራሕቲ ጥቡቅ ውፅኢት ኣምፅኦም ‘ዮም። ካብዚ ሓደ ቴክኖሎጂ ‘ዩ፤ ካብ ንክክእ ሰብ ነፃ ምግባር ብኻሊእ መልክዑ ድማ ዝበፅሑ ጥፍኣታት፣ ምፍላይ፣ ምእራም ተሓታትነት ንክህልው ብምግባር እንኽእለሉ ‘ዩ። ቅድሚ ሐዚ ተፀጊምናሉ ዝነበርና ተግባር ከምዘሎ ብዙሕ ሰብ እናተናገረን ዝተፈለጠን ይኹን ‘ምበር ሕጋዊ መንገዲ ተኸቲልካ ብምኻድ ተሓታትንት ንምርግጋፅ ዘኽእል ዝተጨበጠ ነገር ምርካብ ብዘይምኽኣሉ ድኽመታት የጋጥሙና ‘ዮም። እዚነገር ብቴክኖሎጂ ነገር ብምሕጋዝ ወገን ዓብይ ግደ ኣለዎ።

ካልኣይ ሓይሊ ሰብና ንምልዋጥ እንገብሮ ፃዕሪ ኣብ ከተማና ንሰራሕተኛታት ፈተና ሂብና ስራሕን ሰራሕተኛን ንክራኸቡ ገይረና ኢና። እቲ ፈተና ‘ውን ብዙሕ ጉድ ‘ዩ ነጊርና። ሰብ ኣብ ዝተመደቦ ስራሕ መደብ ዝርዝር ስራሕ ኣይፈልጥን። ንባዕሉ ዘይፈልጦ ከመይ ንካልኦት ከገልግል ይኽእል፤ ስለዚ ፀገም ብቅዓት ኣሎ ማለት ‘ዩ። ንስራሕ ዝግባእ በዓል ሞያ ኣብ ግቡእ ቦታ ንክኸውን ብምግባር ወገን ሓይሊ ሰብና ንምብቃዕ ብስልጠናን ብስራሕ ግብረ-መልስታትን ለውጥታት እናምፃእና ኢና።

ሳልሳይ ሓዱሽ ዝተምሃሩ መናእሰይ ናብቲ ቢሮክራሲ ብምእታው ‘ዩ። ኣብ ልዕሊኦም ዝስራሕ ህንፀት ቅልል ከምዝብል ተሓሳቢ ይግበር። ብዙሓት ሃገራት በዚ መንገዲ ውፅኢት ከመዝግባ ክኢለን ‘የን። ካሊእ በቢ ቤትዕዮታት ንስራሕ ዘድሊ እታወታት ምምላእ ክከኣል ኣለዎ። ሰራሕተኛ ምውቃስ ጥራሕ ከይኮነ እቲ ሰራሕተኛ ዘድልዮ እታወታት ኣለው? ሞራሉ ንምሕላው ፃዕሪ ንገብር? ዝተወሰኑ ሰራሕተኛታት ብዝሰርሕዎ ስሕተት ኩሉ ክውቀስ ኣለዎ? ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይ ይግባእ ‘ዩ።

ነዚኦም ሓዋዊስና ለውጥታት ብቅልጡፍ ንምግባር እናሞከርና ኢና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ተሓታትነት ናይ ምስፋን ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። እቲ ሰራተኛ ንምህናፅ ፃዕርታት ተገይሮም ‘ዮም። ናብ 16 ትካላት ጥቡቅ ናብ ስራሕቲ ሪፎርም ውሽጢ ኣትዮም ‘ዮም። በዞም ትካላት ‘ውን ውፅኢት ስራሕ ረኺብና ኢና። ናብ 187 ዝኾኑ ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝድ ተገይሮም ‘ዮም። ፕሮጀክት መሶብ ብርኪ ፌዴራል ብቀዳማይ ሚኒስትርና ተመሪቁ ናይ ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት ተጀሚሩ ‘ዩ። ቀፂሉ ኣዲስ ኣበባ ኢኹም ትፅበዩ፤ ምድላዋት እናገበርና ኢና እንርከብ ዘለና።

ሕቶ፡- እታ ከተማ ብስፍሓት እናካየደቶ ዘላ ልምዓት ኮሪዶር ዋና ዕላማኡ እንታይ ‘ዩ?

ከንቲባ ኣዳነች፡- መሰረተ ልምዓት ከተማ ስርዓት ምስኣን ይስትውዓል ‘ዩ። ነታ ከተማ ከተማ ካብ ዘብልዋ ስርዓት ኣተኣላልያ ፈሳሲ ፣ መሰረተ ልምዓት መብራህቲ፣ ማይን ቴሌኮምን ብዝተስተኻኸለ መንገዲ ምርጋሕ ‘ዩ። መዋቅራዊ ፕላን እንብሎ ሓደ ካብ ዝግለፅ ዋና ጉዳይም እዚ ‘ዩ። ካሊእ ዓላማ ከተማና ብሓምላዋይ ምልባስ ‘ዩ። ከተማና ቀስ ብቀስ መተንፈሲ እናሰኣነት ‘ያ ነይራ። ዙርያኣ ከቢበምዋ ካብ ዝርከቡ ደንታት ብዝተረፈ ውሽጣ እናተዓፈነ ህንፀት ጥራሕ እናተኻየደላ ግራጫ መልክዕ እናተላበሰት መፂኣ ነይራ ‘ያ።

ዓለም ሕጊን ሳይንስ ‘ውን መሬት ከተማ መሬት 30 ሚእታዊ ብሓምላዋይ ክለብስ ኣለዎ ‘ዩ ዝብል። ኣንሕና ግና 2 ነጥቢ 8 ዩ ነይሩና። እዚ ቁፅሪ ባዕሉ ‘ውን እናተመናመነ ዝነበረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ። ሰባት ኣብ ከተማ ተራኺቦም ዝዝትዩሉ መናፈሻታት ማሕበራዊ መስተጋብራት ንምጥንኻር ተራኺቦም ዝዘራረብሉ ቦታታት የድልዩ ‘ዮም። ከምዚ ዝበሉ ቦታታት ድማ ሰሓቢ ምዃን ምኽኣል ኣለዎም።

ልእሊ ኩሉ ድማ ንመፃወቲ ህፃናት ቦታታት የድልዩ ‘ዮም። ሓቂ ንምዝራብ ከተማና ንህፃናት ምችውቲ ኣይነበረትን። ደቂ ኣዲስ ኣበባ ምስ መኪና ኣባሮሽ ዝጫወቱ ‘ዮም። ዝጫወትላ ኩዕሶ ኣብ እግሪ መኪና እንትኣትዎም ንምውፃእ እንትሙኩሩ ሓደጋ እንትበፅሖም እንትኩርኮሙ ንርኢ ኢና። መዓልቲ ሰንበት ቁሩብ መንገዲ ክፍት ክብለሎም ከሎ’ዮም ዝየጫወቱ። ልምዓት ኮሪደር ሓደ ንምስፋሕ ዝሞከርናዮ ንመፃወቲ ቆልዑን ንመዘውተሪ ቦታታት ስፖርት ‘ዩ። ብሓፈሻ ልምዓት ኮሪደር ከተማና ካብ ጎሓፍ ብምፅራይ ፅርይትን ምልክእትን ‘ዩ ዝገብራ።

ኣዲስ ኣበባ መባፅሒት ቱሪስት ንክትኸውን ግደ ኣለዎ ‘ዩ። ቱሪስታት ገፆም ንክምልሱ ብምግባር ዝትጉብነይ ከተማ ይገብራ። ናብ ወፃኢ እናተመለከትና ኩሉ ግዘ ናይ ካልኦት ካብ ምድናቅ ወፂእና ሃገር ናይ ምፍታውን ብሃገር ናይ ምኩራዕ ስምዒት ኣብ ዝቅፅል ወለዶ ብደንቢ እናጠንከረ ብተወሳኺ ስራሕ እናተደገፈ ክኸይድ ብምግባር ዘኽእል ‘ዩ። ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ኣታዊ እታ ከተማ ንክውስኽ ይገብር ‘ዩ። ምስ ልምዓት ኮሪዶር ዕላማን ትሩፋት ተተሓሒዙ ከነልዕሎም እንኽእል ነገራት እዚኦም ‘ዮም።

ሕቶ፡- ብልምዓት ኮሪደር ንዝተለዓሉ ግቡእ ካሕሳ ኣይተውሃቦምን ዘብል ዝልዓል ቅሬታ ኣሎ። ኣብዚ ምላሽ እቲ ከተማ ምምሕዳር እንታይ ‘ዩ?

ከንቲባ ኣዳነች፡- ኣንሕና እንሰርሖ ንሰብ ‘ዩ። እንሃንፆ ከተማ ፣ እነፅርዮን እነመልክዖን ንሰብ ‘ዩ። ካሕሳ ብዝተኽኣለ መጠን ፍትሓዊ ንክኸውን ኢና ገይርና። ንልምዓት ኮሪዶር ክነልዕል ከለና ስፍሕ ዝበለ ምንቅስቃስ ከምዝህልወና ተሓሳቢ ብምግባር እንህቦ ካሕሳ ገዛ ዘስርሕ ምዃኑ ብዝምልከት ፅንዓት ገይርና ኢና። መጠን ካሕሳ ኣመሓይሽና ሓፍ ኣቢልናዮ ኢና። ከከም ድልየት ውለቀሰብ ብጣዕሚ እኹል ዘይከኸውን ይኽእል። ይኹን ‘ምበር ካሕሳ ዝግብኦ ባዓል መሰል ዝኾነ ዋላ ሓደ ሰብ ከይተውሃቦ ተላዒሉ እንተኾይኑ ሓላፍነት ንወስድ ኢና። መረዳእታ እንተሃልዩ ናባና ንክመፅእ ኢና ንጋብዝ።

ልዕል ዝበለ በጀት ዝሓትት ክፍሊት ካሕሳታ እንተጋጥመና ተዛቲና ንክንድዚ ግዘ ተፀበየና ንክንድዚ እዋን ክፅበየኩም ይኽእል ‘የ ኢሎም መተኣማመኒ ወሲዶም እናተወዓዓልና ብዝበልናዮ ግዜ እናሃብናዮም ኢና። ሐዚ ‘ውን ኣብ ከይዲ ዘለው ከምዘለው ይፈልጥ ‘የ። መሬትን ገዛ ዝካረይሉ ገንዘብን ኣረኪብናዮም ኢና። እዚ ካሕሳ ከምዝተወሃቦምን መሰሎም ከምዝተሓለወሎምን ‘ዩ ዝቁፀሩ።

ኣዲስ ኣበባ ንተለዓልቲ ልምዓት ኮሪዶር ናብ 20 ቢሊዮን ብር ዝፅጋዕ ካሕሳ ኸፊላ ‘ያ። እታ ከተማ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝኸፈለቶ ካሕሳ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዓመታዊ በጀታ ‘ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ካሕሳ ብዝግባእ ንኸፍል ኢና።

ሕቶ፡- ተለዓልቲ ልምዓት ኮሪዶር ኣበይ ኣለው? ናብቲ ዝኣተውሉ ከባቢኸ መሰረተ ልምዓት ተማሊእሎም ዶ ?

ከንቲባ ኣዳነች፡- ተለዓልቲ ልምዓት ኣበይ ኣለው ንዝብል ኣቃቂ ቃሊቲ ክፍለ ከተማ ሲ.አር.ዲ.ኤ ኣካባቢ ኣብ ዝርከቡ ኣብ ተገጣጠምቲ ህንፃ ኣካላት ብዝተሰርሑ ገዛውቲን ገላን ጉራ፣ ልደታ ቤተክርስቲያን ኣካባቢ ብዝተሰርሑ ሸውዓተ ህንፃታት፣ኣብ ጉለሌ እንጦጦ ጫፍ ብዘተዋደደ ልምዓት ዝተሰርሐ ብዙሓት ዝኣተውሉ ብጣዕሚ ደስ ዝብል መንደር ኮይኑ ‘ዩ።

ኣራብሳ ለሚኩራ ኣካባቢ ዝተሃነፁ 15 ህንፃታት ከምኡ ‘ውን ኣብ የካ ፈረንሳይን ኣየር ጤና ከባቢ ኣብ ዝተሃነፁ ህንፃታት ኣብ ዝተፈላላዩ ቦታታት ከይኮነ ማሕበራዊ መሰረቶም ከይተናግዐ ከይተበጣጠሰ እድሮምን ዕቁባታቶም ሒዞም ንክኣትው ‘ዩ ተገይሩ። ተለዓልቲ ቅድም ክብል ኣብ ዝነበሩሉ ከባቢ ዘይነበሮም ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ረኺቦም ‘ዮም። ኣብዞም ሳይታት ቦታታት መዘውተሪ ስፖርት መፃወቲ ህፃናት አለዎም። ናይ ልደታ፣ ለሚ ኩራ፣ ገላን ጉራን ናይ ጉለሌ ሳይታት እንተርኢናዮም መጋገሪ እንጀራ ፋብሪካ ሓዊሱ ኣለዎም።

ኣብ ሰፊሮምሉ ዝነበሩ ከባቢ ዝርከቡ ነባራት ቤት ትምህርትታት እኹል እንተኾይኑ ኣብኡ ንክምሃሩ ይግበር። ከም ገላን ጉራን ዓይነት ብዙሓት ተለዓልቲ ኣብ ዝሰፍርሉ ከባቡ እንተኾን ካብ መውዓሊ ህፃናት ካብ ኬጂ ጀሚሩ ክሳብ እስከ ካልኣይ ብርኪ ንትራንስፖርት ወፃኢ ከይተዳረጉ ኣብኡ ኣብ ኣፍደግኦም ብዝተዋደደ መንገዲ ተሃኒፅሎም ‘ዩ። ደው መበሊ ኣውቶቡስ ደረጅኡ ብዛሓለወ ተሰሪሕሎም ‘ዩ። ማሕበራዊ ምትእስሳሮም ዘጠናኽሩሉ ብሓባር ዝራኸብሉ ዝዝትይሉ ቦታ ኩሉ ተዳልይሎም ‘ዩ። ቀዲሞም ካብ ዝነበርሉ ካብ ዝተጨናነቀ ንኣፍንጭኦም ‘ውን ዘይምችው ብምንፅር እቲ ከባቢ እቲ ኣየር ‘ውን ባዕሉ ምግቢ ‘ዩ።

ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ‘ውን ፈጢርናሎም ኢና። ኣብ ዝኸዱሉ ኩሉ ፋርማሲታትን ማህበር ሸመትቲን ዝኣምሰሉ ኣቅረብቲ ኣገልግሎታት በቢበሮም ‘ዮም ዘለው። ብተወሳኺ ድማ ትማሊ ዝንግዱ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ዝሸጡ ስለዝኾኑ ኣብኡ ኣካባቢ እንዳ ሸቐጥ ንክህልዎም ተገይሩ ‘ዩ። ይሰርሕሉ ዝነበሩ ዓይነት ንግድ እናተረኣየ ኣብ ማእኸል ከተማ መስርሒ ቦታ ንክረኽቡ ገይረና ኢና። ኣብ ካልኣይ ልምዓት ኮሪደር ሼድ ጥራሕ 1 ሽሕን 444 ዝኸውን ኣቅሪብና ኢና። ምስቲ ቀዳማይ ኮሪደር ብድምር ክልተ ሽሕን 300 ሼዳት ንተለዓልቲ ከነቅርብ ክኢልና ኢና። ኣብ ካልኣይ ኮሪደር ካብ ቀዳማይ ኮሪደር ተማሂርና ብዝሕ ዝበሉ ሹቃት ሃኖፅና ኢና።

ሕቶ፡- ንቅርስታት ግቡእ ሓለዋ ምስ ምግባር መንፅር እቲ ልምዓት ኮሪዶር ከመይ ይረኣይ?

ከንቲባ ኣዳነች፡– እቲ ልምዓት ኮሪዶር ንቅርስታት በደምቢ ኣፋሊጢዎም ‘ዩ። ኣበይ ቦታ? እንታይ ዓይነት ቅርሲ ኣሎ? ዝብል ሃዊሱ ንብዙሓት ዘፋለጠ ‘ዩ። ብዙሕ ሰብ ብተለምዶ ስሞም ዘልዕሎም ቅርስታት ‘ዩ ዝፈልጥ። ይኹን ‘ምበር ብዙሓት ቦታታት ናይ ቅርሲ መስፈርቲ ዘየማልኡ አቧራ ተሸፊኖም ቅርስነታቶም ዘይተነገረሎም ብልምዓት ኮሪደር ፅገና ምስ ተገበረሎም ንክፍለጡ ተገይሩ ንቱሪስት መስሕብ ክፍቲ ኮይኖም ‘ዮም።

ነዚ ድማ ፒያሳ ኣብይ ምስክር ‘ዩ። ናይ መጀመሪያ ሆቴል፣ ናይ መጀመሪያ ቤት ሲኒማ ፣ ናይ መጀመሪያ ቤት ቲያትር፣ ናይ መጀመሪያ ቤት ፖስታ ከምኡ ‘ውን ናይ ሃገር በዓል ውዕለታ ዝኾኑ ሃፀይ ምኒሊክ፣ አቡነ ጴጥሮስ፣ ሃፀይ ቴዎድሮስን ራእሲ መኮንን ዝተሃነፁ ሓውልታት ይርከቡ። በዚ በለውጢ ዘበን ድማ ኣብ ማእኸል ፒያሳ ሙዚየም ዝኽሪ ዓድዋ ሃኒፅና ኢና።

ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ሓወልቲ ዓወት ሕድሳት ተገይረሉ ፏፏቴ ተወሲኹሉ መልኪዑ እዚ ወለዶ እናመፅአ ኣብ ልዕሊኡ ተፃሒፉ ዘሎ ምንባብ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዝኾነ ልምዓት ኮሪዶር ቅርስታ ካብ ዝተሃብኡሉ ን ብምውፃእ ጎሊሆም ንክርኣዩን ዓርሱ ዝኸኣለ ሓለዋ ዝገብረሉ ናይ ስራሕ ክፍሊ ተፈጥሩሉ ንክሕለው እናተገበረ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ክሳብ ሓዚ ኣብ ዘሎ ኸይዲ ልምዓት ኮሪደር እንታይ ዓይነት ልምዲታት ተረኺቦም?

ከንቲባ ኣዳነች፡- ኣብ ልምዓት ኮሪዶር ኣብ ሰሙን ንሸውዓተ መዓልታት ን24 ሰዓታት ብምስራሕ ፕሮጀክታት ብቅልጡፍ ጀሚሮም ምዝዛም ከምዝከኣል ተራእዩሉ። ብሓባር ኣመራርሓ ስራሕ ቆፂሩ ተኸፋፊሉ ብምምራሕ ውፅኢት ምምፃእ ዝተመዝገበሉ ‘ዩ ። ሳልሳይ ኣብ ከተማና ምስ መንገዲ፣ ፓርኪንግን ምስ ተርሚናል ተተሓሒዙ ዘለው ፀገማት መሰረታዊ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓት ከይነኻእና ኣብ ፀግዒ መንገዲ ተለጣጢፎም ዘለው ጥራሕ ብምልዓል መንገድታት ኣስፊሕና ደረጀኦም ዝሓለው ምግባር ከምዝክኣል ኣረጋጊፅና።

ብተወሳኺ ከተማና ኣብ ሓፂር እዋን ውሽጢ ርስሓት ብምፅራይ ከምዝክኣል ኣርኢና። ቅድሚ ሐዚ ለውጢ ባህሊ ነዊሕ እዋን ይውድእቨዩ ዝበሃል ዝነበረ ትኽክል ብዘይምዃኑ ይኹን ‘ምበር ከም ኣመራርሓ ቆሪፅና እንተወፊርና እቲ ማሕበረሰብ ‘ውን ከምዝኽተለና ኣብ ናይ መጀመሪያ ልምዓት ርኢና ካልኣይ ልመዓት ኮሪዶር ኣስፊሕና ዝሃነፅናሉ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ንዝሃብክናና መብርሂ ብስም እቲ ዝግጅት ክፍሊ የቐንየልና።

ከንቲባ ኣዳነች፡– ኣነ ‘ውን የቅንየለይ።

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You