ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ትግራይ ምውፃእ ዝተጀመረ ቕድሚ ሓደ ወርሒ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ትግራይ ምውፃእ ዝተጀመረ ቕድሚ ሓደ ወርሒ ከምዝኾነ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ወድዓዊ ኹነታት ኣመልኪቶም ብኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ምላሽን መብርህን እንትህቡ ፣ መከላኸሊ ሃገር ካብ ትግራይ ናይ ምውፃእ ስራሕ ዝተጀመረ ቕድሚ ሓደ ወርሒ ከም ዝኾነ ዘልዓሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤እቲ ኸይዲ ድማ ብኣርባዕተ ግንባር ከምዝተኻየደ ኣረዲኦም፡፡

እቲ ውሳነ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ንምምላስ፣ስርጭት ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር፣ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ንምውዳእ፣ካብ ስደት ዝምለሱ ዜጋታት መትከሊ እግሪ ተሓሲቡ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ ድማ እዋን ኽረምቲ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ሓረስቶት ህድእ ኢሎም ንኽሓርሱ ዝተሓሰበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብኣንፃሩ ድማ ኣፍቲ ክልል ን40 ዓመታት ዝተዘርአ መርዚ ዘርኣውነት ክምሓው ኣይተኽኣለን ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ነዚ ድማ ናይ ፅሞና ግዘ ምሃብ ግቡእ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡ብደገፍቱ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘሰራጨዎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዓብዪ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ‘ውን ኣልዒሎም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ትግራይ ጎንፂ ጠጠው ንኽብል ኣይድለይን ዝበሉ ዶክተር ኣብይ ፤ዕላምኡ ድማ ድኽምቲ ኢትዮጵያ ንኽትፍጠር ዝተሓሰበ ከምዝኾነ ጠቍሞም፡፡

ህወሓት ናብ ጎንፂ ዝተኣተወሎም ቐንዲ ምኽንያታት እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ብዝተፈለየ መገዲ ምስ መከላኸሊ ዝተዓራረይ ትካል ብምህናፅ ወታደር ንምድላው ሰፊሕ ስራሕ ምስርሑ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡እዚ ድማ ንቐፃሊ ሉኣላዉነት ናይዛ ሃገር ዝፈታተን ብምዃኑ ዓብዪ ስግኣት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብገንዘብ እናቖፀረን እናደራጀወን ኣብዛ ሃገር ብዙሓት ጎንፅታት ንኽልዓሉን ኣፍቲ ከባቢ ሰላም ንኸይህልው ምስርሖም እቲ ኻሊእ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ‹‹እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብሽማግለ ዓዲ፣ብኣቦታት ሃይማኖትን ብዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰባት ለሚና ኢና ኾይኑ ግና ኣይተቐበሉናን›› ኢሎም፡፡

እቲ ውግእ ምስ ተኸፈተ እዛ ሃገር ንምሕማስ ብርክት ዝበሉ ትልምታት ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር እዚ ብቐሊሉ ንምምካን ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ጠቍሞም፡፡

ኣፍቲ ውግእ ነቲ ጁንታ ፈሊኻ ካብ ምውቃዕ ዝሓለፈ ኣብ ውሽጢ ከተማ ንኸይካየድ ዓብዪ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡

ትካላት መንግስቲ ‘ውን ስራሕ ክጅምሩ ንምግባርን ድጋፍ ንዘድልዮም ዜጋታት ልዕሊ ዝኾነ ሃገር ድጋፍ ከምዝገበረን ዝገለፁ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ፤ነዚ ድማ ብር 100 ቢሊዮን ወፃኢ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡

ኣፍቲ ክልል ተቛሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ቴሌኮምኒኬሽን መሊስኻ ንምስራሕ ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት ብጁንታ ከምዝተቐተሉ እዮም ገሊፆም፡፡

ድሕሪ ምኽባር ሕጊ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ኣፍቶም ኣውራ ጁንታታት ስጉምቲ ተወሲዱን ናብ ሕጊ ምቕራብ ‘ውን ተኻኢሉ እዩ ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ድማ እዚ ሰሜንን ኣፍቲ ክልል ዝነበሩ ኣፅዋራት ካብ ምውፃእ ዝሓለፈ መከላኸሊ ሰራዊት ሃገራዊ ቑመና ሒዙ ክደራጀውን ክጠናኸርን ዘኽእል ፅቡቕ ተሞክሮ ተረኺቡ እዩ ኢሎም፡፡

 ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013

Recommended For You