ኣብ ክልል ትግራይ ብሽዱሽተ ቢሊዮን ብር ወፃኢ መፍረዪ ሓፂነመፂን ክህነፅ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ:- ብምትሕብባር ሰብሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ብሽዱሽተ ቢሊዮን ብር ወፃኢ ሓፂንመፂን መፍረዪ ኢንዱስትሪ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝስራሕ ተገሊፁ። መርሃግብሪ ስራሕ መጀምሪ እቲ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ዝህነፅ ኢንዱስትሪ ትማሊ ዕላዊ ተገይሩ።

ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መርሃግብሪ ከምዝበልዎ፤ ኢንዱስትሪ ሓፂነመፂን ሌጀንድ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቃዊ ማሕበር ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ብምዃኑ ኣድላዪ ድጋፍ ክግበረሉ ‘ዩ። ኻልኦት ብውልቀን ብማሕበርን ዝተወደቡ ሰብሃፍቲ ‘ውን ኣሰር እዚ ፕሮጀክት ልምዓት ስዒቦም ብምልማዕ ዓርሶምን ሃገሮምን ንኽጠቕሙ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

75 ሚኢታዊ እቲ ሓፂነመፂን መፍረዪ ኢንዱስትሪ በቲ ኢትዮጵያዊ በዓል ሃፍቲ ኢንጅነር ያሬድ ተስፋይ ዝተሸፈነ እንትኸውን እቲ ዝተረፈ 25 ሚኢታዊ ድማ ብቻይናዊ በዓል ሃፍቲ ሚስተር ሊ ዮን ከምዝተሸፈነ መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ሳምሶም ገብረመድህን ገሊፆም። ኢንዱስትሪ ሓፂነመፂን ሌጀንድ ሽዱሽተ ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ‘ውን ተዛሪቦም።

ከምፀብፃብ ግዜኢ፤ ከንቲባ ከተማ መቐለ ይትባረክ ኣመሃ ብወገኖም እቲ ምምሕዳር ከተማ ንኢንዱስትሪ ሓፂነመፂን ሌጀንድ ካብቲ ሕዚ ዝተውሃቦ መስርሒ ቦታ ንላዕሊ ቐፃልነት ዘለዎ ድጋፍ ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።  

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም

Recommended For You