‹‹ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ውድድ ሽልማት ከንረክብ ምኽኣልና ንቐፃሊ ስራሕና ዘተባብዕ ‘ዩ›› – ወይዘሮ ኤልሳ ተስፋይ

ኣብ ትግራይ በቲ ንኸባቢ ክልተ ዓመት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኵናት ስዒቡ ብዙሓት ትካላት መንግስትን ውልቐን ጉድኣት ከምዝበፅሐን ዝፍለጥ ‘ዩ:: ካብተን ዝዓነዋ ትካላት፣ ትካላት ኮለጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ:: ነቲ ጉድኣት ስዒቡ ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ‘ውን ናብ ከቢድ ፀገም ተቓሊዖም ‘ዮም::

ንዝኸፍአ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ተሳጢሖም ‘ዮም:: ኮይኑ ግና ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ኣንፃራዊ ሰላም ብምርካቡ ብዙሓት ትካላት ብሓገዝ መንግስትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ናብ ንቡር ስረሐን ተመሊሰን ግልጋሎት እናሃባ ይርከባ:: ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ‘ውን ናብ ስረሖም ተመሊሶም ህይወቶም እናመርሑ ይርከቡ:: በዚ መሰረት እቲ ትካል ዋላ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዝነበሮ ኣይመለስ ብዘለዎ ዓቕሚ ተጠቒሙ ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ::

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቴክኒክን ሞያን ምስ ዘለዎ ፀገም ተፃዊሩ ብሚኒስትሪ ዕዮን ክእለትን ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ሞያዊ ስልጠና ፌደራልን ኣሰናዳኢነት ‹‹ብሩህ ኣእምሮ ብኽእለት ዝበቕዑ ዜጋታት›› ብዝብል ቴማ ካብ 27 ሚያዝያ ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ 4ይ ሃገራዊ ውድድር ተሳቲፉ ዘተባብዕ ውፅኢት ረኺቡ ‘ዩ:: ምስ እዙይን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂብና ምስ ሓላፊት ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ኤልሳ ተስፋይ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና:: ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- እቲ ቢሮ ምስ ምምሃርን ምስትምሃርን ካልኦት ጉዳያትን ተተሓሒዙ እናሃቦም ዝርከቡ ኣገልግሎታት እንታይ ይመስሉ?

ወይዘሮ ኤልሳ፡- ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ በቲ ዘጋጠመ ኩናት ዝበፅሖ ጉድኣት ከቢድ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን ብርክት ዝበላ ኮሌጃት ብዝበፅሐን ዕንወት ስዒቡ ስራሕ ዘይጀመራ ኣለዋ ‘የን:: እዘን ስራሕ ዝጀመራ ኮሌጃት ብዘለወን ውሱን ማተርያል ተጠቒመን ‘የን ትምህርቲ ምሃብ ጀሚረን:: ዋላ እተን ስራሕ ዝጀመራ ኮሌጀት ብሙሉእ ሓይለን ናብ ስራሕ ኣይኣተዋን:: ዳርጋ ኣብ ጅማሮ ‘የን ዘለዋ፤ ምኽንያቱ ዝበፅሐን ዕንወት ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን:: ኮይኑ ግና ብዘለወን ዓቕሚ ናብ ስራሕ ኣትየን ኣብዚ ሰሙን ብዝተገብረ ሃገራዊ ውድድር ናብ ሽልማት በቒዐን ‘የን::

ኣብ ትግራይ 44 ኮለጃት ኣለዋና፤ እዚአን ኩለን ናብ ትምህርቲ ኣይኣተዋን:: ካብ እዚአን ብዘለወን ውስን ዓቕሚ ተጠቒመን ናብ ስራሕ ኣትየን ዘለዋ ናብ 34 ዝኾና ኮሌጃት ‘የን:: እተን ኮሌጃት ናይ ክእለት፣ ፍልጠት፣ቴክኖሎጂን ካልኦት ስራሕትን ግልጋሎት ወይ ትምህርቲ ዝህባ ከምዝኾና ዝፍልጥ ‘ዩ፤ እዚ ድማ ብዓበይቲ ማተርያላት ዝተደገፈ ‘ዩ፤ እዞም ማተርያላት እዚኦም ድማ ገሊኦም ዕንወት በፂሕዎም ገሊኦም ተሰሪቖም ስለዝኾኑ ዓብዪ ክፍተት ናይ ማተርያል ኣሎ::

ናይ ከም ኮምፒተራትን ካልኦት ዓብይቲ ቴክኖሎጂታትን ንምትካእ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ‘ዩ:: እዚ ብበጀት ይኹን ብኻሊእ ዝድገፈሉ ዕድል እንተጋጢሙ እቶም ክፍተታት እናተፈትሕሉ ዝኸድሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእል ‘ዩ:: ንሕና ‘ውን ነዚአን ናይ ዳግመ ምሕዋይ ስራሕቲ ወይ ደገፍ ክግበረልና ብተደጋጋሚ ናብ ፌዴራል ሕቶ ነቕርብ ኢና:: ሓገዝ እንተተገይሩ ናብ ስሩዕ ኩነታት ክመፃ ይኽእላ ‘የን::

ብርግፅ ዋላ ብጣዕሚ ውስን ይኹን ሓገዝ ተገይሩ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ምስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ዝመጣጠን ኣይኮነን:: ክሳብ ሕዚ ዝተገበረ ሓገዝ ብጣዕሚ ውስን ‘ዩ:: ነቲ ፀገም ዝፈትሕ ስለዘይኮነ እኹል ዝበሃል ኣይኮነን:: ናብቲ ቕድሚ ኩናት ዝነበረኦ ስታንዳርድ ክምለሳ ኣይኸኣላን፤ እቲ ደገፍ በቲ ዝድለ ብርኪ ክጅምራ ኣይገበረንን፤ ብዙሕ ክፍተታት ‘ዩ ዘሎ::

ወጋሕታ፡- እተን ኮሌጃት ኣብዚ ሕዚ እዋን ክንደይ ዝኣኽሉ ተማህሮ እናምሃራ ይርከባ?

ወይዘሮ ኤልሳ፡- ዕንወት ቅድሚ ምብፅሑ ብጣዕሚ ብዙሕ ተማሃራይ ‘የን ተቐቢለን የምህራ ነይረን:: ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ዝኣክል ተምሃራይ የምህራ ነይረን ‘የን:: ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ እተን 34 ዝኣኽላ ኮሌጃት ካብ 15 ሽሕ ዘይበልፅ ተማሃራይ ‘የን ተቐቢለን እናምሃራ ዝርከባ::

ካብ እተን 34 ዝኣኽላ ኮሌጃት እቲ ዝበዝሕ ብዘይ ስሩዕ ትምህርቲ ‘ዩ እናተማሃረ ዝርከብ፤ እዚ ከንብል እንተለና ምሸታዊን ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ሓፀርቲ ስልጠናታትን ብምውሳድ ‘ዩ:: ከም እዚኦም ዝበሉ ሓፀርቲ ስልጠናታት ብምውሳድ ‘ዩ እናተማሃረ ዝርከብ:: ቕድሚ ሕዚ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ንምምላእ፣ ሓደሽቲ ተመዝገብቲ ‘ውን ተደማሚሩ ናብ 15 ሽሕ ዝኣኽሉ ተምሃሮ ተቐቢለን እናምሀራ ይርከባ::

ወጋሕታ፡- ብሃገር ደረጃ ኣብዝካየዱ ውድድራት ተሳትፎ እዚ ትካል እንታይ ይመስል? ከምኡ ‘ውን ምስ ሽልማትን ንሽልማት ዝበቕዑ ተምሃሮ ተተሓሒዙ መብርሂ ተዝህባና፤ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ሃገር ለኸ ውድድር፤

ወይዘሮ ኤልሳ፡- ኣብዚ ዓመት ኣብዚ ሰሙን እዚ ብደረጃ ሃገር ንመበል 4ይ ዝተኻየደ ውድድር ተሳቲፍና ኢና:: ብደረጃ ክልልና ‘ውን ንመበል 2ይ ውድድ ኣካይድና ኢና:: ንሕና ከም ክልል ትግራይ ምስቲ ዝበፅሐና ፀገም ዋላ ‘ኳ ነቲ ውድድር ዘብቕዕ ቑመና ኣይንበረና ዝኸኣልናዮ ከንገብር ኣለና፤ ካብቲ ውድድር ዝኸኣልናዮ ትምህርቲ ‘ውን ንወሰድ ኢልና ናብቲ ውድድር ኣቲና ኢና::

ብኮሌጅ ደረጃ ናብ 24 ዝኾና ተወዳዲረን ‘የን:: እቲ ውድድር ብሰለስተ ዘፈራት ‘ዩ ነይሩ:: ናብ 9 ዝኣኽሉ ኣሰልጠንቲ መምሃራን ‘ውን ተሳቲፎም ‘ዮም:: ናብ ክልል ዝሓለፉን ናብ ሽልማት ዝበቕዑን ናብ 34 ዝኾኑ ‘ዮም:: ብደረጃ ክልል ዝኸኣልናዮ መተባብዒ ሽልማት ሂብና ኢና:: ብብርኪ ክልል ናብ 34 ዝኣኽሉ ተምሃሮ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ብምውፃእ ተሸሊሞም ‘ዮም::

ብጣዕሚ ጎበዛት ተማሃሮ ‘ዮም ነይሮም:: ብዕድሚኦም መናእሰይ ‘ዮም:: ዝበዝሑ ተምሃሮ ኣሰልጠንቲ ‘ውን ‘ዮም ነይሮም:: በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ፀገም በፂሕዎም ዝነበሩ ‘ኳ እንተነበረ ኣብ ቑምነገር ከንበፅሕ ንኽእል ኢና ብዝብል ብንሒት ሓቦን ‘ዮም ናብ ውድድር ኣትዮም:: ስለዚ ካብ እቶም 34 ድማ ተፃርዮም 12 ዝኣኽሉ ‘ዮም ናብ ፌዴራል ንውድድር ሓሊፎም ተላኢኾም:: ካብዞም 12 ዝተላኣኹ፣ 2 ሰልጠንቲ ተምሃሮ ብናይ ቴክኖሎጂ ውድድር ናብ ሽልማት በቒዖም ‘ዮም::

ሓደ ቐዳማይ ብምውፃእ ናይ ወርቒ ሜዳልያ ሽልማት ረኺቡ ‘ዩ:: ብጥረ ገንዘብ ‘ውን ናብ 500 ሚኢቲ ሽሕ ብር ተሸላሚ ኮይኑ ‘ዩ:: እቲ መበል ካልኣይ ‘ውን ናይ ብሩር ተሸላሚ ኮይኑ ‘ዩ:: ከምኡ ‘ውን ናብ 400ሽሕ ዝኣክል ብር ሽልማት ረኺቡ ‘ዩ:: እዚ ሽልማት እዚ ተስፋን ሓቦን ዘስንቕ ‘ዩ:: ነቲ ካሊእ ተምሃራይ ‘ውን ተስፋ ዝህብ ሽልማት ‘ዩ ነይሩ:: ነተን ኮሌጃትና ንዝበለፀ ስራሕን ውፅኢት ዘናቓቕሕን ዘለዓዓልን ‘ዩ::

እቶም ተወዳዲሮም ተዓዊቶም ዘለዉ ካብ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ሓወልቲ ኣክሱም ‘ዮም:: እዞም ተምሃሮ እዚኦም ብዝገጠሞም መሓሰይቲ ኩናት ከይተሸነፉ ብብርቱዕ ፃዕሮም ‘ዮም ኣሸኒፎም ዘለዉ:: ለይትን ቐትርን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ናብዚ ምብቐዖም ንኻልኦት ፅቡቕ መርኣያ ‘ዩ:: እዚኦም ካብቲ ቢሮ ሓሊፎም ንትግራይ ‘ውን ከም ትግራይ ንምፅዋዕ ዘብቕዑ ተወዳደርቲ ‘ዮም:: ሕዚ እተን ካልኦት ኮሌጃት ‘ውን ካብዚ ትምህርቲ ክወስዳ ኣለወን::

ኣብ ካልኦት ኮሌጃት ዘለዉ ተምሃሮ ካብዞም ብሉፃት ተምሃሮ እዚኦም ትምህርቲ ብምውሳድ ብሉፃት ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም:: ካልኦት ኮሌጃት ካብዚ ተሞክሮ ክውስዳ ዝኽእላ ኣብ ክሊ ዘጋጠመካ ዕንወት ኮይንካ ‘ውን ብንሒን ሓቦን እንተሰሪሕኻ ትዕወት ምዃንካ ‘ዩ:: እንተሰሪኻ ውፅኢት ከምዝርከብ መምሀሪ ኮይኑና ‘ዩ:: ኣብ ዝቕፅሉ ውድድራት ድማ ካብኡ ብዝበለፀ ክንሰርሕ ከምንኽእል ዘማላኽት ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክልል ትግራይ ንመበል ክንደይ ግዜ ተወዳዲራ ከምኡ ‘ውን ክንደይ ግዜ ሽልማት ረኺባ?

ወይዘሮ ኤልሳ፡- ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሕዚ ኢና ተወዳዲርና፤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ እቲ ዘጋጠመና ፀገም ኣይከኣልናን ነይርና፤ ኣይተወዳደርናን:: ኣብ ዝሓለፉ ምስ ዝነበሩ ከበድቲ ፀገማት ከንሳተፍ ኣይኸኣልናን ነይርና ከንብል እንተለና ሕዚ ፀገም የብልናን ማለት ኣይኮነን::

ዋላ ብዙሕ ፀገም ይሃልወና ንልምዓትና ከም መነቓቕሒ ‘ዩ ዝኾነና ኢልና ኢና ተወዳዲርና ፅቡቕ ውፅኢት ‘ውን ኣምፂእና ኢና:: ሎሚ ዘበን ዝተኻየደ ውድድር ብሰለስቲአን ዘፈራት ማለት ብመፅናዕትን ምርምርን፣ ብኽእለትን ቴክኖሎጂን ‘ዩ ነይሩ:: ኣብ ኩለን ውድድራት ተሳቲፍና ኢና:: ኣብዚ ዓመት እዚ ሓደ ግዜ ተኻይዱ ሓደ ግዜ ‘ውን ተሳቲፍና ኣለና፤

ወጋሕታ፡- ነዞም ብሉፃት ተወዳደርቲ ብኽልል ደረጃ እንታይ መተባብዒ እናተገበረሎም ይርከብ?

ወይዘሮ ኤልሳ፡- ናብ ፌዴራል ቕድሚ ምኻዶም እቲ ክልል ብዘለዎ ዓቕሚ ናይ ሽልማት ስነ ስርዓት ኣካይዱ ‘ዩ:: ዋላ ‘ኳ እቶም ተምሃሮ ንዝገበርዎ ፃዕሪ ዝምጥን ሽልማት እንተዘይኮነ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወፁ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቡ ‘ዩ:: ድሕሪ ሕዚ ‘ውን ነቲ ሕዚ ሒዘሞ ዘለዉ ሽልማት ተሓሳቢ ብዝገበረ ዝግበሩ ድጋፋት ኣጣናኺርና ከንቕፅለሉ ኢና:: እዚ ክልል ዝኸኣሎ ናይ ሰርቲፊኬትን ገንዘብን ሽልማት ኣበርኪቱ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ምስ ፈጠራ ስራሕ ተተሓሒዙ ዘለዉ ሓበሬታት ተዘካፍላና ማለት ኣብዚ ዓመት ብኽልል ደረጃ ንኽንደይ ዝኣኽሉ ወገናት ስራሕ ተፈጢሩ?

ወይዘሮ ኤልሳ፡- ብኣንፃር ዕድል ስራሕ ምፍጣር ብቴክኖሎጂ፣ ብፍልጠትን ክእለትን ዝተዓጠቀ ዜጋ ምፍራይ ዝዋሃቡ ስልጠናታት ‘ውን ተሓሳቢ ብምግባር ንናይ ትግራይ ዳግመ ሕውየትን ስደት መናእሰይ ንምቕናስን ዘለዎ ግደ ብጣዕሚ ልዑል ‘ዩ::

እንድሕር ደኣ እዚ ዝኣክል ቦታ ሃልይዎ እዚ ቢሮ እዚ መናእሰያትና ኣብዚ ኮሌጅ እዚ ሰልጢኖም ሞያ ሒዞም ወፂኦም በዓሎም ስራሕ ዕደል ዝፈጥርሉ ንበዓሎም ተቐይሮም ንማሕበረሰብ ዝቕይርሉ ከምኡ ‘ውን ዓዶም ዝቕይርሉ ዓብዪ ትካል ካብ ኮነ ናብ ስደት ከይዶም እንስእኖም ዘለና መናእሰይ ነዘን ኮሌጃት እዚአን ብማተርያል ኮነ ብኻሊእ ተነጠናኽረን ነይርና ተስፋ ስኢኑ ናብ ስደት ዝኸድ ዘሎ መንእሰይ ተስፋ ‘የን ዝኾና::

ስለዚ ብሓፈሻ ቢሮና ኣብዚ ዓመት እዚ ን250 ሽሕ ዝኣኽሉ ወገናት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ሒዙ ዝተንቐሳቐሰ ኮይኑ ካብቲ ዝተተሓዘ ትልሚ ክሳብ ሕዚ 103 ሽሕን 281 ብቐዋምን ግዝያውን ተፈጢሩ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ:: ካብዚ 43 ሽሕን 281 ደቒ ኣንስትዮ ‘የን::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክቐሪ ዘይግበኦ ሓሳብ እንድሕር ዘይሃልዩ መልእኽቲ እንተሃልይዎን ዕድል ክህበን፤

ወይዘሮ ኤልሳ፡- ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ነዘን ኮሌጃት ክሕግዝ ኣለዎ:: ኩሉ ትግራዋይ ይኹን ካሊእ ፈታዊ ትግራይ ዝኸኣሎ ብምሕጋዝ ተርኡ እንተተፃዊቱ ቑፅሩ ዘይነዓቕ ዜጋ እንተናእሰ ተማሂሩ ስራሕ ሒዙ ናብርኡ ዝቕይረሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ:: እቲ ተምሃራይ ተማሂረ ንናብራይን ዓደይን ክቕይር እኽእል ‘የ ዝብል ሓሳብ ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ:: ብቴክኖሎጂ እንተዓቢና እቲ መንእሰይ ናብዘን ብቴክኖሎጂ ዝዓባያ ዓዲታት ዝስደደሉ መንገዲ ኣይህልውን:: ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ክልወጥ ሞራል ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ:: እቲ ቐንዲ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ነዘን ኮሌጃት ብገንዘብ ይኹን ብማተርያላት ክነጣናኽረን ኣለና::

ስለዚ ነዘን ዕንወት ዝገጠመን ኮሌጃትና ንትግራይ እቑርቖረላ ‘የ ዝብል ኣካል ክሕግዝ ኣለዎ:: ከምዚ ምግባር ንማሕበረሰብ ሕውየት ማለት ‘ዩ:: ብኹሉ መዳይ ንኮሌጃትና ነጠናኽረሉ መንገዲ ክህሉ ኣለዎ:: ኣብዚ ኩሉ ትግራዋይ ክረባረብ ኣለዎ:: ምሕዋይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ቕድሚ ኵናት ዝነበረ ንላዕሊ ንወስደሉ ኩነታት ከንፈጥር ኣለና:: እዚ እንተገይርና ብዙሕ ስራሕ ዕድል ክፍጠር ኽእል ‘ዩ::

ተምሃሮ መናእሰይ ካብ ስደት ክድሕኑ ይኽእሉ ‘ዮም:: ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክነብሩ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ስለዝኽእል እዞም መናእሰይ ተስፋ ዓዶምን ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም:: ኣብዚ ዙርያ እዚ ኩላትና ከንረባረብ ኣለና:: ካብ ሕርሻ ቐፂሉ እቲ ዓንዲ ሑቐ እዚ ትካል እዚ ምዃኑ ተረዲእና ኣብዚ ዙርያ እዚ ምድጋፍን ምርብራብ ክህሉ ኣለዎ:: ተስፋ ዓዶም ዝኾኑ መናእሰይ ብዝተፈላላዩ መንገዲ ትምህርትን ስልጠናን እናሃብና ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ዝነብርሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና:: ነዚ ድማ ኩልና ብዝኸኣልናዮ ዓቕሚ ከንረባረብ ኣለና:: ዝብል መልእኽቲ ከሕልፍ እደሊ::

ወጋሕታ፡- ንዝሃባና ሓበሬታ የቐንየልና::

ወይዘሮ ኤልሳ፡– ኣነ እውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You