ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ንከውግዝ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቲቱ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ ፡-ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ንከውግዝ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቲቱ።ፌዴራል መንግስቲ በይናዊ ተዂሲ ጠጠው ንክብል ውሳነ ንክመሓላለፍ ሕቶ ዝቐረበ ህይወት ዜጋታት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ከምዝኾነ’ውን ኣዘኻኺሩ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንግዜኢ ከምዝገለፆ፣ፌዴራል መንግስቲ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ግልጋሎት ንክቕፅሉ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንክፅገኑ ናይ ምግባር ግልፂ ዕላማ ብምሓዝ እናሰርሐ ነይሩ።

 እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ዓለም ለኸ ትካላት ረዲኤት ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ መግለፂ፣ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባር ካብ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ብመሰረት ዝወሃብ ኣንፈት ድሕንነት ሲቪል ዜጋታት ንምሕላው ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ፃዕሪ ንክዕወት ኣብ መትከል ዝተደረኸ ዘተ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ። ይኹን’ምበር ውሳነ ተዂሲ ደው ምባል ስዒቡ ኣካላት ፀጥታ ፌዴራል ካብቲ ክልል ለቒቖም ብምውፅኦም ጭቡጥ ኩነታት እታ ክልል ኣዝዩ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ፀብፃባት ምግላፆም ኣመልኪቶም።

ብፍላይ ልኡኽ ምድሓን ህይወት እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እናሓገዙ ዝነበሩ ዜጋታት ንባዕሉ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ብዝፅውዕ ዕጡቕ ጉጅለ መቕተልቲ ይፍፀሞም ከምዘሎ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ራያ፣ እንደርታ፣ መቀሌ/ ኹሓን ዓዲግራትን ብወለንታዊ ንህዝቢ ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰብ ሞያታትን ቤተሰቦምን በቲ ዝተዓጠቐ ጉጅለ መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖም ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ፀገም ተመዛበልቲ ዜጋታት ንምፍታሕ ዝግበር ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዝተዓናቐፈ ሓቢሩ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ዘብፅሖ ዘሎ መጥቃዕቲን ንሰብኣዊ ደገፍ ዝተወደቡ መኽዝናት ዝገበሮ ዘረፋን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ጥምየት ንምቕናስ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘተዓናቕፍ ኣጠንቂቑ።

ጉጅለን ደገፍቲን እቲ ግብረ ራዕዲ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት እናመዛበለ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር፣ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ንህይወቶም ብምስጋእ ይስደዱ ከምዘለዉ ገሊፁ።

መንግስቲ ፌዴራል’ውን እቶም በቢዕለቱ ዝመዛበሉ ዘለዉ ዜጋታት ይምዝግብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ናብ ኤርትራ’ውን እናኸዱ ዘለዉ ዜጋታት ከምዘለዉ ገሊፁ። ስለዝኾነ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ትካላት ሓገዝን ሓዊሱ ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ንከውግዙ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቲቱ።

እቲ ጉጅለ ክመፅእ ካብ ዝኽእል ኣማራፂ ሰላም ብተፃራሪ ዝገብሮ ዘይተቛረፀ ፃሕታሪነት ባእሲ/ጎንፂ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ንክግንዘቦ ኣመልኪቱ። ሕብረተሰብ’ውን ንኣማራፂ ሰላም ትኹረት ንክገበር ምግንዛቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013

Recommended For You