ንዕውትነት ሃገራዊ ምኽክር ግደ ሙሁራን ዕዙዝ ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ንዕውትነት ሃገራዊ ምኽክር ግደ ሙሁራን ዕዙዝ ክኸውን ይግባእ ክብላ ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሂሩት ገብረስላሴ ገሊፀን።

ኣብዚ ሰሙን “ተራ ምሁራት ንውፅኢታውነት ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ኣብቲ እዋን ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሂሩት ገብረስላሴ ከምዝበለኦ፤ ምሁራት ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ሃገራዊ ጉዳያት ንበዓርሶም ከግልሉ ወይ ስቕ ክብሉ ምርኣይ ልሙድ ‘ዩ። ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ምኽክር ‘ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ይርአ ‘ዩ።

ንቲ መድረኽ ምድላው ዘድለየሉ ምኽንያት፤ ምሁራት ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብንቕሓት ክሳተፉን መፍትሒ ሐሳባት ከፈልፍሉን ንመፃኢ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንምስራሕ ምቹው ሃዋህው ምፍጣር ኣድላይ ከምዝኾነን ሙሁራን ንሃገሮም ክገብርዎ ካብዝግበኦምን ኣገደስቲ ታሪኻዊ ዕድላት ሃገራዊ ምኽክር ሓደ ምዃኑ ገሊፀን።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምኽኽር መድረኽ ምሁራት ንበዓሎም ክሓቱን ንሃገሮም ልዑል ኣበርክቶ ክገብሩን ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ታሪኻዊ ዕድላት ሓደ ’ዩ ዝበላ ምክትል ዋና ኮሚሽነር ወይዘሮ ሂሩት፤ ሓሳባት ዝዋፀአሉ፤ ሓሳብ ጥራሕ ዝዕወተሉ መድረኽ ክኸውን ኣለዎ፤ ኣብዚ መዳይ ’ዚ ሐሳብ ዘፈልፍሉ ምሁራት ዕዙዝ ክኸውን ይግባእ ኢለን።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ነቲ ኮሚሽን ሓገዝ እናገበረ ዘለዉ ምሁራት ከምዘለዉ ብምጥቓስ፤ እዚ እቲ ኮሙሽን ናብቶም ምሁራት ብምቕራብ ብዝገበሮ ፃዕሪ ዝተረኽቡ ውፅኢታት ‘ዮም ኢለን። ብሓፈሻ እንተርአ ግና ምሁራት ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ክገብርዎ ዝግበኦም ኣበርክቶ ተሳትፈኦም ንእሽተይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንቐፃሊ ምሁራት ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ክድግፉ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ መስመር ዝወፁ ጉዳያት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ምኽንያታዊ ምሁራዊ ነቐፌታ ከቕርቡ ትፅቢት ከምዝግበር ኣመላኺተን።

ከም ሃገር ካብ ዘጋጥሙና ፀገማት ምውፃእ ዝካኣል ኩላትና ብሓባርን ብምትሕብባርን ሰሪሕና ውፅኢት ክነምፅእ እንተለና ጥራይ ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ሂሩት፤ ኩሉ ሕብረተሰብ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ክገብር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን። ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዮም መሰረታውያንን ሃገራውያንን ጉዳያት ሰፊሕ ዘይምርድዳእን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ካብ ዝረኣየለን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ዝገለፃ እተን ዋና ኮሙሽነር፤ እዚ ኩሉ ዘይምርድዳእ ብሓይሊ ንምፍታሕ ፃዕሪ ዝካየደላ ዘላ ሃገር ምዃና ‘ውን ካሊእ ሓቂ ‘ዩ ኢለን።

ብምዃኑ ከም ሃገር ብዙሕ ዋጋ ከምዝተኸፍለን ይኽፈል ከምዘሎን ብምብራህ፤ እታ ሃገር ካብ ቅልውላዋት ክትወፅእ ዘይምኽኣላ ካብቲ ዝጠሓለትሉ መዓሙቕ ድኽነት ንምልቓቕ እትገብሮ ጉዕዞ ኣዝዩ ኣድካሚ ከምዝገብሮን ከም ሃገር ንህላወኣ ኣብ ሕቶ እናእተዋን ምዃኑን ገሊፀን። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኻየዱ ሃገራዊ ምኽክራት ዕዉት ካብ ዝገበሩ ጉዳያት ሓደ ልዑል ኣበርክቶ ምሁራት ምዃኑን ሃገራዊ ምኽክር ኣካይደን ዝፈሸለን ሃገራት ድማ ምሁራት ግዲኦም ብግቡእ ስለዘይዋፅኡ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብ መሰረታውን ማሕበራውን ጉዳያት ዘይምርድዳእ ካብ ዝረኣየሎም ወገናት ምሁራት ተጠቐስቲ ምዃኖም ዝገለፃ ወ/ሮ ሂሩት፤ ምሁራት ንሃገር ብሓሳብ ዝመርሑ ኣካል ሕብረተሰብ ስለዝኾኑን ኣብ መንጎኦም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ክፍጠር ምኽኣሉ ዘግርም ኣይኮነን ኢለን። ንመብዛሕትና ኢትዮጵያውያን ምሁራት እቲ ሕብረተሰብና ቀዲምና ይኸይድ ‘ዩ፤ ሃገር ክነሳግር ካብ ዘይብሉ ቖሪሱ ዘምሀረና ህዝቢ ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ሂሩት፤ ነቲ ኣብ ደረጃ ምሁርነት ዘብፅሓና ሕብረተሰብ ብምድጋፍ ዝተኸፍለና ዋጋ ከንኸፍሎ ይግበአና ኢለን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You