‹‹ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምልዓላ ልኣላውነት ካልኦት ሃገራት ዝዳፋእ ኣይኮነን›› -ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትዴፓ

ከምዝፍለጥ ብዝተፈላለዩ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚታት ኢትዮጵያ ካብ ናይ በሪ ባሕሪ ትሕዝቶ እናተነፀለት መፂኣ ‘ያ፡፡ ብምኽንያት እዚ ኣብ ዓመት ከም ሃገር ኣስታት 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ዶላር ንበሪ ባሕሪ ወፃኢ ትገብር፡፡ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ እንተዝህልዋ እዚ ወፃኢታት ብምድሓን ብዙሕ ንቅድሚት ንሰጎመት ነይራ፡፡

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ኢኮኖሚ ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ‘ውን ‘ዩ፡፡ ናብቲ ከባቢ ኣዝያ ዝቀረበት ስለ ዝኾነት ኣብቲ ከባቢ ዝህሉ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ኣዝዩ ይፀልዋ ‘ዩ፡፡ በዚ ምኽንያት በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ብኹሉ መዳይ ወሳኒ ብምዃኑ ኣጀንዳ ኩሉ ኮይኑ ይርከብ፡፡

ምስእዚ ተተሓሒዙ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ኣገዳስነት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ እናገለፅዎ መፂኦም ‘ዮም፡፡ እዚ ናይ ሃገር ኣጀንዳ ብምዃኑ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብዙሓት ኣካላት ርኢተኦም እናገለፁ ይርከቡ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ፃኒሕት ብምግባር ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣልዒልና ኣለና፡፡ ሙሉእ ተውሕዝትኡ ድማ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን በሪ ባሕሪ ሓደ ዓብዪ መዛተዪ ኣጀንዳ ሃገርና ኮይኑ ይርከብ፡፡ ንሶም ኣብዚ ዘለዎም ሓፈሻዊ ርኢቶ ተዘካፍሉና፤

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ሕቶ በሪ ባሕሪ ክለዓል እንተኾይኑ ብዙሕ ነገራት ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ፤ ከምዝፍለጥ ብፍላይ ንሕና ተጋሩ ከም ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ቐይሕ ባሕሪ ንብዙሕ ዓመታት ዋጋ እናኸፈልናሉ መፂእና ኢና፡ ፡

ቐደም ናይ ደገ ፀላእቲ ብቀይሕ ባሕሪ ገይሮም ‘ዮም ናብ ኢትዮጵያ ይመፁ ነይሮም፡፡ ከም እንግሊዝን ጣልያንን ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ቀዳሞት ወለድና ብዙሕ ዋጋታት እናኸፈሉ መፂኦም ‘ዮም፡፡ ኮይኑ ግና ህወሓት ምስተመስረተ ኤርትራ ልኣላዊት ሃገር ከትኸውን እንተላ ኢትዮጵያ ብዘይ በሪ ባሕሪ ተሪፋ ‘ያ፡፡

ምስእዚ ተተሓሒዙ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እኳ እንተኾነ ኣዝዩ ብጥንቓቐ ክተሓዝ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያ በቲ ጀሚራቶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳ ከትኸይድ ኣለዋ፡፡ ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምልዓላ ልኣላውነት ካልኦት ሃገራት ዝዳፋእ ኣይኮነን፡ ፡

ሕቶ በሪ ባሕሪ ብምልዓላ ግጭት ዘልዕል ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ብዛዕባ ቐይሕ ባሕሪ ክለዓል እንተሎ ሓደ ሓደ ኣካላት ቐጥታ ምስ ኩናት ዘተሓሕዝዎ ኣለዉ ‘ዮም፡ ፡ እዚ ሕቶ መሰል ‘ዩ እምበር ኩናት ንምፍጣር ኣይኮነን፡ ፡ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ልኣላውነት ዘራኽብ ጉዳይ የብሉን፡፡

ኣብዝኾነ እዋን ክለዓል ዝኽእል ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምልዓሉ ትኽክለኛ ሕቶ ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ጉዳይ ኢኮኖሚ፣ ድሕንነትን ህልውናን ‘ዩ፡፡ እዚ ኣስፍሒኻ ዝረአ ኣጀንዳ ‘ዩ፡፡ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ጉዳይ ኣጀንዳ ኣፍሪካ ‘ውን ክኸውን ዝኽእል ‘ዩ፡፡ እዚ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ ናብ ካሊእ ፀገም ከየምርሕ ድማ ብሰላም ሓቢርካ ምጥቓም የድሊ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዘልዐልዎ ሓሳብ ኣሎ፣ ምትሕግጋዝን ወይ ሂብላ ምቅባልን ዝብል መትከል ዝተኸተለ ዝብል ሓሳብ፡፡ እዚ ፅቡቕ ሓሳብ ‘ዩ፡፡ ክኸውን ዘለዎ ‘ውን ንሱ ‘ዩ፡፡ ብምትሕግጋዝን ብምርድዳእን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ብሰላምን ዲፒሎማስን ከምኡ ‘ውን ኣለምለኸ ሕጊ ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ፡፡

በሪ ባሕሪ ብሓባር ብምልማዕ ብሓባር ምጥቓም ዝሓሸ መማረፂ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ክዓብያ ዝኽእላ ሓቢረን ዓልሚዐን ብምጥቓም ‘ዩ፡፡ ነቲ ባሕሪ በሓር ምጥቓም ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ዘለዎ ረብሓ ልዑል ‘ዩ፡፡ በሪ ባሕሪ ብሓባር ምጥቓም ሓበራዊ ረብሕኡ ብዙሕ ‘ዩ፡፡ ሓቢርካ ተደጋጊፍካ ትለምዕን ትዓብን፡፡

ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ‘ውን ተሓጋጊዝካ ትሰርሕ፡፡ ስለዚ ኣብ ከባቢ በሪ ባሕሪ ዝርከባ ክዓብያ ዝኽእላ ብተናፀል እንተይኾናስ ተረዳዲአን በሪ ባሕሪ ብሓባር ብምጥቓም ‘የን፡፡ ብተናፀል ክዓብያ ኣይኽእላን፡፡ ብሓባር ምጥቓም፣ ዞባዊ ምትእስስሳር ብፍጣር ሓቢርካ ንምዕባይ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡

ንሰላምን ፀጥታን እቲ ኸባቢ ‘ውን ዝጠቅም ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ከባባ ዘይ ምርግጋዕ እንተተፈጢሩ ጉድኣቱ ንኹሉ እቲ ከባቢ ‘ዩ፡፡ በሪ ባሕሪ በሓር ብምልማዕ፣ ብምጥቓም ምዕባይ ዝሓሸ መማረፂ ‘ዩ፡ ፡ በዚ መንገዲ ክኸውን ኣለዎ፡፡

ኮይኑ ግና ቅድሚ ኩሉ ኣብ መንጎና ሰላምን ሓድነትን ክህሉ ኣለዎ፡፡ እዚ ጉዳይ እዚ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ‘ዩ፡ ፡ ጥቅሙ ንህዝቢ እምበር ንፓርቲ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ እዚ ጉዳይ ፖለቲካ ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ እናሃለወ ኮይኑ ግና ካብናይ ህዝቢ ድሌት ወፃኢ ‘ዩ ከይዱ፡ ፡ ቕድሚ ሕዚ ህዝቢ ብዘይምምኽኻር ስለ ዝተወሰነ ‘ዩ ናብዚ ኩሉ ፀገም ተኣትዩ፡፡

እቲ ውሳነ ህዝቢባዊ መሰረት ዝገበረ ኣይነበረን፡፡ ህዝቢ ከየማኸርካ ዝግበር ውሳነ ድማ ጉድኣቱ ከቢድ ‘ዩ፡፡ ሓደ ፓርቲ ጠንካራን ደካማን ጎኒ ኣለዎ፡፡ ብምዃኑ ንህዝቢ ምምኽኻር ፅቡቅ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ዘየሳተፍካ ዝውሰን ውሳነ መኽሳሪ ‘ዩ፡፡ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ እንተኾይኑ ህዝቢ በዓሉ ክማኸረሉን ክውስኖን ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡- በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያን ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይግለፅ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኣስፍሒኻ ዝረአ ጉዳይ ‘ዩ፤ ብቐሊሉ ዝረአ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህይወቱ ምስ በሪ ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ‘ዩ፡፡

ኢትዮጵያ ናብቲ ባሕሪ ብጣዕሚ ዝቐረበት ‘ያ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ ብዙሓት ሃገራት ዝተፈላለየ ድሌት ስለ ዘለዎን እንተተጓኒፀን ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ይፀልዋ ‘ዩ፡፡ እዚ ንድሕንነት ሃገርና ‘ውን ዘስግእ ስለ ዝኾነ ይምልከታ ‘ዩ፤ ኢዳን እግራን ዓጣሚራ ስኽ ኢላ ከትርኢ ኣይትኽእልን፡፡

ምኽንያቱ ዝኾነ ነገር እንተተፈጢሩ ንኢትዮጵያ ብዓብይኡ ዝጎድኣ ስለ ዝኾነ መማረፂ በሪ ባሕሪ የድልያ ‘ዩ፡፡ ንድሕንነት ሃገራ ዘስግእ ስለ ዝኾነ ናይ በዓላ ግደ ክህልዋ ኣለዎ፡፡ እዚ ንበይና ዘይኮነስ ንኹለን ጎረባብቲ ሃገራት ቐይሕ ባሕሪ ዘስግእ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት ብሓባር ብምልማዕ ክጥቀማሉ ኣለዎን፡፡

ወጋሕታ፡- ጉዳይ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ፖለቲካ ወይስ ጉዳይ ህልውና ህዝቢ ‘ዩ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ጉዳይ በሪ ባሕሪ ንፖለቲካ መኽሰብ ዝውዕል ኣይኮነን፤ ምስ ፖለቲካ ዘራኽብ ‘ውን የብሉን፡፡ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ምስ ፖለቲካ ዝተሓሓዝ እንተይኮነስ ምስ ህልውና ሃገር ዝተሓሓዝ ዓብዪ ጉዳይ ስለዝኾነ ብደንቢ ክስረሐሉ ይግባእ፡፡

እዚ ኣጀንዳ እዚ ኣጀንዳ ቐፃሊ ወለዶ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ ብዓይኒ ፖለቲካ ዝረአ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ጉዳይ ህልውና ‘ዩ፡ ፡ ጉዳይ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ሰላምን ፀጥታን ‘ዩ፡፡ ምስ ሰላምን ፀጥታን ተተሓሒዞም ኣብቲ ካባቢ ምስ ዝለዓሉ ጉዳያት ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝፀልዋ ‘ዩ፡፡

ስለዚ እዚ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ህልውና ዝተኣሳሰረ እምበር ምስ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን፡፡ ጉዳይ ፖለቲካ ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት እንተሃልዮም ጌጋ ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ብጥንቓቐ ክረአን ክተሓዝን ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ወናኒት በሪ ቀይሕ ባሕሪ እንተኾይና ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– እዚ እንተተሳኺዑ ዓብዪ ዓወት ‘ዩ፡፡ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዘለዎ ረብሓ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ እዚ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ጉዳይ ‘ዩ፡ ፡

ብፍላይ እዚ ወደብ እዚ ብሓባር ብዘይ ምንም ፀገም ክጥቀማሉ እንተኽኢለን ሓቢረን ክለምዓ ዘኽእለን ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ሓቢረን ብስምምዕ እንተተጠቒመናሉ ቐሊል ዘይበሃል ረብሓ ኣለዎ፡፡ ማሕበራዊ ሓድነት ዝፈጥር ‘ዩ፤ ካብ ናይ ኢኮኖሚ ቐውሲ ከውፅእ ዘኽእል ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ልምዓት ንቅድሚት ንምስጓም ዝሕግዛ ‘ዩ፡፡

ብፍላይ ግድብ ኣባይን በሪ ባሕርን ንኢትዮጵያ ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ‘ዮም፡ ፡ መጀመርታ ግና ውሽጣዊ ስምምመዕ ክህልው ኣለዎ፡፡ ሓድነት ክህሉ ኣለዎ፤ ሓድነትን እንተዘይሃልዩ ንቅድሚት ከንስጉም ኣይንኽእልን፡፡ መጀመርያታ ውሽጣዊ ፀገማትና ብዘላቅነት ከንፈትሕ ኣለና፡፡

ወጋሕታ፡- በሪ ቐይሕ ባህሪ ሓቢርካ ብምጥቓም ነቲ ዞባ ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ቅድም ኢለ ከምዝበልክዎ እዚ ኣጀንዳ እዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ እንተይኮነስ ኣጀንዳ ኣፍሪካውያን ‘ውን ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ብምኽንያት እዚ ዝመፅእ ፀገም ንኹሉ ዝነክእ ‘ዩ፡፡ ናይ ካልኦት ረብሓ ንምሕዳግ ዝመስሎም ኣካላት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡

እዚ ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ንኢትዮጵያ ናይ ህይወት ጉዳይ ስለ ዝኾነ ‘ዩ፡፡ ብኢኮኖሚ እንተተፀጊማ ከምቲ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፓርላማ ዝበልዎ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስዳዱ ኣይተርፎን፡፡ እዚ ድማ ነተን ካልኦት ሃገራት ብተዘዋዋሪ ይፀልወን ኣሎ ማለት ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ፍትሓዊ ሕቶ ‘ዩ፡፡

እዚ ባሕሪ እዚ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ስለ ዝኾነ ሓቢርና ብምጠቓም ሓቢርና ክንዓቢ ኣለና፡፡ እዚ ኣጀንዳ እዚ ኣስፍሒኻን ብጥንቃቐን ክተሓዝ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ከትገድፎ ኣይትኽእልን፤ በዓሉ ‘ዩ ዘገድደካ፡ ፡

ስለዚ ቐልጢፍና ካብቲ ናይ ውሽጣዊ ኩናት ወፂእና ኣብ ከምዚ ዝበሉ ዓበይቲ ጉዳያት ከንነጥፍ ኣለና፤ ኣብ ልምዓትናን ዕብየትናን ቖላሕታ ከንገብር ኣለና፡፡ ንውሽጢ እንተይኮናስ ንደገ ከንርኢ ኣለና፡፡ እዚ ጉዳይ እዚ ንሰላምናን ልምዓትናን ንምርግጋፅ ዘለዎ ግደ ቐሊል ስለ ዘይኮነ ብጥንቓቐ ከንሕዞ ኣለና፡፡

ወጋሕታ፡- ኣነ ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ፤ ብወገኖም ምስ እዚ ተተሓሒዙ ክቀሪ ዘይግበኦ ሓሳብ እንተሃልይዎም ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣብ ተፈላለዩ እዋናት ብዙሓት ኩናት እናጋጠሙና መፂኦም ‘ዮም፡፡ ሕዚ ካሊእ ኩናት ከይገጥመና ጥንቓቐ ከንገብር ኣለና፡፡

ኩሉ ነገር ብጥንቓቐ ምሓዝ የድሊ፤ ካብ ኩናት ዝጥቀም ሃገር ወይ ህዝቢ የለን፤ ኩናት ከየጋጥም ኩሉ ነገር ብምኽክርን ዘተን ክንኣምን ኣለና፡፡ ሓባራዊ ኣጀንዳታትና ብሓባር ብምዝታይ ሰላምን ልምዓት ንምርግጋፅ ከንሰርሕ ኣለና፡፡

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና፡፡

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም

Recommended For You