ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናብ ሰላም ናይ ምምፃእ ባህሪ ከምዘይብሉ ተገሊፁ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናብ ሰላም ናይ ምምፃእ ባህሪ ከምዘይብሉ መስራቲ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ መምህር መኮነን ዘለለው ገሊፆም::

መምህር መኮነን ብፍላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝገበርዎ ፃኒሕት ከምዝገለፅዎ፣ መንግስቲ ፌዴራል ዋላ ኵናት ጠጠው ኣቢለ ኣለኹ ይበል ‘ምበር ብወገን ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ግና ሰላም ስለዘይደሊ ኵናት ጠጠው ናይ ምባል ባህሪ የለን፡፡

ከም ገለፃ መምህር መኮነን፣ ጉጅለ ህወሓት ኵናት ጠጠው ከብል እንተኾይነ ብዘይ ምንም ቕድመ ኩነት ዘቐምጥክዎም ነጥቢታት ክትግበሩ ኣለዎም ምባሉ ፍፁም ሰላም ዘምፅእ ኣይኮነን::ህወሓት መገዛ በዓሉ ሕገ መንግስቲ ጥሒሱ እናሃለወ ተገልቢጡ ሕገመንግስቲ ክኽበር ኣለዎ ምባሉ ንዓይ ቐልዲ እዩ ዝመስለኒ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ዘቐመጥክዎም ሸውዓቲኦም ነጥብታት ብዘይ ቕድመ ኩነት ክምለሱ ኣለዎም ምባሉ ንሰላም ድልው ዘይምዃኑ እዩ ዘርእየካ፤ ነዚ ኵናት እዚ ባዕሉ ዝወልዖ ብምዃኑ ሕገ መንግስቲ ክኽበር ኣለዎ ዝብል ቕድመ ኩነት ከቕምጥ ኣይኽእልን ኢሎም፡፡

ብግብረ ራዕዳዊ ዝተሰየመ ፓርቲ በጀት ይለቐቐለይ ከመሓድር እየ ምባሉ ቐልዲ እዩ፤ቦርድ መረፃ ሃገር ዘይፈቐዶ መረፃ ምክያዱን ንእዚ ሰሜን ምጥቕዑን ህወሓት ካብ ዝጠሓሶም ሕገ መንግስቲ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ መምህር መኮነን፣ ሕዚ ተገልቢጡ ኵናት ጠጠው ክብል እንተኾይኑ ሕገ- መንግስቲ ይኸበር ናይ ምባል መሰል የብሉን ኢሎም፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ዋላ ኵናት ጠጠው ኣቢለ ኣለኹ ይበል ‘ምበር ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ዘይምሕሳብ፤ ብሄር ብሄረሰባት ፈላሊኻ ምግዛእ፣ ነንባእሎም ክጋጨዉ ምግባር መግለፂኡ እዩ ኢሎም::

ብወገን መንግስቲ ፌዴራል እዋን ሕርሻ እዩ ኢሉ ኵናት ጠጠው ንምባል ዝወሰኖ ውሳነ ንህዝቢ ዝሓስብ መንግስቲ ምዃኑ እዩ ዘርእየካ ዝበሉ መምህር መኮነን፣ ብውግእ ሰላም፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ክመፅእ ስለዘይኽእል እንተተኻኢሉ ክልቲኦም ኣካላት ተቓራሪቦም ብምዝታይ ዘላቒ መፍትሒ ከምፅኡ ኣለዎም ኢሎም::

ብኵናት ሰላም፣ ፍትሒ፣ዲሞክራሲ ክመፅእ ኣይኽእልን::ከም ፓርቲ ትዴፓ ኵናት መፍትሒ ፀገም እዩ ኢልና ኣይንኣምን፤ ኵናት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንድሕሪት ዝጎትት እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ብዙሕ ኵናት ኣሕሊፉ ኣይተረብሐን::

ህወሓት ብዘይ ኵናት ዘይነብር ውድብ ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ኵናት ንምቕፃል ምንቕስቓስ እናገበረ ከምዝኾነን ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ዓብዪ ዋጋ ይኸፍል ምህላዉ ተረዲኡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን ክቓለሶ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ከም ገለፃ መምህር መኮነን፣ ህወሓት ከምድላዩ ዝደለዮ ክገብር እንተዘይክኢሉ ክነብር ኣይኽእል፤ ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ዝደሊ ውድብ ብምዃኑ ኣነ ዝበልክዋ ጥራሕ ትኹን ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎ:: ኣብ መዓርነትን ሓድነት ዘይኣምን ብሕጊ ተገዚኡ ዘፈልጥ ሓይሊ እዩ፡፡

እዚ ሓይሊ እዚ ናይ ባዕሉ እድመ ንምንዋሕ’ምበር ንህዝቢ ዝቑርቖር ስለዘይኮነ መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ትግራይ ካብ ምምሕዳር ህወሓት ዝሓሸ ዲሞክራሲ ክረክብ ብምግባርን ኣብጎኑ ብምስላፍን ካብ መግዛእቲ ህወሓት ናፃ ክገብሮ ይግባእ ኢሎም::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013

Recommended For You