“ብቡንቧ ዝሰርሓ ዝነበራ ዝዓነዋ ኩለን ማያት ሎሚ ዓመት ሚእቲ ብሚእቲ ፀጊንና ናብ ስራሕ ክነእትው ኢና ዝብል ትልሚ ኣለና” -ኣይተ ሞጎስ ገብረእግዚኣብሄር፣ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ

ከምቢሮ እዚአን ብቅልጡፍ እንተተሰሪሐን ዘሎ ፀገም ከቃልላ ይኽእላ እየን ኢልና ዝርዝር ናብቲ ግብረሓይልን ናብ ቢሮ ሕርሻን ኣቅሪብና ኣለና። እዚ ንምስራሕ ዘድሊ ገንዘብ ብዙሕ ‘ዩ ናብ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልየን ከባቢ ‘ዩ። ዘሎ ዓቅሚ ኩሉ ኣብዚ ኣሰባሲብካ ግና ምስራሕ ይከኣል ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገማት ዝሐሸ ርድኢት ብምፍጣር ተዓፃፂፍካ ዝስርሐሉ ስርዓት ቢሮክራሲ ክፍጠር ኣለዎ። ”

ህፁፅ ምላሽ ኣብ ዝጠልቡ ካብ ሚንስትር ማይን ኢነርጅን ጀሚሩ ንማይ መስተ ዝውሃብ ዘሎ ምላሽ ፅቡቅ ‘ዩ በቢእዋኑ ዝተፈላለዩ ኣቁሑታት ማይ ይሕግዙና ‘ዮም በዚ ኣጋጣሚ ‘ውን ከመስግን ይደሊ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራሕ ንኣብነት ብቁፅሪ ንምፅራሕ ናብ 25 ዝኾና ፓንፕታት ልኢኾምልና ኣለው። ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ናብ 13 ሽሕ ዝኸውን ቆፃርታት ዝሃቡና ኣሎ ካልኦት ‘ውን ከምኡ። ኣብ መስኖ ግና ንድሕሪት ምቅራይ ዝመስል ነገር ኣሎ። ኣብዚ ብዙሕ ትኹረት ዝተወሃቦ መሲሉ ኣይርእን ዘለኹ።

ነዚ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ሞጎስ ገብረእግዚኣብሄር ኮይኖም ኣብ ጉዳይ ኣቅርቦት ማይን ኢነርጅን ካልኦት ተዛመድቲ ዛዕባታት ትኹረት ዝገበረ ምስ ጋዜጣ ዋጋሕታ ዝነበሮም ፃኒሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ቅድሚ ምፍጣር እቲ ኲናት ተጠቃምነት ሃፍቲ ማይ ትግራይ ኣብ ምንታይ ብርኪ ነይሩ?

ኣይተ ሞጎስ:– ማይ ሃፍቲ ከም ትግራይ ክንሪኦ ከለና ሽፋን ተበፃሕነት ኣብ ገጠር ካብ 58 ክሳብ 60 ሚእታዊ ኣብ ዘሎ ከባቢ ዝነበረ እንኸውን፤ ኣብ ከተማታት ድማ 57 ‘ዩ ነይሩ። እዚ ማለት ክንደይ ዝኣክል ክፍተት ከምዝነበረ ‘ዩ ዘርኢ።

እዚ ናይ 2012 ዓ.ም ዝነብረ ዳታ ‘የ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር ቅድሚኡ ከባቢ 90 ሚእታዊ ‘ዩ እናተብሃለ ‘ውን ሪፖርት ይግበር ነይሩ ‘ዩ። ደሓር ግና ብትኽክል ኣብ መርየት ዘሎ ኦዲት ክግበር ከሎ ናይ ገጠርን ከተማን ብሓደ ክንሪኦ ከለና እቲ ማእኸላይ ውፂት 58 ሚእታዊ ‘ዩ ነይሩ።

functional Rate ዝብሃል ኣሎ ክንደይ ዝኣክል ዝሰርሕን ዘይሰርሕን ኣሎ ዝብል ድማ እቲ ዘይሰርሕ ካብ 20 ክሳብ 22 ሚእታዊ ‘ዩ ነይሩ። ዘይኽፈለሎም ዝብሃሉ ማይ ድማ ናብ 7 ሚእታዊ ‘ዩ ነይሩ።

ዘይሩ ዘይሩ ቅድሚ ጦርነት ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን እቲ 40 ሚእታዊ ዝነበረ ብግቡእ ማነጅ ዘይተገበረን ፅሩይ ማይ ዘይረክብ ዝነበረ ‘ዩ ነይሩ። ካብኡ ግና እንታይ ንገብር ነይርና ዝብል እዚ ምስተፈለጠ ኣብ ብዝሓት ከባቢታት ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ፕሮጀካታት ማይ ክዝርሑሉ ዝጀመሩሉ ‘ዩ ነይሩ።

ወጋሕታ:- ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝበፅሖ ጉድኣት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እንታይ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ? ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑከ እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ሞጎስ:– ድሕሪ እቲ ዝተፈጠረ ጦርነትን ብዙሕ ዘኸተሎ ዕንወትን እተን ሐዚ እንሰርሐን ዘለና ኩለን ምስቲ ህፁፅ ምላሽ ዝብሃል ዝተተሓሓዛ እየን። እዚኣተን ‘ውን ብመንግስቲ ፌደራልን ብትካላት ሰብኣዊ ድጋፍ ወሃብቲን ዝስርሓ እየን።

ንሰን ‘ውን ቀለልቲ ፅገናታት ዝህባ እምበር ሓደሽቲ ኳዕቲ ጎዳጉድ ኣይገበርናን። ቅድሚ ጦርነት ተጀሚሮም ኣብ ከይዲ ነበሩ ፕሮጀክታት ማይ ተቋሪፆም ጠጠው ኢሎም ‘ዮም ዘለው። ንኣብነት ዓበይቲ ናይ መቐለ መስተ ማይ እኳ ክልተ ኣለው።

ሓደ ገረብ ግባ ዝብሃል ካብ ናይ ቻይና ኤግዚን ባንክ ዝተረኸበ ልቃሕ ዝስራሕ ዝነበረ ገና ኣብ ታሕቲ ብርኪ እናሃለወ ጦርነት ኣርኪብዎ ተቋሪፁ ክሳብ ሐዚ ጠጠው ኢሉ ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ ብሚኒስትር ፋይናንስን ምኒስትር ማይን ኢነርጅን ዝተተሓዙ ዝተወሰኑ ከይድታት ከምዘለው ይፈልጥ ‘የ። ይኹን እምበር ብጣዕሚ ዝንግዕ ዝበሉ ነገራት ‘ዮም ዘለው።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ምንታይ ኸይዲ ከምዘለው ኣይፈልጥን። እታ ኻልአይቲ ፕሮጀክት ዝርግሐ ዝስተማይ ከተማ መቐለ ገረብ ሰገን ቁፅሪ ክልተ ‘ያ፤ እዚኣ ብናይ ኣፍሪካ ልምዓት ባንኪ ፈንድ ዝስትራሕ ዝነበረት ኮይና ኣብ ከይዲ ስራሕ ጦርነት ኣርኪብዎ ደው ኢሉ ዝነበረ ሐዚ እቲ ዝነበረ ውዕሊ ኣሐዲስና ኣብ ቀረባ ናብ ስራሕ ዝኣትው ‘ዩ።

ናይ “ቲሪትመንት ፕላንትን” ዝርግሐ ፓይፕ ‘ዩ ተሪፍዎ። ስለዚ ብዛዕብኣ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ምኒስትሪ ማይን ኢነርጅን ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ካብዚ ሓላፊን ኣገልግሎት ማይ መቐለ፣ ምኽትል ከንቲባ ከተማ መቐለን ኣነ ‘ውን ከምቢሮ ሓላፊ ማይ ኢነርጅን ዝተረኸብኩሉ ኣብ ኣዳማ ተራኺብና ሓደ ሓደ ዝርዝር ጉዳያት ዝነበርዎም ኣውጊዕና፤ ብቀደም ሰዓብ ዝስራሕ ስለዝኾነ ስቪል ወርክን ናይ ፓይፕ ገጠማ ብዝተመልከተ ምስቲ ዝነብረ ኮንትራክተር ዝርርብ ገይርና ኣብ ቀረባ ግዘ ናብ ስራሕ ክኣትው ‘ዩ።

ብዛዕባ እታ በቀዳማይ ኣብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣውፂኹማ ዝነበርኩም ብዝምልከት ምስተን ተጀሚረን ደው ዝበላ ግድብ ገረብ ግባን ገረብ ሰገንን ብቀጥታ ዝራኸብ ኣይኮነን። ኣጠቃላሊ “ካልኣይ ፕሮጀክት ቀረብ ማይን ፅሬትን ከተማታት” ዝብሃል ኣሎ።

ናይዚ ተጠቀምቲ ዝኾና ከተማ መቐለን ዓዲግራትን ቅድም ኢሉ ተበጅትለን ናብ ስራሕ ኣትየን ዝነበራ ብሰንኪ እቲ ጦርነት ተቋሪፀን ዝነበራ ዳግም ናብ ስራሕ ክኣትያ ‘የን ዝብል ስለዘሎ። ንናይ ከተማ መቐለ ስራሕቲ ማይ ንምጅማር ዘድሊ ኣቁሑት ማይ ዕድጊት ንምፍፃም ኸይዲ ተወዲኡ ኣሎ።

ተወሳኺ ጎዳጉዲ ንምኹዓት ምድላው ከምዘሎን 17 ፓንፕታት ንምዕዳግ ኸይዲ ከምዝተወድኣ ‘ዩ ዘለኒ ሓበሬታ። እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ፀገም ከተንፍሶ ይኽእል ‘ዩ። ዘላቂ መፍትሒ ግና ኣይኮነን። ብመንግስቲ ፌደራል ዝስርሑ ዝነበሩ ፕሮጀክታት ማይ መሊሱ ንምጅማር ዝተወሰነ ናይ ምንዱንጓይ እንተሃለወ ‘ውን ናብ ስራሕ ክኣቲ ዝኽእል ‘ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ኢኹም ትሰርሑ ዘለኹም ዝብል ግና ከምቲ ዓንተዎ ዝበልናየን ካብ ንደመወዝ፣ ነዳዲን ዝተወሰና ፅገናታት ወፃኢ ብመንገስቲ ትግራይ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕቲ ምንም ዝብጀት በጀት የለን። ዘይሩ ዘይሩ እተን ብፌደራል ተታሒዘን ዝነበራ ፕሮጀክታት ማይ ናይ ምጅማር ኣንፈት የርእያ ስለዘለዋ ምንቅቃሓት ኣሎ።

ካብኡ ድማ ንዝተወሰኑ ናይ ፅገናታት ስራሕቲ ብትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ይወሃበና ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ስራሕቲ ፅገናታት እናተሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስተን ኣጋራት ልምዓት ብሓባር ኮይንና ተወሰኽቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ንሓስብ ኣለና። ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ኣብ ምንታይ ከምዝበፃሕና ድማ ኣብዚ ሓደ ወርሒ ሓበሬታ ክህልወና ‘ዩ።

ወጋሕታ:-ከምዝፍለጥ ብዝተፈላለዩ ተደራራቢ ፀገማት ምኽንያት ሓረስታይ ትግራይ እኹል ምህርቲ ከምዘይረኸበ ይግለፅ ‘ዩ። እዚ ጉድለት ንምክሕሓስ ብሓፈሻ ድማ ልምዓት መስኖ ትግራይ ንምዕባይ ዘሎ ሕፅረት ማይ ንምንካይ እንታይ ንምስራሕ ተሓሲቡ ኣሎ?

ኣይተ ሞጎስ:- እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድርቂ ብዝምልከት ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ ሓደ ሓደ ግዘ መግለፂ ‘ውን ዝስእነሉ ‘ዩ። እንታይ መሲሉካ ናይ ሎሚ ዓመት ክረምቲ እቲ ጦርነት ጥራሕ ዘስዓቦ ፀገም ኣይኮነን። ተለሚዱ ብዘይፈልጥ ዝተፈለየ ምልክዕ ዘለዎ ዓይነት ድርቂ ‘ዩ ዘሎ።

ካብ ጨርጨር ጀሚርካ ብኢሮብ ዛላምበሳ ገይርካ ናብ ቀላቅል ዓፋር ከባቢ ዘሎ እንተሪእኻዮ፤ ምንም ምህርቲ የለን መስከረም ባዕሉ ከፍቲ ማይ ንምስታይ ዝሰተሰኣነሉ ‘ዩ ዘሎ። ካብኡ ሓሊፍካ ከዓ ኣብ ከባቢ ማእኸላይ ዞባን እንደርታን ዝተወሰና ቦታት ተመሳሳሊ ነገር ኣሎ።

ኣብቲ ክረምቲ ዘይነበረለን ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብተን ክረምቲ ማይ ዝወቅዓለን ዝነበራ ከባቢታት ‘ውን መስከረም በረድ ዝወቅዐሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። እና እንታይ ‘ዩ እቲ ኽፍእ ዘበለ ዘሎ፤ ሰብ እዃ ምናልባት ካብቲ ካብቲ ተባሂሉ ርዳእታ ክረክብ ይኸውን ናይ እንስሳት ቀለብ ግና ከቢድ ‘ዩ።

መስኖ ስራሕቲ ግና ዝተወሰነ እቲ ሃፍቲ ዝነበሮም ሓረቶት ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ከስፍሕዎ ድልየት ኣለዎም። ኣንሕና ግና ናይ ቴክንካል ፅንዓት ገለ ኢና ክንሕግዞም እንኽእል እምበር ካብኡ ዝሓለፈ ክንገብረሎም ኣይንኽእልን።

እተን ናይ መስኖ ዝድግፋ ዝነበራ እኳ ገና ሐዚ እየን ምንቅስቃስ ዝጅምራ ዘለዋ። ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ምንቅስቃስ ዘለወን ሽፋን ብጣዕሚ ኣብ ውሱን ቦታታት ጥራሕ ዝተገደባ ‘የን። ኣብዚ ብዝበለፀ ትኹረት ተገይሩ ተዝስራሕ ብዙሕ ነገር መቃለለ ነይሩ።

ብመሰረቱ ኣንሕና ናይ ክልል ፕረዝዳንት ዝመርሖ ሓዱሽ ግብረ ሓይሊ ኣለና ‘ዩ። ኣብዚ ከምቢሮ እዚአን እዚአን ብቅልጡፍ እንተተሰሪሐን ዘሎ ፀገም ከቃልላ ይኽእላ እየን ኢልና ዝርዝር ናብቲ ግብረሓይልን ናብ ቢሮ ሕርሻን ኣቅሪብና ኣለና።

እዚ ንምስራሕ ዘድሊ ገንዘብ ብዙሕ ‘ዩ ናብ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልየን ከባቢ ‘ዩ። ዘሎ ዓቅሚ ኩሉ ኣብዚ ኣሰባሲብካ ግና ምስራሕ ይከኣል እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኣሳቲፍካ ኣብ ዝኮዓቱ ጎዳጉዲ ይኹን ምንጪ ማይን ኣብ ዝኣምሰሉ ነገራት ንምስራሕ እዩ ድልየታት ዘለውና። ይኹን እምበር ጥራሕ ኢድካ ስለዘይስራሕ ናይ መንግስቲ ኣካላት ኣብዚ ዓብይ ግደ ክገብሩ ትፅቢት ንገብር።

ወጋሕታ:- ኣብ እዋን ጦርነት ኣብ ዕፅዋን ክባን እናሃለው ሓረስቶት መስኖ ኣብ ምስፋሕን ሓደሽቲ ቦታት ናብ ልምዓት ብምእታው ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይሕበር ‘ዩ። ሐዚኸ ነቲ ሓረስታይ ብምትሕብባርን ብምሕጋዝን ተመሳሳሊ ስራሕቲ ንምስራሕ እንታይ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለው?

ኣይተ ሞጎስ:– ኣብኡ ሐዚ ‘ውን እናሰራሕና ኢና ዘለና። ዝተፈላለዩ ሓረስቶት ቅርሺ ኣዋፂኦም ሓግዙና ይብሉና ‘ዮም። ኣብዚ ዘይግቡእ ወፃኢታት ከይገብሩን ደሓር ናብ ግጭታት ከይኣትው ኣጠቃቅማ ማይ ክፈልጡ፣ ማሕበር መስሪቶም ሕጋዊ ኣብ ምግባር፣ ኣፍልጦን ንክወሃቦምን ካብኡ ብተወሳኺ ብሰብ ሞያታትና ኣቢልና ቴክኒካላዊን ብሓፈሻ ሞያዊ ሓገዝ ንገብረሎም ኢና።

ዋላ ‘ቶም ሓረስቶት እዃ ክንድኡ ዝኣክል ምልዕዓል የሃልዎም እምበር፤ ኣብ መስኖ ትግራይ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ዝኾነና ዘሎ ስእነት ገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነስ ፀገም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ‘ውን ‘ዩ። ሓይሊ መብራህቲ ናብ ኩሉ ዝባፃሕ ኣይኮነን።

ጀኔነተር እንተኾነ ‘ውን በቲ ሐዚ ዘሎ ዋጋ ብጣዕሚ ኽባራት ‘የን። ምስዚ ተተሓሓዙ ፀገማት ብዙሓት ንርኢ ኢና። እቲ ሓረስታይ ኣብታ ግራቶም ኢንቨስት ናይ ምግባር ድልየት ፅቡቅ እዃ እንተኾነ ዘሎ ሕፅረት ፋይናንሻል ሐዚ ዘሎ ዋጋ ኣቁሑት ማይ ካብቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዕፅፊ ክሳብ ሚእቲ ፐርሰንት ዝወሰኸሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ክሳብ ሐዚ ህፁፅ ምላሽ ኣብ ዝጠልቡ ከም ፅገናታት መስተ ማይ ኣብ ዝኣምሰሉ ካብ ሚንስትር ማይን ኢነርጅን ጀሚሩ ንማይ መስተ ዝውሃብ ዘሎ ኣውንታዊ ምላሽ ፅቡቅ ‘ዩ። በቢእዋኑ ዝተፈላለዩ ኣቁሑታት ማይ ይሕግዙና ‘ዮም በዚ ኣጋጣሚ ‘ውን ከመስግን ይደሊ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራሕ ንኣብነት ብቁፅሪ ንምፅራሕ ናብ 25 ዝኾና ፓንፕታት ልኢኾምልና ኣለው። ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ናብ 13 ሽሕ ዝኸውን ቆፃርታት ዝሃቡና ኣሎ ካልኦት ‘ውን ከምኡ። ኣብታ ናይ መስኖ ግና ክሳብ ሐዚ ብዜካ ዝተወሰና ፕሮጀክት ዝጅምራ ዘለዋ ከምኡ ‘ውን ናይ ሰቆጣ ዲክለሬሽን ዝበለ ጀሚረን ዝነበራ ፕሮጀክት ተዘይኮይኑ ካሊእ ሓዱሽ ነገር የለን።

ናይ መስኖን ቆላማን ተባሂሉ ‘ውን ስለዝተፈለየ ናይ መዋቅራዊ ፀገም ስለዘለዎ ናባና ብዙሕ ክመፅእ ኣይርአይን ዘሎ። ኣብ መስኖ ንድሕሪት ምቅራይ ዝመስል ነገር ኣሎ። ኣብዚ ብዙሕ ትኹረት ዝተወሃቦ መሲሉ ኣይርእን ዘለኹ።

ትልሚ እተን ክለምዓ ዝኽእላ ቦታታት ኣብ ሸልፍ ኣቅሚጥናየን ኢና ዘለና። ቀስ እናበላ ናብ ተግባር ክልወጣ ዝኽእላ እየን። ብሓፈሻ ምንቅስቃስ ልምዓት መስኖ ከምቲ ናይ ማይ መስተ እናቀለጠፈልና ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማይ መስተ ብዙሕ ለውጢ ክነርኢ ኢና ኢልና ንሓስብ።

ብርግፅ ብጣዕሚ መሰረታዊ ፀገማት ዘጋጠመን ከተማታት ኣለዋና ከም ከተማ ፍረወይኒ ብሚድያ ሪእኹሞ እንተኾይንኹም ናብ 16ኪሎሜትር ዝኸውን ርሕቀት ማይ ኣሎ። እዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ኣሪእናዮም ኢና። ዩኒሰፍ፣ ናይ ጀርመን ልምዓት ባንኪ ዝኣምሰሉ ሪኦሞ ‘ዮም። ከምቲ ቅድም ኢለ ዝበልኩኻ ሐዚ ኣብቲ ሕፁፅ ምላሽ ስለዘለና ክንድኡ ዝኣክል ናብ ሳላሳ ኣርብዓ ሚልየን ዝኸውን ቅርሺ የብልናን።

ወጋሕታ:- ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ? ብፍላይ ኣብቲ ፅቡቅ ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ ዝተብሃለሉ ኣብ ናይ መስተ ማይ ብቁፅሪ ዝፅርሑ ስራሕቲ እንተሃልዮም?

ኣይተ ሞጎስ:– ሐዚ ትኽክለኛ ቁፅሪ ንምዝራብ ክኸብደኒ ‘ዩ። ምኽንያቱ እዚ ሕቶ ሃንደበት ‘ውን ስለዝኾነ። ካልኣይ ብዙሕ ዝበለ ቁፅሪ ‘ዩ ዘለና። ክሳብ ሐዚ ቁፅሪ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንምፍላጥ ፈንድ ራይዝ ገይርና ኣብ ኩሉ ዞባታት ጉጅለታት ኣጣይሽና ቆፀራ ብምግባር ኣብዚ ወርሒ ኣጠናቂቅና ሙሉእ ቁፅሪ ከነውፅእ ኢና።

እቲ ዘሎ ሽፋን ‘ውን ብቁፅሪ ክነውፅእ ኢና። ድሕሪ ኢቲ ጦርነት ከምዘለና ገምጋም ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ ዘለዋ ከባቢታት ከይሓወስካ ኣንሕና ኣብ እነማሕድረን ከባቢታት ጥራሕ ልዕሊ 12 ሽሕ ዝኾና ሞተር ዘይብለን ናይ ኢድ ፓንፕ ማይ ዓንየን ‘የን። እተን ሞተር ዘለወን ማያት ‘ውን ዳርጋ ኩሉ ብዝብሃል መልክዑ ዓንየን ‘የን።

ይኹን እምበር ኣብ ምፅጋን ካብተን ትካላት ልምዓት ፅቡቅ ናይ ምትሕብባር ኩነታት ኣሎ ‘ዩ። ከም ኣንፈት ቢሮ ማይን ኢነርጅን ብቡንቧ ዝሰርሓ ዝነበራ ዝዓነዋ ኩለን ሎሚ ዓመት ሚእቲ ብሚእቲ ፀጊንና ናብ ስራሕ ክነእትው ኢና ዝብል ትልሚ ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ ፅቡቅ ጅማሮታት ኣሎ። እዚ ማለት ግና ምስ ፀገናየን ብድሕሪኡ ብዝተፈላለየ ከምናይ መብራሕቲ ፀገም ክቃፀላ ከለዋ ከምዘይፀገና ክንወስዶ ኣይንኽእልን። ይኹን እምበር ኣብዚ ዝሓሸ ነገር ኣለው ‘ዮም።

ኣብዚ ክትርድአለይ ዘለካ ኣንሕና ፀጊንና ናብታ ዝነበረታ ጥራሕ ዘይኮነ እንመልሶስ፤ እቲ ህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ካብናይ ጦርነት ስምዒት ወፂኡ ናብ ንቡር ብዝመልስ ብዝሐሸ መልክዑ ኢና ንሰርሖ። እዚ ስራሕ ተጀሚሩ ‘ውን ‘ዩ ዘሎ።

ንኣብነት ሚኒስተር ማይን ኢነርጅን ምስ ዩኑሴፍ ኮይኖም ከምኡ ‘ውን ማረት ምስ ኬር ኢትዮጵያ ኮይኖም ጀሚሮምዎ ዘለው፤ ሓንቲ ናይ ኢድ ፓንፕ እኹል ዓቅሚ ማይ ዘለዋ እንተኾይና ናብ ሶላር ኢነርጂ ብምቅያር ሮቶ ብምግባር ናብ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ፓንፕ ብምግባር ብሓደ ግዜ ሹዱሽተ ጀሪካን ክመልእ ዘኽእል ይኸውን ኣሎ ማለት ‘ዩ።

ኣብ ራሕቂ ዝነበራ ማያት ‘ውን ናብቲ ነባሪ ምቅራብን ናብ ቤት ትምህርትታትን ጥዕና ጣብያታትን ‘ውን ንክሰፍሓ ይግበር ‘ዩ። ስለዚ ክፅገና ከለዋ ናብ ዝሐሻ ‘የን ንቅይረን ዘለና። ዘይሩ ዘይሩ ብዙሕ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ።

ንኣነትብት ብቁፅሪ ዝጥቀስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከባቢ እኳ ካብ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ናብ 150 ዝኸውን ናይ ኢድ ፓንፕ ሂቦምና ኣለው። እቲ ሰብዓ ዝኸውን ፓንፕ ባዕልና ክንተኽሎ ኢና ኢሎምና ኣለው። እቲ ሰማንያ ድማ ናብ ኢድና ኣረኪቦምና ኣለው ካብ መንግስትን ካብቲ ካብቲ ኢልና ክሳብ ሐዚ ማይ ዘይበፀሖም ከባቢታት ኣፅኒዕና ናብ ተግባር ክነእትዎ ኢና።

ወጋሕታ:- ኣብ ምልማዕ ማይ ሃፍቲ ትግራይ ዕውት ስራሕቲ ንምስራሕ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ሞጎስ:– ኣብዚ ዕውት ስራሕቲ ንምስራሕ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ተሳትፎን ምትሕብባርን የድልዮ ‘ዩ። ካብ ክልል ዞባ ጀሚርካ ክሳብ ጣብያታት ዘሎ መዋቅር ንእሽተይ ምትዕርራይ ዘድልዮ ‘ዩ። ማይ ሃፍቲ ጥራሕ ኣይኮነን ነዚ ዝሰርሖ።

ኣሰራርሓና ‘ውን ክነዘምንን ስራሕቲ ብቅልጣፈ ክንሰርሕ ኣለና። እቶም ስራሕቲ ብግቡእን ብቅልጣፈን ንክስርሑ ኣብ ታሕታዋይ ብርኪ ዘለው ኣመራርሓታት ኣብዚ ዘይንዓቅ ግደ ኣለዎም ‘ዩ። ካልኣይ ኣብ ክልልን ፌደራልን ‘ውን ምንባብ የድሊ ‘ዩ።

ሐዚ ኣንሕና ከም ቢሮ ማይን ኢነርጅን ዘሎ መዋቅራዊ ፀገም ብጥዕሚ ‘ዩ ዘፀግመና። እቶም ኣብ ጣብያታትን ወረዳታትን ዘለው ሰብ ሞያ ማይ ምስ ሙሉእ ዓቅማም ኣይኮኑን ዘለው። ስለዚ ኣብዚ ዘለው ሰብ ሞያን ኣመራርሓን ብግቡእ ምስራሕን ዘይምስራሕን ናይ ባዕሉ ፅልዋ ኣለዎ ‘ዩ።

ክሳብ ሐዚ ኩሎም መሓውራትና ክንረኽቦም ኣይከኣልናን ዘለና። ክሳብ ወረዳ ዘለው መሓውርና ጥራሕ ኢና ረኺብና ዘለና። ናይ ጣብያታት ሙሉእ መሓውራትና ክንረኸቦም ኣይከኣልናን። ነዚኦም ረኺብና ኦሬቴሽን መዕበይ ዓቅሚን ስልጠናታት ንምሃብ ‘ውን ኣይከኣልናን። እዚ ንዘይምግባር ናይቲ መንግስቲ ክልል ናይ ፋይናንስ ፀገም ‘ውን ኣሎ።

እተን ዝወሃባና በጀት ውስናት እየን እንደልዮ ክንገብር ዘኽእል ኣይኮነን። ከምኡ ‘ውን ከም ሃገር ምስ ሚኒስትሪ እቶት ወይ ምኒስትሪ ገንዘብ ብምዝርራብ ዝኾነ ትርር ዝበለ ውሳነ እንተዘይተወሲኑ ናይ ማይ ኣቁሑት እታወታት ንምእታው ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። ከምዚ ዝበሉ ካብ ታክስ ነፃ ብምግባር ወይ ካሊእ ኣማራፂ እንተዘይተወሲዱ ኣፀጋሚ ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ ኣብ ካሊእ ዘሎ ስራሕቲ ፅቡቅ ተወፋይነት ዝርኣየሉ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ፀገም ማይ ከተማ መቐለን ካልኦት ዝተፈላለያ ከተማታትን ንምፍታሕ ዝሕግዝ ስራሕቲ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ ኣብዚ ሓገዝ መንግስቲ ፌዴራል እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሞጎስ:- ቅድም ከዝገለፅናዮ ንናይ ከተማ መቐለ ፀገም ማይ ንምቅላል ተወሳኺ ጎዳጉዲ ንምኹዓት ምድላው ከምዘሎን 17 ፓንፕታት ንምዕዳግ ኸይዲ ከምዝተወድኣ ‘ዩ ዘለኒ ሓበሬታ። እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ፀገም ከተንፍሶ ይኽእል ዩ።

ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ዝተሰርሐ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ ከም መቐለ ዝበላ ዕብይ ዕብይ ዝበላ ከተማታት ናብ 400 ሽሕ ከባቢ ነባሪ ክህልወን ‘ዩ ዝግመት ነይሩ። ሐዚ ዘሎ ግና ከተማ መቐለ ሒዛቶ ዘላ በዝሒ ሕዝቢ ናብ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልየን ኣቢሉ ዝኸውን ከምዘሎ ‘ዩ። እዚ ድማ እቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ትካላት ማይ ትልሚ ተገይሩ እኹል ክኸውን ‘ዩ ዝተብሃለ ሽፋን ማይ ንምሽፋን ዓቅሚ ኣይህልወንን።

ቀስብቀስ ግና እተን ተጀሚረን ዝነበራ ፕሮጀክታት ማይ እንተዛዚምናየን ናይ ምፍታሕ ዓቅሚ ክህልዎ ‘ዩ። ኣብ መቐለ ዘሎ ፀገም ማይ መሰረቱ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማይ ናይ ምውሓድን ናይ ምብዛሕን ጥራሕ ዘኮነስ፤ እቲ ዘሎ ማይ ጨዋማ ምዃኑን ኣብ ብዙሕ ቦታት ብኽነት ማይ ‘ውን ምህላው ‘ዩ።

ናይ ከተማ ፍረወይኒ ፀገም ማይ ብዝምልከት ከቢድ ፀገም መስተ ማይ ኣሎ። ብኣና ወገን ኩሉ ኣማራፂ ክኾነልና ኣይከኣለን ንዕኡ ምስራሕ ዓቅሚ የብልናን። ምስጨነቀና ምስቲ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ህዝቢ ብምዝታይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፅእን ዝርከብ ኩሎም ተወለድቲ ብምትሕብባር ሓቢርካ ዝስርሐሉ ኩነታት ኢና ከም መማረፂ ንወስድ ዘለና።

ነዚ ዝኸውን ሰነድ ድማ ኣዳሊና ወዲእና ኣለና። ሓቢርካ ዝስርሐሉ ኣንፈት ካብ ምኽታል ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ የለን። ካብቲ ሕዝቢ ‘ውን እዚ ንምስራሕ ዝተወሰነ ድልየት የርኢ ስለዘሎ ናብዚ ኣማራፂ ኢና ንኣትው ዘለና።

እቲ ዘሎ ፀገም ‘ውን ብሓደ ግዘ ክንፈትሖም ዓቅሚ ስለዘይብልና፤ እቲ ዝነበረ ሪዲዛይን ብምግባር ኢና ንምስራሕ ንሓስብ ዘለና ምኽንያቱ 16 ኪሎ ሜትር ፓይፕ ምግባር ምስቲ ሐዚ ዘሎ ልዑል ዋጋ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። ናይዚ ዋጋ ድማ 32 ሚልየን ክሳብ40 ሚልየን ከምዝውድእ ‘ዩ ዝግመት።

ወጋሕታ:- ብተመሳሳሊ ኣቅርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ትግራይ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ? ዘሎ ሕፅረት ኣቅርቦት ንምምሕያሽ እንታይ ተሰሪሖም? እንታይ ንምስራሕኸ ዝተሓሰቡ ኣሎ?

ኣይተ ሞጎስ:- ናብ ኣቅርቦት ኤሌክትሪክ እንተኸይድና ብጣዕሚ ሕፅረት ‘ዩ ዘለና። ንስራሕቲ ልምዓት መስኖ ዓብይ ዕንቅፋት ዝኾነና ዘሎ ሓደ ‘ውን ፀገም ኣቅርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ‘ዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ንምምሕያሽ ዝስርሑ ከም ስራሕቲ ኮንክሪት ኣዕምዲ ኣለው ‘ዮም።

ትራንስፎርመራት ኣብ ምርካብ ግና ዓብዪ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። ቅድሚ እቲ ጦርነት ኣትሒዙ ዝተኸፈለሎም ትራንስፎርመራት ክሳብ ሐዚ ኣይመፅኡን ዘለው። ንመስኖ ማያት ምስፍሕፋሕ ተባሂሉ ዝተኸፈለሎም ክሳብ ሓዚ ኣይሃቡናን ዘለው። ብኣና ዝንቀሳቃሳ ዘለዋና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንማይ መስተ እንጥቀመለን ብምኒስትሪ ማይን ኢነርጅ ፣ ዩኒሴፍን ብማረትን ዝሕግዙና ናሶላር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ‘የን።

ካሊእ ብብርኪ ሃገር ኣብ 11 ክልላት ዝትግበር ብዓለም ባንኪ ዝርከብ ናብ 5ሚልየን ከባቢ ካብ ኤሌክትሪክ ገመድ ንዝረሓቃ ትካላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሶላር ብምስፍሕፋሕ ትካላት ማይ፣ ትምህርትን ጥዕና ጣብያታትን ንምስፍሕፋሕ ዝተተሕዘ መደብ ኣሎ።

ከም ክልል ኣንሕና ናይ ባዕልና እንሰርሖ ብፅሒት ንሰርሕ ኣለና ኢና። ናብ 71 ዝኾና ትካላት ናብ ሶላር ንምቅያር ፋይል ኣፅፉፉ ኢሎምና ኣፅፊፍና ንፅበይ ኢና ዘለና። ካሊእ ባዮ ጋዝ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ትካል ፅቡቅ ‘ዩ እናሰርሐ ፀኒሑ። እቲ ትካል በቲ ጦርነት ብዙሕ ዓንዩ ‘ዩ ብተወሳኺ ድማ እቲ ፕሮጀክት ግዜኡ እናኣኸለ ‘ዩ ዘሎ። ከምኡ ኮይኑ ‘ውን ምስቲ ትካል ምዝርራብ ንገብር ኣለና ኢና።

ወጋሕታ:- በኣይ ወገን ሒዘየን ዝነበርኩ ሕቶታት ወዲአ ኣለኹ። ኣብ ዘልዓልናዮ ጉዳይ ኣብ ማይ ይኹን ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተረፈ ክግለፅ ኣለዎ ዝትብልዎ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ሞጎስ:- ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ እቲ ርድኢት ካብቲ ዝነበረ ዝሐሸ ክኸውን ይግብኦ ዝብል ኣለኒ። ነዚ ዝብለሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለኒ ሓደ እቲ ድልየት ተጠቃምነት ማይ ንመስኖ ስራሕቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ።

ብኡ ኣንፃር ድማ ኣቁሑት ማይ ድማ ብጣዕሚ እናኸበሩ ‘ዮም ዝኸዱ ዘለው፤ ካሊእ ድማ ናይ ድቅርን ዝተፈላለዩ ሕማማት ቅድሚ ዓመታት ጠፊኦም ኢልና ዘገመትናዮም ይመፅኡ ኣለዉ እሞ፤ ኣብዚ ዝሐሸ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ ተዓፃፂፍካ ዝስርሐሉ ስርዓት ቢሮክራሲ ክፍጠር ኣለዎ ይብል።

ወጋሕታ:– ግዚ ኦም ሰዊኦም ንዝሃቡኒ ሓበሬታ የቐንየለይ።   

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 4 ታህሳስ 2016 ዓ.ም

Recommended For You