
ኣዲስ ኣበባ፡- መድረኽ ኪን ኢትዮጵያ ጥንታውነት፣ ታሪኻውነትን ሕብረብሄራውነትን ኢትዮጵያ ንዓለም ብምፍላጥ ኣታዊ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንኽምዕብል ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብር ክብላ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ናይ ዘመንና ምድላው “ህዝቢ ንህዝቢ” “ኪነ ኢትዮጵያ፤ ብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መልእኽቲ ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምርኢታት ንምቕራብ ዝተሰናድአ ምዃኑ ኣፍሊጡ። መርሃ ግብሪ መሰነይታ ጉጅለ ልኡኻን ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሙዝየም መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ ‘ዩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ሸዊት ሻንካ ከምዝተዛረብኦ፤ ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ባህሊ፣ ቋንቋን እሴታትን ኢትዮጵያ ንምልማዕ፣ ንምፍላጥን ንምሕላውን ብርክት ዝበሉ ስ ራሕቲ እናሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብ ቀረባ ንዝተኻየደ ፌስቲቫል ጥበብን ባህልን ምብራቕ ኣፍሪካ ሓዊሱ ባህሊ፣ ብዝሃነትን እሴታትን ኢትዮጵያ ዘፋልጡ ዓበይቲ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኻት ብምስትእንጋድ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ሰሪሑ ኢለን።
ኢትዮጵያ መበቆል ዘርኢ ወድሰብን ብሕብረብሄራውነት ዝደመቐትን ዓባይ ሃገር ‘ያ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ነዚ ዓቕሚ ንህፀት ሃገረ መንግስትን ንዕብየት ማሕበረሰብን ኣብ ምጥቃም መዳይ ጥበብ ዘይትካእ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪበን። ጥበብ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነትን ሕብረትን ንኽፍጠር ብምግባር ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ትርኽቲ ኣበርክቶኡ ዝዓዘዘ ምዃኑ ገሊፀን።
ኣብ 1978 ዓ.ም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንኢትዮጵያ ንዝገበሮ ድጋፍ ምስጋና ንምቕራብ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ብምንቅስቓስ ስራሕቲ ጥበብ ዝቐረበ ኣበርክቶ ህዝቢ ንህዝቢ እቲ ጉጅለ ዝዝከር ምዃኑ እተን ሚኒስትር ገሊፀን። ድሕሪ 79 ዓመታት ኪን ኢትዮጵያ ብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ ብዝብል ቴማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሪክስ ጉዕዞ ዝገብር ጉጅለ ቱባ ባህልን ጥበብን ኢትዮጵያ ብምፍላጥ ፅቡቕ ምስሊ ሃገርና ዝሃንፅ ምዃኑ ኣብሪሀን።
ልዕሊ 50 ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዘሳተፈ እቲ ጉጅለ ጥንታውነት፣ ታሪኻውነትን ሕብረብሄራውነትን ኢትዮጵያ ንዓለም ብምፍላጥ ኣታዊ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንኽምዕብል ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተዛሪበን። ልዕሊ 50 ትውፊታት ብሄር ብሄረሰባት ንህዝቢ ዓለም ኣጉሊህኻ ንምርኣይ ካብ በቢ ኸባቢኡ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ጥበብ ዘሳተፈ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ስነስርዓት መሰነይታ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወክልቲ ህዝቢ ፌዲሪኢ ባንዲራ ኢትዮጵያ ንቶም ልዑኻት ብምሃብ ሰንየሞም። ኣብ 1977 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ድርቂ መንቀሊ ብምግባር ዝተጣየሸን “ህዝቢ ንህዝቢ” ዝተብሃለን እቲ ጉጅለ ኪነት ሕብረ ብሄራውነት ኢትዮጵያ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ምፍላጥ መዳይ ተጠቃሲ ስራሕ ምስርሑ ዝዝከር ‘ዩ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም