ትሩፋት ሌማት ስርዓት ኣመጋግባ ንምምሕያሽን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፡- መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ስርዓት ኣመጋግባ ንምምሕያሽን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።ብሃገር ቦቆል መፍትሒታት ፀገማት ንምፍታሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናከሩ ክቕፅል ‘ዩ ተባሂሉ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ስራሕቲ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት እዚ ዓመት፣ስነ ምግብን ቃል ኪዳን ሰቖጣን ብምግምጋም ኣንፈት ዘቕምጥ መድረኽ ኣብ ከተማ ጅማ እንትካየድ፣ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ትሩፋት ሌማት ስርዓት ኣመጋግባ ኣብ ምምሕያሽን ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ‘ውን እቲ መርሃ ግብሪ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ፍርያት ደርሆ፣ዓሳ፣ፀባን መዓርን ብምትኳር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብ ቀረብ ቀለብ እንሰሳትን ምትእስሳር ዕዳጋን ‘ውን ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ማእኸል ዝገበሩ ስራሕቲ ምትግባር ዝለዓለ ውፅኢት ምምዝጋብ ምኽኣሉ ገሊፆም።ብሌማት ትሩፋት ዝትግበር ዘሎ ስራሕ 26 ሚሊየን ዝነበረ ናይ ሓደ መዓልቲ ጫጩት ምክፍፋል ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ናብ 100 ሚሊየን ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ተግባራዊ ንትገብሮም ስራሕቲ ስርዓት ምግቢ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ከምዝረኸበት ብምሕባር፤ ነዚ ‘ውን ካልኣይ ፎረም ዓለምለኸ ዘላቒ ምርባሕ ንህብን እፅዋትን ንክተዳልው ከምዝተመረፀት ገሊፆም። ብመዓርግ ምክትል ፕሬዚዳንት መተሓባበሪ ክላስተር ገጠር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ስርዓት ምግቢ ኣብ ምምሕያሽ ዓብይ ምንቕቓሕ ዝፈጠረ ‘ዩ ኢሎም።

መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማትን ስርዓት ምግብን ንምጥንኻር ዝተፈላለዩ ኢንሼቲቫት ተሓንፂፆም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ‘ውን ሓቢሮም። ብሃገር ቦቆል መፍትሒታት ፀገማት ንምፍታሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናከሩ ክቕፅል ‘ዩ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኢትዮጵያ ዘለዋ መሬትን ሓይሊ ሰብን ኣጣሚራ ዘይምጥቃማ ንብዙሓት ዓማውቲ ንተሓጋዝነት ኣቃሊዑዋ ‘ዩ ኢሎም።ይኹን ‘ምበር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሃገር ቦቆል ሪፎርምታትን መመሓየሺታትን ብምትግባር ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፀአ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣተሓሳስባ ሽግግር ስርዓት ምግቢ ኢትዮጵያ ዘጋጥማ ዘሎ ሐልኽላኽ ፀገም ንምፍታሕ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።ባህጊ ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ንምሽፋን ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም። ኣብ ኢትዮጵያ ፍሪያት ብምስሳን ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ተግባራት ይካየዱ ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም መርሃ ግብሪ ሌማት ትሩፋት ቀንዲ ኣንፈት ብምዃን ይትግበር ከምዘሎ ‘ውን ሓቢሮም።ንፍሪያት ንህብን መዓርን ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንምጥንኻር ልዑል ጠመተ ከምዝተውሃቦ ኣፍሊጦም። ኣብቲ መድረኽ፤ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ፌዴራል፣ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተረኺቦም።

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You