ምድላዋት ምኽክር ምስ ዳያስፖራ ትግራይ

ዜና ጠዓሞት

ሓደሽቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ናብ ስራሕ ምእታወን ንዓውዲ ኮንስትራክሽን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝተሃነፀ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ማኑፋክቸሪንግ ሲሚንቶ ፓዮኔር ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር እንትምርቑ፣ብሽርክና ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ዝተሃነፀ እቲ ፋብሪካ ንምዕባለ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ሽርክና ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲን ሽግግር ፍልጠትን ፍሰት ሰብ ካፒታልን ከምኡ’ውን ፍሪያት ምርግጋፅ ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።ቅድመ ሐዚ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዘድልዮ እታዎት ንምርካብ ሕልኽላኽ መገዲታት ይሓትት ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ናብ ስራሕ ምእታወን ንዓውዲ ኮንስትራክሽን ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ምድላዋት ምኽክር ምስ ዳያስፖራ ትግራይ

ኣብ ክልል ትግራይን ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ምኽክር ንምክያድ ምድላው እናተገበረ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ምዕራፍ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣብ ትካላት ፌደራል ንሰብሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ግንዛበ መጨበጢ መድረኽ እንተካይድ፣ ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሂሩት ገብረስላሴ ከምዝበልኦ፣ ዛጊድ 11 ክልላትን 2 ምምሕዳራት ከተማን ኣጀንድኦም ዘቕረቡ እንትኸውን፤ ኣብ ቐፃሊ ኣብ ክልል ትግራይን ምስ ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ስራሕቲ ምትእኽካብ ክስራሕ ‘ዩ።

ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪብሄራዊ ረብሓ

ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ህዝባዊ ቆራፅነት ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ተረባሕነት ምድጋም ከምዝግባእ ምሁራን ተዛሪቦም።

እቶም ምሁራት ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ተረባሕነት ኣፍደገ ባሕሪ እዋኑ ዝጠልቦ ጉዳይ ህልውናን ብሄራዊ ረብሓን ምዃኑ ገሊፆም።

ተንታኒ ፖለቲካ ሰኔሳ ደሚሴ፤ ኩነታት ናብራ ህዝቢ ከይዓገቶ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ከምዝተኸኣለ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ መልሲ ክረኽብ ድጋፍን ፃዕሪን ክግበር ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ፡

በዓል ሞያ ዲፕሎማሲን ዓለምለኸ ርክብ ጥላሁን ሊበን ብግዲኦም፣ ሓድነት ብምጥንኻርን ብሰላማዊ መንገዲ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝምለሰሉ መገዲ ምምችቻውን ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ልዕሊ 66 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ተኣኪቡ

ብመስኖ ሓጋይ ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብኣዝርእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 66 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ከምዝተኣከበ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ብስርናይ ሓጋይ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር መሬት ምልምዑ ገሊፆም።ካብዚ ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብኣዝርእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 66 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ከምዝተኣከበ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ

ኣብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ተካእቲ ፍሪያታት ብምፍራይ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋረሕ ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ዘገናዘበ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ብመእታው ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ካብ ወፃኢ ዝኣቲ ዝነበረ 10 ነጥቢ 34 ቢሊየን ዶላር ዝግመት ፍሪያት ምትራፍ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብሪሆም።ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ተካእቲ ፍሪያታት ብምፍራይ ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ ኢሎም።

ድጋፍ ኢትዮጵያንዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት

ኢትዮጵያ ንዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ተወሳኺ ወተሃደራዊን ሓይሊ ፖሊስን ብምውፋር ደገፍ ከምእትገበር ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣረጋጊፀን።

በተን ሚኒስትር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ጀርመን በርሊን ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ሚኒስትራት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ምንግስታት ተሳቲፉ።ኣብ መኸምበቲ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስመዓ ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፣ ሕቡራት መንግስታት ብመሰረት ዘቕርቦ ሕቶ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ወተሃደራዊን ዩኒታት ፖሊስን ንተግባር ምኽባር ሰላም ከምእተዋፍር ቃል ኣቲየን።

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You