‹‹ጉጅለ ህወሓት ምስ ሓይሊ ለውጢ ተሳንዩ ብዘይ ምኻዱ ንህዝቢ ትግራይ ሒዝዎ ዝመፀ መከራን ፀገምን ብዙሕ እዩ›› ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ

 መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሓይሊ ለውጢ ተሳንዩ ብዘይምኻዱ ንህዝቢ ትግራይ ሒዝዎ ዝመፀ መከራን ፀገምን ብዙሕ ምዃኑ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ ኣፍሊጦም፡፡

ኣይተ ባርያጋብር ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብዝገበርዎ ቓለ-መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ለውጢ ን27 ዓመታት ዝፈፀሞ ግፍዒ ከይኣኽሎ ድሓሪ ለውጢ ‘ውን ምስ ሓይሊ ለውጢ ተሳንዩ ብዘይምኻዱ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ክወድቕ ገይርዎ እዩ::ብሰንኪ እዚ ሓይሊ እዚ ህዝቢ ካብ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ብዝተፈለየ መልክዑ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቑ ይርከብ::

ድሌት ጁንታ ህዝቢ ትግራይ ብድኽነትን ጥሜትን እናሳቐየ ናይ ባዕሉ ስልጣን ምድልዳል እዩ ዝበሉ ኣይተ ባርያጋብር፣ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ድሌቱ ዘዐውተሉን ናብ ስልጣን ዝምለሰሉን ኩነታት የለን ኢሎም::

ከም ሃገር እንተሪእና ‘ውን ብዙሕ ፀገም ዘሎ ኣብ ትግራይ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣመታት ብመንግስቲ ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ስደተኛታት እንተሪእና መብዛሕተኦም ተጋሩ እዮም::እዚ ዘሪእየካ ጁንታ ህወሓት ንባዕሉ’ምበር ንህዝቡ ዘይሓስብ ከምዝኾነ ጠቒሞም፡፡

ህወሓት ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝቢታት ብፍላይ ምስ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ክላተም ብምግባር ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ብዝኸፍአ መልክዑ ብትምህርቲ፣ ብኢኮኖሚ ኣዝዩ ክህሰ ገይርዎ እዩ ኢሎም፡፡

 ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት እንተሪእና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ምውፅኡ ስዒቡ ህወሓት ካብዝነበሮ ብኢስዎ ናይ ብልፅግና ደገፍቲ ነይርኩም ኢኹም ብምባል ህዝቢ የሳቕይን ይቐትልን ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብዙሓት ፀገማት ነይሮምና እዮም::ሕዚ ድማ እናገደደ እዩ ዘሎ::ብግልፅን ብስውርን ሰባት ይቕተሉ ኣለዉ እዮም::ህወሓት ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዘለዉ ሰባት ከይቐረየ ይቐትል ነይሩ እዩ ኢሎም፡፡

 ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013

Recommended For You