መበቖል ስልጣነን ጥበብን ኣክሱም ፅዮን

ትግራይ ብጣዕሚ ብዙሓት ተፈጥራዊ፣ ባህላውን ታሪካውን ፀጋታት ዝተዓደለት ‘ያ። ከም ኣብነት ጥንታዊ ቤተ መቕደስ ያሓ፣ ጥንታዊ ሓወልትታት ኣክሱም፣ ካብ 4ይ ክሳብ 15 ክ/ዘመን ከምዝተሰርሑ ዝንገረሎም ልዕሊ 120 ዝኮኑ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነፁ ኣብያተክርስትያናትን ገዳማትን፣ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ብዙሓት ታሪካውን ኣርኪኦሎጂካውን ስፍራታት ዝርከቡላ ኣዝያ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝመቸወት ክልል ‘ያ።

ብፍላይ ድማ ከተማ ኣኽሱም ቅድሚ እኒ ሞዛርትን ካልኦት ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ዓለምን ዜማታት ግእዝን ኣራራይን ዝመሃዘ መበቆል ቅዱስ ያሬድ ‘ውን ‘ያ። ብፍላይ ኣብ ጥንቲ ግዜ ኣኽሱም ምስተን ዝላዕለ ስልጣነታት ዝውንና ዝነበራ ሃገራት እትስራዕ ዝነበረት ማእኸል ስልጣነ ዓለም እያ ነይራ።

ኣክሱም መሰረት ስልጣነ ከምዃና መጠን ናይ መጀመርታ ባጤራ ገንዘብ ዝነበራ ከምኡ ‘ውን ፅሑፋት ግእዝ፣ ሰባን ግሪክን ኢሉ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ቕርፃ ቕርፂ ትፍለጥ ‘ያ። እዚኦም ሕዚ ‘ውን ሓድግታት ኮይኖም እናገልገሉ ዝርከቡ ‘ዮም። ኣብታ ከተማ ካብ ዘለዉ ታሪካውያን መቓብራት፣ ቤተ ሙዝየም ኣክሱም፣ ቤተ ክርስትያን እንዳ ፅዮን፣ ቤተ መንግስቲ ንግስተ ሰባን ካልኦት ታሪኻትን።

ኣክሱም ካብ ሃገረ እስራኤል ቀፂላ፣ ናይ ሃይማኖት መሰረት ወይ ዳግማዊት ኢየሩሳሌም ‘ውን ‘ያ። ብኦሪት እምነት፣ ኣብ ኣክሱም፣ ብሓዱሽ ኪዳን ክርስትና እምነት ኣብ ኣክሱም፣ ብቅብኣ ነገስታት መሰረቱ ኣብ ኣክሱም ከምዝኾነ ድርሳናት ይሕብሩ።

ብዛዕባ ኣክሱም እዚ ካብ በልና ናብቲ በቢዓመቱ ዝኽበር ኣከባብራ ሕዳር ፅዮን ድማ ክምለስ፤ ሕዳር ፅዮን 21 ፅዮን ማርያም፣ ታቦተ ፅዮን፣ ኣክሱም ፅዮን እናተባህለ ይኽበር። 21 ሕዳር ዝኽበረሉ ብመጠኑ ክዝርዝር እምበር ታሪኽ ኣክሱም ፅዮን ነዊሕ ‘ዩ። ታቦተ ፅዮን ኣብ እስራኤል፣ ታቦተ ፅዮን ኣብ ኣክሱም ትግራይ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ተኣምራት እልፍ ‘ዩ ይብሉ ሙሁራት።

ወዲ ንጉስ ሰለሙን ወዲ ንግስቲ ማክዳ (ሳባ) ምኒልክ ታቦተ ፅዮን ሒዙ ናብ ኣክሱም ብ982 ዓ/ዓ ዝኣተወሉ ሕዳር 21 ስለዝነበረ፣ ንግስተ ሳባ ‘ውን ድግስ፣ በዓል ገይራ ብኽብሪ ዝተቐበለትሉ ዕለት ‘ዩ ነይሩ። ታቦተ ፅዮን ንኣክሱም ክትመፅእ እንከላ ኣብወርቂ ሰረገላ ተቐሚጣ ርእሶም ብዝጠምጠሙ ሌዋውያን ተዓጂባ ኣብ ርእሶም ድማ ኣኽሊል ብዝደፍኡ ካህናት ተኸቢባ ነይራ ይብሉ ኣቦታት ሃይማኖት። ንግስተ ሳባ ወዳ ንታቦተ ፅዮን ሒዙ ይመፅእ ከምዘሎ ብስራት ምስ ሰምዐት እቲ ሕዝቢ ብዓቢዪ ኽብሪ ንኺቕበላ ኣዋጅ ኣንገረት።

 ታቦት ፅዮን ኣኽሱም ምስ በፅሐት ድማ እቲ ሕዝቢ ነጋሪት እንዳጎሰመ፣ መለኸት እንዳነፍሐ ዓቢዪን ንእሽቶን ብዕልልታን ብዓቢዪ መንፈሳዊ ስነስርዓትን ተቐቢልዋ ‘ዩ። ነዚ እዩ ድማ በቢ ዓመቱ ሕዳር ፅዮን 21 ብድምቀት ዝኽበር።

ድሕሪኡ ሚኒሊክ ምስቲ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሰርሖ ቤተ-መቕደስ ዝመሳሰል ቤተ መቕደስ ኣህነፀ። ንውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ ከዓ ብወርቂ ብምልባጥ ብዕንቚታት ‘ውን ኣወቀቦ። ካብቲ ኣዕናቚ ዚፍልፍል ዝነበረ ብርሃን ድማ

 ብለይቲ ነቲ ቤተ መቕደስ ከም ፀሓይ የብርሆ ነበረ። ገስታት ኣብርሃ ወኣፅበሃ (ኢዛና ሳይዛና) ኣብ ኣክሱም በዓል 12 ቤተመቅደስ ቤተክርስትያን ናይ ታቦተፅዮን፣ ብወርቂ ለቢጦም ብዘደንቕ ተኣምር ክሰርሑ ‘ውን ክኢሎም ነይሮም ‘ዮም።

እቲ በዓል በቢ ዓመቱ ብዝለዓለ ድምቀት እናተኸበረ ዝርከብ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ‘ዩ። በቢዓመቱ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ተኸታሊ እቲ እምነትን በፃሕቲ ዓዲን ካብ ተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ይሳተፉ። ኣጋይሽ ብኽብሪ ተቐቢልኻ፣ ኣኽቢርኻ ምስናይ፣ ኣክሱማውያን ዝፍለጥሉ ባህሊ’ዩ። ህዝቢ ኣክሱም በዓል ሕዳር ፅዮን ከኽብሩ ንዝመፁ ኣጋይሽ ብፍሉይ እናተቐበለ የስተኣናግድ።

ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ብመልክዕ ቱሪዝም ኣብ ቑጠባዊ ረብሓ ዓብዪ ኣስተዋፀኦ እናገበረ ይርከብ በዓል ሕዳር ፅዮን። ልዕሊ 3 ሽሕ ዕድመ ዘለዋ ከተማ ኣክሱም ዋላ ክንድቲ ዘቑፀረቶ ዕድመ ክህልዋ ትፅቢት ዝግበር ምዕባለ ኣይተርኢ ታሪኽ ዓቒባ ትርከብ ብምዃና ዝላዕለ ሃይማኖታውን ቑጠባውን ተጓናፂፋ ትርከብ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ሎሚ ዘበን ድማ ብዘሎ ሰላማዊ ኩነታት ብዝሓሸ መልክዑ ንምኽባር እታ ከተማ ምድላዋታ ወዲኣ ድሮ ሕዳር ፅዮን ኮይኑ እፍን ክድን እናበለት ትርከብ።

መኣርግ ገ/ሄር

 ወጋሕታ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም

Recommended For You